ኤርትራ፡ ምስ እስራኤል ምስጢራዊ ዝምድና ከምዘይብላ ገሊጻ

ባንዴራ ኤርትራን እስራኤልን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኤርትራ፡ ምስ እስራኤል ዝዀነ ይዅን ምስጢራዊ ጸጥታዊ ዝምድና ይዅን ምስጢራዊ መጸናጸኒ መደበር ኣስራኤል ኣብ ኤርትራ ከምዘየለ ገሊጻ።

እቲ ብመገዲ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ብሰንበት ዝወጸ መግለጺ፡ ኣብ ስዑዲዓረብ ዝመደበራ ተሌቪዥን ‘ኣልሓደስ’ ንዝፈነወቶ ንኤርትራ ዝምልከት ዜናዊ ትንታነ ዝተዋህበ ግብረመልሲ እዩ።

ብመሰረት እቲ መግለጺ፡ እታ መደበር ተለቪዥን ዝፈነወቶ መደብ፡ ነቲ ብቐዳም ኣብ ከተማ ተልኣቪቭ ኣብ መንጐ ኤርትራውያ ተቓወምትን ደገፍትን መንግስቲ ዝተኻየደ ከቢድ ግጭት ምርኩስ ዝገበረ ኰይኑ፡ ኤርትራ ምስ እስራኤል ምስጢራዊ ዝምድናታት ከምዘለዋ ዝገልጽ፡ ብተንተንቲ ዝቐረበ እዩ።

በዚ መሰረት፡ እስራኤል “ምስጢራዊ ወተሃደራዊ ስምምዓት ምስ ኤርትራን” ኣለዋ ዝመደምደምታኡ ትንታነ ኰይኑ፡ ኤርትራ ምስ እስራኤል ምስጢራዊ ጸጥታዊ ዝምድና፡ ከምኡ’ውን እስራኤል፡ ኣብ ኤርትራ ምስጢራዊ መጸናጸኒ መደበራት ከምዘየለን ቅድሚ ሕጂ’ውን ከምዘይነበረን እቲ መግለጺ ኣስሚሩሉ።

ኤርትራ ምስ እስራኤል ፍሉይ ምስጢራዊ ዝምድና ከምዘለዋ ካብ ገለ ሃገራት ዓረብ ብመገዲ ማዕከናት ዜና፡ ካብ ነዊሕ እዋን ተደጋጋሚ ክሲ ከቐርበላ ጸኒሑ እዩ።

ገለ ሃገራት ዓረብ፡ ኣብ መንጐ ኤርትራን እስራኤልን ወተሃደራውን ጸጥታውን ዝምድና ከም ዘሎ ብምጥቃስ፡ ኣብ ጉዳይ ደሴታት ሓኒሽ ምስ የመን ኣብ ዝነበራ ምስሕሓብ ንኤርትራ ሓጊዛ እያ ክብላ ተሰሚዐን እየን።

እንተዀነ ጭቡጥ መረዳእታ ኣየቕርባን፤ ኤርትራ እውን “መሰረት ዘይብሉ ጠቐነ” ብምባል ክትነጽጐ ከምዝጸንሐት ይፍለጥ።

እቲ ብሰንበት ዝወጸ መግለጺ ሚኒስትሪ ዜና ብተወሳኺ፡ ኣንጻር’ቲ ፈስቲቫላት ዝተኻየደ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ኣመልኪቱ’ውን፡ ንዕላማታቱ ነቲ ዘለዓዓልዎ ግዳማውያን መሓውራትን ሓይልታትን ዘቃልዕ ምሉእ መግለጺ ከውጽእ ምዃኑ ይሕብር።

እዚ ኣንጻር ፈስቲቫላት ኤርትራውያን ዝካየድ ዘሎ ምንቅስቓሳት ተቓውሞ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ኣብ ጊሰን ጀርመን ዝጀመረ ኰይኑ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኣውሮጳ፡ ካናዳን ኣሜሪካን ዝቐጸለ ኰይኑ፡ እዚ ብቐዳም ኣብ ከተማ ተልኣቪቭ እስራኤርል ዝተኻየደ ግን እቲ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ጉድኣት ዘውረደ ምዃኑ እዩ ዝንገር።

ኣብቲ ሓይልታት ፖሊስ ዝጸንበረ ግጭት ደገፍትን ተቓወምትን ስርዓት ኤርትራ ኣስታት 170 ሰባት ቈሲሎም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንያሚን ናታንያሁ፡ "ቀይሕ መስመር" ተጣሒሱ’ሎ ብምባል፡ ሓይሊ ዕማም ብምቛም ንዅሎም "ዘይሕጋውያን ሰገርቲ" ኢሉ ዝገለጾም ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ካብታ ሃገር ንምብራሮም ዘኽእል ሓድሽ ውጥን ክሕንጸጽ ኣዚዙ።

ኤርትራን እስራኤልን ኣብ 1993 ወግዓዊ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ከምዝመስረታ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብቲ ዓመት ናብ እስራኤል ከይዱ ከምዝተሓከመ ይዝከር።