ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ኣል-ቡርሃን ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተራኺቡ

ጀነራል ኣል-ቡርሃን ካብ ኣስመራ እናነቐለ፡ 11 መስከረም 2023

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/X

ብሰኑይ ንጉሆ ናብ ርእሰከተማ ኣስመራ ዝበጽሐ ኣቦ መንበር ልኡላዊ ቤት ምኽሪን ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳንን ጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተራኺቡ።

ክልቲኦም መራሕቲ ብዛዕባ ክልትኣዊ ዝምድናታትን ቅልውላው ሱዳንን ከምዝተዛረበ፡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ሓቢሩ።

ኣገልግሎት ዜና ሱዳን (ሱና) ከምዝጸብጸቦ፡ ግዝያዊ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ዓሊ ኣል-ሳዲቕ ብዛዕባ'ቲ ርክብ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኤርትራ ንሱዳን ዘለዋ ደገፍ ከምዘረጋገጸት ተዛሪቡ።

"እቲ ምብጻሕ፡ ኤርትራ ንሱዳንን መሬታዊ ሓድነታን ዘለዋ ደገፍ ዘረጋገጸ'ዩ" ይብል እቲ ሱዳናዊ ሚኒስተር።

ብወገን ኤርትራ ዝወጸ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ'ውን ክልቲኦም መራሕቲ፡ ብዛዕባ'ቲ ኤርትራ ቅድሚ ኲናት ምውልዑ ዘቕረበቶ እማመ 'ምስግጋር ናብ በሪ ኣማን' ከምዝተዘራረቡ ይጠቅስ።

እቲ ካብ ፖርት ሱዳን ዝነቐለ ልኡኽ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ሚኒስተር ፋይናንስን ውጥንን ዝሓቘፈ ኮይኑ፡ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብፕረዚደንት ኢሳይያስን ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራን ድሙቕ ኣቀባብላ ከምዝተገብረሉ ተፈሊጡ።

ሱዳን፡ ኣብ መንጐ ሰራዊት እታ ሃገርን ሓይልታት ህጹጽ ወሃብ ደገፍ - ዳዕመ ‘ሰሪዕ - ኣብ መፋርቕ ሚያዝያ ኲናት ድሕሪ ምውልዑ፡ ኣብ ከቢድ ጸቕጢ ዝጸንሐ ኣልቡርሃን፡ ኣብዚ ቅንያት ዝተፈላለየ መገሻታት ከካይድ ተራእዩ።

ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ካርቱም፡ ብኸቢድ ተሃስያ ኣብ ዘላትሉ እዋን፡ ማእከል መንግስትነት ሱዳን ናብ ወደባዊት ከተማ ፖርት ሱዳን ይግዕዝ ምህላዉ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ እቲ መራሒ ቤት ጽሕፈቱ ናብታ ከተማ ከም ዝገዓዘ ክንገር ጸኒሑ እዩ።

ጀነራል ኣልቡርሃን፡ ኣብዚ ቅንያት ናብ ግብጺ፡ ደቡብ ሱዳንን ቐጠርን ብምጋሽ ምስ መራሕቲ እተን ሃገራት ከምዝዘተየ ክንገር ዝቐነየ ኰይኑ፣ ምስ ፕረዚደንት ኢሰይያስ ኣብ ጉዳይ እቲ ንሱዳን ናብ ቅልውላው፡ ነቲ ዞባ ድማ ናብ ከቢድ ስክፍታ ዝሸመመ ኵነታት ንምዝርራብ ምዃኑ ይግመት።

ኤርትራ ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ ኣብ ዶባት ሱዳን-ኤርትራ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ኣጽዋር ምህላው ዝነግር ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ይዘዋወር ኣሎ ዝበለቶ ሓበሬታ ውጹእ ሓሶት እዩ ምባላ ይዝከር።

ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

ምንጪ ስእሊ, Twitter/Hawelti

ጀነራል ኣል ቡርሃን ኣብ ኣብ መወዳእታ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ግብጺ ኣብ ዝተጉዓዘሉ፡ ፕረዚደንት ዓብደልፋታሕ ኣልሲሲ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ተረኺቡ ከምዝተቐበሎ ይዝከር።

ኣብ መንጐ ሰራዊት ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ህጹጽ ደገፍን፡ ኣብ ሚያዝያ ግጭት ካብ ዝለዓል ንደሓር፡ እቲ ጀነራል ካብ ሃገሩ ወጻኢ ክገይሽ ሽዑ ንፈለማ እዩ ኔሩ።

እቲ ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን፡ ክሳብ ቀረባ እዋን ኣብ ውሽጢ ቤት ጽሕፈት ሰራዊት ሱዳን ተዓጽዩ ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ።

ንሱ ካብ ሃገሩ ወጺኡ መገሻታት ምፍጻሙ፡ ምድኻም ሓይልታት ህጹጽ ደገፍን ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሱዳን ዝነበረ ጸቕጢ ምንካዩን ዘመልክት ምዃኑ ይግምገም።

ጀነራል ቡርሃን፡ ቅልውላው ሱዳን ብሰላማዊ ዘተ ንምፍታሕ ዝቐርብ ዘሎ ሓሳባት ብምንጻግ፡ ነቲ ውግእ ብዓወት ክዛዝሞ እየ ምባሉ ይዝከር።

እቲ ኲናት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ከቢድ ጽልዋ ፈጢሩ ከምዘሎ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

ኣብ መንጐ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ህጹጽ ደገፍን፡ ኣብ መፋርቕ ሚያዝያ ግጭት ካብ ዝልዓል ኣትሒዙ፡ ልዕሊ ኣርባዕተ ሚልዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ከምዝተፈናቐሉ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።