'መራሕቲ ሃገራት ኣብ ኣኼባ ሩስያ-ኣፍሪቃ ከይሳተፉ ኣሜሪካ ትኽልክል ኣላ' - ሩስያ

መራሕቲ ኣፍሪቃ ምስ ፑቲን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሩስያ ካብ ምዕራባውያን ሃገራት ዝወረዳ ጸቕጢ ንምምካት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ጐድና ከተሰልፍ ከምእትጥቀመሉ ዝግለጽ ኣኼባ ሩስያ-ኣፍሪቃ ጽባሕ ክጅምር’ዩ።

ኣብ ከተማ ሰይንት ፒተርስበርግ ዝካየድ ካልኣይ ኣኼባ፡ 50 ወከልቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ክሳተፉ ትጽቢት ዝግበር ኰይኑ ፍርቂ ካብዘን ሃገራት ድማ ኣብቲ ኣኼባ ብመራሕተን ክውከላ እየን።

ምዕራባውያን ሃገራት ብፍላይ ድማ መቐናቕንታ ዝዀነት ኣሜሪካ ግን መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብቲ ኣኼባ ከይሳተፉ ጸቕጢ ትገብር ከምዘላ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሩስያ ከሲሱ’ሎ።

ኣሰናዳኢ ኮሚቴ እቲ ኣኼባ ከምዝሓበሮ፡ 50 መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብቲ ኣኼባ ከምዝሳተፉ ኣረጋጊጾም ኣለዉ።

ካብ መንጐኦም ድማ ፕረዚደንት ዩጋንዳ ዮወሪ ሙሰቨኒን ደቡብ ኣፍሪቃዊ መዘናኡ ሲሪል ራማፎሳን ይርከብዎም።

ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ኣብዚ ናይ ሩስያ-ኣፍሪቃ ቍጠባውን ሰብኣዊ ቀረባትን ኣኼባ ክሳተፍ ትጽቢት ይግበር። ኣብቲ ናይ ክልተ መዓልታት ኣኼባ ምስ ብዙሓት መራሕቲ ኣፍሪቃ ብተናጸል ክራኸብን ክመኻኸርን ምዃኑ’ውን ይንገር።

ፈላማይ ኣኼባ ሩስያ-ኣፍሪቃ ኣብ 2019 ኣብ ሩስያ ሶቺ ዝተኻየደ ኰይኑ፡ እቲ ካልኣይ ኣኼባ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ተሓሲቡ ነይሩ።

ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ኣኼባ፡ "ኣብ ዝምድና ሩስያን ኣፍሪቃን ዝለዓለ ደረጃ ዘለዎ ፍጻመ" ክብል ነቲ ኣኼባ ይገልጾ።

ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ኣብቲ ኣብ 2019 ዝተኻየደ ፈላማይ ዋዕላ፡ ንግዲ ሃገሩ ኣብ ኣፍሪቃ ብዕጽፊ ክውስኽ ቃል ኣትዩ'ኳ እንተነበረ፡ ንግዲ ሩስያ ኣብ ኣፍሪቃ ግን ኣብቲ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ዝነበረሉ ተደሪቱ ከምዝተረፈ ይግለጽ።

ብተወሳኺ፡ መብዛሕትኡ ንግዲ ሩስያ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝተወሰና ሃገራት፡ ከም ግብጽን ደቡብ ኣፍሪቃን ጥራይ ዝተሓጽረ እዩ።

ብተወሳኺ ድማ እታ ሃገር ንኣፍሪቃ እትህቦ ሰብኣዊ ሓገዝ ምስ ዋሽንግተን ክነጻጸር እንከሎ ኣዝዩ ንእሽቶ እዩ።

ኣጀንዳታት ኣኼባ ሩስያ-ኣፍሪቃ

ኣብቲ ቭላድሚር ፑቲን ዝሳተፈሉ ኣኼባ፡ ካብ ንግዲ ኣጽዋር ክሳብ ቀረብ እኽሊ ዝበሉ ጉዳያት ኣብ ኣጀንዳ ተታሒዞም ኣለዉ።

ሩስያ ካብቲ ‘ብላክ ሲ’ ብዝብል ዝፍለጥ ምስ ዩክረይን ዝተገብረ ስምምዕ ቀረብ እኽሊ ከምዝወጸት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣፍሊጣ ነይራ።

እቲ ብመንጐኛነት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተገብረ ስምምዕ፡ ዩክረይን ካብ ወደባታ ናብ ድኻታት ሃገራት ፍርያት እኽሊ ክትልእኽ ዘኽኣላ እዩ ነይሩ።

ሩስያ ካብዚ ስምምዕ ምስ ወጸት ንሃገራት ኣፍሪቃ ብነጻ ወይ ብኣዝዩ ትሑት ዋጋ እኽሊ ክተቕርብ ከምእትኽእል ሓቢራ ኣላ።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ግን ሩስያ ናብቲ ስምምዕ ክትምለስ ሓቲቱ ኣሎ።

ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ዝዀነ ኦሌግ ኦዘሮቭ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ከምዝሓበሮ፡ ቀረብ ድኹዒ እውን ካልእ ኣጀንዳ ናይቲ ኣኼባ ክኸውን እዩ።

ብተወሳኺ እቲ ኣብ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ እቲ ኣኼባ ዝተዘርግሐ ዝርዝር መደባት ከምዘመልክቶ፡ ኣብቲ ንኽልተ መዓልታት ዝጸንሕ ኣኼባ እቶም መራሕቲ ሃገራት ኣብ ጉዳይ ጸጥታ፡ ሳይንስን ቴክኖሎጅን፡ ሰብኣዊ ሓገዝን ማሕበራዊ ጉዳያትን ክመያየጡ እዮም።

ጸቕጢ ምዕራባውያን

መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ንኣኼባ ናብ ሰይንት ፒተርስበርግ ከይገሹ ምዕራባውያን ሃገራት ይጻብኣ ኣለዋ ክትብል ሩስያ ትኸስስ ኣላ።

ወሃቢ ቃል እታ ሃገር ዲሚትሪ ፔስኮቭ ብሰሉስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ምዕራባውያን ሃገራት፡ መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ ዋዕላ ሩስያ-ኣፍሪቃ ንኸይሳተፋ ዝከኣለን ኵሉ ይገብራ ኣለዋ” ክብል ተሰሚዑ።

ዳርጋ ኵለን ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብቲ ኣኼባ ከይሳተፋ ኣብ ነፍሲ ወከፈን ብዝርከባ ኤምባሲታት ኣሜሪካን ፈረንሳን ጸቕጢ ይግበረለን ከምዘሎ ሓቢሩ።

ቻይናን ሩስያን ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ብዝፈጥራኦ ዘለዋ ጽልዋ ትሻቐል ዘላ ኣመሪካ፡ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዋዕላ ኣመሪካ-ኣፍሪቃ ከምዘካየደት ይዝከር።

ሩስያ፡ ኣሜሪካ ንመራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብቲ ኣኼባ ንኸይሳተፉ ጸቕጢ ትገብር ኣላ ክትብል ድሕሪ ምኽሳሳ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ "ኣፍሪቃ ምስ ካልኦት ሃገራት ዘለዋ ዝምድና ክንድርት ኣይንደልን ኢና። ሃገራት ኣፍሪቃ ኣማራጺ ክህልወን ኢና ንደሊ" ምባሉ ይፍለጥ።

መብዛሕትአን ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብቲ ሕቡራት ሃገራት ንወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ንምዅናን ኣብ ዝተወሃበ ድምጺ ተዓቂበን’የን።

ብምኽንያት እዚ ኲናት ድማ ሩስያ ንሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ጐድና ክስለፋ ንምግባር ብላዕለዎት ሰበስልጣናታ ኣቢላ ናብ ኣፍሪቃ ተደጋጋሚ መገሻታት ክተካይድ ጸኒሓ።