ካርቱም፡ ሰራዊት ሱዳን ንመደበር ተለቪዢን እታ ሃገር ተቖጻጺሩ

ጀነራል ኣል-ቡርሃን

ምንጪ ስእሊ, AFP

ወተሃደራቱ ንቀንዲ መደበር ማዕከን ዜና እታ ሃገር ከምዝተቖጻጸሩ ብጀነራል ኣል-ቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ሱዳን ኣፍሊጡ።

መደበር ዜና ሱዳን፡ ኣብቲ ኣብ ስግር ፈለግ ናይል ዘሎ ኡምዱርማን ተባሂሉ ዝፍለጥ ከባቢ ርእሰከተማ ካርቱም'ዩ ዝርከብ።

ብጀነራል ዳጋሎ (ሕመድቲ) ዝምርሑ ሓይልታት ኣደዒም ኣል-ሰሪዕ እቲ ን11 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኲናት ሓድሕድ ኣብ ዝተወለዓሉ እዋን'ዮም ተቖጻጺሮሞ።

ኣብቲ ኲናት ልዕሊ 14,000 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፡ ኣስታት 8 ሚልዮን ድማ ተፈናቒሎም ኣለዉ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ቪድዮታት፡ ወተሃደራት ሰራዊት ሱዳን ኣብ ኣፍደገ እቲ ትካል ዓወቶም ክጽንብሉ የርእዩ።

ሰራዊት ሱዳን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ዓቢ ዓወት'ዩ" ክብል ገሊጽዎ'ሎ።

ሓይልታት ኣል-ሰሪዕ፡ ዋላ'ኳ ነቲ መደበር ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2023 እንተ ተቖጻጸርዎ፡ ፈነወ ከመሓላልፍሉ ኣይክኣሉን።

ተለቪዚን እታ ሃገር ግን፡ ካብ ካልእ ቦታት ንሰራዊት ዝድግፍ ትሕዝቶ ዘለዎ ፈነወታት ምምሕልላፍ ቀጺላ'ያ።

እቲ ኲናት ብ15 ሚያዝያ 2023 ካብ ዝውላዕ ንድሓር ክልቲኦም ተጻረርቲ ወገናት፡ ንውሽጢ ከተማ ካርቱምን ኣብ ጥቓኣ ዘለዋ ከባቢታትን ንምቁጽጻር ከቢድ ውግኣት ከካይዱ ምጽንሖም ይፍለጥ።

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብኣጋጣሚ ምጅማር ወርሒ ጾም ሮሞዳን ምቁራጽ ተጻብኦታት ክግበር ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት'ኳ እንተጸወዐ፡ ውግእ ቀጺሉ'ሎ።

ወተሃደር ሱዳን

ምንጪ ስእሊ, X

ጀነራል ሕመድቲ ዝርከቦም መራሕቲ ሰራዊት ኣብ ጥቅምቲ 2019 ወተሃደራዊ ዕልዋ ድሕሪ ምፍጻሞም፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ብዝተፈጥረ ዘይምስምማዕ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ግጭት ኣምሪሑ።

ቀንዲ ጠንቂ ናይቲ ኲናት ድማ፡ ሓይልታት ኣል-ሰሪዕ ኣካል ሰራዊት ሱዳን ክኾኑ ዝብል ጠለብ ጀነራል ኣል-ቡርሃን ብጀነራል ዳጋሎ ተቐባልነት ኣይረኸበን።

ነቲ ኣብታ ሃገር ዓቢ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘስዓበ ኲናት ንምህዳእ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክግበር ብዞባዊ ውድብ ኢጋድ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ጎረባብቲ ሃገራትን ሃገራት ዓረብን ዝተኻየደ ተበግሶታት ዛጊት ኣይተዓወተን።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ንግጭት ሱዳን ፍታሕ ንምርካብ ዝተመዘዘ ሓድሽ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ሱዳን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃን ሃገራት ወሽመጥን ምብጻሕ የካይድ ኣሎ።

ዲፕሎማሰኛ ቶም ፐሬሎ፡ ናብ ኢትዮጵያ፡ ጂቡቲ፡ ኬንያ፡ ግብጺ፡ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ክበጽሕ እዩ።