ፖሊስ ዩጋንዳ 20 ኤርትራውያን ኣብ ከባቢ ዶብ ከምዝሓዘ ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ፖሊስ ዩጋንዳ ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብታ ሃገር ምእታዎም ዝተገለጸ 20 ኤርትራውያን ምሓዙ መራኸቢ ብዙሓን እታ ሃገር ጸብጺበን።
እቲ ትካል ጸጥታ ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቶም ኤርትራውያን ብ 25 ነሓሰ ካብ ዶብ ኬንያ ከባቢ 140 ኬሜ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ጂንጃ ከምዝተትሓዙ ኣፍሊጡ።
ካብ መንጎኦም ክልተ ደቂ ኣንስትዮን ዕድሚኦም ካብ 12 ክሳዕ 17 ዝኸውን ሽዱሽተ ቈልዑ ከምዝርከብዎም ወሃቢ ቃል ፖሊስ ዞባ ኪራ ጀምስ ሙቢ ገሊጹ።
ንሱ ወሲኹ እቶም በጽሕታት ኣብ መደበር ፖሊስ ጂንጃ ተታሒዞም ምህላዎምን እቶም ቈልዑ ኣብ ከተማ ጂንጃ ኣብ ሓደ ሆቴል ከምዘለውን ኣፍሊጡ።
“ዝኾነ ሕጋዊ ናይ መገሻ ሰነድ የብሎምን” ዝበለ እቲ ወሃቢ ቃል ነቶም ብድሕሪ እቲ ፈተነ ዘለው ሰባት ንምርካብ ይሰርሑ ምህላዎም ሓቢሩ።
እቶም ኤርትራውያን ብዘይሕጋዊ መገዲ ብኢትዮጵያን ኬንያን ተሳጊሮም ብዶብ ኬንያ-ዩጋንዳ፡ ናብታ ሃገር ምእታዎም ጋዜጣ ‘ኒው ቪዥን’ ዩጋንዳ ጸብጺባ።
ሰብ መዚ፡ እቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ከባቢ ካምፓላ ናብ ዝርከብ ብዙሓት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝነብሩሉ፡ ካባላጋላ ይጓዓዙ ምንባሮም ከምዝኣምኑ ምዝራቦም መራኸቢ ብዙሓን እታ ሃገር ጸብጺበን።
ብሰንኪ ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ካልእን ካብ ሃገሮም ክወጹ ዝደልዩ ኤርትራውያን ናይ መገሻ ሰነድ ወይ ፓስፖርት ንምርካብ ስለዝጽገሙ ብዘይሕጋዊ መገድታት ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ከምዝሰግሩ ይግለጽ።
ኣብ ኢትዮጵያ ብዝሒ ዘለዎም ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ትግራይ ኣብ ኣርባዕተ መዓስከራት ተዓቚቦም እኳ እንተነበሩ ድሕሪ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ብዙሓት ካብኣቶም ናብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እታ ሃገርን ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ብፍላይ ከኣ ናብ ዩጋንዳ ከምዝሰገሩ ይግመት።
ኣብዚ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝርከቡ 74 ሽሕ ስደተኛታት እቶም 92% ኤርትራውያን ምዃኖም ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ ወርሒ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ ገሊጹ።
ኣብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን’ውን ኲናት ድሕሪ ምውልዑ ብዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ግብጺ፡ ኢትዮጵያ፡ ሊብያ ከምዝተበተኑን፡ ናብ ሃገሮም ዝተመለሱ’ውን ምህላዎም ይግለጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







