ሱዳን፡ መንገዲ ኣየር ግብጺ ድሕሪ ምውላዕ ኲናት ዘካየደቶ ፈላሚ ንግዳዊ በረራ

ኣብ ፓርት ሱዳን ዝዓለበት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ግብጺ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መንግስቲ ሱዳን ብሰንኪ ኲናት ዝተቛረጸ ካብን ናብን እታ ሃገር ዝግበር ሲቪላዊ በረራታት ክጅምር ከምዝኽእል መንገዲ ኣየር ግብጺ ኣብነት ምዃኑ ሰብመዚ ሱዳን ገሊጾም።

ብሰሉስ ንጉሆ ሓንቲ 100 ተጓዓዝቲ ዝሓዘት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ግብጺ ናብ ወደባዊት ከተማ ፖርት ሱዳን በጺሓ ኣማስያኣ ተመሊሳ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ሱዳን ፋታላህ ሓጅ ኣሕመድ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እታ ነፋሪት ብሰላም ኣትያ ምውጽኣ፡ ሱዳን ንዓለምለኻዊ በረራታት ውሕስነት ከምዘለዋ ዘርኢ'ዩ ክብል ተዛሪቡ።

"እዚ ሱዳን ውሕስትን ርግእትን ምዃና ንዓለም መልእኽቲ ዝሰድድ'ዩ። ንዓለምለኻውያን መንገዲ ኣየራት'ውን በረራታተን ዳግም ክጅምራ ሚእቲ ካብ ሚእቲ ውሕስቲ ምዃና መልእኽቲ ዝሰድድ'ዩ።"

ኣብ ሚያዝያ ናይዚ ዓመት ኣብ መንጎ ስሩዕ ሰራዊት ሱዳንን ኣደዒም ኣልሰሪዕ (RSF) ተባሂሎም ዝፍለጡ ሓይልታትን ሃንደበት ኲናት ድሕሪ ምውልዑ፡ ሱዳን ክሊ ኣየራ ከምዝዓጸወት ይዝከር። ብዘይካ ወጻእተኛታት ንምውጻእ ኣብ ፈለማ መዓልታት ዝካየድ ዝነበረ ህጹጽ ወተሃደራዊ በረራታት'ውን ንቡር ንግዳዊ በረራታት ተዓጽዩ ጸኒሑ።

ብ15 ነሓሰ ግን ሰብመዚ ሲቪል ኣቬሽን ሱዳን፡ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል እታ ሃገር ዘሎ ክሊ ኣየር ከምዝተኸፍተ ኣፍሊጦም ነይሮም።

እንተኾነ ግን እቲ ናብ ማእከል ዓወደ-ውግእ ዝቐየረ ኣብ ርእሰከተማ ካርቱም ዝርከብ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሕጂ'ውን ካብ ስራሕ ወጻኢ ኮይኑ ይርከብ።

ቆንስል ግብጺ ኣብ ሱዳን ሳምሕ ፋሩቕ ከምዝበሎ፡ መንገዲ ኣየር ግብጺ ሰሙናዊ ስሩዕ በረራታት ናብ ፓርቱሱዳን ክትቅጽል መዲባ'ላ።

ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን ድሕሪ ምጅማር ኲናት ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ናብ ወጻኢ ዝካየዶ ፈላሚ መገሻ ናብ ግብጺ ዘካየዶ ምንባሩ ይዝከር።

ጀነራል ኣልቡርሃን ብድሕሪኡ'ውን ናብ ደቡብ ሱዳን ብምብጻሕ ብዛዕባ ቅልውላው ሃገሩ ምስ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ተዘራሪቡ ነይሩ።

መራሒ ሓይልታት ኣልሰሪዕ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሕመድቲ) ብወገኑ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ክሳብ ሓደ ወተሃደር ዝተርፈና ክንዋጋእ ኢና" ክብል እቲ ኲናት ክቕጽል ምዃኑ ኣሚቱ'ሎ።

ውግእ ድሕሪ ምውልዑ፡ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት ዝርከብዎም ብዙሓት ወጻእተኛታት እግሮም ናብ ዝመርሖም ክወጹ ተራእዮም እዮም።

ስሩዕ መጓዓዝያ ብምትዕንቓፉ ግዳይ ኣሰጋገርቲን ካልእ ባህርያዊ ጸገማት ዝኾኑ'ውን ብዙሓት'ዮም።

ሓደ ኤርትራዊ ንቢቢሲ ከምዝሓበሮ "መገዲ ሱዳንን ግብጽን ንጸላኢኻ'ውን ኣይትምነዮን" ክብል ብምግላጽ ንሱን ብጾቱን ካብቲ ኲናት ንምህዳም ዘሕለፍዎ መከራ ኣዘንት'ዩ ኣሎ።