ኣብ ካርቱም ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣየር ብውሕዱ 20 ሰባት ተቐቲሎም

ተፈናቐልቲ ኣብ መዕቆቢ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ሰራዊት ሱዳን ኣብ ርእሰ ከተማ ሱዳን ብዘካየዶ መጥቃዕቲ ኣየር ክልተ ህጻናት ዝርከብዎም ብውሕዱ 20 ሰባት ከምዝሞቱ ተጣበቕቲ ገሊጾም።

ኣብ ከባቢ ደቡባዊ ምዕራብ ካርቱም ኣብ ዝርከብ ካላክላ ኣልቝባ ብዙሓት ካብ ግዳያት እቲ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ፍርስራስ ከምዝተቐብሩ’ውን ሓቢሮም።

ትማሊ ሰንበት ኣብ ብዙሓት ከባቢታት መዳፍዕን ሮኬትን ከምዝተተኮሰ ይግለፅ።

ሰራዊት መንግስትን ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍን ንካርቱም ንምቍጽጻር ካብ ሚያዝያ ጀሚሮም ኣብ ውግእ ይርከቡ። ብኣማኢት ዝቑጸሩ ዜጋታት ድማ ተቐቲሎም።

ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ኣብ መላእ ሱዳን ልዕሊ 1100 ሰባት ከምዝሞቱ እኳ እንተገለጸ እቲ ልክዕ ቍጽሪ ግን ኣዝዩ ዝዛየደ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ።

ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ኣብ ሞንጎ እቲ ውግእ ተቐርቂሮም ይርከቡ።

ኣስታት 2.2 ሚልዮን ሰባት ኣብ ውሽጢ ሱዳን ዝተመዛበሉ ኮይኖም ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ድማ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ተዓቚቦም ከምዘለዉ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

ሓላፊ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃንን ኣዛዚ ወተሃደራዊ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎን ኣብ ዛዕባ መጻኢ ዕድል እታ ሃገር ከይተረዳድኡ ብምትራፎም’ዩ እቲ ኲናት ተወሊዑ።

ሰባት ካብቲ ቦታ ውግእ ንኽእለዩ ብዝብል ተደጋገምቲ ስምምዓት ደው ምባል ተኹሲ'ኳ እንተተኣወጁ ግብራዊ ክኾኑ ግን ኣይተረኣዩን።

ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ንመብዛሕትኡ ክፋል ካርቱምን ከተማታት ኡምዱርማንን ባህሪን ተቘጻጺሩ ይርከብ።

ሰራዊት ሱዳን እቶም ንኡስ ወተሃደራዊ ተዋጋእቲ ክለቍ ንምግባር ብተደጋጋሚ ናይ መዳፍዕን ኣየርን መጥቃዕቲ የካይድ ኣሎ።

እቲ ናይ ቀዳም መጥቃዕቲ ድማ ሓደ ካብቶም ከበድቲ እዩ።

እቲ ግጭት ካብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ወጻኢ ዝተዘርግሐ ኰይኑ ናብቲ ሰፊሕ ዓሌታዊ ግጭት ዝረኣየሉ ምዕራባዊ ዞባ ዳርፉር እውን ኣስፋሕፊሑ’ሎ።

ኣብ መላእ ሱዳን ብኣማኢት ዝቝጸሩ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ኣስታት ሰለስተ ሚልዮን ዝግመቱ ከኣ ካብ ገዛኦም ክፈናቐሉ ተገዲዶም ኣለዉ።