ሱዳን፡ ዕጡቓት ተቓወምቲ ኣብ ጎኒ ሰራዊት እታ ሃገር ክስለፉ ምዃኖም ኣፍሊጦም

ጀነራል ኣልቡርሃን ምስ ወተሃደራቱ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣብ ምዕራባዊ ዞባታት ዳርፉ ዝንቀሳቐሱ ክልተ ዕጡቓት ጉጅለታት ኣብ ጎኒ ሰራዊት ሱዳን ብምስላፍ ኣጻር ሓይልታት ኣደዒም ኣል-ሰሪዕ ክዋግኡ ምዃኖም ኣፍሊጦም።

እቲ ስጉምቲ፡ ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሕመድቲ) ዝምርሑ ሓይልታት ኣል-ሰሪዕ ኣብ ዞባ ዳርፉር ሓያለ ከባቢታት ድሕሪ ምቁጽጻሮም'ዩ ዝውሰድ ዘሎ።

እቶም ሓይልታት ኣብቲ ዝተቖጻጸርዎ ከባቢታት ምጽናት ዓሌት ይፍጽሙ ከምዘለዉ'ዮም ዝኽሰሱ።

መራሒ ሓደ ካብቶም ተቓወምቲ ጉጅለታት ዝኾነ ጂብሪል ኢብራሂም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ንሲቪላውያን ካብ ሓይልታት ኣደዒም ኣል-ሰሪዕ ክከላኽል'የ ዝደሊ" ክብል ተዛሪቡ።

ሓይልታት ሕመድቲ ሰባት ብህይወቶም እንከለዉ ክሳብ ምቕባር በጺሖም ከምዘለዉ'ውን ኢብራሂም ይኸስስ።

እቲ መራሒ ምንቅስቓስ ፍትሕን ማዕረነትን (ጀም) ዝተባህለ ውድብ፡ ኣብ ጎኒ እቲ ዝቃወሞ ዝነበረ ሰራዊት ሱዳን ምስላፍ ቀሊል ከምዘይነበረ ብምጥቃስ፡ ናብቲ ስምምዕ ንምብጻሕ ሸውዓተ ኣዋርሕ ከምዝወሰደሎም ሓቢሩ።

ኣብ መንጎ ጀምን ሃገራዊ ሰራዊት ምክልኻል ሱዳንን ዝጸንሐ ዝምድና ተጻባኢ'ዩ ነይሩ። መራሒ ናይቲ ጉጅለ ዝነበረ ሓዉ ንጂብሪል ኢብራሂም'ውን ብሓይልታት መንግስቲ'ዩ ተቐቲሉ።

ጀምን ሓደ ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳን (ኤስ-ኤል-ኤም) ዝተባህለ ውድብን፡ ኣብ 2003 ነቲ ኣብ ዞባ ዳርፉር ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ዝወርድ ዝነበረ ጭቆና ንምቅላስ ዝቖሙ ጉጅለታት'ዮም።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብቲ እዋን፡ ብፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣል-በሽር ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ሱዳን፡ ዓረባዊ መበቆል ዘለዎም ሚሊሻ ብምዕጣቕ ኣንጻር እቶም ዕጡቓት ጉጅለታት ወፍሪ ጀሚሩ።

ኣብቲ ዝተወልዐ ግጭት ድማ፤ ኣብ መበል 21 ክፍለ-ዘመን ፈላሚ ምጽናት ዓሌት ተኻይዱ ተባሂሉ ይግለጽ።

እቶም ዕጡቓት ሚሊሻታት ኣብ መወዳእታ ናብዚ ሎሚ ኣንጻር ሰራዊት ሱዳን ውግእ ዘካይድ ዘሎ ሓይልታት ኣደዒም ኣል-ሰሪዕ (ተወርዋሪ ሓይልታት ወሃብቲ ደገፍ) ዓብዮም።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ ሓይልታት ኣል-ሰሪዕ፡ ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ውግእ ነታ ካልአይቲ ዝዓበየት ከተማ እታ ሃገር ዝዀነት ኒያላ ካብ ሰራዊት ሱዳን ምምንዝዖም ይዝከር። ሓያለ ካልኦት ከተማታትን ወተሃደራዊ መዓስከራትን'ውን ተቖጻጺሮም ኣለዉ።

ርእሰከተማ ዞባ ደቡብ ዳርፉር ዝዀነት ኒያላ፡ ንሱዳን ምስ ማእከላይ ሪፓብሊክ ኣፍሪቃ እተራኽብ ስትራተጂያዊት ከተማ እያ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ምዕራብ ዳርፉር ዝኾነት ኤል ጀነና ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ብጅምላ ከም ዝቐተሉ ጸብጻባት ይገልጹ።

ሓይልታት ኣል-ሰሪዕ ግን፡ ነቲ ኣካል "ግጭት ቀቢላታት" ምዃኑ ዝገለጽዎ ቅትለት ከምዘይፈጸምዎ ሓቢሮም ኣለዉ።

ክልቲኦም ተቓውምቲ ውድባት ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ፡ "ዘይሻራዊ መርገጺና ኣብቂዑ፡ ኣብ ኩሉ ግንባራት ብዘይ ምምታእ ምስ ስርሒታት ሰራዊት ተጸምቢርና ኣለና" ኢሎም።

ወላ'ኳ እቶም ጉጅለታት ከምቲ ናይ ቀደሞም ሓያላት እንተዘይኮኑ፡ ብወግዒ ኣብቲ ኲናት-ሓድሕድ ክኣትዉ ምውሳኖም ግን ቀሊል ስጉምቲ ኣይኮነን።

ኣብ 2020 ክልቲኦም ተቓወምቲ ውድባት ኣካል ናይቶም ምስ መንግስቲ ሱዳን ስምምዕ ዝፈረሙ ጉጅለታት ምዃኖም ይፍለጥ።

እቲ ወሲዶሞ ዘለዉ ስጉምቲ ድማ፡ መሳርዖም ብሓደስቲ ኣባላት ኣተርኒዖም ፖለቲካዊ ጽልውኦም ኣብ ምዕባይ ግደ ከይሃለዎ ኣይተርፍን።

ኣብቲ መራሕቲ ክልቲአን ውድባት ኣባላቱ ዝኾኑ ማሕበረሰብ ዛጋዋ ዘለዎም ተቐባልነት ን መሰረትን ንምክልኻል ኣንቂዶም'ውን ክኾኑ ይኽእሉ።

ብዘይካ'ዚ፡ ዓወት ሓይልታት ኣል-ሰሪዕ ንረብሓኦም ከምዘይከውን ዝደምደሙ'ዮም ዝመስሉ።

እቶም ካብ መፋርቕ ወርሒ ሚያዝያ ኣንጻር ብጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል-ቡርሃን ክዋግኡ ዝጸንሑ ሓይልታት ኣል-ሰሪዕ እንተ ተዓዊቶም ሱዳን ከይትመቓቐል ከምዝሰግእ ኢብራሂም ገሊጹ ነይሩ'ዩ።

ሓይልታት ጀነራል ሕመድቲ እንተወሓደ ኣብ ዳርፉር ላዕለዋይ ኢድ ክሕዙ እንተኽኢሎም፡ ናይ ገዛእ ርእሶም መንግስቲ ብምምስራት ናይ ምንጻል ሕቶ ከየቕርቡ ሻቕሎት ጸኒሑ'ዩ።

ዓለምለኻዊ ጽልዋታት ውሳነ እተን ውድባት'ውን ዘይናዓቕ'ዩ።

ብሄረ ዛጋዋ፡ ኣብ ጎረቤት ሃገር ጫድን ሱዳንን ዝርከቡ'ዮም። ጂብሪል ኢብራሂምን ካልኦትን ጫድ ንሓይልታት ኣል-ሰሪዕ ከምእትድግፍ ክኸሱ ምጽንሖም ይፍለጥ።

ምስቲ ድሕሪ ሞት ኣቦኡ ስልጣን ዝጨበጠ መራሒ ጫድ ጀነራል ማሓማት ደብዒ ዝጸንሖ ርክብ ተጠቒሙ ኣብ መንጎ ጫድን ሓይልታት ኣል-ሰሪዕን ጋግ ክፈጥር ተኽእሎ ኣለዎ።

ነቲ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ንምፍታሕ ብመንጎኝነት ኣመሪካ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ዞባዊ ውድብ ኢጋድን ኣብ ጂዳ ስዑዲ ዓረብ ዝርርብ ሰላም ዳግማይ ተጀሚሩ'ሎ።

ኣቐዲሙ ዝተፈተነ ስምምዓት ምቁራጽ ተጻብኦታት ብተደጋጋሚ ምፍራሱ ይዝከር።

እቲ ግጭት ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሚያዝያ ካብ ዝጅምር ንደሓር ልዕሊ 9 ሽሕ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ኣስታት ሽዱሽተ ሚልዮን ድማ ተመዛቢሎም ኣለዉ።