‘ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ቀራና መገዲ እዩ ዝርከብ’ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መበል 15 ዋዕላ ሃገራት ብሪክስ ካብ ሰሉስ ጀሚሩ ክሳዕ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክቃናዕ እንከሎ ብዝሒ ኣባላት ካብ ሓሙሽተ ናብ 11 ምስፋሕ ዝርከቦም ውሳነታት ብምሕላፍ ተዛዚሙ።

ኣብቲ ዋዕላ ዝተረኽበ ፕረዚደንት ኤርትራ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዘስምዖ መደረ ንሃገራት ምዕራብ ብፍላይ ድማ ንኣሜሪካ ብትሪ ነቒፉ።

ንሱ ኣብቲ መደረኡ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ቀራና መገዲ ምህላውን እዚ ድማ ብሰንኪ ኣብ ህልው ዓለማዊ መዋቕር ምሕደራ “ዝተኸስተ ፍሽለትን ዘይጸንባርን ዘይፍትሓውን ኣካይዳ” ዝሰዓበ እዩ ኢሉ።

“ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ንዝማዕበለ ክልተ ቀጽራዊ ስርዓት ዝተክአ እንኰ ቀጽራዊ ስርዓት፡ ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት፡ ንዓለምና ናብ ቀጻሊ ግጭትን ዘይምርግጋእን ሸሚምዋ፡” ብምባል ኣሜሪካን መሻርኽታን ንታሪኽ ክመልሳ “ፈተነታት ቀቢጸ ተስፋ” የካይዳ ኣለዋ ኢሉ።

ወሲኹ’ውን “ንግሎባዊ ቍሸትና ናብ ጫፍ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዕንወት ይደፍእዋ ኣለው፡” ክብል ከሲሱ።

እቲ ጌጋን ግዲ ዘይብሉን ክብል ዝገለጾ ፖሊሲታት ምዕራብ ካብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ተቓውሞ ክሕይል ከምዝገበረ’ውን ሓቢሩ።

ንጸንባርን ፍትሓውን ዓለምለኻዊ ስርዓት ዝቖማ ዝበለን ብሪክስን ካልኦት ኣህጉራዊ ውድባትን ሓላፍነት ወሲደን ተጨባጢ ዕላማታትን ስትራቴጅን ክሕንጽጻ ከምዝግባእ ከኣ ገሊጹ።

ኣባላት ብሪክስ ዝኾና ብራዚል፣ ሩስያ፣ ህንዲ፣ ቻይናን ደቡብ ኣፍሪቃን ብዙሕ ግዜ፡ ነታ ብምዕራባውያን እትዕብለል ዓለም ከም ተነሓናሕቲ ተገይረን እየን ዝውሰዳ።

ቻይና ዓብላልነት ምዕራባውያን ንምቅላስ ብሪክስ ክሰፍሕ ኣበርቲዓ ክትደፍእ ጸኒሓ እያ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ብፍላይ ምስ ሩስያን ቻይናን ጥቡቕ ዝምድና መስሪቱ ዘሎ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት ንፖሊሲታት ምዕራብ ክነቅፍ ክስማዕ ጸኒሑ ኣሎ።

ኣብቲ ዋዕላ ንምስታፍ ናብ ጆሃንስበርግ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝገሸ ፕረዚደንት ኤርትራ ጎድና ጎድኒ እቲ ዋዕላ ምስ መራሕቲ ሃገራት ተራኺቡ ዝርርብ ምክያዱ ጸብጻባት ሓቢሮም።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: ቢቢሲ ኣብ ካልእ ገጻት ንዘሎ ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።

End of X post

ብሪክስ እንታይ እዩ?

ብሪክስ ንብራዚል፣ ሩስያ፣ ህንዲ፣ ቻይናን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝሓቁፍ ምትእኽኻብ ብቑጠባ ቅልጡፍ ምዕባለ ዘመዝግባ ዘለዋ ሃገራት እዩ።

እቲ ምሕጻረ ቃል ካብ ቀዳማይ ፊደል ስም ነፍሲ ወከፍ ኣባል ሃገር ዝተወሰደ እዩ።

ኣብ 2001 ነቲ ብሪክ ምሕጻረ ቃል ዝፈጠረ በዓል ሞያ ስነ ቁጠባ፡ ጎልድማን ሳቸስ፡ እዘን ሃገራት ኣብ 2050ን መራሕቲ ቁጠባ ዓለም ክዀና ከም ዝኽእላ ኣሚቱ ነይሩ።

ኣርባዕቲኤን ሃገራት ኣብ 2006 ‘ብሪክ’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጉጅለ ክፈጥራ ተሰማሚዐን። ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ 2010 ናብቲ ጉጅለ ምስተጸንበረተን ድማ ‘ብሪክስ’ ተባሂሉ።

እተን ሃገራት ኣብዚ ናይ ሎሚ ዘበን ዋዕላ ብዝሕለፍኦ ውሳነ ካብ ዝመጽእ ጥሪ ጀሚሩ፡ ኢትዮጵያ፡ ኣርጀንቲና፡ ኢራን፡ ግብጺ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ስዑድ ዓረብን ኣባላት ብሪክስ ክኾና እየን።

ኣባል ሃገራት ጉጅለ ‘ብሪክስ’ ብሓባር 3.24 ቢልዮን ብዝሒ ክህልወን እንከሎ እዚ 42 ሚእታዊ ናይ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም እዩ።

ዓመታዊ እቶት ዜጋታተን ድማ 26 ትርልዮን ዶላር ከም ዝዀነ ይፍለጥ። እዚ ድማ 26 ሚኢታዊት ቁጠባ ዓለም’ዩ።

ኣዝዩ ቅልጡፍ ቁጠባዊ ምዕባለ ዘመዝግባ ዘለዋ ሃገራት ልዑልን ማእኸላይ እቶት ዘለዎ ዜጋ ዝሓቖፋ እየን።