ኢትዮጵያ ትርከበን ሽዱሽተ ሃገራት ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚረን ኣባላት ብሪክስ ክዀና’የን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኢትዮጵያ፡ ኣርጀንቲና፡ ኢራን፡ ግብጺ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ስዑድ ዓረብን ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚረን ኣባላት ብሪክስ ከምዝዀና ተገሊጹ።
ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ስሪል ራማፎዛ፡ ኣባላት ብሪክስ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ መዓልታት ኣብ ዘለዎም ስግኣታት ብዓሚቑ ከምዝዘተዩ ብምግላጽ’ዩ ዘረብኡ ጀሚሩ።
መበል 15 ዋዕላ ብሪክስ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝተኻየደሉ፡ መራሕቲ ቻይና፡ ህንዲ፡ ብራዚል፡ ብኣካል ክራኸቡ እንከለዉ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላዳሚር ፑቲን ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሰርጌ ላቭሮቭ ተወኪሉ፤ ብማንዛ እውን ኣብቲ ኣኼባ ተሳቲፉ።
ፕረዚደንት ስሪል ራማፎዛ ብዙሓት ሃገራት ናብ ብሪክስ ክጽንበራ ሕቶ ከምዘቕረባ ብምግላጽ፡ ንገሊኣን ኣብዚ ናይ ሎሚ ዋዕላ ከምዝተቐበልወን ካልኦት’ውን ኣብ ዝቅጽል ዋዕላ ክጽንበራ ከምዝዀና ሓቢሩ።
ኣብዚ መበል 15 ዋዕላ ብሪክስ ሃገራት ኣርጀንቲና፡ ግብጺ፡ ኢትዮጵያ፡ ኢራን፡ ስዑድ ዓረብያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ካብ 1 ጥሪ 2024 ጀሚረን ምሉኣት ኣባላት ብሪክስ ክዀና ከምዝተወሰነ ፕረዚደንት ስሪል ራማፎዛ ገሊጹ።
ፕረዚደንት ብራዚል ሉላ ዳ ሲልቫ ብወገኑ፡ ምጽናባር እዘን ሓደሽቲ ሃገራት ዓቕሚ ብሪክስ ኣብ ዓለማዊ ቑጠባ 37 ሚኢታዊት ንኽሕዝ ከምዝሕግዞ ገሊጹ። ብብዝሒ ህዝቢ ከኣ ካብ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ብሪክስ ካብ ጥሪ ጀሚሩ 46 ሚኢታዊት ከምዝሕዝ ኣብሪሁ።
ፕረዚደንት ቫላድሚር ፑቲን ብማንዛ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ንሓደሽተ ኣባላት ብሪክስ ዝኾና ሽዱሽተ ሃገራት እንቋዕ ሓጎሰክን ድሕሪ ምባሉ፡ ካልኦት ሃገራት’ውን ክጽንበራ ምዃነን ገሊጹ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ’ውን ንሰለስተ መዓልታት ዝተኻየደ ዋዕላ ብሪክስ ሳላ ምሉእ ጻዕሪ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ስሪል ራማፎዛ ዕዉት ከምዝኾነ ድሕሪ ምግላጽ፡ ህንዲ ብዙሓት ሃገራት ኣባላት ብሪክስ ንኽኾና ወትሩ ሰናይ ድሌት ከምዘለዋ ሓቢሩ።
“ምውሳኽ ሃገራት ብሪክስ ከም ማሕበር ኣዝዩ ንኽዓቢ ሓጋዚ’ዩ፡ ንመራሕቲ እዘን ሓደሽቲ ዝተጸንበራና ሃገራት ከኣ እንቋዕ ሓጎሰኩም እብል” ኢሉ።
ፕረዚደንት ቻይና ዢን ጂንፒንግ'ውን፡ ኣባላት ብሪክስ ንዓለማዊ ሰላም ኣገዳሲ ሓላፍነት ከምዘለወን ብምሕባር “ምስፋሕ ኣባልነት ብሪክስ ታሪኻዊ ውሳነ’ዩ፤ እዚ ምውሳኽ ኣባላት ሓድሽ ምጅማር ምትሕግጋዝ ብሪክስ ዘርኢ’ዩ። ብሓባር ክሳብ ዝሰራሕና ብሪክስ ከዐውቶ ዝኽእል ኣዝዩ ብዙሕ ነገር ከምዘሎ እተኣማመን’የ። መጻኢ ኣባላት ብሪክስ ከኣ ብሩህ’ዩ” ኢሉ።
ብሪክስ ብኸመይ’ዩ ተመስሪቱ?
ኣብ 2001፡ ኣብ ባንኪ ኢንቨስትመንት በዓል ሞያ ስነ ቁጠባ፡ ጎልድማን ሳቸስ ንሃገራት ብራዚል፡ ሩስያ፡ ህንድን ቻይናን ዘጣመረ ‘ብሪክ’ ዝብል ምሕጻረ ቃል ፈጢሩ።
እዘን ኣዝዩ ቅልጡፍ ቁጠባዊ ምዕባለ ዘመዝግባ ዘለዋ ሃገራት ልዑልን ማእኸላይ እቶት ዘለዎ ዜጋ ዝሓቖፋ እየን። እቲ በዓል ሞያ ስነ ቁጠባ፡ እዘን ሃገራት ኣብ 2050ን መራሕቲ ቁጠባ ዓለም ክዀና ከም ዝኽእላ ኣሚቱ ነይሩ።
ኣርባዕቲኤን ሃገራት ኣብ 2006 ‘ብሪክ’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጉጅለ ክፈጥራ ተሰማሚዐን። ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ 2010 ናብቲ ጉጅለ ምስተጸንበረተን ድማ ‘ብሪክስ’ ተባሂሉ።
‘ብሪክስ’ ማዕረ ክንደይ ኣገዳስነት ኣለዎ?
ኣባል ሃገራት ጉጅለ ‘ብሪክስ’ ብሓባር 3.24 ቢልዮን ብዝሒ ህዝቢ ኣለወን።
ዓመታዊ እቶት ዜጋታተን ድማ 26 ትርልዮን ዶላር ከም ዝዀነ ይፍለጥ። እዚ ድማ 26 ሚኢታዊት ቁጠባ ዓለም’ዩ።
እንተዀነ ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ መኣዲ ሊቃዉንቲ ቤት ምኽሪ ኣትላንቲክ፡ ኣብቲ ዓንዲ ሑቖ ፋይናንሳዊ ትካል ሕቡራት [ኢንተርናሽናል ሞኒተሪን ፋንድ] ተሰማዕነተን 15 ምኢታዊት ከም ዝዀነ ወግዓዊ ገይሩ ነይሩ።

ዕላማ ‘ብሪክስ’ እንታይ’ዩ?
ብሪክስ ንዓለምለኻውያን ናይ ገንዘብ ትካላት ‘ኣይኤምኤፍን’ ዓለማዊ ባንክን ብምምሕያሽ ኣብቲ እንዳማዕበለ ዝኸይድ ዘሎ ቁጠባ ዓለም ልዑል ድምጽን ውክልናን ንምርካብ እዩ ተመስሪቱ።
ኣባል ሃገራት ጉጅለ ብሪክስ ኣብ 2014 ‘ኒው ዴቨሎፕመንት ባንክ’ ዝተባህለ ሓድሽ ዓለም ለኻዊ ባንኪ መስሪቶም።
ዓቕሚ ናይቲ ባንኪ 250 ቢልዮን ዶላር ክኸውን እንከሎ ኣብ ምምዕባል ንዝርከባ ሃገራት ልቓሕ ከጣጥሕ ዕዮ ተዋሂብዎ።
ናይቲ ጉጅለ ኣባላት ዘይኰና ሃገራት ግብጽን ሕቡራት ዓረብ ኢማራትን ናብቲ ባንኪ ተጸንቢረን።
ኣባል ሃገራት ‘ብሪክስ’ እንታይ ዘራኽቡን ዘፈላልዩን ጉዳያት ኣለወን?
ኩለን ኣባላት ‘ብሪክስ’ ኣብ ዘዞባአን ዓብይ ጽልዋ ከም ዘለወን ዝገልጽ ኣብ ዳቭሊን ኮሌጅ ትሪኒቲ በዓል ሞያ ምዕባለ ጂኦግራፊ ፕሮፌሰር ፓድረግ ካርሞዲ፡ “ይኹን እምበር ቻይና እታ ዝዓበየት ኣባል ሃገር’ያ” ይብል።
ንሱ ኣስዒቡ ቻይና ብመገዲ ‘ብሪክስ’ ኣቢላ እዋናዊ ነባራዊ ኵነታት ዓለም ገልቢጣ ንዓለም ብናይ ባዕላ ቅዲ ክትሰርዕ ጻዕሪ ትገብር ከም ዘላ ሓቢሩ።
እንተዀነ ህንዲ ኣብ ዞባ ኤስያ ፓስፊክ ተነሓናሒት ቻይና ከም ዝዀነት ይፍለጥ። ምኽንያቱ ህንዲ ኣብቲ ምስ ቻይና ዘዳውባ ነዊሕ ዶብ ዘይምቅዳው ሰለዘለዋ ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ጽልዋ ንምዕዛዝ ምስ ኣሜሪካን ካልኦት ምዕራባውያን ሃገራትን ሓቢራ ክትሰርሕ’ያ እትርአ።
ኣባል ሃገራት ብሪክስ ምስ ምዕራባውያን ሃገራት ብዛዕባ ክህልወን ዘለዎ ዝምድና’ውን እንተዀነ ዝተመቓቐለ መርገጺ’ዩ ዘለወን።
“ሩስያ ንዩክረይን ወሪራ ብምሓዛ ኣብ ልዕሊኣ ካብ ምዕራባውያን ንዝወርዳ ዘሎ እገዳታት ንምክልኻል ኣብ እትገብሮ ቃልሲ ከም የማናይ ኢዳ’ያ እትወስዶ” ክብል ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ናይ ዝመደብሩ ምትእኽኻብ ሊቃውንቲ ሓላፊ ዓለም ለኻዊ ፋይናንስን ቁጠባን ክሮን ቡልተር ገሊጹ።
ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ነዳዲ ሩስያ እገዳታት ድሕሪ ምግባረን፡ ህንድን ቻይናን ቀንዲ ዓማዊል ነዳዲ ሩስያ ኰይነን'የን። ካብኡ ብተወሳኺ ሩስያ ምስ ቻይናን ደቡብ ኣፍሪቃን ሓበራዊ ናይ ሓይሊ ባሕሪ ልምምዳት ክተካይድ ጸኒሓ'ያ።
ገሊኣን ኣባል ሃገራት ብሪክስ ድማ ጸረ ምዕራባውያን ሃገራት ክዀና ድልየት የብለንን።
“ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ብራዚልን ህንድን ዝተመቓቐለት ዓለም ክትህሉ ድልየት የብለንን” ዝበለ ቡልተር “ንምዕራባውያን ሃገራት ምቅዋም ንድሕነተን ኰነ ምዕባለአን ሕማቕ’ ከም ዝዀነ ገሊጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







