ስለምንታይ’የን ኣስታት 40 ሃገራት ናብ ‘ብሪክስ’ ክጽንበራ ተሃንጥየን ዘለዋ?

ምንጪ ስእሊ, EPA
መራሕቲ ሃገራት ኣባል ጉጅለ ብሪክስ፡ ብራዚል፣ ሩስያ፣ ህንዲ፣ ቻይናን ደቡብ ኣፍሪቃን ንዝመጽእ 22 ነሓሰ ኣብ ከተማ ጆሃንስበርግ ደቡብ ኣፍሪቃ ተራኺቦም ክዝትዩ ምዃኖም ተፈሊጡ።
ቀንዲ መዛተይ ርእሰ ጉዳዮም ድማ ሕቶ ሓደሽቲ ኣባል ሃገራት መርሚርካ ንምውሳን’ዩ።
ነቲ ኣኼባ እተአንግድ ዘላ ደቡብ ኣፍሪቃ ልዕሊ 40 ሃገራት ኣባል ናይቲ ኪዳን ክኾና ሕቶ ከምዘቕረባ ኣፍሊጣ።
ብሪክስ ብኸመይ’ዩ ተመስሪቱ?
ኣብ 2001፡ ኣብ ባንኪ ኢንቨስትመንት በዓል ሞያ ስነ ቁጠባ፡ ጎልድማን ሳቸስ ንሃገራት ብራዚል፣ ሩስያ፣ ህንድን ቻይናን ዘጣመረ ‘ብሪክ’ ዝብል ምሕጻረ ቃል ፈጢሩ።
እዘን ኣዝዩ ቅልጡፍ ቁጠባዊ ምዕባለ ዘመዝግባ ዘለዋ ሃገራት ልዑልን ማእኸላይ እቶት ዘለዎ ዜጋ ዝሓቖፋ እየን። እቲ በዓል ሞያ ስነ ቁጠባ እዘን ሃገራት ኣብ 2050ን መራሕቲ ቁጠባ ዓለም ክኾና ከምዝኽእላ ኣሚቱ ነይሩ።
ኣርባዕቲኤን ሃገራት ኣብ 2006 ‘ብሪክ’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጉጅለ ክፈጥራ ተሰማሚዔን። ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ 2010 ናብቲ ጉጅለ ምስተጸንበረተን ድማ ‘ብሪክስ’ ኮይኑ።
‘ብሪክስ’ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳስነት ኣለዎ?
ኣባል ሃገራት ጉጅከ ‘ብሪክስ’ ብሓንሳብ 3.24 ቢልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዎን ኮይኑ ዓመታዊ እቶት ዜጋታተን 26 ትርልዮን ዶላር ከምዝኾነ ይፍለጥ። እዚ ድማ 26 ምኢታዊት ቁጠባ ዓለም’ዩ።
እንተኾነ ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ መኣዲ ሊቃዉንቲ ቤት ምኽሪ ኣትላንቲክ፡ ኣብቲ ዓንዲ ሑቖ ፋይናንሳዊ ትካል ሕቡራት [ኢንተርናሽናል ሞኒተሪን ፋንድ] ተሰማዕነተን 15 ምኢታዊት ከምዝኾነ ወግዓዊ ገይሩ ነይሩ።
ዕላማ ‘ብሪክስ’ እንታይ’ዩ?
ብሪክስ ንዓለም ለኻውያን ናይ ገንዘብ ትካላት ‘ኣይኤምኤፍን’ ዓለማዊ ባንክን ብምምሕያሽ ኣብቲ እንዳማዕበለ ዝኸይድ ዘሎ ቁጠባ ዓለም ልዑል ድምጽን ውክልናን ንምርካብ እዩ ተጣይሹ።
ኣባል ሃገራት ጉጅለ ብሪክስ ኣብ 2014 ‘ኒው ዴቨሎፕመንት ባንክ’ ዝተባህለ ሓድሽ ዓለም ለኻዊ ባንኪ ኣጣይሶም። ዓቕሚ ናይቲ ባንኪ 250 ቢልዮን ዶላር ክኸውን እንከሎ ኣብ ምምዕባል ንዝርከባ ሃገራት ልቓሕ ከጣጥሕ ዕዮ ተዋሂብዎ።
ናይቲ ጉጅለ ኣባላት ዘይኮና ሃገራት ግብጽን ሕቡራት ዓረብ ኢማራትን ናብቲ ባንኪ ተጸንቢረን።
ኣባላት ‘ብሪክስ’ ናይ ሓባር ባጤራ ይፈጥራ’ዶ ይኾና?
ጸለውቲ ፖለቲከኛታት ሩስያን ብራዚልን ዶላር ኣሜሪካ ኣብ ዓለም ለኻዊ ፋይናንስ ዘለዎ ጽልዋ ንምግታእ ኣባል ሃገራት ‘ብሪክስ’ ናይ ገዛእ ርእሰን ባጤራ ክህልወን ከምዘለዎ ይጉስጉሱ ኣለዉ።
እንተኾነ ኣምባሳደር ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ብሪክስን ኤስያን፡ ኣኒል ሶክላል ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ጉዳይ ምህላው ባጤራ ኣብቲ ኣብ ጆሃንሰበርግ ዝካየድ ዘተ ርእሰ ጉዳይ ከምዘይኮነ ተዛሪቡ።
እቲ ንፈለማ ግዜ ‘ብሪክ’ ዝብል ምሕጻረ ቃል ዘመንጨወ ጂም ኦኔል፡ ንጋዜጠኛ ዩኬ ፋይናንሻል ታይምስ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መሕትት ናይ ሓባር ባጤራ ዝበሃል ሓሳብ ትርጉም ዘይብሉ’ዩ ኢሉዎ።
ኣባል ሃገራት ‘ብሪክስ’ እንታይ ዘራኽቡን ዘፈላልዩን ጉዳያት ኣለወን?
ሕድሕድ ኣባል ሃገር ‘ብሪክስ’ ኣብ ዘዞባአን ዓብይ ጽልዋ ከምዘለወን ዝገልጽ ኣብ ዳቭሊን ኮሌጅ ትሪኒቲ በዓል ሞያ ምዕባለ ጂኦግራፊ ፕሮፌሰር ፓድረግ ካርሞዲ “ይኹን እምበር ቻይና እታ ዝዓበየት ኣባል ሃገር’ያ” ኢሉ።
ንሱ ኣስዒቡ ቻይና ብመገዲ ‘ብሪክስ’ ኣቢላ እዋናዊ ነባራዊ ኩነታት ዓለም ገልቢጣ ንዓለም ብናይ ባዕላ ቅዲ ክትሰርዕ ጻዕሪ ትገብር ከምዘላ ሓቢሩ።
እንተኾነ ህንዲ ኣብ ዞባ ኤስያ ፓስፊክ ተቐናቓኒት ቻይና ከምዝኾነት ይፍለጥ። ምኽንያቱ ህንዲ ኣብቲ ምስ ቻይና ዘዳውባ ነዊሕ ሕንጻጽ ዘይምቅዳው ሰለዘለዋ ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ጽልዋ ንምዕዛዝ ምስ ኣሜሪካን ካልኦት ምዕራባውያን ሃገራትን ሓቢራ ክትሰርሕ’ያ እትርአ።
ኣባል ሃገራት ብሪክስ ምስ ምዕራባውያን ሃገራት ብዛዕባ ክህልወን ዘለዎ ዝምድና’ውን እንተኾነ ዝተመቓቐለ መርገጺ’ዩ ዘለወን።
“ሩስያ ንዩክረይን ወሪራ ብምሓዛ ኣብ ልዕሊኣ ካብ ምዕራባውያን ንዝወርዳ ዘሎ እገዳታት ንምክልኻል ኣብ እትገብሮ ቃልሲ ከም የማናይ ኢዳ’ያ እትወስዶ” ክብል ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ናይ ዝመደብሩ ምትእኽኻብ ሊቃውንቲ ሓላፊ ዓለም ለኻዊ ፋይናንስን ቁጠባን ክሮን ቡልተር ገሊጹ።
ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ነዳዲ ሩስያ እገዳታት ድሕሪ ምግባረን፡ ህንድን ቻይናን ቀንዲ ዓማዊል ነዳዲ ሩስያ ኮይነን። ካብኡ ብተወሳኺ ሩስያ ምስ ምስ ቻይናን ደቡብ ኣፍሪቃን ሓበራዊ ናይ ሓይሊ ባሕሪ ልምምዳት ክተካይድ ጸኒሓ።
ገሊኣን ኣባል ሃገራት ብሪክስ ድማ ጸረ ምዕራባውያን ሃገራት ክኾና ድልየት የብለንን።
“ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ብራዚልን ህንድን ዝተመቓቐለት ዓለም ክትህሉ ድልየት የብለንን” ዝበለ ቡልተር “ንምዕራባውያን ሃገራት ምቅዋም ንድሕነተን ኮነ ምዕባለኤን ሕማቕ’ ከምዝኾነ ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣየኖት ሃገራት’የን ናብ ብሪክስ ክጽንበራ ዝደልያ ዘለዋ?
ኣምባሳደር ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ብሪክስን ኤስያን ኣኒል ሶክላል፡ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ 22 ሃገራት ኣባል ሃገራት ጉጅለ ብሪክስ ክኾና ብወግዒ ሕቶ ከምዘቕረባን ካልኦት ክንድአን ሃገራት ድልየት ከምዘርኣያ ሓቢሩ።
ሃገራት ኢራን፣ ኣርጀንቲና፣ ኩባ፣ ካዛኪስታን፣ ኢትዮጵያ፣ ስዑድ ዓረብ፣ ሕቡራት ዓረብ ኢማረትን ቬንዙዌላን ካብተን ንኣባልነት ጉጅለ ሃገራት ብሪክስ ሕቶ ዘቕረባ ከምዝኾና ተፈሊጡ።
“ሓይሊ ሚዛን ዓለም ካብ ምዕራባውያን ይወጽእ’ሎ እዩ ዝብል ኣተሓሳስባ ይምዕብል ስለዘሎ ብዙሓት ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ናብ ከም ‘ብሪክስ’ ዝኣመሰሉ ኪዳናት ክጽንበራ ይደልያ ኣለዋ” ክብል ፕሮፌሰር ካርሞዲ ገሊጹ።
ውሑዳት ሃገራት ኣባላት ኮይነን ንኽኣትዋ ክፍቀደለን ይኸውን’ዩ ዝብል ኣመተ ከምዘለዎ ዝገለጸ ቡልተር፡ “ግን ድማ ከም ኣርጀንቲና ዝኣመሰላ ብዙሕ ሕልኽላኽ ዘለወን ከም ኢራን ዝኣመሰላ ሃገራት ግን ንኽኣትዋ ዝፍቀደለን ኣይመሰለንን” ኢሉ።
ኣብ ዋዕላ ብሪክስ እንታይ’ዩ ክዝተ?
ኣብቲ ካብ 22 ክሳዕ 24 ነሓሰ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ጆሃንስበርግ ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ዋዕላ ኣባል ሃገራት ብሪክስ፡ ኣየኖት ሃገራት ናብቲ ጉጅለ ከምዝኣትዋ ውሳነታት ክሓልፍ’ዩ ዝብል ትጽቢት ኣሎ። ካብኡ ብተወሳኺ ድማ ጉዳያት ክሊሚያዊ ለውጥን ዕድላት ንግድን ኢንቨስትመንትን ንምስፍሕፋሕ ኣብ ዝከኣለሉ ርእሰ ጉዳያት ክዝትዩ እዮም ተባሂሉ ትጽቢት ከምዘሎ ይግለጽ።
አኣንጋዲት ሃገር ደቡብ ኣፍሪቃ ልዕሊ 60 መራሕቲ ሃገራት ዓለም ኣብቲ ዋዕላ ንኽሳተፉ ዕድመ ኣቕሪባትሎም። እንተኾነ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብቲ ዋዕላ ኣይክሳተፍን’ዩ። ምኽንያቱ ድማ ዓለም ለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ንቭላድሚር ፑቲን ናይ ማእሰርቲ ደብዳቤ ስለዘውጽኣሉ’ዩ። ንሱ ግን ነቲ ዝቐረበሉ ክሲ ነጺግዎ’ዩ።
ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሓንቲ ካብተን ብዛዕባ እቲ ቤት ፍርዲ ብዝምልከት ዝፈረማ ሃገራት ስለዝኾነት ፑቲን ናብ ግዝኣታ እንተኣትዩ፡ ሒዛ ከተቕርቦ ክትግደድ እያ።
ፕረዚደንት ፑቲን ኣብቲ ዋዕላ ብማንዛ ክሳተፍ ከምዝኾነ ብምግላጽ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ሰርጌ ላቭሮቭ ግን ብኣካል ተረኺቡ ክሳተፍ ከምዝኾነ ተፈሊጡ’ሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







