‘ናብራና ዳርጋ ሲኦል ኰይኑ’

ሱዳን

ምንጪ ስእሊ, REUTERS

ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ካብ ዝጅምር 7 ኣዋርሕ ኣቑጺሩ ኣሎ።

ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱም፡ ኵነታት ብዙሓት ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ ዝኸፍአ ኰይኑ ይርከብ።

እንተዀነ ግን ገለ ካብቶም ኣብ ቀዳሞት መዓልታት ካብታ ከተማ ዘምለጡ'ውን ብህይወት ክነብሩ እናተቓለሱ’ዮም ዝርከቡ።

ዓብደል-ዓዚዝ ሑሴን - ንድሕነቱ ክብል ስሙ ዝተቐየረ - ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ካርቱም ክጸንሕ ወሲኑ። ኣብ መንጎ ሰራዊትን ሓይልታት ህጹጽ ደገፍን ዝግበር ውግእ ክንድዚ ዝኣክል ግዜ ክወስድ’ዩ ኢሉ ኣይሓሰበን ነይሩ።

"ክሳብ ሕጂ ተኸቢብና ኣለና፡ እቲ ውግእ'ውን ደው ኣይበለን" ክብል ብተሌፎን ነጊሩና።

"ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ናብቲ ከባቢ ኣትዩ ዕንወት ኣስዒቡ'ዩ፡ ሰራዊት ድማ ኣብ ውሽጢ እቲ ከባቢ ንዝነበሮም ቦታታት ይድብድብ ኣሎ። ኣብ ዝዀነ ህሞት ሞት ክመጽእ ይኽእል'ዩ።"

ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ተዋጋእቲ ሰራዊት ብዘጋጠመ ተሳጋሪ ተኹሲ ድሮ 5000 ዝግመቱ ሱዳናውያን ክሞቱ እንከለዉ፡ ካልኦት ብዙሓት ድማ ቆሲሎም’ዮም።

እቲ ወዲ 45 ዓመት መምህር ምስ በዓልቲ ቤቱን ሰለስተ ደቁን ሕጂ ክወጽእ ተስፋ ቆሪጹ ኣሎ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዳርጋ ወጺኦም ነይሮም፡ እንተዀነ ገዝኦም ኣብ ዝርከበሉ ከባቢ ካላክላ ዝነበረ ውግእ ኣዝዩ ጽዑቕ ነይሩ።

እቲ ከባቢ ሕጂ ዳርጋ ሰብ የብሉን፤ እታ ስድራቤት ንኽልተ መዓልቲ ኣይበልዐትን፡ ማይ ከይተረፈ ምርካብ ኣፀጋሚ ኰይኑ ኣሎ። ሓይሊ ኤሌክትሪክ፡ ሳሕቲ ዝረአ ቅንጦት ምዃኑ እቲ መምህር ይዛረብ።

ንካልኣይ ግዜ ተሌፎን ምስ ደወልና ሑሴን፣ ዘረፍቲ ወተሃደራት ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ድኳናትን ኣባይቲ ህዝብን ይዘምቱ ከም ዘለዉ ነጊሩና።

ኣብ "ዳርጋ ሲኦል" ምንባር ማለት እዩ ይብል።

ኣብ ካርቱምን ምዕራባዊ ዞባ ዳርፉርን ዝካየድ ዘሎ ከቢድ ውግእ ኣብ ምክፍፋል ሓገዝ ከቢድ ፀገማት የስዕብ ከም ዘሎ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

ብሰንኪ እቲ ኲናት፡ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ሰባት ካብ መነባብርኦም ከም ዝተመዛበሉን 24.7 ሚልዮን ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዘድልዮምን እውን ይሕብር።

ብዙሓት ጽሩይ ማይ ስለዘይረኽቡ፡ ንሕማም ኮሌራን ካልእ ሕማማትን ናይ ምቅላዕ ተኽእሎኦም ክውስኽ ይኽእል’ዩ።

ምክትል ፍሉይ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ክለመንታይን ንክዌታ-ሰላሚ፡ "ነቶም ዝተጎድኡ ሰብኣዊ ሓገዝ ከነብጽሕን መጠን ድሌታቶም ክንግምግምን ዘኽእለና ምቁራጽ ተኹሲ የድልየና'ዩ" ትብል።

"ብዓቢኡ ድማ፡ ቀዋሚ ምቁራጽ ተጻብኦታት የድልየና። እዚ ውግእ ደው ክብል ኢና ንደሊ፡ ምእንቲ ሓገዝ ክበጽሕን ህዝቢ ሱዳን ድማ ንቡር ህይወቱ ክጅምርን።"

ኣብ መጀመርታ ኣዋርሕ ናይቲ ኲናት ንሰብኣዊ ሓገዝ ብዝብል ናይ ሓጺር እዋን ምቁራጽ ተኹሲ ተገይሩ’ኳ እንተነበሩ፡ ዝተፈላለዩ ቀጻሊ ተበግሶታት ሰላም ግን ብዙሕ ዝጭበጥ ምዕባለታት ኣይረኣዩን ዘለዉ።

ወኪል ዩኒሴፍ ኣብ ሱዳን ማንዲፕ ኦብራይን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘይተርፍ ይመስል ከም ዘሎ ሓቢራ።

"እቲ ኲናት ሕጂ ደው ክብል ኣለዎ፡ ምእንቲ ቆልዑን ምእንቲ መጻኢ ሱዳንን" ትብል።

"እቲ ኲናት እንተቐጺሉ፡ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት፡ እቲ ኩነታት ኣዕናዊ ክኸውን እዩ ኢልና ንኣምን።"

ኲናት ምስተወልዐ ምስ ሓሙሽተ ደቃ ናብ ፖርት ሱዳን ዝሃደመት ሃዋ ሱሌማን፡ ደሃይ በዓል ቤታ የብላን
መግለጺ ስእሊ, ኲናት ምስተወልዐ ምስ ሓሙሽተ ደቃ ናብ ፖርት ሱዳን ዝሃደመት ሃዋ ሱሌማን፡ ደሃይ በዓል ቤታ የብላን

እቶም ካብ ካርቱም ናብ ኣንጻራዊ ድሕነት ዘለዋ ፖርት ሱዳን ዘምለጡ’ውን እንተዀነ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብህይወት ክነብሩ እናተቓለሱ እዮም ዘለዉ።

ኣብታ ወደባዊት ከተማ ኣብ ዝርከብ መዕቆቢ ተመዛበልቲ እንተነብር ሃዋ ሱሌማን፡ ካብታ ኣብ ቆርቆሮ ዘለዋ ዝተረፍኣ ስርናይ ንሓሙሽተ ደቃ መግቢ ክትሰርሕ ክትጽዕር ከላ ረኺብናያ።

ኣብ መዓልቲ ሓደ መግቢ እዮም ዝረኽቡ፡ እዚ ድማ ብናይ ቀጠር ትካል ግብረ ሰናይ ዝቐርብ እዩ። ሃዋ ሱሌማን ዘዳለወቶ ምግቢ ምእንቲ ንደቃ ንቁርሲ ክተርፎም ንክልተ ትኸፍሎ። ፍሪጅ ስለዘየለ ግን፡ እቲ መግቢ ሓድሓደ ግዜ ይበላሾ እሞ ደቃ ይሓሙ።

ንሳን ደቃን ኣብታ ካብ ካርቱም ስግር ሩባ ኣባይ እትርከብ፡ ከተማ ኦምዱርማን፡ እዮም ዝነብሩ ነይሮም።

እቲ ውግእ ብ14 ሚያዝያ ምስ ተጀመረ ነዊሕ ከይጸንሑ ሃዲሞም። እናሃደሙ እንከለዉ ቦምባታት ይወድቁ ስለዝነበሩ ንሳን በዓል ቤታን ኣብቲ ህውከት ተፈላልዮም። ካብኡ ንደሓር ደሃዩ ኣይሰምዐትን፡ ይሙት ይትረፍ አውን ኣይትፈልጠን።

1000 ኪ.ሜ ተጓዒዞም ናብ ፖርት ሱዳን ምስ በጽሑ፡ ካብቲ ቦታ ክወጹ ኣመልኪቶም ነይሮም። እንተዀነ እተን ጀላቡ ንወጻእተኛታት ጥራይ ምዃነን ተነጊርዎም።

ሶርያውያን ነጋዶ ገንዘብ ከፊሎም ኣብቲ መዓስከር ንዝርከቡ ሶርያውያን ስደተኛታት መግቢ ክበጽሖም ገይሮም፡ እቶም ሱዳናውያን ግን ምስ ጥሜት ተፋጢጡ ይርከብ።

ሃዋ ሱሌማን ነዊሕ ከይጸንሐት ንበይና ምዃና ተረዲኣ። ሓደ ካብ ደቃ ብምምራዝ መግቢ ምስ ሓመመ፡ ፀረ-ነፍሳት ክትገዝእ ዝኸኣለት ሓደ ሕያዋይ ሰብ ፍርቂ ዋጋ ሳላ ዝኸፈለላ’ዩ።

"እታ ሓኪም ባዕላ ብኵነታትና ነቢዓ" ትብል። "ደኺምና ኢና። ስቓይና ካብ ኩሉ ደረት ሓሊፉ'ዩ።"

ካብ ሱዳናውያን ብተወሳኺ ካብ ብዙሓት ካልኦት ብሄራት ዝመጹ ሰባት ብሰንኪ እቲ ኲናት ይሳቐዩ ኣለዉ - ካብዚኦም ሶርያውያን፣ ፓኪስታናውያንን ህንዳውያንን፡ ከምኡ’ውን ብብዝሒ ካብ ደቡብ ሱዳን ዝመጹ ስደተኛታት ይርከቡ።

ኣብ ፖርት ሱዳን፡ ሕጂ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ስድራቤታት ኣብቲ ቅድሚ ሕጂ መደቀሲ ዩኒቨርስቲ ዝነበረ ኣብ ልዑሊ ዓቐን ጻዕቒ ተዓቊቦም ይርከቡ።

ኣቢዮል ሓንቲ ካብኣቶም እያ። ኣቐዲማ ካብ ደቡብ ሱዳን ሃዲማ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ካርቱም ኣብ ኣል-ሓጅ ዩሲፍ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ተመዛበልቲ ሰፊራ ነይራ።

"ናብ ሃገረይ ክምለስ ተስፋ ገይረ ነይረ፡ እቲ ኲናት ግን ኣብ ካርቱም ስለዝጀመረ፡ ዳግማይ ናብ ፖርት ሱዳን ክንስደድ ተገዲድና" ትብል።

"ዕጫ ምሉእ ህይወትና ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ክንነብር ዝተፅሓፈ'ዩ ዝመስል።"

ኣብ ክልል ቀይሕ ባሕርን ርእሰ ከተማኣ ፖርት ሱዳንን ልዕሊ 100 ሽሕ ሰባት መጽለልን ሓገዝን የድልዮም
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ክልል ቀይሕ ባሕርን ርእሰ ከተማኣ ፖርት ሱዳንን ልዕሊ 100 ሽሕ ሰባት መጽለልን ሓገዝን የድልዮም

ካብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝመጸ ፒተር፡ እቲ ውግእ ቅድሚ ምጅማሩ ኣብ ካርቱም ኣብ ዝርከብ ዓለምለኻዊ ዩኒቨርሲቲ ኣፍሪቃ ይመሃር ነይሩ።

ሕጂ ኣብ ፖርት ሱዳን ዘሎ ኵነታት ኣዝዩ ኣሰካፊ ስለዝዀ፡ "ቁሩብ ዝሓሸ ህይወት ንምንባር" ኢሉ ፈሓም ከም ዝሸይጥ ይዛረብ።

ሰራሕተኛታት ረድኤት እውን ግዳያት እቲ ግጭት እዮም፡ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት 900 ገለ ናይ ጸጥታ ጸገማት ኣጋጢምዎም’ዩ፡ 19 ድማ ሞይቶም’ዮም። እዚ ድማ እቲ ከባቢ ኣብ ዓለም ንሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝ ኣዝዩ ሓደገኛ ቦታ ይገብሮ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብታ ሃገር ንዝገብሮ ስራሕ ምወላ ንምርካብ እናተቓለሰ ይርከብ።

2.6 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ሰብኣዊ ሓገዝ’ዩ ዘድሊ፤ እቲ ትካል ግን ርብዒ ናይቲ ውጥን ንምሽፋን ዘኽእል ገንዘብ ጥራይ’ዩ ኣዋህሊሉ።

"ስጉምቲ ዘይምውሳድ ልዑል ዋጋ'ዩ ዘኽፍል" ትብል ንክዌታ-ሳላሚ። "ስለዚ ኢና ድማ ለገስትና ንፃዕርና ብህጹጽ ክድግፉ 'በጃኹም!' ኢልና ፃውዒት ንገብር ዘለና፡ ከምኡ'ውን እቶም ተፃባእቲ ወገናት ነቲ ግጭትን ዓመጽን ደው ከብሉ ንላቦ።"