ሱዳን፡ ኣብ ዕሙር ዕዳጋታት ብዝተፈጸሙ ደብዳባት ብዙሓት ሰባት ተቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, REUTERS/ABDULLAH ABDEL MONEIM
ኣብ ርእሰ ከተማ ሱዳን ካርቱም ኣብ ሓደ ጽዑቕ ዕዳጋ ብዝተፈጸመ ደብዳብ ልዕሊ 20 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ሓያሎ ካልኦት ድማ ከም ዝቖሰሉ ጉጅለ ጠበቓታት ሓቢሮም።
ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ህጹጽ ወሃብ ደገፍ (ዳዕመ-ሰሪዕ) ጽዑቕ ምልውዋጥ ተኹሲ ምክያዱ ስዒቡ፡ ኣብ ኦምዱርማን ዝርከብ ዝተጨናነቐ ዕዳጋ ከም ዝተወቕዐ እቲ ዘይመንግስታዊ ጉጅለ ጠበቓታት እታ ሃገር ትማሊ ሰንበት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
እቲ ብሰንበት ዝተፈጸመ ደብዳብ ኣል-ታውራ ኣብ ዝተበሃለ ከባቢ ኦምዱርማን 15 ሰባት ከም ዝቐተለ ሓደ ምንጪ ሕክምና ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ሓቢሩ።
እቶም ጠበቓታት ክልቲኦም ተዋጋእቲ ወገናት ኣብ ህዝቢ ዝነብረሉ ከባቢታት ቀጻሊ ውግእ ብምክያዶም ብምዅናን ተኹሲ ደው ክብል ጸዊዖም።
ኣብ መንጎ እቶም ተቐናቐንቲ ሓይልታት ኣብ ጅዳ ስዑዲ ዓረብ ዘተ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን፡ እቲ ግጭት ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር፡ ኣብ ካልኦት ከተማታት ዳርፉርን ዞባ ኮርዶፋንን ይቕጽል ኣሎ።
ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሕመድቲ) ዝምርሑ ሓይልታት ኣደዒም ኣል-ሰሪዕ ካብ 26 ጥቅምቲ ጀሚሩ፡ ኣብ ዳርፉ ዝርከቡ ሰለስተ መዓስከራት ሰራዊት ሱዳን ከምዝሓዙ ኣፍሊጦም ነይሮም። ኣብቲ መዓስከርን ካርቱምን ዝነበሩ ኣማኢት ወተሃደራት ሰራዊት ሱዳን ናብኦም ከምዝሰለሙ'ውን እቶም ሓይልታት ገሊጾም ነይሮም።
ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ ሓይልታት ህጹጽ ወሃብ ደገፍ፡ ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ውግእ ነታ ካልአይቲ ዝዓበየት ከተማ ሱዳን ዝዀነት ኒያላ ካብ ሰራዊት ሱዳን ከምዝመንዑ ምንጭታት ንቢቢሲ ምሕባሮም ይዝከር።
ርእሰከተማ ግዝኣት ደቡብ ዳርፉር ዝዀነት ኒያላ፡ ንሱዳን ምስ ማእከላይ ሪፓብሊክ ኣፍሪቃ እተራኽብ ስትራተጂያዊት ከተማ እያ።
ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ክሳራታት ንዘጋጠሞም ሓይልታቱ ከተባብዕ ዝተረኣየ ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ሌ/ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን ግን እቲ ሓይልታት ሕመድቲ ተጓናጺፍናዮ ዝብልዎ ዘለዉ ዓወታት ኣብ ቅድሚ ወተሃደራቱ ከቆናጽቦ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተሰሚዑ።
ሓይልታት ሰራዊት ሱዳን፡ ብሰንኪ ሕጽረት ቀረባት ካብ ኒያላ ክስሕብ ከም ዝተገደደ’ዩ እቲ ሰራዊት ዝገልጽ።
ኣብ ጀዳ፡ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ዘተ ሰላም ኣብ ዝካየደሉ እዋን መጥቃዕቲ ምቕጻሎም ዝነቐፈ እቲ ጀነራል፡ ሰራዊቱ "ቃልሱ ክቕጽል" ምዃኑ'ዩ ገሊጹ።
ይኹን’ምበር እቲ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ሰላም ንክዕወት ክሰርሕ ምዃኑ ቃል ኣትዩ ነይሩ።
ኣመሪካ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ዞባዊ ውድብ ኢጋድን ነቲ ኲናት ንምፍታሕ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ከም መንጎኛታት ይሳተፉ ኣለዉ።
ኣቐዲሙ ዝተፈተነ ስምምዓት ምቁራጽ ተጻብኦታት ብተደጋጋሚ ብምፍራሱ ውግእ ይቕጽል ኣሎ።
እቲ ግጭት ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሚያዝያ ካብ ዝጅምር ንደሓር ልዕሊ 9 ሽሕ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ኣስታት ሽዱሽተ ሚልዮን ድማ ተመዛቢሎም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







