'ህዝቢ ትግራይ ክግንጸል የብሉን ንብል እንተዄንና ማንም ኢትዮጵያዊ ዝረኽቦ መሰል ክረክብ ኣለዎ'- ኣብይ ኣሕመድ

ኣብይ ኣሕመድ

ምንጪ ስእሊ, PM Office

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፣ ሎሚ ንፓርላማ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንኵነታት ትግራይ፡ ጸጥታዊ ዘይምርግጋእ እታ ሃገር፡ ከምኡ'ውን ማሕበረ-ቝጠባዊ ናብራ ህዝቢ ዝምልከት ካብ ኣባላት ባይቶ ዝቐረበሉ ሕቶታት መልሲ ሂቡ።

ብዛዕባ ጸጥታዊ ኵነታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኲናት "ወዲ ድኻ ንምውዳእ" ዝካየድ እምበር እቶም ብማዕዶ ዝጭድርሉ ዝሞትሉ ከምዘይኰነ ተዛሪቡ።

"ሰላም ብናጻ ዝርከብ ነገር ኣይኰነን፡ እወታዊ ኣረኣእያ፡ ስራሕን ወፍርን ኣወፊኻ እተምጽኦ’ዩ። ዘርኢ ምክብባርን ይቕረታን ዘይዘርአ ሰብ ኣዝመራ ሰላም ክዓጽድ ኣይክእልን።

"ከም እምነይ ከም ሃገር ኣብ ዝሓለፉ 100 ዓመታት እኹል ኲናታት ተኻይዱ’ዩ፤ ድሕሪ ለውጢ’ውን ከምኡ።”

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብቲ ኣንጻር ህወሓት ዘካየዶ ንክልተ ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት፡ ህዝቢ ክኸትት ጻውዒት ኣቕሪቡ ምንባሩ ይዝከር።

እቲ ኲናት ግን ኣብ መወዳእታ 2022 ኣብ ፕሪቶርያን ናይሮቢን ብዝተፈረመ ስምምዓት ደው ምባሉ ይፍለጥ።

“ናይ ወያነ፡ ናይ ብልጽግና ንብል እንተዄንና ሰላም ኣይመጽእን፤ ሰላም እንተተደልዩ ተረኽ ክቕየር ኣለዎ።

"ንወያነ ዝምልከት ክልተ ጸገማት’ዩ ዘሎ። በቲ ሓደ ሸነኽ ህዝቢ ትግራይ ኣካል ኢትዮጵያ’ዩ፤ ክግንጸል የብሉን ንብል እንተዄንና ማንም ኢትዮጵያዊ ዝረኽቦ መሰል ንኽረክብ ክንሓስብ ኣለና፤ ካልኣይ ዜጋ ኰይኑ ክነብር ኣይክእልን። ምሳና ንበር ክንብሎ እንከለና መሰሉ ብምኽባር ክኸውን ኣለዎ፡” ኢሉ።

እታ ሃገር ከረጋግኣ ኣይክኣለን ተባሂሉ ዝንቀፍ ኣብይ ኣሕመድ፡ ካብ ስልጣኑ ክወርድ'ውን ሕቶ ቀሪብሉ ነይሩ'ዩ። እንተዀነ "ንሎሚ ንዩቱብ ዝኸውን'ዩ. . .ንሃገር ጥቕሚ የብሉን" ክብል ኣነኣኢስዎ።

ብዛዕባ ብውልቁ ዘበገሶም ፕሮጀክትታት ፓርክታትን ህንጻታትን ዝምልከት ጉዳይ ትሓታትነትን ቀዳምነትን ኣብቲ ኣኼባ ተላዒሎም ነይሮም።

ጉዳይ ተመዛበልቲ

ብሰንኪ ዘይምርግጋእን ግጭታትን ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ዜጋታት ዝጣየስሉን ናብ ቦታኦም ዝምለስሉን ጉዳይ ቆላሕታ ከምዘድልዮ'ውን ተገሊጹ።

እቲ ምፍንቓል ኣብ ሓደ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት የጋጥም ከምዘሎን ዝገለጸ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ "ተመዛበልቲ ሓኒቑ ሒዙ ብተመዛበልቲ ዝነግድን ሰብ ክመዛበል እንከሎ ዝሰፍሓሉ ዝመስሎን ኣሎ" ክብል ነቒፉ።

“ካብ ኦሮምያ ዝተመዛበሉ ኣምሓሩ፡ ካብ ኣምሓራ ዝተመዛበሉ ተጋሩ፡ ካብ ጉራጌ ዝተመዛበሉ ሰባት ኣለው፤ ኣብ ዝዀነ ቦታ ዝተመዛበሉ ኢትዮጵያውያን ናብ መረበቶም ክምለሱ ኣለዎም፤ ንኢትዮጵያውያን ክሽከም ዘይክእል ግዝኣት ኢትዮጵያ ክህሉ የብሉን።

"ስለዚ ተመዛበልቲ ምምላስ ዕዮ ገዛ ኵላትና ክኸውን ኣለዎ። ድሕሪኡ ሰብ ዕጥቂ ፈቲሑ ብሕጋዊ መገዲ ክፍትሑ ኣለዎም። ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ሕቶ ይግብኣኒ ዝቐርበሎም ዝነበሩ ኣብ መንጐ ኣምሓራን ትግራይን ዘለው ቦታታት ህዝቢ ኣምሓራን ትግራይን ብዝሰኸነ መገዲ ክርእዮ ይደሊ። ንዘላቒ ሰላም ሕጋዊ መገዲ ምኽታል ረብሓ ኣለዎ።

ብዛዕባ ቝጠባኸ እንታይ ኢሉ?

ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዓለም ቅልጡፍ ቍጠባዊ ዕብየት ካብ ዘመዝግባ ዘለዋ ሃገራት ተሰሪዓ ከምዘላ እቲ ኣብይ ኣሕመድ ጠቒሱ።

ቍጠባዊ ዕብየት ኢትዮጵያ ኣብዚ ዓመት 6.1 ከምዝበጽሕ፡ ንምንጭታት ዓለምለኻዊ ማዕከን ገንዘብ (IMF) ብምጥቃስ ገሊጹ። እቲ ዕብየት ናብ 7.5 ክብ ክብል ትጽቢት ከምዘለዎ'ውን ኣሚቱ።

እንተዀነ፡ ኣይ-ኤም-ኤፍ፡ ዓለም ኣብዚ ዓመት'ዚ ተመዝግቦ ቍጠባዊ ዕብየት ካብ 2.8 ከምዘይሓልፍ ብምጥቃስ፡ ኣብ ትሕቲ ምድረበዳ ሰሃራ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ ድማ ብ4.2 ከምዝዓብያ የመልክት።

እታ ሃገር ዓበይቲ ብድሆታት ኣጋጢሞማ ከምዝነበሩ ዝተኣመነ ኣብይ፡ ውሽጣዊ ዓቕምታት ብምውህሃድ ክብዳህ ከምዝተኻእለ'ዩ ተዛሪቡ።

"ኣብዚ ባጀታዊ ዓመት ሓያለ ሃገራዊን ዓለምለኻውነ ብድሆታት ኣጋጢሞምና'ኳ እንተነበሩ፡ ዘቤታዊ ቍጠባና ብምሕያል ነቶም ጸገማት ክንሳገሮም ክኢልና ኢና" ኢሉ።

እንተኾነ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ናህሪ ዋጋታት ኣብ መነባብሮ ህዝቢ ጸገም ፈጢሩ ከምዘሎ'ዩ ዝግለጽ።

ዝቕባብ 37 ሚእታዊት በጺሑ ከምዝነበረ ብምጥቃስ ድማ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ናብ 30 ሚእታዊት ከምዝወረደ ጠቒሱ።

"ቀንዲ መከራና ናህሪ ዋጋታት'ዩ . . . ሕጂ ናህሪ ዋጋታት ከም ለበዳ ኮሮና'ዩ፤ ንኣሜሪካ የሳቒ፡ ንቻይና የሳቒ፡ ንኣውሮጳ የሳቒ፡ ንኣፍሪቃ የሳቒ፡ ብኢንፊለሸን ዘይሳቐን ቀንዲ ኣጀንዳኡ ዘይገበሮ ሃገር የለን።"