ኣብ ኵናት ሱዳን ሓድሽ ዓሌታዊ ቅትለታት ተኸሲቱ

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
ኣብ ሱዳን ዞባ ምዕራብ ዳርፉር ብዘጋጠመ ስግኣት ምጽጻይ ዓሌት፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ክሃድሙ ከም ዝተገደዱ፡ ትካል ዶብ ኣልቦ ሓኻይም ኣፍሊጡ።
ሓይሊ ወሃቢ ህጹጽ ደገፍ ነቲ ኣብ ምዕራብ ዳርፉር ርእሰ ከተማ ኤል ጀኒና ዝርከብ ዋና ቤት-ጽሕፈት ሰራዊት ሱዳን ድሕሪ ምቍጽጻሩ’ዩ፡ እዚ ኣጋጢሙ ዘሎ።
ሓይሊ ወሃቢ ህጹጽ ደገፍ፡ ኣብቲ ዝተበሃለ “ዓሌታዊ ጐንጺ” ከም ዘይተሳተፈ ይገልጽ።
እቲ ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ-ሕመቲ ዝምራሕ ሓይሊ፡ ካብ ዝሓለፈ ሚያዝያ ጀሚሩ ነታ ንሃገር ንምቍጽጻር፡ ምስ ሰራዊት እታ ሃገር ይዋጋእ ኣሎ።
ትካል ዶብ ኣልቦ ሓኻይም (ኤም ኤስ ኤፍ)፡ ኣብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ መዓልታት ናብ ቻድ ካብ መንጐ ዝሃደሙ ሸውዓተ ሽሕ ሰባት፡ እቶም ዝበዝሑ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ከም ዝዀኑ ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ከባቢ ተቘጻጻሪ ሰብኣዊ መሰላት ዝዀነ ሓትም ዓሊ፡ ሓይሊ ወሃቢ ደገፍን መሻርኽቱ ሚልሻታትን ናብታ ካብ ኤል ጀኒና ስግር ሩባ ትርከብ ኤርዳምታ፡ ብኣፍራስ፡ ኣግማልን ሞተር ብሽክለታን ምስ መጽኡ፡ ናብ ጫድ ከም ዝሃደመ ገሊጹ።
ንሱ፡ እቶም ሓይልታት “ንብዙሓት ደቂ ተባዕትዮ ቀቲሎም፡ ንብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ከኣ ዓሚፆም” ኢሉ።
ንኤል ጀኒና ካብ ዝቈጻጸሩ ንደሓር፡ ሓይሊ ወሃቢ ደገፍን መሻርኽቱ ሚሊሻታት ዓረብን ንዓሌት ማሳሊት ብምቕታል፡ ንደቂ ኣንስትዮ ብምዕማጽን ብዝምታን ተኸሲሶም ኣለዉ።
ካብዚ ብተወሳኺ ሓይሊ ወሃቢ ህጹጽ ደገፍን ሚሊሻ ዓረብን፡ ኣብ ኤርዳምታ ኣብ ልዕሊ መዕቈቢ ተመዛበልቲ መጥቃዕቲ ብምፍጻም፡ 800 ሰባት ከም ዝቐተሉ ተገሊጹ።
ቅድሚ እቲ መጥቃዕቲ ካብቲ መዕቈቢ ምስ ስድራኡ ዝሃደመ ሰብኣይ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ክሳብ ሕጂ ብሂወት ኣለኹ፡ ግን ብዙሕ እየ ስኢነ” ኢሉ።
ነባሪ ኤል ጀኒና ዓላ ባቢክር፡ ሲቪላት ሰባት ካብቲ ውግእ ዘምልጥሉ ዝዀነ መገዲ ከም ዘየለ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ካልእ ሰራሕተኛ ሰብኣዊ ረድኤት ድማ፡ ዋላ’ኳ ብዙሓት ናብ ቻድ ክሃድሙ እንተኸኣሉ፡ ሚሊሻታት ዓረብ ዶብ ንዝሰግሩ ሰባት ብዙሕ ገንዘብ ክኸፍሉ ይሓቱ ብምህላዎም ግን፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብ ሱዳን ጅሆ ከም ዝተትሓዙ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ሓላፊ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣብ ቻድ ፒየር ሆኖራት፡ ኣሽሓት ስደተኛታት ምምጋብ፡ ቀንዲ ብድሆ ከም ዝዀኖም ንቢቢሲ ገሊጹ።
"ኣብዚ እዋን'ዚ ሓገዝ የድልየና’ዩ፤ መዓልታዊ ምግቢና ክነውሕስ ኣለና። ዋላ ሓደ የብሎምን” ኢሉ።
ዳርፉር ዝማእከሉ ሓይሊ ወሃቢ ህጹጽ ደገፍ፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ ኣብ ዝተወልዐ ግጭት፡ ኣብቲ ዞባ፡ ዓረብ ኣብ ልዕሊ ዘይኰኑ ጕጅለታት ግፍዒታት ብምፍጻም ይኽሰስ።
ካብ መፈለምታ እዚ ወርሒ ኣብ ዳርፉር ብዙሓት ግዝኣታት ዝቈጻጸር ዘሎ እቲ ንኡስ ወተሃደራዊ ጕጅለ፡ ኣብቲ ዞባ ካብ ዝርከባ ሓሙሽተ ግዝኣታት ነተን ኣርባዕተ ተቘጻጺርወን ይርከብ።
ኣብ ስዑድ ዓረብ ክካየድ ዝጸንሐ ልዝብ፡ ክልቲኦም ተጻባእቲ ወገናት ተዅሲ ደው ከብሉ ዝተገበረ ጻዕርታት ብዘይ ምስማሩ፡ ብዘይ ፍረ’ዩ ተሪፉ።
ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ሱዳን “ክእመን ዘይከኣል” ሰብኣዊ ቅልውላው ይፍጠር ከም ዘሎ ሓቢሩ።
ኵናት ሱዳን ካብ ዝጅምር፡ ኣስታት ሽድሽተ ሚልዮን ሰባት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም’ዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







