ሱዳን፡ ኣብ ዕዳጋ ካርቱም ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዓሰርተታት ሰባት ተቐቲሎም

ሱዳን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ርእሰ ከተማ ሱዳን፡ ኣመና ኣብ ዝተጨቓጨቐ ዕዳጋ ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ፡ ብውሕዱ 35 ሰባት ከምዝሞቱ ሓደ ግብረሰናይ ትካል ሕክምና ሓቢሩ።

በቲ መጥቃዕቲ ካልኦት ልዕሊ 60 ሰባት ከምዝቘሰሉ'ውን ተገሊጹ። ዶብ ኣልቦ ሓካይም (MSF) ነቲ ቦምባ መጥቃዕቲ "ህልቂት" ክብል ገሊጽዎ።

ነበርቲ እቲ ከባቢ፡ ትማሊ ሰንበት ኣብ ደቡባዊ ክፋል ካርቱም ኣብ ዝርከብ ዕዳጋ ቆውሮ፡ ወተሃደራዊ ነፋሪት ቦምባታት ከምዝደርበየት ገሊጾም።

ሰራዊት መንግስትን ወተሃደራዊ ሓይሊ ህጹጽ ደገፍን ንካርቱም ንምቍጽጻር ካብ መፋርቕ ሚያዝያ ጀሚሮም ኣብ ውግእ ይርከቡ። ብኣማኢት ዝቝጸሩ ዜጋታት ድማ ተቐቲሎም።

ብሰንበት ኣተሓባባሪት ህጹጽ እዋን ዶብ ኣልቦ ሓካይም ማሪ በርተን፡ ‘’ኣብ ሆስፒታል ባሻየር ዝርከቡ ወለንተኛታትን ኣባላት ሕክምናን በቲ ኣብታ ከተማ ዝወረደ መጥቃዕቲ ሰንቢዶምን ብራዕዲ ተዋሒጦምን ኣለዉ" ክትብል ብመገዲ ትዊተር [ኤክስ] ገሊጻ።

ትካል ዶብ ኣልቦ ሓካይም "ተባራዒ ኣጽዋር" ኣብ ዕዳጋ ከምዝወረደን፡ ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ ኣየርን ደብዳብን "ዘይተሓስበ ስቓይን ህይወት ምጥፋእን" ከምዝቐጸለ ገሊጹ።

"ህይወት ናይቶም በቲ መጥቃዕቲ ኣካላቶም ምሒር ዝተጐድኡ ሰባት ከነድሕን ንጽዕር ኣለና። ህልቂት እዩ ነይሩ" ክብል ኤምኤስኤፍ ወሲኹ ሓቢሩ።

ሱዳን ኣብ ሚያዝያ ሓላፊ ሰራዊት ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃንን ኣዛዚ ናይቲ ብዳዕመ 'ሰሪዕ ዝፍለጥ ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይሊ ህጹጽ ደገፍ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ - ሕሜቲ - ኣብ ዛዕባ መጻኢ ዕድል እታ ሃገር ብዘይምርድዳኦም’ዩ እቲ ኲናት ተወሊዑ።

ብሰንኪ እቲ ኲናት፡ ኣስታት ሓሙሽተ ሚልዮን ሰባት ካብ ቤቶም ክሃድሙ ተገዲዶም፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ድማ ተቐቲሎም። ካርቱምን ምዕራባዊ ዞባ ዳርፉርን በቲ ግጭት ዝያዳ ዝተሃስያ ዞባታት ኰይነን ኣለዋ።

ሓይልታት ዳዕመ 'ሰሪዕ ንመብዛሕትኡ ክፋል ካርቱምን ከምኡ’ውን ጐረባብቲ ከተማታት ኡምዱርማንን ባሕሪን ተቘጻጺርወን ይርከብ።

ሰራዊት እታ ሃገር ነተን ከተማታት ዳግማይ ንምቍጽጻር ኣብ ዝግብሮ ዘሎ ጻዕሪ ብተደጋጋሚ ደብዳብ ነፈርቲ ከምዘካየድ ይፍለጥ።

ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣቢሉ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣየር፡ ክልተ ህጻናት ዝርከብዎም ብውሕዱ 20 ሰባት ከምዝተቐትሉ ይፍለጥ።

ኣሜሪካ፡ ስዑዲ ዓረብን ካልኦት ሃገራትን እቲ ግጭት ከብቅዕ ክሽምግላ ጸኒሐን እየን፤ እንተኾነ፡ ክሳብ ሕጂ ኣይተዓወታን።