ኔልሰን ማንዴላ፡ "ጐነጽ መፍትሒ ኣይኰነን"

ኔልሰን ማንዴላ (1918-2013)፡ እቲ "ልዝብን ዕርቅን እቶም ዝዓበዩ ዕጥቅታት ደቂ-ሰብ ምዃኖም ከቶ ኣይንረስዕ" ዝበለ መራሒ ዀይኑ በቲ ዜሕለፎ ማእሰርትን መረረን ከይተሳዕረ ንዝሓለፈ ሕማቕ ተመኵሮኡ ወጊኑ ንሃገሩ ካብ መገዲ ሕነ-ፍዳ ኣልዩ ኣብ መገዲ ሰላም ኣእትዩ ንቕድሚት ብምጕስጓሱ ንሓዋሩ ዚዝከር ኣፍሪቃዊ መራሒ ነበረ።
"ብውግእ እነምጽኦ ረብሓ የለን" እናበለ ንሃገሩ ብሰላም ኣብ ሜዳ ማዕርነትን ምርጫን ዝኸተተ፡ ብጻዕሩ ድማ ኣብ ዓለምና ኣድናቖት ክረክብ ዝኸኣለ፣ ብ 1993 ከኣ ምስቲ ናይ ሽዑ ፕረሲደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነበረ ደ-ክለርክ ብሓባር ናይ ሰላም ብልጫ-ኖቤል ከም ዝተቐበሉ ሰነዳት ይዛረቡ።
5 ታሕሳስ፡ ስንብታ ማንዴላ እንክዝከር
እቲ ደጋጊሙ ብከንቱነት ጐነጽ ዝተዛረበ ማንዴላ ኣብነታውን ዝምስገንን መራሒ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ 95 ዓመቱ ካብ'ዛ ዓለም ምስ ተሰናበተ ብዙሕ ህዝቢ ዓለም ሓዚኑ።
ኣብ መዓልቲ ስንብታኡ ኣብ ኒውዮርክ ዝርከብ ማእከል ምምሕዳር ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ባንዴራ ኣብ ፍርቂ-ሰንደቕ ከተንበልብል ተገይሩ። እቶም 193 ኣባላት ሓፈሻዊ-ዋዕላ-ውድብ ድማ ንክብሪ ናይቲ ብምሒር ፍቕሪ "ማዲባ" ብዝብል ሳጓ ዝጽዋዕ ዝነበረ መራሒ ንሓደ ደቒቕ ናይ ሕልና ዝኽርን ጸሎትን ኣብጺሖም።
እዚ ንናይ 27 ዓመታት ማእሰርቲ ስዒሩ ንመጀመርታ ጊዜ ኣብ ታሪኽ ደቡብ ኣፍሪቃ ፕረሲደንት ክኸውን ዝበቕዐ ጸሊም መራሒ፡ ስሙ ክንዮ ዶባት ሃገሩ ሰጊሩ ኣበዮ ኵርንዓት ዓለም ልዑል ኣኽብሮት ዝረኸበ ሰብ ምንባሩ ሰነዳት ሚድያ የረድእ። ሓያሎ ጸሓፍቲ ከኣ 'እዚ ለዋህ ግን ከኣ ካብ መትከሉ ፈልከት ዘይብል መራሒ ንናይ ደቡብ-ኣፍሪቃ ትርሲታዊ ኣፓርታይድ (ዘርኣዊ ፍልያ) ፈናጢሑ ንዅሉ ዜጋ ዝሓቁፍ ስርዓት ክተክል ብምኽኣሉ ንሓዋሩ ጽቡቕ ስምን ታሪኽን ገዱፉ እዩ ሓሊፉ' ክብሉ ይንእድዎ።
መትከል ኣንጻር ጎነጽ ማንዴላ፡ ንኻልኦት መራሕቲ ኣፍሪቃ ዓቢ ኣብነት ክኸውን ምተገብአ፣ ግናኸ ኣብ ኣፍሪቃ ብድሕሪ ማንዴላ ክንደይ ግፍዕታት ከም ዝተፈጸሙ እቶም ዝተኸሰቱ ፍጻሜታት የረድኡ ይብል ጸሓፊ ታሪኽ ዳዊት መስፍን። ስቲቭን ፍሬድማን ዝተባህለ ህቡብ ደቡብ-ኣፍሪቃዊ ዕውቀተኛን ተመራማርን ከኣ መራሕቲ ኣፍሪቃ ንህዝቢ ከስምዑ'ምበር ንህዝቢ ክሰምዑ ድሉዋት ከም ዘይኰኑ በቲ ኣሉታውን እወታውን ሓርነት ኢሉ ዝገልጾ መጐትኡ የብርሆ።
ርግጽ'ዩ፡ ማንዴላ ዘንበሮም ኣብነታት ኣብ መንጎ ኣፍሪቃውያን መራሕቲ ኣይሰፈነን። ሓድሕካ ብምጭፍጫፍ፡ ኣብ ክቱር ብልሽውና ኣቲኻ ብምጥልቓይ፡ ዉሽጣዊ ጕዳይና እዩ እናበልካ ብሕቡእ ንህዝብኻ ምርጋጽ፡ ብምስምስ ድሕነት-ሃገር ሰባት ምእሳር፡ ንዜጋታት ኣደዳ ስደትን ስቕያትን ብምግባር፡ ብኣድማሳውያን ሰብኣዊ መሰላት እናተወራዘኻ ብታሕቲ-ታሕቲ ተቓወምቲ ብምጭፍላቕ ኣብ ኣፍሪቃ እንዕዘቦ ዘሎና ተግባር እዩ ይብል ጸሓፊ ታሪኽ ዳዊት።
ማንዴላ "ጐነጽ መፍትሐ ኣይኰነን" ኢሉ ምሂሩ። ምስኡ ኸኣ፡ "ኣብ ዓውዲ ዉግእ ኣይንስዕርን፡ ኣብ ዓውደ-ምርጫ ግን ናይ ሓቂ ዓወት ክንጓናጸፍ ንኽእል" ኢሉ ንእምነቱ ኣብ ግብሪ ተርጒሙዎ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ውግእ ዕሽነትን ክስራንን ጥፍኣትን ምዃኑ ኣመስኪሩ። መቓልሕ ናይ'ዞም ሓረጋት ብተደጋጋሚ ይስምዑ'ዮም ክብል ከኣ ኣጽንዖቱ ይገልጽ።
እቲ ቀንዲ መለለዮ ባህሪ ማንዴላ ይቕረ ናይ ምባል ሕልና እዩ። "ንጽባቐን ዕብየትን ደቡብ-ኣፍሪቃ ሕልሚ እንተድኣ ኣሎና፡ ናብኡ ዜምርሑ መንገድታት ከም ዘሎዉ ምፍላጥ የድሊ" ክብል ዝሰምዖ መደረ ከኣ ምስክርነት ይቕረ በሃሊ ሕልናኡ እዩ ክብሉ ይምስክርሉ ጸሓፍቲ ታሪኽ።
ማንዴላ ንጸገማት ደቡብ ኣፍሪቃ "ሰላምን ስኒትን" ብዝብሃል ፖለቲካዊ ፍልስፍናኡ'ዩ ፈቲሑዎ። "ፖለቲካ-ልዝብ" ብመሰረቱ ኣብ መንገዲ ሰላም ዜእቱ፡ ንስኒትን ሕውነትን ኣቐዲሙ ድማ ኣብ ሕብረተሰብ ንዜጓንፉ ተጻብኦ ዝፈጥሩ ፍልልያት መዕለቢ ዚፈጥር ስልቲ'ዩ ዝብል እምነቱ ሰሪሑ እዩ።
ኰይኑ ድማ እቲ ብልቦና ማንዴላ ዝተኣታተወ መስርሕ፡ ዕርቀ ሰላም፡ ደበብ-ኣፍሪቃ ብፖለቲካ-ልዝብ ኣቢላ ካብ ሓድሕድ ዉግእ ከምዝደሓነት ሓደ ካብ ተኸታተልቲ ፖለቲካ እቲ ዞባ ዶክተር ኣዳነ ገብረመስቀል ይምስክር።
ሓጺር ድሕረ ባይታ ማንዴላ
ማንዴላ ብድኽነት'ዩ ዓብዩ። ኣቦኡ ብ 1930 - ማንዴላ ወዲ 12 ዓመት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ምዃኑ'ዩ - ኢዩ ሞይቱ። ኣዲኡ ድማ ብ1968፡ ማንዴላ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን'ያ ሞይታ።
ኣቦኡ ምስ ሞተ ማንዴላ ካብ ዘመድ ናብ ዘመድ እናኸደ'ዩ ዓብዩ። ሓወቦኡ ድማ ምእንቲ ማንዴላ ረጊኡ ክቕመጥ ንሓንቲ ጓል'ቲ ገጠር ከመርዕዎ መደብ ኣውጽአ። ንሱ ግን ካልእ መደብ ስለ ዝነበሮ ናብ ጆሃንስበርግ ሃዲሙ ከደ። ኣብኡ ከኣ ንስርዓት ኣፓርታይድ ብግህዶ ክርእዮን ከስተማቕሮን ከኣለ።
ማንዴላ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሚስዮን እናተማህረ ዓበየ፣ ኣብኡ ኔልሶን ዚብል ስም ተዋህቦ። ኣብ ብጸዓዱ ጥራይ ዝምራሕ ሃገር ይነብር ከም ዝነበረ ተጋህደሉ፡ ኵነታት ኣፓርታይድ ድማ ብቐረባ እናተዓዘበ ዓበየ።
ክብል-ክብል ማንዴላ ኣብ ዕድመ ዩኒቨርሲቲ ምስ በጽሐ ኣብ ዩኒቨርሲቲ-ኮሌጅ ፎርት-ሄር ክምሃር በቖዐ፣ ጸኒሑ ድማ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዊትዋተርስራንድ ሕጊ ተማህረ። ብ 1944 ድማ ምስ ኤይ.ኤን.ሲ. (African National Congress) ብምጽንባር ብፖለቲካ ነቕሐ፣ ኣንጻር ኣፓርታይድ ድማ ቃልሱ ብ 1948 ጀመረ።
ብመጀመርታ ኤይ.ኤን.ሲ. ብማሃትማ ጋንዲ ዝተለሞ ሰላማዊ ኣገባብ'ዩ ቃልሱ ጀሚሩ። ድሓር ግን ግዝኣት ኣፓርታይድ እናሓየለ ምስ መጸ እቲ ስርዓት ንምንቅስቓስ ኤይ.ኤን.ሲ. ብ 1960 ጠሪሱ ኣገዶ። ሽዑ ማንዴላ እቲ ምንቅስቓስ ናብ ብረታዊ ቃልሲ ክሰግር ኣሎዎ እናበለ ክምጕት ጀመረ። ሓለፍቲ ኤይ.ኤን.ሲ. ድማ ንማንዴላ ቃልሱ ከሐይል ኣተባብዕዎ።
ማንዴላ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ እናኣተወን-ወጸን ክነብር ጀመረ፣ ብ1961 ምስ ብጾቱ ዀይኑ ድማ "ሃገራዊ ጭማራ" (Umkhonto we Sizwe) ዝበሃል ዝዓጠቐ ክንፊ ፈጢሩ ብረታዊ ቃልሱ ተሰጋገረ። ይዅን'ምበር፡ ብ 1962 ማንዴላ ኣብ ቀይዲ ኣተወ፣ ቤት-ፍርዲ ድማ ንሕልፊ ህይወቱ ፈረዶ። ታሪኹን ድሕረ ባይተኡን ኣብታ "መገዲ ሓርነት" እትብል መጽሓፉ ብዝርዝር ተገሊጹ ኣሎ።
ን 27 ዓመታት ኣብ ቤት-ማእሰርቲ
ማንዴላ ኣብ ኣብያተ ማእሰርትታት ሮቢን-ኣይላንድ፡ ፖልስሙር፡ ቪክቶር ቨርስተር ን27 ዓመታት ተዳጐነ። ይዅን'ምበር ማእሰርቱ ንከንቱ ኣይነበረን። ብ80ታት እቶም ካብ ደቡብ-ኣፍሪቃ ከምልጡ ዝኸኣሉ ብጾቱን ተደጋገፍቱን ኣይደቀሱን፣ ንቃልሶም ትእምርቲ ስለ ዘድለዮም ኣብ ልዕሊ ማእሰርቲ ማንዴላ ቆላሕታ ከም ዝዓልብ ገበሩ።
እቶም 80% ዝቝጽሮም ጸለምቲ ደቡብ-ኣፍሪቃ ናይ ምምራጽ መሰሎም ስለ ዝተነፍጎም፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝነበሩ ተደናገጽቲ ኤይ.ኤን.ሲ. "ናጽነት ንኔልሶን ማንዴላ" ብዝብል ጭርሖ ተመሪሖም ተንስኡ። ተምሃሮን ገስገስቲ ኣካላትን ከኣ ሰዓብዎም። እቲ ጐስጓስ ከኣ ከይጸንሐ ኣብ ምሉእ ኤውርጳ ለሓመ፣ ናብ ኣሜሪካ'ውን ሰገረ።
ኣሳእል ማንዴላ ኣብ ኵሉ ተዘርጊሑ ማዕቀብ ኣብ ልዕሊ ደቡብ ኣፍሪቃ ክንበር ጻውዒት እናሓየለ ከደ። ስም ማንዴላ ኸኣ ኣብ ኩሉ ተወርየ።
ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኣፓርታይድ ዉሽጣውን ኣህጕራውን ጸቕጢ እናሓየለ ምስ ከደ፡ ምስኡ ኸኣ ዓሌታዊ ምፍሕፋሓት እናሳዕረረ ምስ ከደ፡ ፕረሲደንት ደ-ክለርክ፡ እቲ ሽዑ ዝነበረ መራሒ፡ ኣብቲ ሃገር ዝገደደ ሓዊ ከይውላዕ ብምባል ምስ ማንዴላ ብስቱር ርክባት ብምፍጣር ነቲ ጕዳይ ቀስ ኢሉ ክኣልዮ ጀመረ። ኣይጸንሐን ከኣ ብ 1990 ማንዴላ ካብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝወጽእ ተገብረ።
ድሕሪ ማእሰርቲ ማንዴላ
ድሕሪ እቲ ዅሉ ሓሳረ-መከራ፡ ማንዴላ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጸ ንብዙሓት ነገር ዝውላዕ መሰሎም። እንተዀነ፡ ማንዴላ ብዘይ መረረን ጽልኢ-ኣሰርቱን ናብ ሰላማዊ ናብራኡ ተመለሰ፣ እኳ ድኣ ንጸለምቲ ዀነ ጸዓዱ ዜጋታት ብምዕሩግን ወግዓውን ኣገባብ ንክሳነዩ ጻውዒት ኣቕረበ። ምስ ደ-ክለርክ ኰይኑ ድማ ብልዝብ ነቲ ዝነበረ ስርዓት ኣፓርታየድ ከም ዜብቅዕ ገበሩ። ብ1994 ከኣ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ጸዓዱን ጸለምትን ዝተሳተፍዎ ምርጫ ተኻየደ፣ ማንዴላ ን ኤይ.ኤን.ሲ. መሪሑ ኸኣ ፕረሲደንት ክኸውን በቕዐ።
ሽዑ ሊቀ-ጳጳሳት ደዝሞንድ ቱቱ፡ እቲ ህቡብ ደቡብ-ኣፍሪቃዊ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ ነቲ ብፕረሲደንት ማንዴላ ዝቖመ "ሓቅን ልዝብን-ኮሚሽን" (Truth and Reconciliation Commission) ዝመርሐ ተቓላሳይ ብዛዕበ ማንዴላ ...
"ማንዴላ ከም ሰንደቕ ስኒትን ሕድገትን፡ በዓል ዕዙዝ ውርዝና፡ ንመስርሕ ለውጢ ክመርሕ ዝኸኣል ብምዃኑ ንዘልኣለም ክዝከር'ዩ" ክብል መስከረ።

ነዊሕ ጕዕዞ ናጽነት
ማንዴላ ኣብ ስልጣን ዝነበረሉ እዋን (1994-1999) ዝበዝሐ ጊዜኡን ጕልበቱን ንሕርቃንን ጽልእን ጸለምቲ ኣሕዋቱ ክኣሊ፡ ንጸዓዱ ድማ ብሕነ-ፍዳ ንከይፈርሁን ብምህዳእን ኢዩ ኣሕሊፉዎ።
ንናጽነት ንምድላይ ማንዴላ ካብ ዝዓበየሉ ገጠር ተበጊሱ፡ ናብ ቃልሲ፡ ማእሰርቲ፡ ናብ ፕረሲደንትነት ተጓዓዘ - ፕረሲደንት ናይታ ዝሃብተመት ሃገረ-ኣፍሪቃ። ንትካላት ሃገሩ ሃኒጹ፡ናይ ፕረሲደንትነቱ ወቕቲ ምስ ኣብቅዐ ኸኣ ካብ ስልጣኑ ወረደ፡ ንካልኣይ እብረ ስልጣን ክወዳደርከይሰሰዐ ነቲ ዝስዕብ መራሒ መሪቑ መገዲ ከፈተሉ።
ሓደ መዓልቲ ሓደ ናይ ኒውዮርክ-ታይምስ ጋዜጠኛ "ድሕሪ እቲ ኹሉ ዘሕለፍካዮ ኣረሜናዊ ስቓይ ከመይ ገርካ ንጽልኢ ክትቈጻጸሮ ከኣልካ?" ኢሉ ምስ ሓተቶ፡ ማንዴላ ኸኣ ነቲ ሕቶ ዳርጋ ዕሽሽ ብምባል ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፣ "ጽልኢ ንኣእምሮና የጕድሞ'ዩ ... ንትውጥኖ ስትራተጂ ስለ ዝብክሎ መራሕቲ ሓሳቦም ብጽልኢ ክልዕጠጥ ዘዋጽኦም ኣይኰነን።"
ማንዴላ ካብ ቤት-ጽሕፈት ፕረሲደንት ምስ ተሰናበተ ኣብ ክፍሊ-ዓለም ኣፍሪቃ መዛርዕ ስነ-ምግባር (ሞራል) ተሰኪሙ ኣበዮ ሰላም ዝሰኣነ ቦታ ብምብጻሕን ብምውሳእን ከም ዓራቒ ነጠፈ።
ጥቕስታት ማንዴላ
"ናጻ ምዃን ሞቑሕካ ምስባር ማለት ጥራይ ኣይኰነን፣ እንታይ ድኣ ክብሪ ሰባት ሓሊኻ ናጽነቶም ምስ እተኽብረሎም'ዩ።"
"ኣብ ዓለም ብምንባርና ኣይኰነን እቲ ቍምነገር፣ ኣብ ህይወት ካልኦት እንታይ ዓይነት ጠቓሚ ለውጢ ከም ዘተኣታተና'ምበር።"
"ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ግዳያት ማእሰርትን ባርነትን ኣደዳ-ሞቝሕን ኰይኖም ይነብሩ ኣሎዉ፣ ብዓዘቕቲ ኣብያተ-ማእሰርቲ-ድኽነት ተታሒዞም ክነብሩ ፍትሓዊ ስለዘይኰነ ሓራ ክወጽኡ ጊዜኡ ኣኺሉ'ዩ።"
"ሓደ ነገር ክሳብ እትገብሮ ዘይከኣል ኰይኑ'ዩ ዝስምዓካ።"
"ብዘመዝገብኩዎ ዓወታት ኣይትፍረዱኒ፣ እንታይ ድኣ በቲ መጠን ዝወደቕክዎን ዝተንሳእኩዎን።"
"ሩሕ ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ንምምዛን፡ ቖልዑን ሕጻናትን ብዝረኽቡዎ/ብዝስእንዎ ክንክን ክምዘን ይከኣል።"
"ወዲ ሰብ በታ ዝደልያ መንገዲ ህይወቱ ክመርሕ ዕድል እንተተነፊጉዎ ብዘይካ ሽፍትነት ካልእ ኣማራጺ የብሉን።"
"ማዕጾ ደፊአ ናብቲ ኣፍደገ ናጽነት ገጸይ እናኸድኩ ዝነበረኒ መረረን ጽልእን ንድሕሪት ገዲፈ እንተዘይወጽእ ነይረ ጌና ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ምነበርኩ።"







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







