ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣብ ሞያለ-ኢትዮጵያ ንኣዋርሕ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ተፈሊጡ

ምንጪ ስእሊ, UNHCR/PETTERIK WIGGERS
ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ንልዕሊ ክልተ ወርሒ ኣብ ከተማ ሞያለ ኢትዮጵያ ተኣሲሮም ከም ዘለዉ ቢቢሲ ትግርኛ ዝረኸቦ ሓበሬታ የረጋግጽ።
እቶም 13 ሕጻናት ዝርከብዎም 116 ዝዀኑ ስደተኛታት ኣብ ሕማቅ ኵነታት ከምዘለው ሓቢሮም።
ንሳቶም፡ ብሓጹር ኣብ ዝተሰርሐ ካብ ዝናብን ጸሓይን መኸወሊ ኣብ ዘይበሉ ቃልዕ ቤት-ማእሰርቲ ንልዕሊ ክልተ ወርሒ ተኣሲሮም ከምዘሕለፍዎ፡ ኵነታቶም ንቢቢሲ ይገልጹ።
“መጀመርታ ማይ ሰሓ ገዚእና ንሕጸብ ኔርና፡ ብሰንኪ ስእነት መግብን ማይን ብዙሓት ሓሚሞምና፡ ሕማቅ ኵነታት ኣሕሊፍና” ትብል፡ ሓንቲ ካብቶም ቢቢሲ ትግርኛ ዘዘራረባ ኤርትራዊት።
ኣብዚ እዋን፡ ብዙሓት ኣብ ኢትዮጵያ ዝጸንሑ ይዅን ካብ ኲናት ሕድሕድ ሱዳን ዝሃደሙ ኤርትራውያን፡ ብኢትዮጵያ ኣቢሎም ናብ ኬንያን ዩጋንዳን ብብዝሒ ይሰግሩ ከምዘለዉ ይፍለጥ።
እቶም መብዛሕትኦም ኣብ ሱዳን ዝነበሩ ኤርትራውያን፡ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ፡ ዓሶ፡ ሕማም ርእሲ ከምኡ’ውን ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ ብረኽሲ ማህጸን ዝኣመሰሉ ሓማማት ደቀንስትዮ ይሳቐያ ከምዘለዋ እቲ ሓበሬታ የመልክት።
እቶም ሒዞምም ዘለው ንሕክምና’ኳ እንተወሰድዎም፡ ሕክምና ብገንዘብካ ኰይኑ፡ እቲ ገንዘብ ዘለዎ ጥራይ ከፊሉ ከም ዝሕከም ይገልጹ።
“እቶም ፖሊስ ገንዘብ እንተለካ፡ ብገንዘብካ ሕክምና ይወስዱኻ፤ ገንዘብ ዘይብሉ ግን ብጥሜትን ሕማምን እዩ ዝሳቐ” ብምባል እታ ወሃቢት ሓበሬታ ዘለዉሉ ኵነታት ትገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, LW
እቶም ኣሲሮምዎም ዝነበሩ፡ ገንዘብ ክእክቡ ንኣካላት መንግስቲ ከይነገሩ ንወርሒ ሒዞምም ከምዝጸንሑ’ውን እቶም ስደተኛታት ይገልጹ።
እንተዀነ፡ ብዝተፈላለየ መንገዲ ንቤት-ጽሕፈት ስደተኛታት ሕቡራትሃገራት ኣይኦኤም [IOM] ድሕሪ ምሕባሮም፡ ንቤት ፍርዲ ከምዝቐረቡን፡ እቲ ቤት-ፍርዲ ነጻ ከምዝበሎም ይጠቕሱ።
ፖሊስ ግን ፍርዲ ተቐቢሉ ነጻ ከምዘይሰደዶም፡ ካብኦም ገንዘብ ከምዝደለዩ ይሕብሩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ሽግሮም ተፈቲሑ ንኣዲስ ኣበባ ክምለሱ ድማ ትጽቢት ይገብሩ።
ቢቢሲ ካብ ፖሊስ እቲ ከባቢ ምላሽ ንምርካብ ዝበረሮ ጻዕሪ ኣይሰለጠን።
ብሰንኪ ኲናት ሱዳን፡ ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብታ ዳርጋ ከም ሃገሮም ዝቘጽርዋ ሱዳን ንብረቶም ራሕሪሖም ናብ ኵለን ጐረባብቲ ሃገራት ተበታቲኖም፡ ናብ ኤርትራ ከይተረፈ እውን ተመሊሶም እዮም።
እዞም ኤርትራውያን፡ ካብ ኢትዮጵያ ነቒሎም ናብ ኬንያን ዩጋንዳን ክሰግሩ ዝገብርዎ ጕዕዞ ብዙሕ ዝተፈላለየ ጸገማት ከምዘጋጥሞም፡ ክቃላሕ ጸኒሑ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ሓሙሽተ ኤርትራውያን ኣብ ጕዕዞ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ኣብ ኬንያ ኣብ ዝርከብ ቀላይ ቱርካና ሞይቶም ከምዝተረኽቡ ተነጊሩ ነይሩ።
እቲ ሓደጋ 17 ታሕሳስ ለይቲ ከምዘጋጠመን፡ ምስቲ ሓደጋ ብዝተተሓሓዝ ዝዀነ ሰብ ኣብቲ ትሕቲ ቀይዲ ክሳብ ሕጂ ከምዘይኣተወ ይፍለጥ።
ካልኦት ኤርትራውያን ኣብ ከተማ ሎድዋር ኬንያ ረዳኢ ስኢኖም ንኣስታት ሰለስተ ወርሒ ዝኸውን ኣብ መደበራት ፖሊስ ተዳጉኖም ይርከቡ። ካልኦት ሓያለ እውን ኣብ ከም ጊጊሪ ዝተባህሉ ኣብያተ ማእሰርቲ ኬንያ ተመሳሳሊ ህይወት የሕልፉ ከምዘለዉ ቢቢሲ ኣረጋጊጹ እዩ።
እቶም ቈልዓ ሰበይቲ ዝርከብዎም ስደተኛታት ብዘይመግብን ሕክምናን ይሳቐዩ ከምዘለው ዝተረኽበ ሓበሬታት የመልክት።
ኣብዚ እዋን ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታታት ካብ ዓቐን ንላዕሊ ኰይኑ ከምዘሎን፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ጫካታት ኬንያ ተደርብዮም ከምዘለዉ’ውን ይግለጽ። ቍጽሮም ዘይተፈልጠ ድማ ኣብ ኣብ ዝተፈላለዩ መደበራት ፖሊስ ተቐይዶም ኣለዉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







