መንግስቲ እንግሊዝ ኣብ ኤርትራ ዝጠጅኦ ምስጢራዊ ከፋፋሊ ዉጥን

ኣብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ከረን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር እንግሊዝ ምስ ኣተወት፡ ሓደ እንግሊዛዊ ካፕተን ንወተሃደራቱ መሪሑ ንኣስመራ ገጹ እናገስገሰ ሓንቲ ካብ መግዛእቲ ጣልያን ኣጋላጊሉና ዝበላ ጸዕዳ ነጸላ ዝተኸድና ዓባይ ሰበይቲ ከም መግለጺ ሓጎሰን ነቲ ቦታ ብዕልልታ ምስ ነቕነቐኦ፡ እቲ ካፕተን እንተ በቲ ዕልልታ - ንዕኡ ኣውያት ዝጥዕም ዉጫጨ - ሰንቢዱ ይዅን፡ በቲ ንሱን ወተሃደራቱን ኣብ ዉግእ ዜሕለፍዎ ሓሳረ-መከራ ኣብ ሓሳቡ ህሩግ ኢሉዎ።

“[ኪዲ] ንዓኺ’ለ መኣስ ገይረዮ” ኢሉ ከምዝገሰጸን ኢንግሊዛዊት ጸሓፊት ሚኪኤላ ሮንግ ኣብታ “I didn’t do it for you” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝጸሓፈታ መጽሓፍ ኣስፊራቶ ኣላ።

እዚ መእተዊ’ዚ፡ ነቲ “ኤርትራ ኣብ ክልተ ክትምቀል” ሓሳብ ዘቕረበ፡ ካብ 1942-1944፡ ንኽልተ ዓመት ዝመርሓ ብሪጋዴር ስቲቭን ሄምስሊ ሎንግሪግ ከም መካትዒ መጐተ ከበግስ ይኽእል እዩ።

እቲ ብሪጋዴር፡ ምዕራባዊ ክፋል ኤርትራ ምስ ሱዳን፡ እቲ ዝተረፈ ኸኣ ምስ ኢትዮጵያ ክትጽምበር ሓሳብ ዘቕረበን፡ ብኢንግሊዝ ‘ሓጺር ታሪኽ ኤርትራ’ ዘርእስታ መጽሓፍ ዝጸሓፈ፡ ብዛዕባ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ዓሚቝ ፍልጠት ዝነበሮ ወተሃደራዊ መኮነን እዩ።

ጸሓፍ-ታሪኽ ኣለምሰገድ ተስፋይ’ዩ - እውን ኣብታ ‘ኣይንፈላለ’ ዘርእስታ መጽሓፉ ብዛዕብኡ ገሊጹ ኣሎ።

ሰራዊት እንግሊዝ ኣብ ኣስመራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሰራዊት እንግሊዝ ኣብ ኣስመራ 1941

ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ጀርመናዊ ዉልቀ-መላኺ ሂትለር ንኤውሮጳ ስለዝወረራ ብሪጣንያን መሻርኽታን ንሓይልታት ጀርመን ንምስዓር እምበር ከምቲ ዝውረ ዝነበረ ንኤርትራውያን ሓራ ከውጽኡ ኣይኮነን ንኤርትራ ኣትዮም።

ቅድሚኡ፡ ጣልያን፡ ንሊብያ፡ ኤርትራ፡ ሶማልያ ከምኡ’ውን ብ1936 ንኢትዮጵያ ተቖጻጺራ ግዝኣታ ንምስፍሕፋሕ መሳርያን ትድልብን መዓስከራታ ትተክል ነበረት።

ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ቍጽሪ ወተሃደርታ ማዕረ 300,000 በጺሑ ነበረ፣ ምስኡ ኸኣ ማዕረ 400 በብዓይነቱ ኣጽዋርን 200 ነፈርቲ ኲናት ከም ዝነበራ ጸብጻባት ታሪኽ ይሕብሩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ግብጺ ኣብ ትሕቲ ጽልዋ እንግሊዝ ስለ ዝነበረት፡ ኢጣልያዊ ሙሶሊኒ ንግብጺ ንክወርር ይፈታትን ነበረ።

ይዅን’ምበር እንግሊዝ ኣንጻር ጣልያን ደው በለት፣ መኸትኣ ኸኣ ኣሐየለት። ጸኒሓ ኸኣ ንሓይልታት ጣልያን ደፊኣ ኣብ ሊብያ ኣተወት።

ጣልያን ኣብ ሊብያ ተሰኒፎም ኣብ ጸገም ምስ ኣተዉ ሂትለር ነቲ ዉሩይ ጀነራሉ - ጀነራል ሮመል - ንጣልያን ክሕግዝ ንኣፍሪቃ ለኣኾ።

ኰይኑ ድማ ጀነራል ሮሜል ንሰራዊት ጣልያን ፍናን ኰኖም፣ ንእንግሊዝ ከኣ መከቶም። ጣልያን ንሂትለር ተኸቲሎም ኣብ ኤውሮጳ ንግሪኽን ኣልባንያን ሓዙ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ኸኣ ስለ ዝገርገሩ ንግብጺ (ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር እንግሊዝ ዝነበረት ሃገር) ተደናደንዋ፡ ብ1940 ካብ’ቲ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር እንግሊዝ ዝነበረ መሬት ሶማልያ ኸኣ ደፊኦም ኣውጽእዋ።

ስለዚ እንግሊዝ ንተራ ጣልያን ኣብ ኣፍሪቃ ንከምክኑ ናይ ግድን ኰኖም። ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ደፊኦም ዝኣተዉሉ ምኽንያት ንሓይልታት ጣልያን ክገትኡን ከዳኽሙን ነበረ።

ምኪኤላ ሮንግ፡ ኣብታ ‘ግናይ ኣጻድፍ’ ዘርእስቱ ኣብ ራብዓይ ምዕራፍ ኣብ ገጽ 78-99 ብዉግእ ከረን ተዘንቱ።

ዳርጋ 30,000 ዝቝጽሮም ወትሃደራት እንግሊዝ (ህንዳውያን ወሲኽካ) ደድሕሪ እቶም ካብ ከሰላ ዘንሳሕቡ ዝነበሩ ሓይልታት ጣልያን ስዒቦም ንኤርትራ ክኣትዉ ኣብቲ ጸዳፍ ጎቦታት ከቢድ መኸተ’ዩ ኣጋጢሙዎም።

ምስ ወተሃደራት እንግሊዝ ተሓዊሶም ዝዋግኡ ዝነበሩ ህንዳውያን፣ ሱዳናውያን ፍልስጠማውያን ነይሮም’ዮም።

ጣልያን ከኣ ካብ ኤርትራ ዝተዓስከሩ ወተሃደራት ነበርዋ። ይዅን’ምበር ወተሃደራት እንግሊዝ ንመልክዕ-ምድሪ ኤርትራ ኣይፈልጥዎን ስለ ዝነበሩ እቲ ዓወት ናብ ጣልያን ገጹ ቀኒኑ ነበረ። ንጣልያን ክደፍኡ፡ ጸኒሖም ከኣ ብጣልያን ክድፍኡ ኣብ ወተሃደራዊ ስሓቦ-ጕተቶ ኣትዮም ተረባረቡ።

እቶም ኣብ ከባቢ ከረን ዝተኻየዱ ዉግኣት ክሳብ ክንደይ ጽዑቓት ከም ዝነበሩ ሚከላ ሮንግ ሰነዳት ፈቲሻ ቃል ዉልቀሰባት - ማለት ኣብቲ ዉግእ ብኣካል ዝተሳተፉ ወተሃደራት - ሓዊሳ ከተዘንቱ ንኣንባቢ መሳጢ ዛንታ’ዩ።

ከምዚ ትብል፡ “ዉግእ ከረን ምስ ኣቶኻዮ መውጽኢ ዘይነበሮ ዉግእ ነበረ።”

ኣብ ገደል ዉግእ ምኽፋት ክሳብ ክንደይ ኣሸጋሪ ምንባሩ፣ ወትሃደራት ጣልያን ትሪሺ ተኺሎም ዝቝለብ ክቘልቡ እንግሊዝ ከኣ ስኖም ነኺሶም፡ ዝኽፈል ዋጋ ከፊሎም ክዋግኡ እቲ ዉግእ ክሳብ ክንደይ ሓያል ከም ዝነበረ ተዘንቱ።

ሽዑ፡ ኣብ ውግእ ከረን ምዃኑ’ዩ፡ ወትሃደራት ጣልያን ቍጽሮም 250,000 ከም ዝነበረ፡ ካብ’ኦም ሰለስተ-ርብዒ ዓስክር-ጣልያን (ደቀባት) ከም ዝነበሩ ትገልጾም።

ብኣገላልጸኣ እሙናት ዓሳክር’ውን ኣይነበሩን ክበሃል ይከኣል። ደሞዞም ብኣጋኡ ዘይቅበሉ ከም ዝነበሩ’ውን ትጠቅስ። ይዅኑ’ምበር እቶም ካብ ዓዲ ጣልያን ዘምጽኣቶምን ኣብቲ ዉግእ ዜሳተፈቶምን ወተሃደራታ ብሉጻት ወተሃደራት ነበሩ ትብል።

ብልጫታትን ዓይነትን ወተሃደራት ብዘየገድስ ግን እቲ ሓባጥ-ጐባጥን መሬት ኰነ ሙቐት ናይቲ ከባቢ ዕንቅፋታት ከም ዝነበሩ ኣስሚራ ትገልጽ።

"ብሓጺሩ፡ ኣብ ዉግእ ከረን ብዙሕ ደም ፈሰሰ" ትብል ሚከላ ሮንግ። ወትሃደራት ማዕረ ብሳንጃ ክበሳስዑ ስካሕክሕ ምርኢት ከም ዝነበረ ትገልጾ፣ ተዋድኡ ኸኣ። ጕድኣት ብክልቲኡ ሸነኽ ከቢድ ነበረ።

ዛንታ ዉግእ ከረን ንምሕጻሩ፡ እንግሊዝ ኣብ ሳልሳይ ፈተነ ብቅድሚት ፈንጢዞም ክኣትዉ ከኣሉ። እቲ ብ2 ለካቲት 1941 ዝጀመረ ዉግእ ክሳብ 27 መጋቢት ቀጸለ፣ ሽዑ ጣልያን ተሳዒሮም ዘፍ በሉ።

ኣብቲ ዉግእ ልዕሊ 3,000 ወተሃደራት ጣልያን፡ ዳርጋ 9,000 ዓሰክር ጣልያን ወደቑ፣ ብሸነኽ እንግሊዝ ከኣ 4,000-5,000 ወተሃደራት ከሰሩ” ኢላ ትጽብጽብ ሚከላ።

መቃብር ጥልያን ከረን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, መቃብር ጥልያን ከረን

ውጥን ብሪጋዴር ሎንግሪግ

ምትእትታው እንግሊዝ ኣብ ኤርትራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣለምሰገድ ተስፋይ ብድሕሪ ስዕረት ጣልያን ኣብ ኤርትራ ዝተኣታተወ ህይወት ክሳብ ክንደይ ሓዲግ ከም ዝነበረ ኣገባብ ኣስፊሩዎ ኣሎ።

ብሓፈሽኡ፡ ምእታው እንግሊዝ ንኤርትራውያን ዘርብሕ ዘይኰነስ ዜኽስር፡ ንሕብረተሰብ ኤርትራ ዝጥርንፍ ዘይኰነስ ዝፈላሊ፡ ንኤርትራውያን ሓድሕዶም ዘፋቕር ዘይኰነስ ዜናቝት፡ ኣብ ሓልዮት ነበርቲ ጣልያን ዜትኰረ’ምበር ንስእነት ደቀባት ኣብ ግምት ዘየእተወ፡ ንዓሰክር ጣልያን ዝነበሩ ደቀባት ዝሕብሕብ ዘይኰነስ ደርብዩ ኣብ ዘርምዘርሞ ዜእተወ፡ ደቀባት ኣብ ገዛእ ዓዶም ብኣድልዎ ከም ካልኣይ ዜጋ ዝርኢ ስርዓት ከም ዝተኣታተወ መጽሓፍቲ ታሪኽ ይሕብሩ።

ብኻልእ ሸነኹ ምስ እንርእዮ ድማ ኤርትራ ካብ ጥቡቕን ጽኑዕን ምሕደራ ጣልያን ናብ ፈኲስ፡ ብሒደት እንግሊዛውያን መኰንናትን ሱዳናውያን ኣባላት ፖሊስ ዝእለ ምሕደራ ኣተወት።

ንኤርትራ ወሪሮም፡ ብዙሕ ደም ኣፍሲሶም ክነሶም (ናቶም ይዅን ደም ጣልያንን ደቀባትን) ከም ናቶም ጌሮም ኣይሓዝዋን።

እንግሊዝ ብዘበን ጣልያን ዝተጠርዩ ትካላት ንረብሓኦም ተጠቕምሎም፣ ኣበየቦትኡ ዝተተኽሉ ፋብሪካታትን ኣመላሊቖም ዘመትዎ፣ ግናኸ ኣብ ኤርትራ ድኽነትን ስእነትን ክሰፍን ንክዓግትዎ ዓቕሚ ስለ ዘይነበሮም ኤርትራ ኣብ ዝገደደ ዓዘቕቲ ወደቐት።

ዋላ’ኳ ኵነታት እናኸፍአ ይኺድ፡ በቲ ዘመን’ቲ ዘገም ኢሎም ሓድ-ሓድ ተስፋ ዜሕድሩ ፍጻሜታት ከም ዝተኸሰቱ ይጥቀስ።

እንግሊዝ ኣብ ኤርትራ ኣብያተ ትምህርትታት ከም ዝኸፈቱ፣ ክሊንካት ከም ዝዘርግሑ፡ ንደቀባት ከኣ ኣብ ፖሊስ ዝኽተቡሉ መንገዲ ከፊቶም’ዮም።

ይዅን’ምበር፡ ብሪጋዴር ሎንግሪግ ብዘበን ጣልያን ዝተኣታተወ ሕግታት ዓሌታዊ-ፍልያ ቀልጢፉ ከም ዘይኣለዮም ሚከላ ሮንግ ትገልጽ።

“ብግብሪ ሎንግሪግ ነቶም ዓመጽትን ፈላለይትን ሕግታት ንክስርዞም ኣይተበገሰሎምን፣ እቶም ሕግታት ንክስረዙ ዳርጋ ኣርባዕተ ዓመት (ድሕሪ ዉግእ ከረን ማለት’ዩ) ወሰዱ” ትብል ሚከላ።

እዚ ኸኣ ንሱ ይዅን እቲ ብድሕሪኡ ዝመጸ ኣማሓዳሪ ብሸለልትነት እግሮም ይጐቱ ስለ ዝነበሩ፣ ብዓቢኡ ኸኣ መንግስቲ እንግሊዝ ንጕዳይ ኤርትራ ብቀደምትነት ኣይርእዮን ከም ዝነበረ ትሕብር።

ዋላ እውን እንግሊዝ ምስ ኣተወ ኣባላት ሕብረተሰብ ጣልያን ንቝጠባ ኤርትራ ጌና ይቈጻጸርዎ ነይሮም።

ብጣልያን ዝውነኑ ሕርሻን ፋብሪካታትን ኣበዮ ቦትኡ የፍርዩ ነበሩ፣ ንዕዳጋታት ዉግእ ዜስንቕ ቍጠባ ኸኣ ተፈጥረ። መደበራት እንግሊዝ ከኣ ብቀዳምነት ተጠቐምቲ ናይቲ ፍርያት ነበሩ።

እንግሊዝ ኤርትራውያን ብፖለቲካ ኣይበሰሉን ዝብል እምነት ነበሮም።

እምበኣርከስ ኣብ ፈላሚ ፍርቂ 40’ታት ኣብ ኤርትራ ብዙሕ ነገራት ተኸስተ።

ፖለቲካ ኤርትራ ብጣልያን፡ እንግሊዝ፡ ኰነ ኢትዮጵያ ኣብ ጥቕሞም ዝተመርኰሰ ፖለቲካ ይምወል ነበረ።

ኵነታት እናተሓመሰ ክኸይድ ብ1942 እንግሊዝ ንደቀባት ዝኸውን ማዕከን ጋዜጣ ከፈቱ - ‘ናይ ኤርትራ ሰሙናዊ ጋዜጣ’ ከፊቶም ጸሓፍቲ ኣብ ሂር ዝበለ ክትዓት ክኣትዉ ይርኣዩ ነበሩ።

ነቲ ጋዜጣ ከም ኣሰናዳኢ ዝኣልዩዎ ዝነበሩ ኸኣ ኣቦይ ወልድኣብ ወልደማርያም ነበሩ።

ሕንፍሽፍሽ ኰይኑ ድማ ማሕበራት ብዝተፈላለዩ ጽልዋታት - ኣንድነት፡ ኤርትራ ንኤርትራውያን፡ ኣል-ራቢጣ እስላሚያ፡ ሻራ-ጣልያን - ተጐጃጂለን ክነጥፋን ክካታዓን ዝጀመራሉን በንጻሩ ከኣ ሽፍትነት ዝገነነሉን እዋን እዩ ነይሩ።

ሽዑ ግዝያት ኤርትራውያን ናብ ዘብልዎ ጠፊኡዎም ንሓድሕዶም ክገራጨዉ ጀመሩ። እቶም ግርጭታት ከኣ ናብ ሽፍትነትን ሓድሕድ ምቅንጻልን ወሰዶም። ስዒቡ ኸኣ ፖለቲካዊ ሽበራ ገርገረ፣ እንግሊዝ ከኣ ከም ኣመሓደርቲ መጠን ነቲ ግርጭትን ሽበራን ክቈጻጸርዎ ኣይከኣሉን።

ሽዑ’ዩ ብራጋዴር ሎንግሪግ፡ ኤርትራ ኣብ ክልተ ናይ ምምቃል ሓሳቡ ብስቱር ኣብ ናይ ኤርትራ ሰሙናዊ ጋዜጣ ቐረበ ትብል ሚከላ ሮንግ።

ኤርትራ ንኸይትምቀል ተጊሆም ዝተኸራኸሩን ካብ ምምቃላ ዜድሓኑን ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን ከም ዝነበሩ፡ ኣቦይ ወልደኣብ ይምስክሩ።

ኣብ ሓደ ብህ.ግ.ሓ.ኤ. ዝቐረበ ፍሉይ ሪፖርት (1987 - 2ይ ዉድባዊ ጉባኤ) ፡ ኣብ ትሕቲ “ኢብራሂም ሱልጣን ዓሊ - ንሶም ሞይቶም፡ መትከላቶም ይነብር” ዝብል ኣርእስቲ ኣቦይ ወልደኣብ “ኢብራሂም ሱልጣን ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ከመስግኖ፡ ክንእዶ፡ ክውድሶ ዝግባእ ሰብኣይ፡ ጅግና፡ ፈታው ዓዱ ኢዩ” ክብሉ ምስክርነቶም የቕርቡ።

ውጥን ‘በቪን-ስፎርሳ’ እንታይ ነበረ?

ካልኣይ ዉግእ ዓለም ኣብ ምውድኡ፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ንግዝኣት ጣልያን ዝነበሩ ንዓሰርተ ዓመት ድሕሪ ምምሕዳራ፡ ንኤርትራ ኣብ ዓሌትን ሃይማኖትን ዝተሞርኰሰ መደብ መዚዛ።

ከበሳታት ኤርትራ ንኢትዮጵያ ክወሃብ፡ ምዕራባዊ ምድረ-መታሕት ከኣ ንሱዳን ክወሃብ ብድፋእ-ድፋእ ኣብ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ንድምጺ ኣውረደቶ።

እቲ መደብ ብኤርነስት በቪንን ካርሎ ስፎርሳን ዝተባህሉ ሓለፍቲ ወጻኢ ሚንስትሪታት እንግሊዝን ጣልያንን ዝተጠጅአ መደብ ነበረ።

ብተወሳኺ፡ እንግሊዝ ንሲርናይካ (ሰሜናዊ/ምብራቓዊ ሊብያ ) ክትርከቦ፡ ጣልያን ከኣ ንትሪፖሊታንያ (ሰሜናዊ/ምዕራብ ሊብያ) ክትርከብ፣ ፈረንሳ ኸኣ ንፈዛን (ደቡባዊ ሸነኽ) ክትርከብ ዚብል ስምምዓት ኣብቲ ዉዕል ኣተወ፡ ብሞጕዚትነት ንዓሰርተ ዓመት ከካይድኦ።

እቲ ሓሳብ ናይ’ቲ ዉዕል ባዕላተን እተን ገዛእቲ ሃገራት ንግዝኣት ጣልያን ዝነበረ መሬት ጐዛዝየን ክማቐልኦ’ዩ ዝነበረ።

ይኹን እምበር ከምቲ ኣቶ ወልደኣብ ዝመስከሩዎ፡ ኣቶ ኢብራሂም ሱልጣን ምስ ሰዓብቶም፡ ክሳብ መወዳእታ ተቓዊሞም ንክፈሽል ልዑል ኣበርክቶ ገበሩ።

እቲ መደብ ምስ ተገልጸ ኣብ ሊብያ ብርቱዕ ናዕቢ ተላዕለ። ብእኡ መሰረት እቲ መደብ ከይተዓወተ ተረፈ። ምስኡ ኸኣ ጕዳይ ኤርትራ ብሳላ ናዕቢ ሊብያ ካብ ምምቕቓል ድሓነት።