ዝኽሪ ዊኒ ማዲኪዜላ ማንዴላ

ንደቡብ ኣፍሪካዊት ተቓላሲት ኣንፃር ኣፓርታይድ ዊኒ ማንዴላ ኣብ ዝተዳለወ ዝኽሪ ብኣሽሓት ዝግመቱ ሰባት ተኣኻኺቦም። ዊኒ ማንዴላ ንቀዳማይ ፀሊም ደቡብ ኣፍሪካዊ ፕረዚደንት ኔልሰን ማንዴላ በዓልቲ ቤቶም ነይረን።

ምኽትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪካ ዴቪድ ማቡዛ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ምኽትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪካ ዴቪድ ማቡዛ፡ ዊኒ "ኣንፃር ዓሌታዊ ልዕልና፣ ኣፈላላይ መደብን ፆታዊ ፀቕጥታትን" ክምዝተቓለሰት ተዛሪቦም።
ደቂ ማንዴላ፡ ዛኒን (ካብ ፀጋም ካልአይቲ) ዚንዲዚን (ካብ ፀጋም ሳልሴእቲ)

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ደቂ ማንዴላ፡ ዛኒን ዚንዲዚን ኣብቲ ዝኽሪ ተረኺበን ነይረን። ፖለቲካዊ ተቓዋሚ ማንጎስቱ ቡተለዚ ወለዶም ክሳቐዩ ከለው እናርኣዩ ዘሕለፍዎ ግዜ ቁልዕነት ከምዘይርሳዕ ተዛሪቦም።
ንዝኽሪ ዊኒ ኣብ ስታድየም ኦርላንዶ ዝተኣከቡ ደቡብ ኣፍሪቃውያን

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, እቶም ኣብ ዝኽራ ዝተኣከቡ ናይ ክብሪ ሰላምታ ክህቡ ከለው፡ ዘረባ ዘስምዑ ድማ ማእሰርትን ፅምዋን ንዊኒ ከምበርክኽዋ ከምዘይከኣሉ ኣዘኻኺሮም
ብዙሓት ሰባት ንሰልፊ ኣፍሪካን ናሽናል ኮንግረስ ዝውክሉ ሕብርታት ኣብ ኣካላቶም ተለኽዮም ነይሮም

ምንጪ ስእሊ, REUTERS

መግለጺ ስእሊ, ብዙሓት ሰባት ንሰልፊ ኣፍሪካን ናሽናል ኮንግረስ ዝውክሉ ሕብርታት ኣብ ኣካላቶም ተለኽዮም ነይሮም
ደቡብ ኣፍሪካውያን ተምሃሮ ኣብ ዝኽሪ ዊኒ ማንዴላ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ተምሃሮ'ውን ኣብ ዝኽሪ ዊኒ ማንዴላ ተረኺቦም
ምስሊ ዊኒ ዘለዎም ካናቲራታት ዝተኸደኑ ሰባት

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ገለገሊኦም ምስሊ ዊኒ ምንዴላ ዘለዎ ካናቲራ ('ቲ-ሸርት') ተኸዲኖም ነይሮም፤ ንዊኒ ዝዝክሩን ዝንእዱን ፅሑፋት ድማ ኣብቶም ካናቲራታት ይረኣዩ
ሓዘንተኛታት ኣብ ስታድየም ኦርላንዶ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ስርዓተ ቀበሪ ዊኒ ማንዴላ 14 ኤፕሪል 2018 ክካየድ'ዩ

መሰል ቅዳሕ ኩሎም ስእልታት ዝተሓለወ'ዩ