ኣፍሪቃ ንናይ ዓለም ሓያላን ዓውደ ውግእ ክትከውን የብላን- ሕብረት ኣፍሪቃ

ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ መሃማት

ምንጪ ስእሊ, African Union/Twitter

ሕብረት ኣፍሪቃ፡ እታ ኣህጉር ዓበይቲ ሓይልታት ዓለምና ንናይ ገዛእ ርእሰን ረብሓታት ኣብ ዝወዳደራሉ ዘለዋ ጂኦስትራተጂካዊት ሜዳ ውግእ ናይ ምዃን ሓደጋ የንጸላለዋ ከምዘሎ ኣጠንቂቑ።

ቻይና፣ ሩስያን ኣሜሪካን ኩለን ኣብዚ ዓመትዚ ላዕለዎት ዲፕሎማሰኛታተን ናብ ኣፍሪቃ ምስዳደን ዝዝከር ኮይኑ፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ዩክረይን'ውን ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኣፍሪቃ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ።

እዚ ንካልኣይ ግዜኡ ናብታ ኣህጉር ዑደት ዝገብር ዘሎ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ዩክረይን ብ ረቡዕ 24 ግንቦት 2023 እዩ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ።

ዲሜትሮ ኩሌባ ኣብቲ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን ኣቦመንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ ማሃማትን ዘካየዶ ዝርርብ ፡ ኣፍሪቃ ንሃገሩ ዩክረይን ክትሕግዝ ተማሕጺኑ።

እቲ ምኒስተር ብተወሳኺ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ተካይዶ ዘላ ወራር ዘይሻራዊ መርገጺ ካብ ምንጽብራቕ ክቑጠባ መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ።

“ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ኣብ እተካይዶ ዘላ ወራር ዘይሻራዊ መርገጺ ምንጽብራቕ ማለት፡ ዶብ እናተጣሕሰን መጠነ ሰፊሕ ወንጀል እናተፈጸመን ካብ ምኹናኑ ከም ምቑጣብ እዩ” ክብልውን ኣብቲ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መብርሂ ኣረዲኡ።

ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት ሕቡራት ሃገራት፡ ሩስያ ካብ ዩክረይን ንክትወጽእ ኣብ ዝቕስብ ውሳኔ ፡ ድምጺ ኣብ ዝተኣከበሉ ግዜ ካብተን 54 ሃገራት ኣፍሪቃ መብዛሕትኤን ዘይሻራዊ መርገጺ ወይ ናይ ድምጸ ተዓቅቦ መርገጺ ክወስዳ እንከለዋ ኤርትራን ማሊን ነቲ ውሳኔ ብምቅዋም ንሩስያ ዘለወን ደገፍ ብወግዒ ገሊጸን ምንባረን ይዝከር።

እቲ ዩክሬናዊ ሚኒስተር፣ ሃገሩ ኣብ ናይ ወጻኢ ፖሊሲታታ ከምቲ ዝግባእ ትኹረት ብዘይምግባራ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዘለዋ ርክብ ክሳራታት ከም ዝወረዳእውን ተኣሚኑ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ዩክረይን ዲሜትሮ ኩሌባ

እቲ ሚኒስተር ናብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ዘካየደ ፋልማይ ቀዳማይ ሚኒስተር ዩክረይን ኮይኑ፡ ናብ ሞሮኮን ናብ ሩዋንዳ እውን ክበጽሕ ትጽቢት ይግበር።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣቦ-መንበር እቲ ኮምሽን ሙሳ ፋኪ ማሃማት፡ ነቲ ሓድሽ ዝሑል ኲናት ንምፍጣር ዝቕስቕስ እዩ ዝበሎ እናጻዕጽዐ ዝኸይድ ዘሎ ሳዐቤን ዓለማዊ ምትፍናን ኣፍሪቃ ክትቃለሶ ኣለዋ ኢሉ።

እቲ ኣቦ መንበር ነዚ መጠንቀቕታ ዘማሓላለፈ ፡ ኣብ ጽንብል መበል ሱሳ ዓመት ምምስራት ናይቲ ቅድሚ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝነበረ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ እዩ።

ንሩስያ ኣጽዋር ሂባ ተባሂላ ክትክሰስ ዝቐነየት ደቡብ ኣፍሪቃ ብወገና መጋበርያ ሓያላን ሃገራት ከምዘይትኸውን ኣፍሊጣ'ላ።

ፕረዚደንት ሲርል ራማፎሳ፡ ሃገሩ ሕጅ'ውን ነቲ ኣብ ፖሊሲ ወጻኢ ዘለዋ ናጻን ዘይሻራዊን መርገጺኣ ንኽትቅይር ዝግበር ዘሎ ጻውዒታት ከምዘይትቕበል ኣፍሊጡ።

ራማፎሳ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ምዕራብ ከተማ ጆሃንስበርግ ኣብ ዝርከብ ክሩገርስዶርፕ ኣብ ዝተኻየደ ጽምብል መዓልቲ ኣፍሪቃ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ኣህጉር ኣፍሪቃ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ዶባታ ኣዝዩ ርሑቕ ናብ ዝዀነ ግጭታት ከም እትጕተት ገሊጹ።

“ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ መንጐ ዓለማውያን ሓይልታት ኣብ ዝግበር ውድድር ኣይተሳሕበትን ኣይክትስሓብን’ውን፤ እቶም ግጭታት ኣብ ዘጋጠሙ የጋጥሙ ብዘየገድስ፡ ዝዀነ ግጭት ብሰላማዊ መንገዲ ንኽፍታሕ ዘለና መርገጺ ክንሕሉ ኢና” ኢሉ።