ኣብ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ዝስማዕ ዘሎ ኣዘራራቢ 'ድምጺ ኣልበሽር'

ዑመር ኣልበሽር ን30 ዓመታት ንሱዳን ዝገዝአ እኳ እንተነበረ፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ንድሓር ግን ኣይተራእየን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ዑመር ኣልበሽር ን30 ዓመታት ንሱዳን ዝገዝአ እኳ እንተነበረ፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ንድሓር ግን ኣይተራእየን

ሱዳን ንኣዋርሕ ኣብ ኲናት ሓድሕድ ተሸሚማ ኣላ። ቴክኖሎጂ ዝፈጥሮ ዘሎ ምድንጋር ክኣ ካልእ ረስኒ ወሲኹላ ኣሎ።

መቸስ፡ እቲ ን30 ዓመታት ነታ ሃገር ዝገዝኣን ካብ ስልጣኑ ዝተዓልወን መራሒ ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽር ትዝክሩዎ ትዀኑ።

እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ንድሓር ግን ፈጺሙ ኣይተራእየን።

ኣብዚ ቀረባ እዋናት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ቲክቶክ ግን ብመገዲ ሰብ ሰርሖ-ብልሒ (ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ) ተመሳሲሉ ዝተሰርሐ ድምጺ ኣልበሽር ሰፊሕ ወፍሪ ይካየድ ኣሎ።

እዚ ክኣ፡ ነታ ብግሁድ ብኲናት ፋሕፋሕ ኢላ ዘላ ሃገር ኣብ ኢንተርነት'ውን ሓያሎ ደንገርገር ኣእቲዩላ ይርከብ።

ሓደ ሽሙ ዘይተገልጸ ኣካውንት ካብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ “ሊሒኹ ዝወጽአ” ዝበሎ ድምጺ ናይቲ ፕረዚደንት ነበር ክዝርግሕ ጸኒሑ'ዩ።

እታ እዚ ውልቀሰብ ዝጥቀመላ ቻነል ዓሰርተታት ክሊፓት ጠቂዓ - እቲ ድምጺ ግን ኩሉ ናይ ሓሶት እዩ።

እቲ ብገበናት ኲናት ዝኽሰስን ኣብ 2019 ብወተሃደራዊ ሓይሊ ካብ ስልጣን ዝተዓለወን ኣልበሽር፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ካብ ዘይርአ ዓመት ገይሩ፤ ብኸቢድ ሓሚሙ ከም ዘሎ'ውን ይእመን።

ንሱ ነቲ ክስታት ገበናት ኲናት ኣይቕበሎን።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ሞንጐ እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ነታ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ወተሃደራዊ ሓይልን ተነሓናሒ ጉጅለ ምልሻ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍን ውግእ ድሕሪ ምፍጣሩ፡ ኣብ ዙርያ ሃለዋቱ ዘሎ ምጥርጣራት ክብ ኢሉ።

ከምዚ ዝኣመሰለ ጐስጓሳት ክኣ፡ ሓደሽቲ ኣገባባት ብምጥቃም ብኸመይ ናይ ሓሶት ትሕዝቶ ብቕልጡፍን ብሕሱርን መገዲ ብማሕበራዊ ሚዲያ ክዝርግሑ ከም ዝኽእሉ ዘርኢ ምዃኑ ክኢላታት ይገልጹ።

ተመራማሪ ዲጂታላዊ ፎረንሲክስ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርኒያ ሃኒ ፋሪድ፡ "ዝተራቐቐ ቴክኖሎጂ ምትላል ድምጽን ምስልን ንኹሉ ተበጻሒ ምዃኑ ኣዝዩ የጨንቐኒ" ይብል።

ንሱ ወሲኹ፡ "ዝተራቐቑ ተዋሳእቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ክውንነት ከጣምሙ ክኢሎም'ዮም፡ ሕጂ ግን እቲ ውሑድ ቴክኒካዊ ክእለት ዘለዎ ዝዀነ ሰብ ብቕልጡፍን ብቐሊሉን ናይ ሓሶት ትሕዝቶ ክፈጥር ይኽእል'ዩ" ክብል የረድእ።

እቶም ድምጽታት ‘ዘ ቮይስ ኦፍ ሱዳን’ ኣብ ዝብል ገጽ ተጠቂዖም ኣለው።

እዚኦም፡ ኣብ እዋን ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ካብ ዝተዋህበ መግለጺታት ዝተወስዱ ዝጸንሑ ቅድሓት፡ ጸብጻባት ዜናን ኣል-በሽር ተዛሪቡዎም ዝተባህሉ "ብሕቡእ ተቐዲሖም ዝወጽኡ ድምጽታትን" ዘዋደዱ ይመስሉ።

መብዛሕትኦም ድምጺታት፡ ካብ ኣኼባ ወይ ናይ ቴለፎን ዕላል ዝተወስዱ ይመስሉ። እዞም ድምጽታት ጽሬት ዘይብሎምን ካብ ሕማቕ መስመር ቴሌፎን ዝተቐድሑ ዝመስሉ ቁርጽርጽ ዝበለ ድምጺ ዘለዎም'ዮም።

ሓቅነቶም ንምርግጋጽ ሰብ ሞያ ቢቢሲ ሞኒቲሪንግ ሱዳን ተወኪስናዮም። ኢብራሂም ሃይታር ናይ ቀረባ እዋን ክዀኑ ተኽእሎ ከም ዘየለ ሓቢሩና።

"እቲ ድምጺ ናይ ኣል በሽር ይመስል፤ እንተዀነ ንዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ኣዝዩ ሓሚሙ ስለ ዝነበረ ክሳብ ክንድዚ ብንጹር ክዛረብ ይኽእል’ዩ ዝብል እምነት የብለይን።"

እዚ ማለት ግን ንሱ ኣይኰነን ማለት ኣይኰነን።

ካልኦት ክዀኑ ዝኽእሉ ኣማራጺታት መርሚርና። እዞም ቅድሓት ዳግማይ ዝተፈነው ዝጸንሑ ድምጺታት ኣይኰኑን።

ድምጺ ከምስል ብዝኽእል ሰብ ዝተሰርሑ ክዀኑ ይኽእሉ'ዮም ኢልካ ምጥርጣር'ውን ኣጸጋሚ ኰይኑ።

እቲ ዝሓሸ ዝብሃል መእሰሪ ዘለዎ መረዳእታ ካብ ሓደ ተጠቃሚ ኤክስ (ትዊተር ነበር) ዝመጽአ ሓበሬታ'ዩ።

እቶም ፈላሞት ቅድሓት ድምጺ ኣልበሽር ብነሓሰ 2023 እዮም ተጠቂዖም።

ኣብዚ ድምጺ፡ ንኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ቡርሃን ክነቅፍ ይስማዕ።

እቲ ናይ በሽር ድምጺ፡ ምስቲ ኣል ኢንሲራፊ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ህቡብ ሱዳናዊ ተንታኒ ፖለቲካ ዘመሓላለፎ ቀጥታዊ ፈነወ ፌስቡክ ዝመሳሰል እዩ።

ንሱ ኣብ ኣሜሪካ ከም ዝነብር ይእመን፤ እንተዀነ ገጹ ብካሜራ ተራእዩ ኣይፈልጥን።

ሓያሎ ጽሑፋት ንበሽር (ጸጋም) ኣምሲሎም ዝቐረጹ ቅዳሓት ዘጠቓለሉ እዮም
መግለጺ ስእሊ, ሓያሎ ጽሑፋት ንበሽር (ጸጋም) ኣምሲሎም ዝቐረጹ ቅዳሓት ዘጠቓለሉ እዮም

ክልቲኦም ድምጺታት ዋላ'ውን ተመሳሰልቲ እንተዘይኰኑ፡ ዝዛረቡዎ ግን ሓደ እዩ። ክልቲኦም ድምጺታት ብሓባር ክኽፈቱ እንከለው ይመሳሰሉ።

ነቲ ናይ ድምጺ ማዕበላት ብምውድዳር ኣብ እዋን ዘረባን ስቕታን ተመሳሳሊ ቅዲ ከም ዘለዎም የርኢ ክብል ፋሪድ ይዛረብ።

በዚ መሰረት፡ ድምጺ ዝቐያይር መተግበሪ (ሶፍትዌር) ዘረባ በሽር ንምምሳል ኣብ ጥቕሚ ከም ዝውዓለ እቲ መርትዖ ይሕብር።

እቲ መተግበሪ ሓደ ድምጺ ብምጽዓን ዝደለኻዮ ዓይነት ድምጺ ክህበካ ዝኽእል ሓያል መተግበሪ'ዩ።

ቢቢሲ፡ ተወሳኺ ምጽራይ ገይሩ ብተመሳሳሊ መልክዕ ኣብ ጥቕሚ ዝውዓሉ ድምጽታት ረኺቡ።

ብውሕዱ ካብ ተመሳሳሊ ተንታኒ ፖለቲካ ዝተወስዱ ብውሑድ ተወሳኺ ኣርባዕተ ድምጺታት በሽር ተረኺቦም።

እዚ ውልቀሰብ ኣብዚ ጉዳይ ምስታፉ ዘረጋግጽ ዝዀነ መርትዖ የለን።

እቲ ናይ ቲክቶክ ገጽ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ፍሉት ትኹረት ገይሩ ኣሎ። ኣብ ውሽጢ ሱዳን እንታይ ይካየድ ከም ዘሎ ንምርዳእ ዓሚቕ ይሓትት።

ካብዚ ጐስጓስ ግን መን ይጥቀም? ዝብል ዘካትዕ'ዩ። ኣብዚ ከይተዛነፈ ዝስትውዓል ግን እቲ ብቐጻሊ ዘቕርቦ ነቐፌታ ኣብ ልዕሊ ኣዛዚ ሰራዊት ጀነራል ኣል ቡርሃን ምዃኑ'ዩ።

እቲ ዕላማ፡ ሰባት በሽር ኣብቲ ኲናት ናይ ባዕሉ እጃም ንክጻወት ተቐልቂሉ ኣሎ ኢሎም ንክኣምኑ ንምትላል ክኸውን ይኽእል። ወይ ድማ ድምጺ እቲ መራሒ ነበር ብምጥቃም ንሓደ ፍሉይ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ሕጋውነት ክህቦ ይፍትን ይህሉ።

እዚ እንታይ ክኸውን ከም ዝኽእል ንጹር ኣይኰነን።

“ቮይስ ኦፍ ሱዳን” ንህዝቢ የደናግር ኣሎ ንዝብል ነቐፌታ ብምንጻግ ምስ ዝዀነ ጉጅለ ምትእስሳር ከም ዘይብሉ ገሊጹ።

"ሓሳበይ ከመሓላልፍን ኩነታት ሃገረይ ብናይ ባዕለይ መገዲ እቲ ሓቂ ከረድእ ይደሊ'የ" ክብል ብጽሑፍ መልሲ ሂቡ።

በሽር ንምምሳል ዝግበር ጻዕሪ፡ እቶም ዝከታተሉኻ ሰባት ናይ ምትላል ዓቕሚ ከም ዘለዎ መርማሪ ፍልቀት መራኺ ብዙሃን ቢቢሲ ሬድዮ 4 ሄንሪ ኣጅደር ይዛረብ።

ናይ ሓሶት ምስልታትን ድምጽታትን ናዕቢ ከስዕቡ ከም ዝኽእሉን መረጻታት ከተዓናቕፉ ናብ ዝኽእል ማዕበል ናይ ሓሶት ሓበሬታ ከምርሑ ከም ዝኽእሉን ሰብ ሞያ ሰብ ሰርሖ ብልሒ ከጠንቅቑ ጸኒሖም።

"እቲ ዘሰክፍ ግን እዞም ድምጽታት ብዙሓት ሰባት ዋላ ንሓቀኛ ቅዳሓት ዘይኣምኑሉ ሃዋህው ክፈጥሩ ዝኽእሉ ምዃኖም'ዩ" ክብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኖርዝኢስተርን ተመራማሪ ቤተ ፈተነ ሰብ ሰርሖ ብልሒ ዝዀነ መሓመድ ሱሊማን ገሊጹ።

ናይ ሓሶት ድምጺ ብኸመይ ንፈልዮ?

ሰባት ብዝተፈላለየ መገዲ ብፍላይ ድማ ካብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝረኽቡዎም ሓበሬታታት ንኻልኦት ቅድሚ ምክፋሎም "እዚ ነገር ትኽክለኛ ድዩ?" ዝብል ሕቶ ከልዕሉ ይግባእ።

ስለዚ፡ ኣቐዲምና እቲ ሓበሬታ ካብ እሙን ምንጩ ምምጽኡ ከነረጋግጽ ይግባእ።

ብፍላይ ሓቃውነት መልእኽቲ ብዝልኣኸሎም መተግበተሪታት (ዋትሳፕ፣ ቴሌግራም) ዝመጽኡ ድምጽታት ምርግጋጽ ከቢድ እዩ።

ብፍላይ ከምዚ ሕጂ ሱዳን እትሓልፎ ዘላ ዘይምርግጋእ ብዝተሓሓዝ ዝፍጠሩ ጸገማት ዝያዳ በዳሂ ይገብሩዎ።

ሰብ ዝሰርሖ ዘይባህርያዊ ድምጺ ንምልላይ ዝሕግዝ ቴክኖሎጂ ገና ኣብ ምምዕባል እዩ ዝርከብ።

ድምጽታት ንምምሳል ዝሕግዝ ቴክኖሎጂ ግን ድሮ ኣዝዩ ምዕቡል ደረጃ በጺሑ ይርከብ።

ቢቢሲ ምስ ቲክቶክ ድሕሪ ምርኻቡ፡ እቲ ኣካውንት ከም ዝተኣገደ ተፈሊጡ።