ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ክኸውን ተሓጽዩ ዘሎ ዲፕሎማት መን'ዩ?

ምንጪ ስእሊ, State Department
ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ነቲ ብኣፈጻሚት ጉዳያት ጥራይ ክካየድ ዝጸንሐ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ላዕለዋይ ኣምባሳደር ኰይኑ ዝመርሕ ላዕለዋይ ዲፕሎማሰኛ ከምዝሓጸየ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣሜሪካ ኣፍሊጡ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን ብደረጃ ኣምባሳደራት ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝሰርሑ ዲፕሎማት ካብ ዘቕረቦም ሕጹያት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኰይኑ ክሰርሕ ንኦርቪን ጆዜ ማሲንጋ ከምዝሓጸዮ ቤት ጽሕፈት ዋይት ሃውስ ኣፍሊጡ።
ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ንኣሚሪካ ወኪሎም ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራትን ዞባታትን ወሳኒ ተራ ክጻወቱ ትጽቢት ዝግበረሎም ሓያለ ዲፕሎማሰኛታት ከምዝተሓጸዩ ኣፍሊጡ።
በዚ መሰረት ኣብ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዲፕሎማትን ኰይኑ ዝሰርሐ ኦርቪን ጆዜ ማሲንጋ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኰይኑ ክሰርሕ ተሓጽዩ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረት ኣምባሳደራ ብምስሓብ፡ እቲ ቤት ጽሕፈት ብኣፈጻሚት ጉዳያት ከተካይዶ ምጽንሓ ዝዝከር’ዩ።
ንኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረት ጊታ ፓሲ ብምትካእ፡ ዲፕሎማት ትሬሲ ኣን ጃኮንሰን እያ ፈጻሚት ጉዳያት ኰይና ትሰርሕ ዘላ።
ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት ሓድሕድ፡ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ዝነበረ ርክብ ከምዝሓርፈፈ ዝዝከር ኰይኑ፡ ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ካብቲ ብዘይቀረጽ ንግዳዊ ምልውዋጥ ዝካየደሉ ኣጋዋ ምእጋድ ዝርከቦ ሓያለ ስጕምቲታት ክትወስድ ጸኒሓ’ያ።
እቲ ኵናት ሓድሕድ ምስ ተወለዐ፡ ኣሜሪካ ንጉዳያ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝከታተሉ ኣብ ወወቕቱ እናቐያየረት ሰለስተ ፍሉጣት ዲፕሎማሰኛታት መዚዛ ክትሰርሕ ጸኒሓ’ያ።
ኦርቪን ጆዜ ማሲንጋ ዓቢ ልምዲ ዘለዎ ዲፕሎማሰኛ ኰይኑ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ኣሜሪካ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ፡ ምክትል ሓላፊ ክፍሊ ኣፍሪቃ ኰይኑ ይሰርሕ ኣሎ።
ኦርቪን ጆዜ ማሲንጋ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሃገራት ኤስያን ኣፍሪቃን’ውን ብዝተፈላለየ ዲፕሎማስያዊ ጽፍሒ ዝሰረሐ’ዩ፤ ብፍላይ ኣብታ መዳውብቲ ኢትዮጵያ ዝዀነት ሱዳን ምክትል ኣምባሳደር ኰይኑ ሰሪሑ’ዩ።
ቋንቋታት ፈረንሳ፡ ስጳኛን ማንዳሪንን ዝዛረብ ኦርቪን ጆዜ ማሲንጋ፡ ቀዳማይ ዲግሪ ብዓለምለኻዊ ርክባት ካልኣይ ዲግሪ ከኣ ብምምሕዳር ከምዝወሰደ ካብ ቤት ጽሕፈት ዋይት ሃውስ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመልክት።
ንጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዓቢ ኣተኵሮ እትህቦ ኣሜሪካ፡ እዚ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንኽልተ ዓመታት ዝተኻየደ ኲናት ሓድሕድ ሰለማዊ መዓልቦ ንኽረከብ ብመገዲ ወኪላ ማይክ ሃመር ወሳኒ ተራ ከምዝተጻወተት’ዩ ዝግለጽ።
ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዕጡቓት ህወሓትን ውዕል ሰላም ንክኽተም ምስ ሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦት መሻርኽቲ ኣካላትን ብምዃን ክትሰርሕ ዝጸንሐት ኣሜሪካ፡ ውዕል ሰላም ምስ ተኸተመ ሓጐሳ ብምግላጽ ንኣተገባብራ እቲ ስምምዕ ብቕርበት ትከታተሎ ከምዘላ ምግላጻ ይዝከር።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን ሓድሽ ኣምባሳደር ኣብ ኢትዮጵያ ምምዛዙ፡ ምናልባት ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ናይ ሰላም ሃዋሁው ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎም ርክባት ንኽመሓየሽ ሓጋዚ’ዩ ኢሉ ብምእማን ዝወሰዶ ስጕምቲ ክኸውን ከምዝኽእል ክግመት ይከኣል።
ኣሜሪካ ነታ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደራ ዝነበረት ስሒባ፡ ንምንታይ ነቲ ቤት ጽሕፈት ንሓደ ዓመት ብኣፋጸሚት ጉዳያት ከተካይዶ ከምዝጸንሐት ብወግዒ ዝሃበቶ መግለጺ የለን።
ኣብ ኣሰራርሓ መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ፕረዚደንት ዋላ ድኣ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣምባሳደራትን ዲፕሎማሰኛታት ኰይኖም ክሰርሑ ዝተሓጸዩ የቕርብ’ምበር ኣስማት ናይ መብዛሕትኦም ሕጹያት በቲ ‘ቦርድ ኣገልግሎት ወጻኢ’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቤት ጽሐፈት’ዩ ዝቐርብ።
ፕረዚደንት ካብ ቦርድ ኣገልግሎት ወጻኢ ዝቐረበሉ ዝርዝር ኣስማት ነቶም ዝተሰማምዓሎም ሕጹያት ምስ ቀረበ፡ ብቤት ምኽሪ እታ ሃገር [ሰነት] ከኣ ዝጸድቕን ወግዓውነት ዝለብስን።
እንተዀነ መብዛሕትኡ ግዜ ፕረዚደንት ካብ ቦርድ ኣገልግሎት ወጻኢ ዝቐርበሉ ዝርዝር ኣስማት ክነጽጐ ኣይርኣይን’ዩ፤ ሰነት’ውን ብተመሳሳሊ ካብ ፕረዚደንት ዝቐረብሉ ሕጹያት ክነጽጐም ብዙሕ ኣይርኣይን’ዩ። ነዚ መሰረት ብምግባር ኦርቪን ጆዜ ማሲንጋ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ምዃን ዕድሉ ኣዝዩ ሰፊሕ’ዩ።
ኣሚሪካን ኢትዮጵያን ልዕሊ 100 ዓመታት ዝኸደ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ዘለወን ሃገራት ኰይነን፡ ኣብ ዝተፈለላየ ኵነታት ዲፕሎማስያዊ ርክባተን ክብን ለጠቕን ክብል ጸኒሑ’ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







