ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ዋዕላ ብሪክስ ንምስታፍ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ገይሹ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቒ ኣብ ወርሒ ግንቦት ኣብ ቻይና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቒ ኣብ ወርሒ ግንቦት ኣብ ቻይና

ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብዕድመ ፕረዚደንት ስሪል ራማፎሳ፡ ኣብ ዋዕላ ብሪክስ ንምስታፍ፡ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ገይሹ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ’ውን ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣሰንይዎ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከም ዝኸደ ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ኣመልኪቱ።

ብሪክስ ዝብል ቃል፡ ንብራዚል፡ ሩስያ፡ ህንዲ፡ ቻይናን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝውክል ኰይኑ፡ መራሕቲ እዘን ሃገራትን ካልኦት ዕዱማት ሃገራትን ካብ ሰሉስ ጀሚሩ ክሳዕ ሓሙስ 24 ነሓሰ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክዛተዩ’ዮም።

ምምስራት ብሪክስ ነቲ ካብ ብኣሜሪካ ዝምርሓ ሃገራት ምዕራብ ዝርአ ዕብለላ ንምምካት ዝዓለመ ምዃኑ’ዩ ይግለጽ።

ብፍላይ ምስ ምውላዕ ኵናት ሩስያን ዩክረይንን ከምኡ'ውን ምትፍናን ኣሜሪካን ቻይናን፡ እዚ ብብሪክስ ዝፍለጥ ምጥርናፍ ዝያዳ ኣቓልቦ ክረክብን ብዙሓት ሃገራት ናብኡ ክጽንበራ ክሓታን ጸኒሐን ኣለዋ።

ኣብ ብሪክስ እቲ ዝያዳ ጸላዊ ዝዀነ ፕረዚደንት ቻይና ዢን ጂንፒንግ ኣብቲ ዋዕላ ንምስታፍ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣትዩ ኣሎ።

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድማር ፒቲን ግን ካብ ቤት ፍርዲ ዓለምለኻዊ ገበነኛታት ኣብ ዝተረኸቦ ክእሰር ትእዛዝ ስለዝተመሓላለፎ፡ ብምርድዳእ ሩስያን ደቡብ ኣፍሪቃን ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌ ላቭሮቭ’ዩ ክውከል።

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ኣብቲ ኣኼባ ብማንዛ ክሳተፍ ምዃኑ’ውን ተፈሊጡ ኣሎ።

ፕረዚደንት ብራዚል ልዊስ ኢናስዮ ሉላ ሲልቫን ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ነረንድራ ሞዲን’ውን ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣቲዩ'ሎ።

ኣብዚ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዋዕላ ብሪክስ፡ ቀንዲ ካብ ኣጀንዳታት ኣባላት ሃገራት ሓባራዊ ባጤራ ዝፈጥራሉ ክኸውን ከም ዝኽእል ብራዚል ኣብ ምጅማር እዚ ዓመት ገሊጻ ነይራ።

ይኹን'ምበር፡ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ወደብቲ እዚ መደብ ግን ሕጂ ብዛዕባ ንዶላር መተካእታ ዝኸውን ሓባራዊ ባጤራ ንምዝረራብ ኣብ ኣጀንዳ ከም ዘየለ ገሊጾም ኣለዉ።

ኣገዳስነት ብሪክስ እናዓዘዘ ኣብ ዝመጽኣሉ፡ ኢትዮጵያ እትርከበን ልዕሊ 40 ሃገራት ናብቲ ማሕበር ክጽንበራ ወግዓዊ ሕቶ ኣቕሪበን ኣለዋ።

ሃገራት ኢራን፡ ኣርጀንቲና፡ ኩባ፡ ካዛኪስታን፡ ስዑድ ዓረብ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ቬንዙዌላን ካብተን ንኣባልነት ጉጅለ ብሪክስ ሕቶ ዘቕረባ ሃገራት’የን።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብተን ኣብ ብሪክስ ቀንዲ ቀለስቲ ዝዀና ቻይናን ሩስያን ምብጻሕ ኣካይዱ ምንባሩ ዝዝከር ኰይኑ፡ ኣብ ብሪክስ ናይ ምጽንባር ሕቶ ምቕራቡን ዘይምቕራቡን ግን ዝተፈለጠ ነገር የለን።

ኣብዚ ካብ ሰሉስ ጀሚሩ ንሰለስተ መዓልታት ዝካየድ ዋዕላ ብሪክስ ኣስታት 15 መራሕቲ ሃገራት ክሳተፉ ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ።

ንብሪክስ ጠሚረን ዘለዋ ሓሙሽተ ሃገራት፡ 40 ሚኢታዊት ብዝሒ ህዝቢ ዓለምን ሓደ ርብዒ ቁጠባ ዓለምን ዝሓቖፋ’የን።

ብሪክስ ብኸመይ’ዩ ተመስሪቱ?

ኣብ 2001፡ ኣብ ባንኪ ኢንቨስትመንት በዓል ሞያ ስነ ቁጠባ፡ ጎልድማን ሳቸስ ንሃገራት ብራዚል፡ ሩስያ፡ ህንድን ቻይናን ዘጣመረ ‘ብሪክ’ ዝብል ምሕጻረ ቃል ፈጢሩ።

እዘን ኣዝዩ ቅልጡፍ ቁጠባዊ ምዕባለ ዘመዝግባ ዘለዋ ሃገራት ልዑልን ማእኸላይ እቶት ዘለዎ ዜጋ ዝሓቖፋ እየን። እቲ በዓል ሞያ ስነ ቁጠባ፡ እዘን ሃገራት ኣብ 2050ን መራሕቲ ቁጠባ ዓለም ክዀና ከም ዝኽእላ ኣሚቱ ነይሩ።

ኣርባዕቲኤን ሃገራት ኣብ 2006 ‘ብሪክ’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጉጅለ ክፈጥራ ተሰማሚዐን። ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ 2010 ናብቲ ጉጅለ ምስተጸንበረተን ድማ ‘ብሪክስ’ ተባሂሉ።

‘ብሪክስ’ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳስነት ኣለዎ?

ኣባል ሃገራት ጉጅለ ‘ብሪክስ’ ብሓንሳብ 3.24 ቢልዮን ብዝሒ ህዝቢ ኣለወን።

ዓመታዊ እቶት ዜጋታተን ድማ 26 ትርልዮን ዶላር ከም ዝዀነ ይፍለጥ። እዚ ድማ 26 ምኢታዊት ቁጠባ ዓለም’ዩ።

እንተዀነ ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ መኣዲ ሊቃዉንቲ ቤት ምኽሪ ኣትላንቲክ፡ ኣብቲ ዓንዲ ሑቖ ፋይናንሳዊ ትካል ሕቡራት [ኢንተርናሽናል ሞኒተሪን ፋንድ] ተሰማዕነተን 15 ምኢታዊት ከም ዝዀነ ወግዓዊ ገይሩ ነይሩ።

ዕላማ ‘ብሪክስ’ እንታይ’ዩ?

ብሪክስ ንዓለምለኻውያን ናይ ገንዘብ ትካላት ‘ኣይኤምኤፍን’ ዓለማዊ ባንክን ብምምሕያሽ ኣብቲ እንዳማዕበለ ዝኸይድ ዘሎ ቁጠባ ዓለም ልዑል ድምጽን ውክልናን ንምርካብ እዩ ተመስሪቱ።

ኣባል ሃገራት ጉጅለ ብሪክስ ኣብ 2014 ‘ኒው ዴቨሎፕመንት ባንክ’ ዝተባህለ ሓድሽ ዓለም ለኻዊ ባንኪ መስሪቶም።

ዓቕሚ ናይቲ ባንኪ 250 ቢልዮን ዶላር ክኸውን እንከሎ ኣብ ምምዕባል ንዝርከባ ሃገራት ልቓሕ ከጣጥሕ ዕዮ ተዋሂብዎ።

ናይቲ ጉጅለ ኣባላት ዘይኰና ሃገራት ግብጽን ሕቡራት ዓረብ ኢማራትን ናብቲ ባንኪ ተጸንቢረን።

ፕረዚደንታት ሩስያን ደቡብ ኣፍሪቓን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣባላት ‘ብሪክስ’ ናይ ሓባር ባጤራ ይፈጥራ’ዶ ይዀና?

ጸለውቲ ፖለቲከኛታት ሩስያን ብራዚልን፡ ዶላር ኣሜሪካ ኣብ ዓለም ለኻዊ ፋይናንስ ዘለዎ ጽልዋ ንምግታእ ኣባል ሃገራት ‘ብሪክስ’ ናይ ገዛእ ርእሰን ባጤራ ክህልወን ከም ዘለዎ ይጉስጉሱ ኣለዉ።

እንተዀነ ኣምባሳደር ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ብሪክስን ኤስያን ዝዀነት ኣኒል ሶክላል ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ጉዳይ ምህላው ባጤራ ኣብቲ ኣብ ጆሃንሰበርግ ዝካየድ ዘተ ርእሰ ጉዳይ ከም ዘይኰነ'ዩ ገሊጹ።

እቲ ንፈለማ ግዜ ‘ብሪክ’ ዝብል ምሕጻረ ቃል ዘመንጨወ ጂም ኦኔል፡ ንጋዜጠኛ ዩኬ ፋይናንሻል ታይምስ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መሕትት፡ ናይ ሓባር ባጤራ ዝበሃል ሓሳብ ትርጉም ዘይብሉ’ዩ ኢሉዎ።

ኣባል ሃገራት ‘ብሪክስ’ እንታይ ዘራኽቡን ዘፈላልዩን ጉዳያት ኣለወን?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኩለን ኣባላት ‘ብሪክስ’ ኣብ ዘዞባአን ዓብይ ጽልዋ ከም ዘለወን ዝገልጽ ኣብ ዳቭሊን ኮሌጅ ትሪኒቲ በዓል ሞያ ምዕባለ ጂኦግራፊ ፕሮፌሰር ፓድረግ ካርሞዲ፡ “ይኹን እምበር ቻይና እታ ዝዓበየት ኣባል ሃገር’ያ” ይብል።

ንሱ ኣስዒቡ ቻይና ብመገዲ ‘ብሪክስ’ ኣቢላ እዋናዊ ነባራዊ ኵነታት ዓለም ገልቢጣ ንዓለም ብናይ ባዕላ ቅዲ ክትሰርዕ ጻዕሪ ትገብር ከም ዘላ ሓቢሩ።

እንተዀነ ህንዲ ኣብ ዞባ ኤስያ ፓስፊክ ተቐናቓኒት ቻይና ከም ዝዀነት ይፍለጥ። ምኽንያቱ ህንዲ ኣብቲ ምስ ቻይና ዘዳውባ ነዊሕ ዶብ ዘይምቅዳው ሰለዘለዋ ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ጽልዋ ንምዕዛዝ ምስ ኣሜሪካን ካልኦት ምዕራባውያን ሃገራትን ሓቢራ ክትሰርሕ’ያ እትርአ።

ኣባል ሃገራት ብሪክስ ምስ ምዕራባውያን ሃገራት ብዛዕባ ክህልወን ዘለዎ ዝምድና’ውን እንተዀነ ዝተመቓቐለ መርገጺ’ዩ ዘለወን።

“ሩስያ ንዩክረይን ወሪራ ብምሓዛ ኣብ ልዕሊኣ ካብ ምዕራባውያን ንዝወርዳ ዘሎ እገዳታት ንምክልኻል ኣብ እትገብሮ ቃልሲ ከም የማናይ ኢዳ’ያ እትወስዶ” ክብል ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ናይ ዝመደብሩ ምትእኽኻብ ሊቃውንቲ ሓላፊ ዓለም ለኻዊ ፋይናንስን ቁጠባን ክሮን ቡልተር ገሊጹ።

ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ነዳዲ ሩስያ እገዳታት ድሕሪ ምግባረን፡ ህንድን ቻይናን ቀንዲ ዓማዊል ነዳዲ ሩስያ ኰይነን'የን። ካብኡ ብተወሳኺ ሩስያ ምስ ቻይናን ደቡብ ኣፍሪቃን ሓበራዊ ናይ ሓይሊ ባሕሪ ልምምዳት ክተካይድ ጸኒሓ'ያ።

ገሊኣን ኣባል ሃገራት ብሪክስ ድማ ጸረ ምዕራባውያን ሃገራት ክዀና ድልየት የብለንን።

“ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ብራዚልን ህንድን ዝተመቓቐለት ዓለም ክትህሉ ድልየት የብለንን” ዝበለ ቡልተር “ንምዕራባውያን ሃገራት ምቅዋም ንድሕነተን ኰነ ምዕባለአን ሕማቕ’ ከም ዝዀነ ገሊጹ።

ኣየኖት ሃገራት’የን ናብ ብሪክስ ክጽንበራ ዝደልያ ዘለዋ?

ኣምባሳደር ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ብሪክስን ኤስያን ኣኒል ሶክላል፡ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ 22 ሃገራት ኣባል እቲ ጉጅለ ክዀና ብወግዒ ሕቶ ከም ዘቕረባን ካልኦት ክንድአን ሃገራት ድልየት ከም ዘርኣያን ሓቢሩ።

ሃገራት ኢራን፡ ኣርጀንቲና፡ ኩባ፡ ካዛኪስታን፡ ኢትዮጵያ፡ ስዑድ ዓረብ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ቬንዙዌላን ካብተን ንኣባልነት ጉጅለ ሃገራት ብሪክስ ሕቶ ዘቕረባ ከም ዝዀና ተፈሊጡ እዩ።

“ሓይሊ ሚዛን ዓለም ካብ ምዕራባውያን ይወጽእ’ሎ እዩ ዝብል ኣተሓሳስባ ይምዕብል ስለዘሎ ብዙሓት ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ናብ ከም ‘ብሪክስ’ ዝኣመሰሉ ኪዳናት ክጽንበራ ይደልያ ኣለዋ” ክብል ፕሮፌሰር ካርሞዲ ገሊጹ።

ውሑዳት ሃገራት ኣባላት ኰይነን ንኽኣትዋ ክፍቀደለን ይኸውን’ዩ ዝብል ኣመተ ከም ዘለዎ ዝገለጸ ቡልተር፡ “ግን ድማ ከም ኣርጀንቲና ዝኣመሰላ ብዙሕ ሕልኽላኽ ዘለወንን ከም ኢራን ዝኣመሰላ ሃገራትን ግን ንኽኣትዋ ዝፍቀደለን ኣይመሰለንን” ኢሉ።

ኣብ ዋዕላ ብሪክስ እንታይ’ዩ ክዝተ?

ኣብቲ ካብ 22 ክሳዕ 24 ነሓሰ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ጆሃንስበርግ ዝካየድ ዋዕላ ኣባል ሃገራት ብሪክስ፡ ኣየኖት ሃገራት ናብቲ ጉጅለ ከም ዝኣትዋ ውሳነታት ክሓልፍ’ዩ ዝብል ትጽቢት ኣሎ።

ካብኡ ብተወሳኺ ድማ ጉዳያት ክሊሚያዊ ለውጥን ዕድላት ንግድን ኢንቨስትመንትን ንምስፍሕፋሕ ኣብ ዝከኣለሉ ርእሰ ጉዳያት ክዝትዩ ትጽቢት ከምዘሎ ይግለጽ።

ኣአንጋዲት ሃገር ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ልዕሊ 60 መራሕቲ ሃገራት ዓለም ኣብቲ ዋዕላ ንኽሳተፉ ዕድመ ኣቕሪባትሎም። እንተዀነ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብቲ ዋዕላ ኣይክሳተፍን’ዩ። ምኽንያቱ ድማ ዓለም ለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ንቭላድሚር ፑቲን ናይ ማእሰርቲ ደብዳቤ ስለዘውጽኣሉ ክኸውን ከሎ ንሱ ግን ነቲ ዝቐረበሉ ክሲ ነጺግዎ’ዩ።

ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሓንቲ ካብተን ብዛዕባ እቲ ቤት ፍርዲ ብዝምልከት ዝፈረማ ሃገራት ስለዝዀነት፡ ፑቲን ናብ ግዝኣታ እንተኣትዩ፡ ሒዛ ከተቕርቦ ክትግደድ እያ።

ፕረዚደንት ፑቲን ኣብቲ ዋዕላ ብማንዛ ክሳተፍ ከምዝዀነ ብምግላጽ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ሰርጌ ላቭሮቭ ግን ብኣካል ተረኺቡ ክሳተፍ’ዩ።