ሩስያ፡ ንመራኽብ እኽሊ መጠንቀቕታ ድሕሪ ምሃባ ዋጋ ስርናይ ብፍጥነት ወሲኹ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ሩስያ ስርናይ ንምጽዓን ናብ ወደባት ዩክረይን ዝጓዓዛ መራኽብ ከም ወታሃደራዊ ዒላማታት ከምእትቘጽረን መጠንቀቕታ ድሕሪ ምሃባ፡ ዋጋ ስርናይ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ቅልጡፍ ወሰኽ ኣርእዩ፡፡
ሩስያ፡ ስርናይ ዝጸዓና መራኽብ ብጸሊም ባሕሪ ኣቢለን ብሰላም ክሓልፋ ካብ ዘፍቅድ ውዕል ኣብዚ ሰሙን ወጺኣ ኣላ፡፡
ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ሲቪል መራኽብ ንዝፍጸም መጥቃዕቲ ንዩክረይን ተሓታቲት ክትገብር ትዳሎ ኣላ ክብል ከሲሱ፡፡
ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ብወገኑ፡ ቅድመ-ኵነቱ እንተተማሊኡ፡ ናብቲ ስምምዕ ሰደድ እኽሊ ከምዝምለስ ገሊጹ ኣሎ፡፡
ባንክ ሕርሻ ሩስያ ምስ ዓለምለኻዊ ስርዓተ ክፍሊት ደጊምካ ምርኻብ ሓደ ካብ ጠለባት እቲ መራሒ እዩ፡፡
ሩስያ ኣብ ወደባዊት ከተማ ዩክረይን፡ ማይኮለይቭ፡ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ኣየር ቍጽሮም ዘይተፈለጡ ሰባት ከምዝሞቱ መራኸቢ ማዕከናት ዩክረይን ዝገለጻ ኰይነን፡ ኣብ ካልአይቲ ወደብ ኦዴሳ እውን መጥቃዕቲ ኣየር ከምዝተኻየደ ተሓቢሩ፡፡
ፕረዚደንት ዘለንስኪ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ከባቢ ኦዴሳ ዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት ብምጥቃስ፡ ሩስያ እኽሊ ዝለኣኸሎም መስመራት ብምጥቃዕ፡ ድኻታት ሃገራት ኣብ ሓደጋ ተውድቕ ኣላ ክብል ከሲሱ፡፡
ዩክረይን፡ ሲቪል መራኽብ ኣብ ጸሊም ባሕሪ ውሑስ መንገዲ ንክረኽባ ካልኦት ሃገራት ጣልቃ ክኣትዋ ተማሕጺና፡፡
ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ‘‘ካብ 20 ሓምለ 2023፡ ሰዓት 00፡00 ኣቈጻጽራ ሞስኮ፡ ብጸሊም ባሕሪ ኣቢለን ናብ ወደባት ዩክረይን ዝጓዓዛ ኵለን መራኽብ፡ ወተሃደራዊ ጽዕነት ከምዝጸዓና ኢና እንሓስበን’’ ኢሉ፡፡
‘‘ናይ ሃገራት ባንዴራ ዘለወን መራኸብ እውን፡ እተን ሃገራት ኣብ ጐድኒ መንግስቲ ኪቭ ደው ከምዝበላ ኢና እንቘጽረን፡፡’’
ብረቡዕ ዋጋ ስርናይ ኣብ ዕዳጋ ኣውሮጳ ብሰሉስ ካብ ዝነበሮ 219.78 ፓውንድ ን ቶን፡ ብ 8.2 ሚእታዊት ወሲኹ፡፡ ዋጋ ዕፋን እውን ብ 5.4 ሚእታዊት ወሲኹ፡፡
ብረቡዕ ዋጋ ስርናይ ኣብ ኣሜሪካ ብ 8.5 ሚእታዊት ክውስኽ እንከሎ፡ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ካብ ዝጅምር እቲ ዝለዓለ መዓልታዊ ወሰኽ ዋጋ እዩ፡፡
ሚኒስተር ሕርሻ ዩክረይን ማይኮላ ሶልስኪ፡ ኣብታ ሃገር ዝተፈጸመ ደብዳባት 60 ሽሕ ቶን እኽሊ ከምዘዕነወን ኣብ ብዙሕ መሰረተ ልምዓት ሰደድ እኽሊ ጉድኣት ከምዘውረደን ገሊጹ፡፡
ሩስያ ብሰሉስ ካብቲ እኽሊ ውዕል ሰደድ ምስ ወጸት ድሕሪ ሰዓታት እያ ንወደባት ዩክረይን ምድብዳብ ጀሚራ፡፡
እቲ ምጉህሃር ካብ ክልቲአን ሃገራት ዝለኣኽ እኽሊ ደው ከብል ከምዝኽእል ተንተንቲ ስግኣቶም ይገልጹ፡፡
ቭላድሚር ፑቲን፡ ትማሊ ረቡዕ፡ ምዕራባውያን ነቲ እኽሊ ንምትሕልላፍ ዝተገብረ ውዕል ን ‘‘ፖለቲካዊ ሽም ምጥፋእ’’ ይጥቀማሉ ኣለዋ ክብል ከሲሱ፡፡
ሃገሩ እውን፡ ዩክረይን ነቲ ንእኽሊ ተባሂሉ ዝተኸፈተ ኮሪደር፡ ንውግእ ትጥቀመሉ ኣላ ክትብል ትኸስስ፡፡
ብሰኑይ ብማይ እትጓዓዝ ክትከውን ከምእትኽእል ዝተጠርጠረት ድሮን ዩክረይን፡ ሩስያ ምስ ክረምያ ዘራኽብ ድልድል ድሕሪ ምድብዳባ፡ ሞስኮ ኣብ ጸሊም ባሕሪ ዝርከባ ወደባት ዩክረይን ኣጥቂዓ፡፡




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







