'ኢማንሲፔሺን'፡ ዊል ስሚዝ እተላበሶ ሓቀኛ ዛንታ ብኣሜሪካ እተሳቐየ ፒተር

ምንጪ ስእሊ, SMITH COLLECTION/GADO/GETTY IMAGES
ስእሊ ሓደ ሰብነቱ ብኸቢድ መግረፍቲ ሓለንጊ እተመላለጠን ከቢድ በሰላ ዘለዎን ፒተር እተሰምየ ጊላ፡ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ባሮት ዝፈጸመቶ ባርባራዊ ጭካነ ኣቃሊዑ። ተዋስኣይ ዊል ስሚዝ፡ ኣብታ 'ኢማንሲፔሺን' [ኣግእዞ] ዘርእስታ ሓዳስ ፊልም፡ ንዛንታ እቲ ብሓለንጊ እተገርፈን ካብ ባርነት ናብ ወተሃደር ዝተሰጋገረን ፒተር ይገልጽ።
እቲ ካብ ባርነት ዘምለጠ ጐርደን፡ ዋላ’ኳ እንግድዓኡ ብሓለንጊ ተገሪፉ ቈርበቱ ተቐሊጡ እንተተሳቐየ፡ እቲ ንኣብያኡን በሰላኡን ዘርኢ ፖርትረይት ስእሉ ብ1863 ተሳኢሉ።
ውግእ ሓድሕድ ኣሜሪካ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፡ ብዛዕባ እቲ ዘስካሕክሕ ሓቅታት ባርነት ከም ናይ ሓሶት ፕሮፓጋንዳ ይግለጽ'ኳ እንተነበረ እቲ ዘስካሕክሕ ስእሊ ባርነት ግን ነቲ ዘይከሓድ ሓቂ ኣቃሊዑዎ።
እቶም ባርነት ከብቅዕ ዝጕስጉሱ ሰባት ነቲ ኣብታ ስእሊ ዘሎ ሰብኣይ፡ "ብሓለንጊ እተገርፈ ፒተር" ኢሎም ክጽውዕዎ እንከለው፡ ጸሓፍቲ ታሪኽ ግን ብዛዕባ ሓቀኛ ስሙ ኵሉ ሳዕ ይካትዑ እዮም። ይዅን እምበር ምስሊ ናይቲ ስእሊ ኣብ ኣሜሪካዊ ስነ ኣእምሮ ኣሉታዊ ጽልዋ ከምዝነበሮ ብዙሕ ዘጠራጥር ኣይኰነን።
እቲ ስእሊ ከምዘርእዮ፡ "እዞም ሰባት ሓቀኛ ተመኵሮ ዘለዎም ሰባት እዮም። ኣብ እዋን ውግእ ሓድሕድ ኣሜሪካ ኣሰቃቒ ኢ-ሰብኣዊነት ባርነት ንምርኣይ እዩ ተወሲዱ” ትብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ማሳቹሰትስ ዲን ኮሌጅ ሰብኣውነትን ስነ-ጥበብን ባርባራ ክራታመር።
"መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ዝርሳዕ ኣብቲ ሰብ ዝወሃብ ኣድህቦ እዩ። እቲ ውግእ ሓድሕድ ነቲ ባርነት ንምቅላዕን፡ እቲ ሰብ ሰብኣዊ ዛንታኡ ንኽዕቅብን ሓጊዙ እዩ።”
እታ ኢማንሲፔሺን (ኣግእዞ) ዘርእስታ ናይ ዊል ስሚዝ ፊልም፡ "እተገርፈ ፒተር “ብዘርእስታ ሓቀኛ ታሪኽ ጐርደን ዝተመሰጠ ኣንትዋን ፉኲዋ እዩ ዳይረክት ገይሩዋ። ስሚዝ ኣብታ ገለ ክፋል እታ ፊልም (ፕሪሜር) ዝቐርበሉ ዝነበረ እዋን፡ እታ ፊልም ሓይሊ መንፈስ ወዲ ሰብ ከተርኢ ተስፋ ኣሎኒ ኢሉ።
"እዚ ናይ ካልእ ጊላ ፊልም ኣይኰነን፤ እዚ ናይ ናጽነት ፊልም እዩ፡" ይብል ስሚዝ፤ ኵላትና ክንርእዮ፡ ክንሰምዖን ክስምዓናን ዘለዎ ዛንታ ኰይኑ እዩ ዝስምዓኒ" ኢሉ።
ዘፍርሕ መሃድሞ
ኣብ ሚያዝያ 1863 ጐርደን፡ ካብ ባርነት ናጻ ምስ ኰነ፡ ኣብ ልዊዝያና፡ ኣብ ባቶን ሩዥ ናብ ዝርከብ ሰፈር ወተሃደራት ሕብረት ኣተወ።
ኣብ ታሕሳስ 1863 ኣብ ኒውዮርክ ደይሊ ትሪቡን ኣብ ዝወጸ ዓምዲ፡ ጐርደን ኣዝዩ ደኺሙን ጠምዩን፡ ዝተመናንሀ ኣጭርቕቲ ጥራይ ተኸዲኑ ናብቶም ኣብ ኣሜሪካ ባርነት ንምውጋድ ዝቃለሱ ዝነበሩ፡ ሓራ ዝወጽኡ ጸለምቲ ወተሃደራት ምስ ረኣየ፡ ብኡንብኡ ንክኽተብ ሓሳብ ኣቕረበ።
ጐርደን ሕክምናዊ መርመራ ክገብር እንከሎ ነቶም ሰበ ስልጣን፡ ብሕሱም መግረፍቲ ንኽልተ ወርሒ ሃለዋቱ ኣጥፊኡ ኣብ ገምገም ሞት ከምዝበጽሐን ዕድል ምስረኸበ ንኸምልጥ ከም ዝወሰነ ነገሮም።
ጐርደን፡ ኣብቲ ረግረግ ልዊዝያና ንገላዩ ብዝከታተሉ ሃደንቲ ክድለ ድሕሪ ምጽናሕ ን10 መዓልታት ተጓዒዙ ናብ መዓስከር ወተሃደራት ሕብረት ከምዝኣተወ ሓቢሩ።
ብድሕሪኡ ነቲ ብሓለንጊ ዝተገርፈ እንግድዓኡ ከም መርትዖ ኣቕረቦ።
እቶም ሰኣልቲ ወተሃደራት ከኣ ነታ ጐርደን ኣእዳዉ ኣብ ዶስኡ ገይሩ ዝተሳእላ ዘይትፍለጥ ስእሊ ንታሪኽ ኣትሪፎም።
ቤት ፍርዲ ነቲ ዝተበጃጀለ እንግድዓኡ ምርኣዩ፡ "ንዅሉ ጻዕዳ ሰብ ኣዝዩ ዘሰንብድ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። እቶም ክፍሊት ዝጽበዩ ዝነበሩ ሒደት ጸለምቲ ግን፡ ነቲ ዘሕዝን ትርኢት ብዙሕ ኣቓልቦ ኣይገበሩሉን። ከምኡ ዝኣመሰለ ኣሰቃቒ መግረፍቲ ኵሎም ዝፈልጥዎ ነገር እዩ ነይሩ።
ሓደ ኣብ ኒውዮርክ ዝነብር ጋዜጠኛ፡ እቲ ስእሊ፡ ብ"100,000 ተባዚሑ ናብ ኵሉ ግዝኣታት ሕቡራት መንግስትታት ኣሜሪካ ክብተን ኣለዎ" ኢሉ፤ ልክዕ ከኣ ከምቲ ዝተባህለ ተገይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Library of Congress
እቲ ዘሰምብድ ስእሊ ጎርደን ምስተራእየ፡ ብዘይካ ልዊዝያና ኣርባዕተ ግዝኣታት ብኡ ንቡኡ ባርነት ንኸብቅዕ ድምጸን ሂበን። ሽዑ እታ ሃገር እቲ ውግእ ከብቅዕ ድዩ ኣይከብቅዕን ጸለምቲ ገላዩ ሓራ ክወጽኡ ኣለዎም’ዶ የብሎምን? ምስተፈትሑኸ ወተሃደራት ይከተቡ’ዶ ይከልከሉ ዝብል ዓቢ ክትዕ ይካየድ ነይሩ።
ደራሲት እታ ራእን ኣግእዞን እትብል ብዛዕባ ጸለምቲ ኣሜሪካውያንን መወዳእታ ባርነትን እትገልጽ መጽሓፍ፡ ፕሮፌሰር ክራዩታመን ኤታማርን ተሓባባሪታ ስእለ-ኣእምሮን ዲቦራ ዊሊስ፡ ንምስሉ እቲ እተገርፈ ጎርደን ዘርኢ ኣሳእል ኣብ ናእሽቱ ካርድታት ተሓቲሙ ንኽዝርጋሕ ሓጊዘን እየን።
እቶም ባርነት ንኸብቅዕ ዝጽዕሩ ዝነበሩ ሰባት ንጻዕርታቶም ዝድግፍ ገንዘብ ንኽኣኻኽቡ ነቲ ምስሊ ኣባዚሖም ይሸጡዎ ነይሮም። ይዅን እምበር፡ ፕሮፌሰር ክራታመር፡ ብዛዕባ እቲ ስእሊ ዝወሃብ ርእይቶ ኣዝዩ ዝተሓዋወሰ እዩ ነይሩ ትብል።
"ሰባት፡ ኵሉነገር ሓሶት እዩ፤ ኣይኣምንን እየ" ክብሉ እትጽበዮን ልሙድ ነገርን እዩ ነይሩ፡" ኢላ። "ጸዓዱ፡ ንጸለምቲ ከም እሙናት መሰኻኽር ክርእይዎም ይትረፍ ንተመኵሮኦም እውን ኣይፈልጥዎን እዮም" ትብል።
ብ4 ሓምለ 1863 እታ ፍልጥቲ ሃርፐር እተሰምየት ሰሙናዊ እትዳሉ መጽሔት እንደገና ንስእሊ“እተገርፈ ጐርደን” ናይ ወተሃደራት ሕብረት ዩኒፎርም ተኸዲኑ እንከሎ ዘርኢ ምስሊ ኣሕቲማ። እቲ ነታ ስእሊ ዘሰነየ ዓንቀጽ ከኣ፡ "ናይ ብሓቂ ኔግሮ (ጸሊም)" ዝብል ኣርእስቲ ሃልይዋ፡ ጐርደን ካብ ባርነት ሃዲሙ ኣብ ሰራዊት ሕብረት ብዛዕባ ዝፈጸሞ ጅግንነት እትገልጽ እያ ነይራ።
እቲ ኣንጻር ባርነት ዝጸሓፍ ዝነበረ ጽሑፋት፡ "ዘይተለምደ ፍሉይ ብልሕን ሓይልን" ጐርደን ንምግላጽ ክውሕጥዎ ዘጸግሞም ሓያል ዓሌትነት የንጸባርቕ ከምዝነበረ ኣስተብሂሎም።
'ሓድጊ እተገርፈ ፒተር እንታይ እዩ ?
ውግእ ሓድሕድ ንፈለማ እዋን ኣብ ስእሊ ተሰኒዱ ዝነበረ ግጭታት እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ኣስካሕካሒ ተግባራትን ጭካነ ባርነትን ዘርኢ ስእሊ፡ ልክእ ከምቲ "ንጴጥሮስ ገረፎ።"
ስእልታት ጐርደን ነቲ ኣንጻር ባርነት ዝግበር ዝነበረ መልእኽትን ፕሮፓጋንዳን ውጽኢታዊ መሳርሒ'ኳ እንተዀነ፡ ጐርደን ምስ ሰራዊት ሕብረት ድሕሪ ምጽንባሩ ብዛዕባ ህይወትን ውርሻኡን ግን ብዙሕ ዝፍለጥ ነገር የለን።
ኣብ ኵናት ሓድሕድ ናይ መጀመርታ ግጭት ብስእሊ ዝተሰነደሉ እዋን ነይሩ። ኣብ ርእሲኡ ኣዝዩ ውሑድ ስእልታትን ከም መግረፍቲ ፒተር ዝኣመሰለ ኣሰቃቒ ምስሊ ባርነትን ብግልጺ ተራእዮም። ዋላ’ኳ እቲ ስእልን ምስልን ጸረ-ባርነት መልእኽቲ ኣብ ምምሕልላፍ ሓያል መሳርሒ እንተነበረ ፕሮፌሰር ክራውተመር ጐርደን ናብ ሰራዊት ሕብረት ምስተጸንበረ ብዛዕባኡ ዝፍለጥ ነገር ኣዝዩ ውሑድ እዩ ይብል።
ኣንጻር ባርነት ዝካየድ ዝነበረ ናይ ስእልን ሰነድን ውግእ ሓድሕድ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን "እቲ ጸሊም ኣካል" [በቲ ስእሊ] ንባርነት እተቓወመሉ ካልእ መገዲ እዩ ነይሩ" ዝብል መጐተ እዩ ዘሎ "በለት። ብዛዕባ እቲ ጐርዶን ዝገበሮ ስእሊ ዘመናዊ ምይይጥ ከኣ፡ ነቲ ሓቂ ንምስናድ ስእለ-ጽዩፍ ዘለዎ ሓይሊ ዘጕልሕ እዩ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ስእሊ ጐርደን ጸለምቲ ገላዩ ንባርነት ዝቃወምሉ ካልእ መገዲ እዩ ዝብል መጐት ኣሎ። እቲ ስእሊ ኣብ ዘመንና እተመዝገበ ኣሳእል ማዕረ ክንደይ ሕቶን ክትዕን ናይ ምብጋስ ሓይሊ ከምዘለዎ ዘርኢ ሓቀኛ ጥበብ ምዃኑ ኣጕሊሑ የርኢ ትብል ፕሮፌሰር ክራውተመር።
ምሉእ ስእሊ ጐርደን ካብ ዝተሳእለሉ ሓደ ሚእቲ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ፡ ኣደ ኤመት ቲል፡ ውላዳ ማሚ ብጭካነ ተጨውዩ ተሳቕዩ ምስተቐትለ፡ ኣብ ክፉት ሳንዱቕ ሬሳ ስነስርዓት ቀብሪ ገይራትሉ። ምኽንያቱ ከኣ ትብል፡ "ዓለም ኣብ ልዕሊ ወደይ ዝተገብረ ነገር ክትርኢ እደሊ ነይረ እየ" ኢላ።
እቲ ንሕልና ኣሜሪካ ዘሰምበደ ዝተቘራረጸ ኣካላት ቲል ዘርኢ ስእሊ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣሜሪካ ዝተራእየ ዘየቋርጽ ውርሲ ዓሌታውነት የርኢ።
ፕሮፌሰር ክራውተመር ከም ጸሓፍ ታሪኽ መጠን ነቲ ቃንዛ ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ ኣብ ስርሓ ዝረኸበቶ ሓጐስ ጸለምቲ ኣሜሪካውያን እውን ከተስተማቕር ከም እትጽዕር ገሊጻ ።
"መብዛሕትኡ እቲ ብዛዕባ ትምህርቲ ዝገልጽ ማህደረ ትምህርቲ ኣብ 'ናይ ሓቂ ዛንታ ዘተኰረ እመስለኒ። ክፈልጥ ጥራይ እየ ዝደሊ። ህይወቱ ከመይ ይመስል ነይሩ? ንመን ይፈቱ ነይሩ? እንታይ ክገብር’ከ ተስፋ ነይሩዎ?"
"ናተይ ተስፋ፡ እቲ ናይ ዊል ስሚዝ ፊልምን ስእሊ ጐርደንን ነቲ ታሪኽን ዛንታ ደቂ ሰባት ናይ ምግማት ክእለትናን ክዕብዮ እዩ” ትብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







