ሓድሽ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ

ቺን ጋንግ ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝኣተወሉ ብኢትዮጵያዊ መዘናኡ ደመቀ መኮንን ኣቀባብላ እናተገብረሉ

ምንጪ ስእሊ, MFA Ethiopia

ኣብ ቀረባ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ኰይኑ ዝተሸመ ቺን ጋንግ፡ "ናይ ስራሕ ምብጻሕ" ንምክያድ ሎሚ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ።

ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ብምርኻብ ኣብ ክልተኣውን ዓለምለኻውን ጉዳያት ኣመልኪቶም ከም ዝተዘራረቡ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሓቢሩ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ኢትዮጵያ ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ'ውን፡ እቲ ቻይናዊ ብዓል ስልጣን ድሮ ምስ ኢትዮጵያዊ መዘናኡ ደመቀ መኮንን ብምርኻብ ተዘራሪቡ'ሎ።

ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኣሜሪካ ዝነበረ ጋንግ፡ ቅድሚ ሓደ ሰሙን እዩ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ኰይኑ ተመዚዙ።

ምብጻሕ እቲ ሚኒስተር ኣመልኪቱ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ቺን ጋንግ ጽባሕ ረቡዕ ምስ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ መሃመት ተራኺቡ ክዝቲ እዩ።

ብተወሳኺ ክልቲኦም ሰብመዚ ኣብ ዝተረኸቡሉ፡ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃን ላዕለዎት ሓለፍቲ ጉዳያት ወጻኢ ቻይናን ስትራተጂያዊ ዘተ ከምዘካይዱ እቲ ሕብረት ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኲን ጋንግ ሚነስተር ጉዳያት ወጻኢ ኮይኑ ምስተመዘዘ፡ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻእን ኢትዮጵያ ደመቀ መኮነን፡ ናይ እንቋዕ ደስ በለካ መልእኽቲ ኣሕሊፉ ነይሩ።

ደመቀ፡ ኢትዮጵያ ምስ ቻይና ዘለዋ ክልተኣዊ ርክብ ክተሐይል ብርቱዕ ድልየት ከምዘለዋ ዝሓበረ ኰይኑ፡ ኣብ ዘበነ ስልጣን ጋንግ ስትራተጂያዊ ምትሕግጋዝ ክልቲአን ሃገራት ተጠናኺሩ ክቕጽል ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።

እቲ ላዕለዋይ ቻይናዊ ዲፕሎማት፡ ኣብዚ ፈላሚ ናይ ኣፈሪቃ መገሻኡ ናብ ሃገራት ግብጺ፡ ኣንጎላ፡ ጋቦንን በኒኒን ክበጽሕ ምዃኑ ተፈሊጡ'ሎ።

ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ድልዱል ቁጠባዊ ርክብ ዘለዋ ቻይና፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ማእከል ምቍጽጻር ሕማማት ኣፍሪቃ ኣብ ምህናጽ ትርከብ።

ቺን ጋንግ

እታ ሃገር ካብቲ ኣብ 90 ሽሕ ትርብዒት ሜትር እትሃንጾ ዘላ ፕሮጀክት ብተወሳኺ ኣቝሑት ከምእተማልኣሉ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ዘውጽኦ መግለጺ የመልክት።

ዋና ቤት ጽሕፈት ሲዲሲ ምስተዛዘመ፡ ማእከል ስርሓት ህጹጽ እዋን፡ ማእከል ሓበሬታ፡ ቤተ-ፈተነ፡ ማእከል ስልጠናን ኣኼባን ዘጠቓልል ኣብያተ ጽሕፈትን መንበርን ከምዝህልዎ እውን ተሓቢሩ።

ቻይና ንኢትዮጵያን ካልኦት ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃን ልዑል መጠን ወለድ ዘለዎ ልቓሕ ካብ ምሃብ ብተወሳኺ፡ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ኣብ መስራሕ ትርከብ።

እታ እስያዊት ሃገር ካብ ቍጠባዊ ጉዳያት ብተወሳኺ ኣብታ ኣህጉር፡ ብፍላይ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ወተሃደራዊ ድልየታታ ንምምላእ ዝተፈላለዩ ስርሓት ክትሰርሕ ጸኒሓ እያ።

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ልዑል ወተሃደራዊ ድልየት ዘለዋ ቻይና፡ ኣብ ጅቡቲ ገዚፍ ማእክል ሓይሊ ባሕሪ ሃኒጻ እያ።

ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ነቲ ፖለቲካዊ ምርግጋእ ዘይረኣየሉ ዞባ፡ ፍሉይ ልኡኽ ሸይማ።

ኣብ ርእሲ'ዚ፡ እታ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ገዚፍ ፓለቲካውን ቁጠባውን ድልየት ዘለዋ ሃገር፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ሶማልያን ሱዳንን ዘለዉ ዘይምርግጋኣት ፈተና ከምዝዀኑዋ እዩ ዝግለጽ።