ኣርባዕተ ነጥቢታት፡ ብዛዕባ'ቲ ኢትዮጵያ ኣባሉ ክትከውን ዝሓተተት 'ብሪክስ'

ባንዴራታት ኣባል ሃገራት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እቲ ንብራዚል፡ ሩስያ፡ ህንዲ፡ ቻይናን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝሓቘፈ ብሪክስ [BRICS] ዝተበሃለ ምትእኽኻብ ኣብ 2009 ፖለቲካዊ ኣኼባ ብምክያድ እዩ ጀሚሩ።

ብሪክስ ዝብል ስም ድማ ቀዳሞት ፊደላት ኣስማት እዘን ሃገራት ብምውሳድ ተፈጢሩ። ኣብ ትካል ጎልድማን ሳክስ ምሁር ስነ-ቝጠባ ዝዀነ ጂም ኦኒል ድማ ነዚ ቃል ፈጢርዎ።

ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ መጀመርታ ኣባል ናይቲ ጕጅለ ስለዘይነበረት፡ እቲ ስም ገለ እዋናት ‘ብሪክ’ [BRIC] ገለ እዋናት ድማ ብሪክስ [BRICS] ብዝብል ይጽዋዕ ነይሩ። ግን ድማ እታ ኣብ መወዳእታ ዘላ ፊደል ‘S’ ንደቡብ ኣፍሪቃ ንምውካል ዘይኮነስ ንብዝሒ ኣባል ሃገራት ንምምልካት እያ ትኣቱ ነይራ።

በዚ ምኽንያት፡ ኣብቲ ቀዳማይ ምትእኽኻብ እተን ሃገራት ካብ ኣፍሪቃ ዝተወከለት ተሳታፊት ኣባል ሃገር ኣይነበረተንን።

ኣብ ዝቐጸለ ኣኼባ ግን ደቡብ ኣፍሪቃ ስለዝተወሰኸት እቲ ስም ምሉእ ብምሉእ ብሪክስ ብዝብል ቀጺሉ።

ኢትዮጵያ ናብዚ ሕብረት እዚ ክትጽንበር ኣብ ቀረባ እዋን ወግዓዊ ሕቶ ከምዘቕረበት ተገሊጹ ኣሎ።

ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር መለስ ኣለም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንዝተፈላለዩ ጉዳያት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኢትዮጵያ፡ ረብሓታታ ክሕልዋ ምስ ዝኽእላ ዓለምለኻውያን ትካላት ምስራሕ ከምእትቕጽልን ናብ ብሪክስ ክትጽንበር ብወግዒ ሕቶ ከምዘቕረበትን ኣፍሊጡ ነይሩ።

"ንህሉው ተለዋዋጢ ኵነታትን ንኣሰላልፋን ዓለምና ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሃገራዊ ረብሓታትና ንምርግጋጽ ኣብ ዝሕግዙ ዓለምለኻውያም ትካላት ኣባል ክንከውን ንሰርሕ ኣለና። ሓደ ካብኣቶም ድማ ብሪክስ እዩ፤ ሕቶ ቀሪቡ ኣሎ" ኢሉ።

"ብሪክስ ነቲ ካብ ኢትዮጵያ ዝቐረበ ሕቶ ኣወንታዊ ምላሽ ክህበና ትጽቢት ንገብር" ዝበለ ኣምባሳደር መለስ ኣስዒቡ፡ "ሃገራዊ ረብሓታት ክሕልዉ ምስ ዝኽእሉ ካልኦት ትካላት ምስራሕና’ውን ክንቅጽል ኢና" ክብል ኣፍሊጡ።

ብሪክስ ክሳብ ክንደይ ሓያል እዩ?

ኣባል ሃገራት ብሪክስ 40 ሚእታዊት ካብ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ይሕዛ። ቍጠባዊ ዓቕሚ እተን ሓሙሽተ ሃገራት ክድመር እንከሎ ድማ ን26 ሚእታዊት ብጽሒት ቍጠባ ዓለም ዝሽፍን እዩ።

ቍጠባዊ ዓቕመን ብቐጻሊ እናዓበየ ይኸይድ ብምህላዉ ከኣ፡ ኣብ ንግዲ ዓለም ዘለወን ጽልዋ እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ።

ኣባል ሃገራት ብሪክስ ኣብ ቍጠባዊ ጉዳያት ብተደጋጋሚ ይዘራረባ እየን። ብንግዲ ኣቢለን ቍጠባዊ ዓቕመን ክዓቢ ከም ዘለዎ’ውን ብተደጋጋሚ መኺረን።

ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒንግ ሓደ እዋን ንኣባላት ሃገራት ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ "ቁጠባ ዓለም ነጻ ንምግባር ምስራሕ፤ ብሓባር ናጽነት ንግዲ ብምምችቻእን ብምስፋሕን ሓድሽ ዓለማዊ ሰንሰለት ክንፈጥርን ዓለማዊ ናይ ቁጠባ ምምሕያሽ ክንገብር ኣለና” ከምዝበለ ይዝከር።

"ልምዓት ናይተን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ከኣ ንብጽሒት ዝኾነት ትኹን ሃገር ዝጸሉ ኣይኮነን። የግዳስ ንቁጠባ ዓለም ዘዕብይ እዩ" ክብል እውን ወሲኹ ገሊጹ።

ንሱ ነዚ እኳ እንተበለ ብዙሓት ሃገራት ግን ቻይና ኣብ ናይ ወጻኢ ንግዲ ምንጻል ትፍጽም እያ ብዝብል ንፖሊሲኣ ይነቕፋ።

ኣብ መንጎ ኣባል ሃገራት ብሪክስ ንዝካየድ ንግዲ እንተርኢናዮ ናብ ቻይና ዝዛዘወ ይመስል።

ኣባል ሃገራት ኣብ 2014 [ኣ.ኣ] ኣብተን ገና ኣብ ምዕባይ ዘለዋ ሃገራት ንዝካየዱ ፕሮጀክትታት ትሕተ ቅርጽን ዘላቒ ልምዓትን ዝኸውን ሃብቲ ንምውዳብ ዝዓለመ ‘ኒው ደቨሎፕመንት ባንክ’ (NDB) ዝሰመያኦ ትካል መስሪተን እየን።

ኣብ ቻይና ሻንጋይ ዝመደበሩ እዚ ባንክ ኣብ ተተካኢ ጸዓት፡ ትሕተ ቅርጺ መጓዓዝያ፡ ማይን ጽሬትን፡ ዲጂታላዊ ትሕተ ቅርጺ፡ ሓለዋ ከባብን ማሕበራዊ ትሕተ ቅርጺን ትዅረት ይገብር።

ካርታ ኣባላት ሃገራት ብሪክስ

እተን ሃገራትን ነዚ ኣብ ዓለማዊ ፋይናንሳዊ ጉዳያት ዓቢ ተራ ከም ዘለዎ ዝንገረሉ ትካል ‘ኤንዲፒ’ ወግዓዊ ምግባረን ድማ ከም ቀዳማይ ዕውት ውጽኢተን ተራእዩ።

እቲ ባንኪ ኣብ ኣባላቱ ዘሎ ርኡይ ናይ ትሕተ ቅርጺ ገንዘብ ክፍተት ንምፍታሕ ዝዓለመ እዩ።

‘ኤንዲፒ’ (NDP) ክሳብ 2017 ኣብ ዝነበረ እዋናት ጥራሕ ኣብ 11 ፕሮጀክትታት ወፍሪ (ኢንቨስት) ገይሩ እዩ። ክሳብ 2016 ኣብ ዝነበረ እዋን’ውን 1.5 ቢልዮን ዶላር ከለቅሕ ኪኢሉ።

መርበብ ሓበሬታ እቲ ባንኪ ከምዘመልክቶ ዛጊድ 96 ፕሮጀክትታትን 32 ነጥቢ 8 ቢልዮን ዶላርን ከምዘጽደቐ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ብተወሳኺ ንመንበሪ ኣባይቲ፣ ጽሩይ ዝስተ ማይ፣ መንገድን ካልኦት መሰረተ ልምዓትን ናይ ድጋፍ ፍቓድ ከምዝሃበ ይገልፅ።

ይኹን እምበር እቲ ባንኪ ምስ ባንኪ ዓለም ክነጻጸር ከሎ ዝወዳደር ኣይኮነን።

ቻይና ኣብ ኤስያ ንዝርከብ እቲ ዝዓበየ ባንኪ 'ኢንቨስትመንት' ትሕተ ቅርጺ ከምእትመርሕ ይፍለጥ። ከም ውጽኢቱ ድማ ገለ ተዓዘብቲ እታ ሃገር ንኤንዲፒ ዘለዋ ተወፋይነት ኣብ ሕቶ የእትዉ።

ናብ ብሪክስ ክጽንበራ ዝደልያ ካልኦት ኣለዋ’ዶ?

ብዙሓት ሃገራት ኣብዚ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ሕብረት ንምጽንባር ሕቶ የቕርባ ከምዘለዋ ይግለጽ።

ሓንቲ ካብኣተን ሃገራት ድማ ጎረቤት ብራዚል ዝኾነት ኣርጀንቲና እያ። ቻይና ነቲ ሕቶ ከምዝደገፈቶ እውን ይግለጽ።

ምስ ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ጽቡቕ ዝምድና ዘየላ ኢራን እውን ናብዚ ኪዳን ክትጽንበር ሕቶ ከምዘቕረበት ሰበስልጣን እታ ሃገር ይዛረቡ።

ወሃቢት ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ማርያ ዛካሮቫ ብወገና "ኣሜሪካ እገዳ ክትገብር ኣብ ትሓስበሉ ዘላ እዋን ኢራንን ኣርጀንቲናን ናብ ብሪክስ ክጽንበራ ሓሳብ ኣቕሪበን ኣለዋ" ክትብል ተዛሪባ ነይራ።

ኣልጀርያ ብወገና ኣብ 2022 ናብ ብሪክስ ክትጽንበር ብወግዒ ሕቶ ኣቕሪባ ነይራ። ቻይናን ሩስያን ከኣ ንሕቶ ኣልጀርያ ከምዝድግፋ ብቕልጡፍ ኣፍሊጠን።

ስዑዲ ዓረብ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ቱርኪን ግብጽን እውን ካብ ሞንጎ እተን ናብ ብሪክስ ንምጽንባር ዘመልከታ ሃገራት እየን።

ሕቶ ካብ ምቕራብ ብዝሰገረ ግን ዛጊት ናብተን ሓሙሽተ ሃገራት ዝትጽምበር ዝኸኣለት ሃገር የላን።

ኢትዮጵያ ካብ ኣልጀርያን ግብጽን ቀጺላ ኣባል ብሪክስ ንምዃን ሕቶኣ ብወግዒ ዘቕረበት ሳልሰይቲ ሃገር ኮይና’ላ።

ክሳብ ሕጂ ግን እቲ ሕብረት ንሕቶ ኣባልነት ኢትዮጵያ ዝሃቦ ወግዓዊ መልሲ ወይ ዝኾነ ምልክት ውሳነ የለን።

ጉጅለ 7 (G7)ን ብሪክስን

ፈረንሳ፣ ኣሜሪካ፣ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ጀርመን፣ ጃፓን፣ ጣልያንን ካናዳን ዘቖምኦ ኪዳን ሃገራት ‘G7’ (ጉጅለ 7) ብዝብል ይፍለጥ።

ብሪክስ ድማ ከም መወዳድርቲ እዚ ሸውዓት ሃገራት ዝሓቖፈ ጉጅለ ይቑጸር።

ጉጅለ ሸውዓተ ካብቲ ብሓሙሽተ ሃገራት ዝቖመ ብሪክስ ውድድር ከምዘጋጥሞ እቶም ንኸምዚኦም ዝበሉ ውዳበታት ሃገራት ዝከታተሉ ክኢላታት ይሕብሩ።

ኣባላት ብሪክስ እውን ልክዕ ከም ኣባል ሃገራት G7 ዓመታዊ ኣኼባ የካይዳ እየን። ኣባል ሃገራት ብሪክስ ድልዱል ኣጀንዳ ብምቕራብን ብምዝታይን ይግለጻ።

ናይ ገዛእ ርእሰን ባንኪ ልምዓት ኣብ ምምስራት ዓብዪ ውጽኢት ኣመዝጊበን ብዝብል እኳ እንተተነኣዳ ኣብ ሞንጎአን ዘይምትእምማን ከምዘሎ’ውን ይጥቀስ።

ካናዳ፣ ፈረንሳይ፣ ጀርመን፣ ጣሊያን፣ ጃፓን፣ ዩናይትድ ኪንግደምን ኣሜሪካን - ኣባላት ጉጅለ 7 (ጂ7)

ኣብ ሶርያን ሊብያን ኲናት ይካየድ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እተን ኣባላት ሃገራት ዝተፈላለየ መርገጺታት ክሕዛ ተራእየን ነይረን።

ካልእ ከም ኣብነት ዝጥቀስ ከኣ ቻይናን ህንድን ብናይ ዶብ ሕቶ ኣብ ክትዕ ዝርከባ ኣባል ሃገራት ምዃነን እዩ።

ኣባል ሃገራት ብሪክስ ፖለቲካ ዘይኮነስ ቁጠባ ብዝያዳ ከምዘተኣሳሰረን ብተደጋጋሚ ይግለጽ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ እተን ኣባል ሃገራት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተራኺቦም ነይሮም። ኣብቲ ኣኼባ ድማ ዓለም ብምዕራባውያን ሃገራት ካብ ዝዝወር ስርዓት ክትወጽእ ኣለዋ ዝብል ሓሳብ ኣበጊሰን።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ኣፍሪቃ ናሌዲ ፓንዶር፡ እቲ ጉጅለ ኣብ ትሕቲ ጂኦፖለቲካዊ ወጥሪ፣ ዘይምዕሩይነትን ጸጥታዊ ስግኣትን ንእትርከብ ዓለም መሪሕ ሓሳብ ሒዙ ከምዝተቐረበ ትገልጽ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ህንዲ ሱብራህማንያም ጃይሻንካር ብወገኑ እቲ ጉጅለ "ዓለም ብዙሕ ሸነኻት ዘለዋ ብምዃና ነቲ ሓድሽ ኣጀንዳታት በቲ ዝኣረገ መንገዲ ምፍታሕ ኣይከኣልን" ክብል ተዛሪቡ’ሎ።

ወሲኹ ከኣ "ካብቲ ዘጋጥመና ዘሎ ጸገማት እቲ ጉዳይ ቁጠባዊ ብምዃኑ ብዙሓት ሃገራት ኣብ ሰናይ ፍቓድ ውሑዳት ክነብራ ተገዲደን'የን" ኢሉ።

ኣብዚ መዳይ ኣባል ሃገራት ‘G7’ ብመንጽር ፖለቲካን ቁጠባን ብዙሕ ፍልልይ የብለንን። ንኣባላት ሃገራት ብጎኒ ዓይኒ ዘጠማምት ኣጀንዳ ከምዘየለ እውን ይንገር።

ቀጻሊ ኣኼባ ብሪክስ ስለምንታይ ኣቓልቦ ስሒቡ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተኻየደ ኣኼባ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኣባላት ሃገራት ብሪክስ ብኲናት ዩክሬን ዝተጸለወ እዩ ነይሩ።

ኣብ ወርሒ ነሓሰ ከኣ መራሕቲ ኣባል ሃገራት ዘሳትፍ ዋዕላ ብሪክስ ከተአንግድ እያ። እዚ ድማ ንደቡብ ኣፍሪቃ ናብ መቐራቕሮ ዘእተው ጉዳይ ኣምጺኡላ ኣሎ።

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ወራር ምፍጻማ ስዒቡ፡ በቶም ተፈጺሙም ዝበሃሉ ገበናት ኲናት ብዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ዝድለ ዘሎ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብቲ ዋዕላ ክሳተፍ ትጽቢት ይግበር።

ስለዚ ደቡብ ኣፍሪቃ ከም መጠን ኣባል ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበን፡ ነቲ ትእዛዝ ገበናት ኲናት ተግባራዊ ብምግባር ንፕረዚደንት ፑቲን ኣብ ቀይዲ ክተውዕሎ ግድን ይኸውን።

እንተኾነ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ዝካየድ ዋዕላ ብሪክስ ንዝሳተፉ ሰበስልጣን ወጻኢ ሃገራት ዲፕሎማስያዊ ናይ ዘይምኽሳስ መሰል ኣዊጃ’ላ።

እዚ ድማ ነቲ ኣብቲ ዋዕላ ክሳተፍ ትጽቢት ዝግበረሉ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን መንገዲ ዝጸርግ እዩ።

እዚ ‘ዲፕሎማስያዊ ናይ ዘይምኽሳስ መሰላትን ፍሉይ መሰላትን’ ብዝብል ዝተኣወጀ መምርሒ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝጽዋዕ ኣህጉራዊ ዋዕላ ወይ ኣኼባ ንዝሳተፉ ሰበስልጣንን ክኢላታትን ሕቡራት ሃገራት፡ ዝኾነ ፍሉይ ኤጀንሲ ወይ ትካል፡ ከምኡ’ውን ወከልቲ ዝኾነት ሃገር ናይ ዘይተኸሳስነት መሰል ከምዘጠቓልል ይንገር።

ወሃቢ ቃል ክፍሊ ዓለምለኻዊ ዝምድናን ምትሕብባርን ክሌይሰን ሞንየላ፡ እቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዘውጽኦ ኣዋጅ "ልሙድ" ምዃኑን ከምዚ ዓይነት ኣዋጅ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተመሳሳሊ ዓለምለኻዊ ዋዕላ ኣብ ዝካየደሉ ግዜ ከምዝወጽእን ምሕባሩ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር አቃሊሔን ኣለዋ።

ሰራዊት ምክልኻል ደቡብ ኣፍሪቃ ድማ ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ ዋዕላ ብሪክስ እንተተሳቲፉ ናይ ምእሳር ስልጣን ከምዘይብሉን ከምዘይተሓዝን ኣፍሊጡ ኣሎ።

ሓላፊ እቲ ምክልኻል ዝኾነ ሩድዛኒ ማፍዋኒዋ ነቲ ብዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበን (ICC) ዕላዊ ዝተገበረ ማእሰርቲ ትእዛዝ ኣፍልጦ እኳ እንተሃበ፡ እቲ ሰራዊት ኣብ ትሕቲ ዓለማዊ ሕጊ ከምዝንቀሳቐስን ዲፕሎማስያዊ ናይ ዘይተኸሳስነት ከምዘኽብርን እዩ ገሊጹ።