ሕቡራት ሃገራት ጸብጻብ ኣብ ሱዳን ብጥሜት ዝሞቱ ሰባት ይቕበል ከምዘሎ ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብታ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ኣትሒዙ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ዝተመዛበልዋ ሱዳን ሰባት ብጥምየት ከምዝሞቱ ዝገልጽ ጸብጻባት ይበጽሖ ከምዘሎ ገሊጹ።
ሰራዊትን ሱዳንን ካልእ ተቐናቓኒ ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይልን ፖለቲካዊ ስልጣን እታ ሃገር ንምቁጽጻር ኣብ ዝቃለሱሉ ዘለዉ እዋን ዓመጽ ኣብ ሲቪላውያን ይውስኽ ኣሎ።
ጸጥታዊ ስግኣታትን ምዕጻው ጽርግያን ንንጥፈታት ሰብኣዊ ትካላት ዳርጋ ዘይከኣል ገይርዎ ኣሎ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ መላእ ሱዳን ኣስታት ሓሙሽተ ሚልዮን ሰባት ህጹጽ ደረጃ ጥምየት ኣጋጢምዎም ኣሎ።
እዚ ድማ እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ብዕጽፊ ዝዛይድ ቁጽሪ ምዃኑ ውድብ ምግቢ ዓለም ሓቢሩ።
እቲ ሰብኣዊ ትካል፡ እቲ ግጭት ይካየደሎም ካብ ዘሎ ከባቢታት ካብ ዝተጸገሙ ነቶም 10 ምኢታዊት ጥራይ ኣገዳሲ ሓገዝ ከብጽሕ ከምዝኸኣለ ይገልጽ።
ካብዚኣተን ድማ ርእሰ ከተማ ካርቱምን ምዕራባዊ ዞባ ዳርፉርን ዝርከባ ኮይነን ገለ ካብቲ ዝኸፍአ ዓመጽ ተጻዊረን እየን።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን፡ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ዳርጋ ሸሞንተ ሚልዮን ሰባት በቲ ግጭት ካብ ገዛኦም ክመዛበሉ ከምዝተገደዱ ገሊጹ ነይሩ።
ኣብቲ ግጭት ክልተኦም ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ህጹጽ ደገፍን ብገበናት ኲናት ተኸሲሶም እዮም።
ኣብ መንጎ እቶም ዝዋግኡ ዘለዉ ሓይልታት ሰላም ንኽወርድ ዝተኻየደ ፈተነታት ክሳብ ሕጂ ክፈሽል እንከሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ድማ ውግእ ዝያዳ ተጋዲዱ ይቕጽል ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







