ዋዕላ ብሪክስ፡ ንመሪሕነት ኣመሪካ ዝነሓናሕ ጉጅለ ድዩ ዝፍጠር ዘሎ?

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
ፕረዚደንት ቻይና ዢ ጂንፒን ነቲ ሓሙሽተ ቅልጡፍ ዕብየት ዘመዝግባ ዘለዋ ሃገራት ጥራሕ ብኣባልነት ዝሓቖፈ ብሪክስ ንክሰፍሕ ዝሓለፈ ውሳነ “ታሪኻዊ” ክብል ገሊጽዎ፤ እንተኾነ ሓባራዊ ድልየት ናይተን ሃገራት ክሳብ ክንደይ ከምዝኸይድ ኣይተፈለጠን።
ጂንፒንግ ምስፋሕ ኣባላት ብሪክስ “ንሰላምን ምዕባለን እዛ ዓለም ዘድሊ ሓይሊ ወሲኹ ከጠንክሮ እዩ” ክብል ነቶም ኣብ ጆሃንስበርግ ዝተኣከቡ መራሕቲ ገሊጹሎም።
ኣባላት ብሪክስ ዝኾና ብራዚል፣ ሩስያ፣ ህንዲ፣ ቻይናን ደቡብ ኣፍሪቃን ብዙሕ ግዜ፡ ነታ ብምዕራባውያን እትዕብለል ዓለም ከም ተነሓናሕቲ ተገይረን እየን ዝውሰዳ።
ካብ ጥሪ ድማ ኣርጀንቲና፣ ግብጺ፣ ኢራን፣ ኢትዮጵያ፣ ስዑድ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ናብቲ ጉጅለ ክጽንበራ እየን።
ዓብላልነት ምዕራባውያን ንምቅላስ ብሪክስ ክሰፍሕ ኣበርቲዓ ክትደፍእ ዝጸንሐት ቻይና እያ።
ዳይረክተር ኣብ ለንደን ናይ ዝርከብ ሶኣስ ቻይና ኢንቲትዩት ዝኾነ ስቲቭ ሳንግ፡ ዋላኳ ኣባል ሃገራት ብሪክስ ጎሊሁ ዝረአ ሓባራዊ ድልየት እንተዘይሃለወን፡ ፕረዚደንት ዢ፡ ኩሎም ብምዕራባውያን ዝተዓብለለት ዓለም ክትህሉ ከምዘይደልዩ ዝገልጽ ተመሳሳሊ ድልየት ከምዘለዎም ከርእዮም ይፍትን ነይሩ ይብል።
“እቲ ቻይና እተቕርቦ ዘላ ኣማራጺ ኣሰላልፋ ዓለም፡ መለኽቲ ኣብ ሃገሮም ውሑሳትን ድሕነቶም ዝተሓለወን ኮይኖም ክነብሩ ዝገብር እዩ” ይብል ይብል ፕሮፌሰር ሳንግ።
“ብዲሞልክራስያውያን ኣመሪካን ኣውሮጳውያንን ዝጸዓን ቅድመ ኩነት ምቕባል እንተየድለዮም፡ ኣማራጺ ኣንፈት ምዕባለ ክረኽቡ ይኽእሉ።”
‘ምህናጽ ምሕዝነት’
ንዋዕላ ብሪክስ ዘአንገደ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ስሪል ራማፎዛ፡ ዝርዝር እተን ሓደሽቲ ኣባል ሃገራት እንተቕርብ ፍሽኽታ ዓሲልዎ ነይሩ።
“ነቲ ሃገራት ምስ ብሪክስ ምሕዝነት ክሃንጻ ዘለወን ድልየት ክብሪ ንህብ” ኢሉ።
ቀንዲ ኣባል ሃገራት ኣብ መዐቀኒ ኣባልነት ምስተሰማምዓ ድማ ብዙሓት ሃገራት ከምዝውሰኻ ገሊጹ።
ክንደይ ሃገራትን ብክንደይ ዝኣክል ፍጥነትን ክቕበሉ ከምዘለዎም ግን ኣብዚ እዋን ናይ ሓሳብ ፍልልይ ተራእዩ።
ሓሙሽተ ሃገራት ብኣባልነት ክኣትዋ ከምዝተመረጻ ዝገልጽ ወረ ኣብ ዝነበረሉ፡ ረቡዕ ምሸት መራሕቲ መግለጺ ክህቡ ተታሒዙ ዝነበረ መደብ ተሰሪዙ።
ፕረዚደንት ብራዚል ሉላ ዳ ሲልቫ እውን ኣብቲ ምሸት ንመራሕቲ ኣብ ዝተዳለወ እንግዶት ድራር ኣይተርኣየን። ምኽንያቱ ብትኽክል ኣይፍለጥን፡ ኮይኑ ግና ምስ ምዕራባውያን ዘለዎ ርክብ ክሕሉን ከምዘለዎን ሓደሽቲ ኣባል ሃገራት ኣብ ምቕባል ጥንቃቕ ምግባር ከምዘድልይን ይርዳእ እዩ።
ረቡዕ ለይቲ ድማ እቲ መግለጺ ሓሙስ ንጉሆ ከምዝወሃብ ንጋዜጠኛታት ተነጊርዎም፤ ንሱ እውን ግን ካብ ዝተብሃሎ ክልተ ሰዓታት ደንጉዩ ነይሩ። እዚ ክሳብ እታ ናይ መወዳእታ ሰዓት ክርክር ከምዝነበረ ዘመላኽት ኮይኑ ካብቲ ዝተገመተ ወጻእ ሻድሸይቲ ሃገር ተወሲኻ።
ብሰንኪ እቲ ኣብ ዩክረይን ገበን ኲናት ከምዝፈጸመ ዝቐረበሉ ክሲ ከይእሰር ዝሰግአ ቭላድሚር ፑቲን ብቪድዮ እዩ ኣብቲ ኣኼባ ተሳቲፉ።
ኣብቲ ዘቕረቦ መደረ ከምቲ ልሙድ ንምዕራባውያን ወቒሱ። ዝኽተልዎ “ኒዮሊበራሊዝም” ኣብ ምምዕባል ኣብ ዝርከባ ሃገራት ንዘሎ ባህላዊ ክብርታትን ብዝኾነት ሃገር ወይ ጉጅለ ዘይትዕብለል ሓባራዊት ዓለም ንምፍጣር ይግበር ንዘሎ ምንቅስቓስን ሓደጋ እዩ ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
ዋላኳ ሽም እንተዘይጠቐሰ፡ ፑቲን ብዛዕባ ኣመሪካ ይዛረብ ከምዝነበረ ግልጺ እዩ።
ኣመሪካ ኣብቲ ዋዕላ ኣይተሳተፈትን፡ ቁሩብ ግን ሽማ ትለዓልን ትሕመን ነይራ።
ኣማኻሪ ድሕነት ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣመሪካ ጄክ ሱሊቫን ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ንትልሚ ምስፋሕ ብሪክስ ከነኣእሶ ተሰሚዑ።
ኣባላት ብሪክስ ኣብ ወሰንቲ ጉዳያት ፍልልያት ስለዘለወን እቲ ሕብረት “ንኣመሪካ ወይ ካልእ ሃገር ጂኦፖለቲካዊ ተነሓናሒ ናይ ምዃን ዕድሉ” ኣይረኣየንን ኢሉ።
ልክዕ እውን ክኸውን ይኽእል።
ኣብ ኲንሲ ኢንስቲትዩት ዳይረክተር ፕሮግራም ግሎባል ሳውዝ፡ ሳራንጋ ሺዶረ፡ ሓንቲ ካብተን ዝኣተዋ ሓደሽቲ ሃገራት እኳ ኣንጻር ኣመሪካ ዝኾነት ሃገር ከምዘየላ ይገልጽ።
‘ኣመሪካ ንኹሉ ስርዓት ክተውጽእ ኣይትኽእልን’
እንተኾነ ምስፋሕ ብሪክስ ለውጢ ከምዘሎ ዘመላኽት እዩ።
“ድሕሪ ሕዚ ኣመሪካ ንኩሉ ስርዓት እተውጸኣሉ ወይ ንኩሎም ትካላት እትዝውረሉ ዓለም ኣይክትህሉን። እዚ ሕቶ የብሉን። ካልእ ኣካል ድዩ ክሕዞ? ኣይኮነን። እቲ ዝመጽእ ምትኽኻብ ዘይኮነስ ብናጽነት ምስራሕ እዩ እየ ዝብል” ይብል ሺዶረ።
እቲ ዋዕላ ምሃብን ምቕባልን ዝነበሮ ዲፕሎማስያዊ ኣኼባ እዩ ነይሩ።
ፑቲን ኣይተኣሰረን፤ ሳላ ቴክኖሎጂ ሃገሩ እውን ካብ ምስታፍ ኣይተረፈትን።
ቻይና ዝደፈኣትሉ ኣባል ሃገራት ናይ ምውሳኽ ትልሚ ኣሳሊጣ ኣላ።
ብራዚል ሓበራዊ መተዓዳደጊ ገንዘብ ክህልወን ዘቕረበቶ ሓሳብ እውን ከም ቁምነገር ተወሲዱ ኣሎ።
ህንዲ ምስ ኣመሪካ ዘለዋ ርክብ ሚዛን ክትሕሉ ተራእያ።
ደቡብ ኣፍሪቃ ድማ ጸገማት ዘየጓነፎ ዋዕላ ኣአንጊዳ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







