ንልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ዝደንጐየ ፍትሒ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሉክሃንዮ ካላታ፡ ፈላማይ ተዘክሮ ኣቡኡ፡ ስነ-ስርዓት ቀብሮም እዩ።
እቲ ግዘ፡ እዋን ክራማት 1985 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን እዩ፤ ዓፅሚ ዝሰብር ቀዝሒ ዝነበረሉ፡ ወላዲቱ ብሓዘን ዝተሰበረትሉ ዕለት።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ምብራቓዊ ኬፕ ኣብ ትርከብ ንእሽተይ ከተማ ክራዶክ እዮም ዝነብሩ ነይሮም።
ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሓዘንተኛታት፡ ብመሰረት ባህሊ እቲ ከባቢ ንመሬት እናረገፁ፡ የልቅሱ ነይሮም።
እቲ መሬት ዝረዓደ መሲሉ ተሰሚዕዎ።
ካብ መላእ እታ ሃገር ዝተኣከበ ሓዘንተኛ እዩ ነይሩ።
ንክብሪ ወላዲ ሉክሃንዮ፡ ፎርት ካላታ ሓዊሱ ‘ክራዶክ ኣርባዕተ’ ዝብል ስያመ ዝተውሃቦም መናእሰይ ተቓለስቲ ነፃነት ክብሮም ንምግላፅ እዮም ውሒዞም።
ስነ-ስርዓት ቀብሪ ኣቦ ሉክሃንዮ ካልኦት ተቓለስቲ ፀረ-ኣፓርታይድን ኣብዛ መዓልቲ እዩ ተፈፂሙ።
ኣርባዕቲኦም ሰባት፡ መድቆስትን ዓሌታውነትን ብምፅያፎም ብጭካነ ዝተቐተሉ ኰይኖም፡ ኣብ ዘበን ኣፓርታይድ ካብ መንጐ ዝተፈፀሙ ዘስካሕክሑ ገበናት ሓደ እዩ።
ነዚ ቅትለት ፈፂሞም ዝተብሃሉ ሓይልታት ፀጥታ ናብ ፍርዲ ኣይቀረቡን። ድሕሪ ምውጋድ ኣፓርታይድ ዝተጣየሸ ኮምሽን ሓቅን ዕርቀ ሰላምን እውን ምሕረት ኣይገበረሎምን።
ኣብዚ እዋን ግና ነዚ ቅትለት እዚ ሓዊሱ፡ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ናይቲ ዓሌታዊ ኣፓርታይድ ገበናት፡ ዳግማይ ንክረኣዩ ምንቅስቃስ ተጀሚሩ ኣሎ።
ኣብ 1985 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ዝተጀመረ ቅትለት ኮድራክ ኣርባዕተ፡ ኣብቲ እዋን ኣብ መላእ እታ ሃገር ሓያል ቁጠዐ ዝወለዐ እዩ ነይሩ።
ሻቡ በቲ ዓሌታዊ ስርዓት ተኣጊዱ ዝነበረ ፕረዚደንት ሃገራዊ ኮንግረስ ኣፍሪቃ (ኤኤንሲ) ኦሊቨር ታምቦ፡ ካብ ዝተሓየረሉ ቦታ ኰይኑ፡ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ንዝተረኸበ ህዝቢ መልእኽቲ ልኢኹ ነይሩ።
መልእኽቱ ድማ፡ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ተነቢቡ።

ምንጪ ስእሊ, FORT CALATA FOUNDATION
እዞም ተቓለስቲ ነፃነት ኣብ ዝተቐተሉላ ኣብታ ዕለት፡ ፕረዚደንት ስርዓት ኣፓርታይድ ፒ ደብሊው ቦታ፡ ኣብ ምብራቓዊ ኬፕ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ኣዊጁ። ኣብ ዝቕፅል ዓመት ከኣ፡ እዚ ኣዋጅ ኣብ መላእ እታ ሃገር ተግባራዊ ክኸውን ተገይሩ።
እቲ ስጉምቲ እቲ ዓሌታዊ ናይ ውሑዳት ፀዓዱ መግዛእቲ ንከብቅዕ ዝጠልቡ ምንቅስቃሳት ንምልማስ ንፖሊስን ሓይልታት ፀጥታን ልዑል ስልጣን ዝሃበ እዩ።
ዓሌታውነትን መፅቀጥትን ንዝቃለሱ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ጉጅለታት ዝሓቖፈ ሕብራት ዲሞክራስያዊ ግምባር (ዩዲኤፍ) ናይ ገጠራት ወዳብን ካብ መንጐ ክራዶክ ኣርባዕተ ዝነበረን ማቲው ጎኒዌ ሓደሓደ ግዘ ኣብ ከተማ ፖርት ኤልዛቤት ኣኼባታት ንምስታፍ ይጓዓዝ ነይሩ።
ብ27 ሰነ 1985 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ምስ ካልኦት ሰለስተ መናእሰይ፡ ማለት እውን፡ ምስ ፎርት ክላታ፣ ስፓሮው ማክ ሆንቶን ሲሴሎ ምህላውሊን ብሓንሳብ ነይሮም።
ኣርባዕቲኦም መራሕቲ ማሕበረሰብን ተቓለስትን ዝገብርዎ ምንቅስቓስ ፀረ ኣፓርታይድ ብፖሊስ ይፍለጥ ነይሩ።
ኣብ ፖርት ኤልዛቤት ዝነበሮም ኣኼባ ወዲኦም፡ ምሸት ናብ ክራዶክ እንትምለሱ ፖሊስ መገዲ ዓፅይዎም።
ድሒሩ ድማ ዝተቓፀለ ሬስኦም ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ተረኺቡ። መንግስቲ፡ ኣብ ፈለማ ኣብዚ ቅትለት ኢደይ ኣየእተኹን ክብል እንከሎ፡ ኣብ 1987 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ብዝገበሮ ምርመራ፡ “ብዘይፍለጡ ሰባት” እዮም ተቐቲሎም ኢሉ።
ይኹን’ምበር ኣብ ፅባሕ ምዕላው ስርዓት ኣፓርታይድ፡ ኣብ 1993 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ካልእ ምርመራ ተኸፊቱ።
ነዚ ምርመራ መበገሲ ዝኾነ ከኣ፡ ኣርባዕቲኦም ተቓለስቲ ንዘልኣለም ንኽውገዱ ምስጢራዊ ወተሃደራዊ መልእኽቲ ከም ዝተልኣኸ ሓደ ጋዜጣ ምቅልዑ ስዒቡ እዩ።
እዚ ምርመራ፡ እቶም ኣርባዕተ ተቓለስቲ ነፃነት ብሓይልታት ፀጥታ እዮም ተቐቲሎም ኣብ ዝብል ድምዳመ ዋላ’ኳ እንተበፅሐ፡ ስም እቶም ሓይልታት ፀጥታ ግና ኣይገለፀን።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሃንቀውታ ፍትሒ
ሉክሃንዮ ካላታ ኣቡኡ ክቕተል እንከሎ፡ ወዲ ሰለስተ ዓመት እዩ ነይሩ።
ስድራ ክራዶክ ኣርባዕተ፡ ድሕሪ 38 ዓመታት ቀተልቲ ናብ ፍርዲ ንምቕራብን ፍትሒ ንምርካብን ኣብ ትፅቢት ይርከቡ።
ቅትለት ክራዶክ ኣርባዕተ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ስርዓት ኣፓርታይድ ምስ ኣብቀዐ ዝካየድ ስግግር ሰላማዊ ንምግባር በቲ ኮምሽን ካብ መንጐ ዝተሰምዑ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ገበናት ሓደ እዩ።
እዚ ኮምሽን፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ብዝቐፀለ ስርዓት ኣፓርታይድ ዝተፈፀሙ ተግባራት ጭካነታትን መጠነ ሰፊሕ ግህሰታትን ከስዕቦ ዝኽእል ናይ ሕነ-ምፍዳይ መጥቃዕቲ ንምትራፍ እዩ ተጣይሹ።
እታ ሃገር ብይቕረታን ዕርቅን ንክትሳገርን መፃኢ ዘበን ካብ ቂምን ፅልእን ዝፀረየ ክኸውን ይስበኽ ነይሩ። ነዚ ኮምሽን ክመርሕ ድማ ኔልሰን ማንዴላ ንሊቀ ጳጳስ ዴዝሞን ቱተ ሓቲትዎ።
እቲ ኮምሽን፡ ኣብ እዋን ኣፓርታይድ ዝተፈፀሙ ሰብኣዊ ግህሰታት ናብ ኣደባባይ ብምውፃእ፡ ገበነኛታት፣ መሰኻኽርን ግዳያትን ናብ ሓደ ብምእካብ ምስክርነቶም ክህቡ ገይሮም።
ሙሉእ ብሙሉእ ገበኖም ንዝተናዘዙ ውልቀሰባት ምሕረት ዝገበረ እዚ ኮምሽን፡ ብውሑዱ ኣዝማዶምን ስድርኦምን ኣብ ልዕሊ ዝፈትዎም ሰባት ዝተፈፀመ ግፍዒ ንክፈልጡ ብምግባር ክቐብፁ ገይሩ እዩ።
ኣብ ቅትለት ክራዶክ ኣርባዕተ ኢዶም ከምዘለዎ ነቲ ኮምሽን ካብ መንጐ ዝተኣመኑ ሸውዓተ ኣባላት ፖሊስ እቶም ሽድሽተ ምሕረት ኣይተገበረሎምን። ኩሉ ገበኖም ኣይተዛረቡን ብዝብል እዩ፡ ምሕረት ዘይተገበረሎም።
ቅትለት ክራዶክ ኣርባዕተ እዚ ኮምሽን ንዝያዳ ምርመራን ክስን ከምርሑ ካብ መንጐ ዝገበሮም ኣስታት 300 ቅትለታት ሓደ እዩ።
እንተኾነ፡ ብዙሓት፡ ናይ ዝተቐተሉ ስድርኦምን ፈተውቶምን ፍትሒ ንምርካብ ዋላ’ኳ ዓሰርተታት ዓመታት እንተተፀበዩ፡ ኣብ ባይታ ዝተርኣየ ፍትሒ የለን።
ኩሎም ምባል ብዝከኣል መልክዑ፡ ክስታት ኣይተመስረቱን። ሰብመዚ ንምንታይ ነዞም ክስታት ከም ዘደንጐይዎም ግልፂ ኣይኰነን።
ናይታ ኣብ 1983 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ደሃያ ዝጠፍአት ተቓላሲት ነጻነት ኖኩቱላ ሲሚላኔ ሓፍቲ፡ ነዚ ኣመልኪታ ስሩዕ ምርመራ ክጅመርን ቤት-ፍርዲ መብርሂ ክህባን፡ ኣብ 2015 ሓቲታ።
ኣብዚ ግዘ ነይሩ፡ ቅድም ክብል እቲ ኮምሽን ምርመራ ክግበረሎም ዝለኣኾም ጉዳያት ንምንታይ ደንጒዮም ዝብል ሕቶ ብዝተወሰነ መልክዑ ምላሽ ክረኽቡ ዝኸኣሉ።
ሰብመዚ ኣኽበርቲ ሕጊ ነበር፡ መንግስቲ ኤኤንሲ፡ እቲ ኮምሽን ክምርመሩን ክሲ ክምስረተሎምን ዝወሰነሎም ጉዳያት ከተዓናቕፍ ከም ዝፈተነ ገሊፆም። ካብ መንጐ እዚኦም ነጉዳይ ሲሚላኔ እዩ።
ናይዚ ምኽንያት ድማ፡ ኣብ ሓደሓደ ምርመራታት፡ ንስርዓት ኣፓርታይድ ኣብ ዝቃለስሉ እዋን፡ ኣብ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል ተሳቲፎም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ብዝብል ኣባላት ገዛኢ ውድብ ኤኤንሲ ክሲ ክምስረቶም ከየለዓዕል ብዝብል ስግኣት እዩ።
ቢቢሲ፡ ኣብዚ ጉዳይ ንመንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ዋላ’ኳ እንተሓተተ ምላሽ ኣይረኸበን።
ምስ ፖለቲካዊ ኢድ ኣእታውነትን ምድንጓይ እዞም ክስታትን ብድሕሪት ይወሃቡ ብዛዕባ ዘለዉ ምኽንያታትን ዝዛመድ ዝኾነ ዓይነት ወግዓዊ ምርመራ የለን።
እንተኾነ ብዙሓት፡ ዓመታት ይፅበዩ ንዝነበሩ ስድራቤታት ደለይቲ ፍትሒ ይወሃብ ዘሎ ምኽንያት እቲ “ክንጥርጥሮ ዝፀናሕና እዩ” ይብሉ።
ሲሚላኔ፡ ወታደራዊ ክንፊ ኤኤንሲ ናይ ዝነበረ ዌ ሲዝዌ ኣባል ዝነበረት ኰይና፡ ገና ጓል 21 ዓመት መንእሰይ እያ ነይራ።
ብ1983 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን፡ ኣብ ጆሃንስበርግ ኣብ ትሕቲ መሬት ካብ ዝርከብ መዐሸጊ መኪና ተዓፊና ተወሲዳ።
ፖሊስ ስርዓት ኣፓርታይድ፡ ንሰሙናት ከም ዘሳቐይዋ ነቲ ዝተጣየሰ ኮምሽን ቃሎም ሂቦም እዮም። እንተኾነ ዛጊድ ሬስኣ ኣይተረኸበን።
ምምሕዳር ምትሕብባርን ሚኒስትር ጉዳያት ባህልን፡ ንሲሚላኔ ሓፍታ ቴምቢ ንካዲሜንግ፡ ዓባይ ሓፍታ ብሕልማ ከም ትርእያ ትትስፎ።
ንሲሚላኔ ኣፀቢቓ ኣይትዝክራን። ዝኽራ እንተደብዘዘ እውን ግና፡ ምግቢ ምስራሕ ኸመይ ትፈትው ከም ዝነበረት ትዝክር። ንኩሎም ስድርኣ ዝተፈላለየ ዓይነት ምግብታት እያ ተዳልወሎም ነይራ።
“ኣደይ ከምዚ ክትብል እዝክር። ‘ንስኺ ምግቢ ትሰርሒ’ምበር ኣይትበልዕን’ ትብላ። ግና ጥዑም ነገራት ትፈቱ ነይራ” ትብል። እዚ ስረ ናይ መወዳእታ ውህብቶኣ ነይሩ፤ ድሕሪ ኣዋርሕ ደሃይ ሓፍታ ጠፊኡ።
ግና ንኩሎም ስድራኣ ሕማም ዝኾኖም፡ እቲ ምርመራን ከይዲ ፍርድን ዝወሰዶ ግዘ እዩ። ንሓፍታ ብምቕታል ካብ መንጐ ዝተጠርጠሩ፡ ኣባላት ፖሊስ ደሕንነት ነበር፡ ክልቲኦም ሞይቶም እዮም። ናይቶም ብሂወት ዘለዉ ክልተ እውን ከይዲ ፍርዶም መዓዝ ከም ዝረኣይ ግልፂ ኣይኰነን።
ካብ መንጎ እዞም ዝተኸሰሱ ኣርባዕተ ፖሊስ እቶም ሰለስተ ንሲማላኔ ብምስቓዮም ምሕረት ክግበረሎም ነቲ ኮምሽን ዋላ’ኳ እንተሓተቱ፡ ሕቶኦም ተቐባልነት ኣይረኸበን። ንቕትለታ ግና ዝኾነ ምሕረት ዝሓተተ የለን።

ምንጪ ስእሊ, FAMILY OF NOKUTHULA SIMELANE
‘ዝዓበየ ክሳራ’
ናይቲ ኣብ 1971 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ኣብ ቀይዲ ፖሊስ እንከሎ ሂወቱ ዝሓለፈ ተቓላሲ መሰል ፀረ-ኣፓርታይድ ኣሕመድ ቲሞል ምርመራ፡ ኣብ 2017 ዳግማይ ተኸፊቱ። እዚ ድማ ዓብይ ለውጢ ዘምፅአ ከም ዝኾነ ኣካያዲት ስራሕ እቲ ኮምሽን ካታርዚና ዙዱንቺክ ተረድእ።
ሓደ ፖሊስ ነበር ብቅትለት ቲሞል ዋላ’ኳ እንተተኸሰሰ፡ ናብ ፍርዲ ቅድሚ ምቕራቡ ሂወቱ ሓሊፉ። ኣብ ፈለማ እዚ ዓመት፡ በዓልስልጣን ሃገራዊ ኣኽባሪ ሕጊ፡ ቅድም ክብል ኮምሽን ኮምሽነር ዝነበረ ኣይተ ዱሚሳ ንፀቤዛን ንምርመራን ክስን ዝተመርሑ ናይ ዘበነ ኣፓርታይድ ጉዳያት ንክግምግም ምምዛዙ፡ ስድራ ግዳያት ብፅቡቕ እዮም ርእየሞ።
እዚ ስጉምቲ፡ ዘየድልይ ፖለቲካዊ ፅልዋ ንምክልኻል ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ናይ ዝተጀመረ ፃዕሪ ኣካል እዩ።
ይኹን’ምበር፡ ቴምቤ፡ እቲ ኮምሽን ሙሉእ ብሙሉእ ፖለቲካዊ ኢድ ኣእታውነት ክርእይ ከምዘይኽእል ብምእማን ይቐርቡ ዘለዉ ቅረታት ኢድ ኣእታውነት ዝምልከት፡ ዘይሻራዊ መፃረይ ኮምሽን ክምስረት ከም ዘለዎ ገሊፃ።
መብዛሕትኦም ቀንዲ ገበነኛታትን መሰኻኽርን ስለዝሞቱ፡ ነዚ ጉዳይ ንምምርማርን ክሲ ንምምስራትን ዘሎ ተስፋ ዝደብዘዘ እዩ።
እንተኾነ ሉክሃንዮ፡ ጉዳይ ወላዲኡ ምክትታል ከምዘየቋርፅ ይገልፅ።
“ድሕሪ 38 ዓመታት እውን እንተኾነ፡ ናብ መቓብሩ ከይደ፡ ኣቦይ ሕዚ ኣብ መወዳእታ ብሰላም ክትዓርፍ ከም ትኽእል ተስፋ እገብር። ነዚ ዘብቁዕኻ ቀተልትኻ ተሓተትቲ ኰይኖም እዮም ክብል እየ” ይብል።
ቴምቤን ስድርኣን፡ ሕዚ ዝደልይዎ ሓዘኖም ኣውፂኦም ንቕድሚት ምቕፃል እዩ። ኣቦአነን ሓወንን፡ መቓብር ሲሚላኔ እንከይረኣዩ ሓሊፎም፤ እንተኾነ ወላዲቶም፡ ሬሳ ሲሚላኔ ተረኺቡ ከምዝቐብርኣ የተስፍዋ።
“ኣብ ሓደ እዋን ሓፍቲ ነይራትኒ። ንኣደይ ሎሚ ትርከበሉ ዘይትፈልጥ ውላድ ነይራታ። ናብ መቓብራ ክትበፅሕ ኣይትኽእልን። ምቕባር እውን ኣይከኣለትን። እቲ ዓብይ ክሳራ ዝብሎ ሰባት ምስ ከምዚ ዝበለ ዓሚቕ ሕማም ምሟቶም እዩ” ትብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







