'ንዓይን ሬሳ ኣደይን ኣብ በረኻ ገዲፎምና'

ብሰንኪ ኣብ ሱዳን ዘሎ ውግእ ተስፋ ዝቘረጹ ሰባት ካብታ ሃገር ንምውጻእ ኣብ ኢድ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ሰባት ክወድቍ ይግደዱ ኣለዉ።
ኣብቲ ነዊሕ ታሪኽ ስደት ኤርትራውያን፡ ኣብ ሱዳን ከም ዳርጋ ሃገሮም ዝነብሩ ዝነበሩ ኣማኢት ኣሽሓት ምዃኖም ዝተፈላለዩ ጸብጻባት የመልክቱ።
ካብ ጽባሕ እቲ ኲናት ዝጀመረሉ እዋን ድማ ካብታ ሃገር ናብ ዝተፈላለያ ጐረባብቲ ሃገራት ዳግማይ ክስደዱን፡ ናብ ኤርትራ ከይተረፈ ክምለሱን ተገዲዶም እዮም።
ብዙሓት ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ካብቲ ደረት ዘይብሉ ግዱድ ዕስክርና ኣምሊጦም ኣብ ሱዳን ተዓቚቦም ንስደት ንሳልሳይ ሃገር ኣብ ዘቋምትሉ ዝነበሩ እዋን፡ ሃንደበት ዝነተጐ ኲናት ሓድሕድ፡ ግዳያት ገይርዎም ኣሎ።
ገለኦም ንግብጺ፡ ገለኦም ብዶባት መተማ ንኢትዮጵያ፡ ገለ ድማ ንደቡብ ሱዳን ሰጊሮም እዮም።
ካብቶም ንኢትዮጵያ ዝኣተዉ ኣሽሓት ኤርትራውያን፡ ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ኬንያ ካብኡ ናብታ ኣብዚ እዋን ብዝሒ ኤርትራውያን ኣዕቊባ ዘላ ዩጋንዳ ክሰግሩ ተራእዮም እዮም።
እዚ ብዘይሕጋዊ መገዲ ብደላሎን ሰምሰርትን ዝግበር ጕዕዞ ግን ቀሊል ኣይኰነን፤ ክንዮ ገንዘብ ህይወት’ውን ይኽፈሎ ኣሎ።
እቲ ኣብ ሚያዝያ 2023፡ ኣብ መንጐ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ህጹጽ ደገፍን ዝተልዓለ ግጭት፡ ዛጊድ ልዕሊ ሸሞንተ ሚልዮን ሰባት ብሓይሊ ከምዝተመዛበሉ ሕቡራት ሃገራት ይሕብር።
ኣብዘን ዝሓለፋ 10 ኣዋርሕ ጥራይ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ዝግመት ህዝቢ ካብ ሱዳን ዶብ ሰጊሮም፡ ግብጺ ከምዝኣተዉ ይግምት።
ብዙሓት ድማ ብውልቂ ይዅን ብስድራ ካብቲ ብሕቡራት ሃገራት "ኣብ ዓለም ዝዓበየ ቅልውላው ምፍንቓል" ክብል ዝገልጾ ግጭት ሱዳን ንምህዳም ይቃለሱን፡ ኣደዳ ኣሰጋገርቲ ይዀኑን ኣለዉ።

እቶም ኣሰጋገርቲ፡ "ንዓይን ሬሳ ኣደይን ኣብ በረኻ ገዲፎምና" ትብል እታ ካብ ሱዳን ናብ ግብጺ ኣብ ዝነበረ ጕዕዞ፡ በቶም ሰምሰርቲ ኣብ በረኻ ዝተደርበየት ሳልማ።
እታ ጓል 25 ዓመት መንእሰይ፡ እታ ዝጓዓዙላ ዝነበሩ ክፉት ዝዝባና መኪና ጽዕነት ተሓምሺሻ፡ ኣደኣ ካብኣ ወዲቓ ከም ዝሞተት ትዛረብ።
"ነቲ መራሕ መኪና ፍጥነቱ ከጕድል ተዛሪብናዮ" ግን ትርጕም ከምዘይነበሮ እትገልጽ ሳልማ፡ እታ 65 ዓመት ዝዕድመኣ ኣደ፡ መኪና ድሕሪ ምግጫዋ ርእሳ ተወቒዓ ብኡንብኡ መይታ እያ።
ንሳ ኣምሪራ እናበኸየት ምስ ኣሕዋታን ዝነበሮም ሒደት ንብረትን ካብታ መኪና ወጸት። እቶም ኣሰጋገርቲ ነቲ ሬሳ እታ ኣደ ምውሳድ ኣብዮም፤ እቲ ዝኸፍኣ ዘሰንበዳ ድማ፡ ጠንጢኖምዎም መኪናኦም ኣልዒሎም ምኻዶም እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መንጐ ወተሃደራዊ መሪሕነት እታ ሃገር ብዝተኻየደ ከቢድ ቍርቍስ ስልጣን ጽዑቕ ውግእ ኣብ ካርቱምን ከባቢኣን ኣለዓዒሉ።
ውግእ ናብታ ሳልማ ትነብረላ ዝነበረት ከተማ ኡምዱርማን እናቐረበ ምስ ከደ፡ "ህይወትና ኣብ ሓደጋ ስለዝወደቐ ክንወጽእ ነይሩና፡" ትብል። ንሳ፡ ብዙሓት ሰባት ናብ ግብጺ ብሕጋዊ መንገዲ ንምጋሽ ቪዛ ምርካብ "ዘይከኣል" ምዃኑ ስለዝነገርዋ፡ ምስ ስድራኣ ካብ ሱዳን ብዘይሕጋዊ መገዲ ንምውጻእ ንሓደ ሰብ ብሕሳብ 300 ዶላር ምስ ዝሓትት ኣሰጋጋሪ ዝርርብ ጀሚራ።
መርበብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት፡ ኣብቲ 1200 ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ ዶብ ግብጽን ሱዳንን ብሰፊሑ ተዘርጊሑ ኣሎ።
እቶም መብዛሕትኦም ደቂ ተባዕትዮ ዝዀኑ ኣሰጋገርቲ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሰሜን ሱዳንን ደቡብ ግብጽን ኣብ ዝርከብ ከባቢታት ኣብ ዕደና ወርቂ ዝነጥፉ እዮም። ኣብቲ ከባቢ ስለዝሰርሑ፡ ነቲ ሰናጭሮን መሰጋገሪታቱን ጽቡቕ ገይሮም እዮም ዝፈልጥዎ፤ ሰባት ንምስግጋር ዝጥቀሙለን መካይን ጽዕነት ድማ ብቐሊሉ እዮም ዝረኽቡ።
እታ ስድራ ናብ ሰሜን ሱዳን እትርከብ ከተማ ጋብጋባ ኣምሪሓ። እዛ ከተማ፡ ሰባት ብኮንትሮባንድ ዶብ ንኽሰግሩ ዝብገሱላ ፍልጥቲ መበገሲት ካብ ምዃና ዝተላዕለ፡ ነበርታ መዓርፎ ነፈርቲ 'ጋብጋባ' ዝብል ቅጽል ሂቦምዋ ኣለዉ።
ስድራ ሳልማ፡ ምድረበዳ ሰጊሮምን ዶብ ግብጺ ብምሕላፍ ናብ ደቡብ ግብጻዊት ከተማ ኣስዋን ክጓዓዙ ምዃኖም ተነጊርዎም። እቲ ሓደጋ ቅድሚ ምኽሳቱ፡ ድሮ ሸሞንተ ሰዓት ተጓዒዞምን፡ ንሓደ ለይቲ ደቂሶምን ነይሮም። ደሓር ግን ኣብ በረኻ፡ ምስ ሒደት መግቢን ማይን ከምኡ’ውን ሬሳ ኣደኦም እናሓለዉ፡ ሳልማ ምስ ኣሕዋታ ተሪፋ።
በዚ መገዲ ካብ ዝሓለፉ ቅድሚ ሕጂ ዘዘራረብናዮ ኤርትራዊ፡ ጕዕዞ ሱዳን ግብጺ ይትረፍ ንፈታዊኻ ነቲ እትጸልኦ ሰብ እውን ኣይትምለነይሉን ክብል ኣምሪሩ ገሊጹ ነይሩ።
ንሱ፡ “ኵሉ ቤተሰብን መቕርብን ንዓና ይዅን ቅድመና ንዝተጓዕዙ ኣሕዋቶም ቤተሰቦም በዚ ንህይወት ዝፈታትን ሓደገኛ ጕዕዞ ንኸይከዱ ይመኽሩና እዮም፡” ብምባል፡
ግን በቲ ግዝያዊ መከራ ስለእንጭነቕ ነቲ ሰብ ዝመኽረና ኣይንሰምዖን ኢና፡ ድሕሪ ምባል፡ “ምስ ፈተንናዮ ግን ‘ኦ ኣምላኸይ ንካልኣይ ግዜ ኣብ ከምዚ ዓይነት መከራ ኣይተእትወኒ’ ኢና ንብል፡” ክብል ንክብደትን ሓደገኛነትን እቲ ጕዕዞ ኣረዲኡ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እዞም ኣሕዋትን ሬሳ ኣደኦምን ኣብ በረኻ ንሰዓታት ድሕሪ ምጽባይ፡ ሳልማ ንሓንቲ ትሓልፍ ዝነበረት መኪና ጽዕነት ለሚና ደው ኣበላታ። ነቲ ካብ ግብጺ ናብ ሱዳን መግብን ኣቑሑት ኤሌክትሪክን ዘመላልስ በዓል መኪና፡ ምስ ሬሳ ኣደኦም ናብታ ኣቐዲሞም ዝሓደሩላ ከተማ ኣቡ ሓማድ ክወስዶም ለሚና ኣእመነቶ።
ኣቡ ሓማድ በጺሖም ድማ፡ ነታ ኣደ ኣብኡ ቀበርዋ።
ሰባት ኣብ መጀመርታ ክዛረቡ ፍቓደኛታት ኣይነበሩን፤ ሓንሳእ ኣፎም ምስ ከፈቱ ግን እዚ ተጓንፎ ስድራ ሳልማ ዳርጋ ልሙድ ዛንታ ኰይኑ እዩ ጸኒሑ። ኣብቲ ከባቢ ሓደጋታት ብተደጋጋሚ ከምዘጋጥምን ካብቲ ዛንታታት ምርድእ ይከኣል።
መብዛሕትኡ ግዜ ኣሰጋገርቲ ካብ ፖሊስን ጸጥታን ንምህዳም ነተን ዝባነን ክፉታት ዝዀና መካይን ብዝለዓለ ፍጥነት እናወንጨፉ እዮም ዶብ ዝሰግሩ፤ ኣብ ከምዚ ድማ ዘይተ’ኣደነ ሓደጋታት የጋጥም።
ኣብ ከምዚ ጕዕዞ ተመኵሮ’ኡ ዘካፈለ ኤርትራዊ፡ ኣብ ዶብ ግብጺ ምስ በጽሑ፡16-17 ዝዕደመኦም ዓቕመ ኣዳም ዘይበጽሑ ሓላፍነት ክስከሙ ዘይክእሉ ኮተቴ ክልተ መካይን ሒዞም ከምዝተቐበልዎም ኣዘንትዩ ነይሩ።
“ገለ ዓይነት ሽታ ዘለዎ ቈጽሊ እዮም ዘትክኹ፤ ጨናኡ ጥራይ’ዩ ዕግርግር ዘብለካ። ኣብቲ ዶብ ሓደ ሰዓት ዝኸውን ምስ ኣዕረፍና ኣበጊሶምና። እቲ መገዲ ኣዝዩ ድኹም ሓመድን ደቦቕቦቃን እዩ። ሽዑ ሕጂ ‘ጽቡቕ ጌርኩም ሓዙ፡ ኣይትደቅሱ፡ ዝዀነ ካባኹም እንተወዲቝ ጠጠው ኣይንብል ኢና’ ኢሎም ኣፈራሪሖምና።
“ነተን መካይን ኣብ መንጐ ሰማይን መሬትን እዮም ዘንፍሩወን። ነንዝረኸብናያ ንእሽተይ መትሓዚ ኣጽኒዕና ሒዝና ‘እግዚኦ መሓረነ’ እናበልና ኢና ተጓዒዝና። ፍጥነት ናይተን መካይን ኣብ መኪና ድየ ዘለኹ ኣብ ነፋሪት ዘብል እዩ።
ኣብቲ መገዲ ዝተገምጠላ መካይ፞ን ዝተበታተነ ጫማን ደም ዝተጸየቐ ክዳውንትን እናረኣና ኢና ንጓዓዝ። ንዕኡ ምስ ረኣኻ ልብኻ ግምጥልጥል’ዩ ዝብለካ። ንሕና እውን ውዒልና ሓዲርና ከይንግምጠል እናሰጋእና ንረብና እናለመንና ተጓዒዝና። እንተ ንሳቶም ሰብ ዝጸዓኑ እውን ኣይመስሎምን - ፈጺሙ እዩ ቅጭጭ ዘይብሎም፤ እናሰሓቑ እናወጨጩ እዮም ዝሕምበቡ፡” ይብል።

ሓደ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ካይሮ ዝርከብ ኢብራሂም* ዝተባህለ ሰብኣይ፡ ካብ ሱዳን ብኮንትሮባንድ ዶብ ክሰግር እንከሎ፡ እታ ዝጓዓዙላ ዝነበሩ መኪና ኣብ ከውሒ ድሕሪ ምግጫዋ ሓደ ሰብኣይ ክሳዱ ተጓዕጺጹ ከም ዝሞተ የዘንቱ።
ኢብራሂም ከም ዝብሎ፡ እቲ ሰብኣይ በይኑ - ብዘይ ናይ ቀረባ ቤተሰቡ - እኳ እንተነበረ፡ እቶም ተጓዓዝቲ ብሓባር ኣብ ልዕሊቶም ሰምሰርቲ ተሪር ተቓውሞ ገበሩ፤ ንሳቶም ግን እቲ ሬሳ ኣብቲ በረኻ ቀቢሮም ጕዕዞም ቀጸሉ።
"ሽዑ ኵሉ ሰብ ሰንቢዱ። ኣነ ድማ ብመስኮት ናብቲ ምልክት ዘይብሉ መቓብር እናጠመትኩ፡ እተን ምሳና ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ድማ ይበኽያ ነበራ" ይብል ኢብራሂም።
ዝምታ ልሙድ እዩ። ጓል 60 ዓመት ሓሊማ፡ ናብ ግብጺ ቅድሚ ምእታዋ፡ ምስ ስድራኣ ብኣሰጋገርቲ ኣብ ዝተጓዕዘትሉ እዋን ሕማቕ ተመኵሮ ከምዘጋጠማ ትዛረብ።
"እታ መኪና ምስ ተበላሸወት ብኣርባዕተ ገጾም ዝተሸፈኑ ዕጡቓት መጥቃዕቲ ኣጋጢሙና። ካልእ መኪና መጺኣ ሰጋእ ክሳብ ዝብሉ ድማ፡ ሓንሳእ ንላዕሊ ተኲሶም፡ ንጓለይ ጸፊዖም፡ ንብረትና ሰሪቘም" ትብል፤ ዕድል ገይሮም መራሕ መኪና ሐራይ ኢልዎም ድማ፡ ሒዝዎም ዶብ ሰገረ።
ሓሊማ፡ እታ ጓል 25 ዓመት ጓላ ግን ኣብ ጕዕዞ ኣዝያ ከም ዝተናወጸትን ግብጺ ምስ ኣተዉ ንጽባሒቱ ከም ዝሞተት ትዛረብ።
"ስንባደ ስለዘጋጠማ ከተስተንፍስ ኣይከኣለት" ትብል፡ ሕክምናዊ ሓገዝ ኣብ ግዚኡ ክትረክብ ከምዘይከኣለት ትዛረብ። ቢቢሲ ቅዳሕ ናይቲ ወረቐት ምስክር ሞት ርእይዎ ኣሎ። እዚ ድማ ጸገም ስርዓተ ምስትንፋስ ከም ጠንቂ ሞት ይጠቅስ።
እቲ ኤርትራዊ ብወገኑ፡ “ኣብ ሓደ ዓቢ መኽዘን ኣራጊፎም ነንእሽቶ ዝብላዕ ሂቦሙና፤ ሰረቕትን ሸፋቱን ኣለው ስለዝበሃል እቲ መኽዘን ብሰብ ብሬን ዕጡቓት እዩ ዝሕሎ። እቶም ዕጡቓት ከኣ ዋላ ሓንቲ ከይረኣዩ ንኸሰናብዱኻ ጥራይ ስቕ ኢሎም እዮም ንሰማይ ዝትኩሱ፡ ይብል እሞ፡ ካብኡ ናብ ካይሮ ምኻድ ቀሊል ከምዘይኰነ ይዘንቱ።
“ሽዑ እቲ ዘዝኸፈለ ካብቲ መኽዘን ወጺኡ ብባቡር ናብ ካይሮ ይኸይድ፤ ኣብ መገዲ ፖሊስ እንተሒዞምኻ ግን ናብ ዓድኻ እዮም ዝጥርዙኻ። ቅድመና “ንኤርትራ ዝተጠረዙ” ከምዘለው ንሰምዕ ስለዝነበረና ንዅሉ ጕዕዞና ብሽቝረራ ኢና ሓሊፍናዮ ይብል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ንምቍጽጻር ብዛዕባ ዝግበር ጻዕሪታት መንግስቲ ግብጺ ንምፍላጥ ዝተገብረ ፈተነ ቢቢሲ፡ ብሰበስልጣን እታ ሃገር ምላሽ ኣይረኸበን።
ቈንስል ሱዳን ኣብ ኣስዋን ዓብደልቓድር ዓብደላ፡ ብዘይቪዛ ዶብ ምስጋር ዘይሕጋዊ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ እቲ ጕዕዞ ዘስዕቦ ሓደጋታት ኣመልኪቶም ሰብስልጣን ጐስጓሳት መጠንቀቕታ ከካይዱ ከምዝጸንሑ ሓቢሩ።
ደቀንስትዮን ህጻናትን፡ ንግብጺ ብዘይቪዛ ክኣትዉ ፍቝድ’ኳ እንተነበረ፡ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ድሕሪ ምብርዑ ግን፡ መንግስቲ ግብጺ ነቲ መስርሕ ከምዘትረሮ ይንገር። ካብቲ ግጭት ንምህዳም ጠለብ ቪዛ ግብጺ ልዑል ምዃኑ ድማ ይፍለጥ።
ቪዛ ዘመልክቱ ሰባት፡ ንሰዓታት ሪጋ ክጽበዩ ይግደዱ። ድሕሪ ምምልካት እውን፡ እቲ ሕቶ ቅቡል ድዩ ኣይኰነን ውሳነ ንምርካብ ኣዋርሕ ክወስድ ይኽእል። እቶም ተመዛቢሎምን ውሑድ ገንዘብ ሒዞምን ኣብ ከም ዋዲ ሓልፋ ቪዛ ዝጽበዩ ሰባት፡ ኣብ ዝረከብዎ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ይዅን ኣብ ጐደናታት ክድቅሱ ይግደዱ።
እቶም ካብ ሱዳን ክወጽኡ ዝወሰኑ ሰባት እቲ ምጽባይ ስለዝነውሖምን ገንዘቦም ስለዝውድኡን ነቲ ኣብ መወዳእታ’ውን ውሳነኡ ዘይፍለጥ ሕቶ ቪዛ ስቕ ኢሎም ክጽበዩ ዓቕሊ ይስእኑ፤ ዘይሕጋዊ ምስጋር ዶብ ይመርጹ።
ሳልማ እዋን ናብ ፖርት ሱዳን ተጓዒዛ ኣብኡ ኣብ ዝርከብ ቆንስል ግብጺ ቪዛ ሓቲታ ነይራ፤
ንኽልተ ወርሒ ድሕሪ ምጽባይ ግን ተስፋ ቈሪጻ ነቲ ዘይሕጋዊ መንገዲ መሪጻ። ብዙሓት ድማ ቪዛ ሓንሳእ ምስተነጽጐም ክጽበዩ ዓቕሚን ዓቕሊን ይስእኑ’ሞ፡ በተን ዝተረፋ’ኦም ሒደት ገንዘብ ንደላሎን ኣሰጋገርቲን ክዀናኦም ይውስኑ።
ድሕሪ’ዚ ውሳነ እውን፡ ኣብ ዋጋን ግዜ ምብጋስን ካልእን ምስ ዝተፈላለዩ ኣሰጋገርቲ ክትዘራረብ ግድን እዩ። ሳልማ፡ ንመገዲ ዝኸውን ግዝያዊ መግቢታትን ማይን ኣዳሊና ተጸቢና፡ ዶብ ግብጺ ክሳብ ንሰግር ድማ ኣብቲ ምድረበዳ 6 መዓልታት ጸኒሕና ትብል።

ኣብ ግብጺ ምስ ኣተኻ’ውን፡ እቲ ጸገም ብኡ ዝውዳእ ኣይኰነን። ወረቐት ስደተኛ እንተዘይብልካ ወይ ከተመልክት ቆጸራ ከም ዝሓዝካ መረጋገጺ እንተዘይብልካ፡ ንሃገርካ ምስጓግ’ውን ከምተኽእሎ ኣብ ቅድመኻ ኣሎ።
ቆጸራ ንምሓዝ ድማ ናብ ካይሮ ወይ ናብ ኣሌክሳንድራ ምጋሽ ግድን እዩ።
ኣብ ካይሮ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ መብዛሕትኦም ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝዀኑ ካብ ሱዳን ዝተፈናቐሉ ኣሽሓት ስደተኛታት፡ ንምምዝጋብን ነታ ‘ብጫ ካርድ’ ንምርካብን ነዊሕ ሰዓታት ይጽበዩ።
"እቲ ሓንሳእ ምዝጉብ ስደተኛ ምስ ኰንካ እትረኽቦ ቢጫ ካርድ፡ ብሕጋዊ መንገዲ ስራሕ ይዅን ካብ ሕቡራት ሃገራት ወርሓዊ ገንዘብ ክትረክብ የኽእለካ" ክትብል ሓሊማ ትገልጽ።
እዚ ግን ክሳብ ክንድኡ ቀሊል ከምዘይኰነ እዮም ሓያለ ስደተኛታት ዝገልጹ።
ምስ ሰለስተ ወለዶ ስድራኣ - ደቃን ወለዳን ዝርከብዎም 17 ኣባላት - ኣብ ዝሓለፈ ክራማት ግብጺ ዝኣተወት ኢብቲሳም፡ ቢጫ ካርድ ሒዞም ከብቅዑ ዛጊት ዝዀነ ሓገዝ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት ከምዘይረኸቡ ትገልጽ።
ወሃቢት ቃል ዩኤንኤችሲኣር ክርስቲን ቢሻይ፡ ኣብ ግብጺ ዝኣተዉ ካብ ሱዳን ዝመተፈናቐሉ ስደተኛታት ዝስምዖም ብስጭትን ስቓይን ቅቡል ምዃኑ ብምእማን፡ እንተዀነ እቲ ትካል ከቢድ "ሕጽረት ገንዘብ ኣጋጢምዎ" ከምዘሎ ኣፍሊጣ።
"ዓቕምና ብ900 ሚእታዊት ኣስፊሕናዮ ኣለና። ቀዳምነት ክንህቦ ዘለና ክንሓስብ ግን ግድን እዩ፡” ብምባል፡ "ብሓገዝ ቀይሕ ወርሒ ግብጺ ኣብ ዶብ በጺሖም ንዝተሸገሩ ስደተኛታት ኣገልግሎት ሕክምና ንህብ ኣለና" ኢላ።
እዚ ዅሉ ሰጊርካ፡ ኣብ ግብጺ ሓድሽ ህይወት ክትምስርት ከኣ ርእሱ ዝኸኣለ ካልእ ብድሆታት ዘለዎ ሕልኽላኽ እዩ። ቈልዑ ዝሓዛን ዘተኣማምን ኣታዊ ዘይብለንን ኣደታት ብፍላይ ኣመና ተሸጊረን ከምዘለዋ ይንገር። እዚ ይዅን ግን ካልእ ዝርእያኦ ኣማራጺ ኣብ ቅድመአን የለን።
*ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ኣስማት ተመዛበልቲ ንድሕነቶም ተባሂሉ ተቐይሩ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







