ኣብ ሱዳን ምፅናት ዓሌት ተፈፂሙ ክኸውን ይኽእል’ዩ - ሓድሽ ፀብፃብ

ሓይልታት ወሃቢ ህፁፅ ደገፍ ኣብዚ ኲናት ሕድሕድ ምፅፃይ ዓሌት ብምፍፃም ይኽሰሱ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ሓይልታት ወሃቢ ህፁፅ ደገፍ ኣብዚ ኲናት ሕድሕድ ምፅፃይ ዓሌት ብምፍፃም ይኽሰሱ

ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ዝቐፀለ ኵናት ሕድሕድ ሱዳን፡ ኣብታ ኣብ ምዕራብ ዳርፉር ትርከብ ከተማ ኤል ጀኒና ምፅናት ዓሌት ተፈፂሙ ክኸውን ከም ዝኽእል ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ፡ ኣብ ከተማ ኤል ጀኒና ኣብ ልዕሊ ዓሌት ማሳሊትን ዓረብ ዘይኮኑ ማሕበረሰብን ምጽናት ዓሌትን ገበናት ኣንፃር ሰብኣውነትን ብሓይልታት ወሃቢ ህፁፅ ደገፍን ዓረብ መሻርኽቱን ከም ዝተፈፀመ ገሊፁ።

ፀብፃብ ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ነቲ ብሕመድቲ ዝፍለጥ መራሒ ሓይሊ ወሃቢ ህፁፅ ደገፍ መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ሓዊሱ ነዞም ግፍዕታት ተሓተትቲ ኣብ ልዕሊ ዝኾኑ ሰባት ማዕቐብ ክግበር ፀዊዑ ኣሎ።

ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኤል-ጀኒና ኣስታት 15 ሽሕ ሰባት ተቐቲሎም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ይገልፅ።

መጠንቀቕታ: እዚ ፀብፃብ ንገለ ኣንበብቲ ዘሻቕሉ ዛንታታት ዝሓዘ እዩ።

እቲ ጸብጻብ፡ ብሓይሊ ወሃቢ ህፁፅ ደገፍን መሻርኽቱ ምልሻታትን፡ ዓሌት ማሳሊት ካብ ኤል ጀኒና ንምእላይ ዝተዋደደ ጎስጓስ ከም ዝተገበረ መርትዖታት ሰኒዱ ኣሎ።

መሰኻኽር፡ ሓይሊ ወሃቢ ህፁፅ ደገፍ፡ ካብታ ዓቕላ ዝፀበባ ከተማ ካብ ዓሌታዊ ጎንፂ ክሃድሙ ንዝፈተኑ ደቂ ተባዕትዮ፣ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ብኸመይ ከቢቦም ብጥይት ከም ዝቐተሉ ገሊፆም።

እቲ 218 ገፃት ዝሓዘ ፀብፃብ ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ካብ ወርሒ ሚያዝያ ክሳብ ሕዳር 2023፡ ብውሕዱ “ኣሽሓት ሰባት” ከም ዝተቐተሉን “ኣማኢት ኣሽሓት” ስደተኛታት ኮይኖም ከም ዝተረፉን ይሕብር።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

“እዚ ፍፃመታት፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ሱዳን ይካየድ ኣብ ዘሎ ኵናት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ካብ መንጎ ዝተፈፀሙ ግፍዕታት እቲ ዝሓሰመ” ከም ዝኾነ ፀብፃብ ሂዩማን ራይትስ ዎች ገሊፁ።

ኣሜሪካን ኣኽበርቲ ሕጊ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበነኛታትን ኣብ ዳርፉር ገበናት ኵናት ከም ዝተፈፀመ ዋላ’ኳ እንተሓበሩ፡ ብፍሉይ ምፅናት ዓሌት ከም ዝተፈፀመ ግና ኣይገለፁን።

ቢቢሲ፡ ኣብ ኤል ጀኒና ግዳያት ዓሌታዊ ጎንፂ ከም ዝኾኑ ንዝገለፁ ሰባት ኣዘራሪቡ።

ሓደ ሰብኣይ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እታ ከተማ መጥቃዕቲ ምስ ተፈፀመ ናብ ሓደ መተኣኻኸቢ ቦታ ናብ ዝሃደሙ ሰባት ከም ዝተፀንበረ ገሊፁልና። ንሱ፡ ሓይሊታት ወሃቢ ህፁፅ ደገፍ ኣብቲ ከባቢ መደበር ከም ዘለዉን፡ ነዚ ሙዳሪስ ዝተብሃለ ከባቢ ሃንደበት ብከቢድ ብረት ክድብድቡ ከም ዝጀመሩን ሓቢሩ።

“ንኩሎም ዝሞቱ ሰባት ምሸት ቀቢርናዮም። ሓደ መዓልቲ 186 ሰባት፣ ካልእ መዓልቲ 80፣ ካልእ መዓልቲ ድማ 50 ሰባት ቀቢርና” ኢሉ።

እቲ ሽሙ ከይንጠቕሶ ዝሓተተ ሰብኣይ፡ ሕዚ ኣብ ጎረቤት ሃገር ቻድ እዩ ኣዕቊቡ ዝርከብ።

ዕጡቓት ንበዓልቲ ገዝኡ እናዋረዱ ከም ዝዓመፅዋ ድማ ንቢቢሲ ገሊፁ። “ሕዚ ንሕና ኢና ሰብኣይኪ፣ ኩሎም ኣዝማድኪ ተቐቲሎም እዮም። ንኣንስትና ሰራሕተኛአን ክትኾንን ገዛና ከተፅርይን ትኽእሊ ኢኺ” ኢሎማ ይብል።

ሓይልታት ወሃቢ ህፁፅ ደገፍን ሚሊሻታትን፡ ኣንፃር ማሳሊትን ካልኦት ዓሌትን፡ ዘዋርዱ ዓሌታዊ ፀርፊ ከም ዝተጠቐሙን፡ ነቶም ግዳያት፡ እቲ መሬት ናቶም ከም ዘይነበረን “መሬት ኣዕራብ” ክኸውን እዩ ከም ዝበልዎምን፡ ፀብፃብ ሂዩማን ራይትስ ዎች ገሊፁ።

እቶም ዝፍፀሙ መጥቃዕትታት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 15 ሰነ ብዝተፈፀመ ጃምላዊ ጨፍጫፍ ሰማይ ከም ዝዓረጉ ዝሕብር እቲ ትካል ተሓላቒ መሰላት፡ ኣብታ ዕለት ሓይልታት ወሃቢ ህፁፅ ደገፍ ኣብ ፀበባ ኮይኖም ብኮሎኛ ክሃድሙ ይፍትኑ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ሰላማውያን ሰባት ተዂሲ ከም ዝኸፈቱ ገሊፁ።

ሓደ ወዲ 17 ዓመት ሰገን፡ ካብ ዝተፈላለዩ ስድራ ቤታት 12 ቆልዑን ሓሙሽተ ኣባፅሕን ከም ዝተቐተሉ ንሂዩማን ራይትስ ዎች ገሊፁ። “ክልተ ኣባላት ሓይሊ ወሃቢ ህፁፅ ደገፍ… ነቶም ህፃናት ካብ ወለዶም መንዚዐሞም፤ እቶም ወለዲ እናእወዩ እንከለዉ ድማ ካልኦት ክልተ ኣባላት ሓይሊ ወሃቢ ህፁፅ ደገፍ ተኲሶም ቀቲለሞም። ካብኡ ነቶም ህፃናት ኣኪቦም ብጥይት ተኲሶም ቀቲለሞም። ሬስኦም ናብ ሩባ ደርብየሞ፤ ንብረቶም እውን ደድሕሪኦም ኣስዒቦሞ”።

እዚ ሕዚ ዘሎ ጎንፂ፡ ኣብ መንጎ ንዓሌት ማሳሊት፡ ከምኡ'ውን ዓረባዊ መበቆል ዘይብሎም ሓረስቶት ማሕበረሰብን ጓሶት ማሕበረሰብ ዓረብን ካብ ዝነበረ ታሪኻዊ ናይ ጥቕሚ ጎንፂ ዝብገስ እዩ።

እዞም ወጥርታት በቲ ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ መንግስቲ ዖማር ኣል በሽር ተቐይዶም ነይሮም እዮም። ኣብ ክልተ ሽሓት ንዝነበረ ኣብያ ማሳሊት ንምግታእ ብጃንጃዊድ ዝፍለጡ ሚሊሻታት ዓረብ ፈጢሩ፤ ካብኡ ድማ ኣብ መወዳእታ ሓይልታት ወሃቢ ህፁፅ ደገፍ ተመስሪቱ። ቅድሚ 20 ዓመታት ካብ መጥቃዕቲ ጃንጃዊድ ዝሃደሙ ሰባት ኣብ ከተማ ኤል ጀኒና መዓስከር ተመዛበልቲ ኣፅሊሎም።

ኵናት ሕድሕድ ሱዳን ድማ እዚ ጎንፂ ዳግማይ ክውላዕ ምኽንያት ኰይኑ። ኣብ መንጎ መራሕቲ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃንን መራሒ ሓይሊ ወሃቢ ህፁፅ ደገፍ ጀነራል ሕመድቲን ንስልጣን ዝግበር ቁርቁስ እዩ ጀሚሩ፤ ካብ ሻቡ ንነዘ ግና ካልኦት ዓሌታውያን ሚሊሻታት እውን ናብቲ ጎንፂ ክፅንበሩ ደሪኹ ኣሎ።

ሚሊሻታት ጃንጃዊድ፡ ኣብ ዳርፉር ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዓመፅን ይኽሰሱ

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

መግለጺ ስእሊ, ሚሊሻታት ጃንጃዊድ፡ ኣብ ዳርፉር ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዓመፅን ይኽሰሱ

ጀነራል ሕመድቲ ተቓለስቱ ኰነ ኢሎም ንሰላማውያን ሰባት ከም ዘየጥቅዑ እዩ ዝገልፅ።

ፀብፃብ ሂዩማን ራይትስ ዎች ግና፡ ሕመድቲ ነቶም ግፍዕታት ናይ ዝፈፀሙ ሓይልታት ናይ ምእዛዝ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ገሊፁ።

ሂዩማን ራይትስ ዎች ነዚ ፀብፃብ ንምድላው ካብ ሰነ 2023 ክሳብ ሚያዝያ 2024 ኣብ ዘሎ እዋን፡ ንልዕሊ 220 ኣብ ቻድ፣ ዩጋንዳ፣ ኬንያን ደቡብ ሱዳንን ኣዕቑቦም ዝርከቡ ሱዳናውያን ቃለ መሕትት ገይሩ እዩ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ነዞም ፍፃመታት ዘርእዩ ልዕሊ 120 ስእልታትን ቪድዮታትን፣ ምስልታት ሳትላይት፣ ካብ ሰብኣዊ ትካላት ዝተልኣኹ ሰነዳትን ገምጊሙ ብምትንታን፡ ነቶም ዝተፈፀሙ ግህሰታት ኣረጋጊፁ።

እቲ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰል፡ ንዓሌት ማሳሊት ናይ ምጥፋእ ዕላማ እንተልዩ ንምፍላጥ ተወሰኽቲ ምርመራታት ክካየድ ድማ ፀዊዑ፤ እዚ ድማ ምፅናት ዓሌት ዘመልክት እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰነ፡ ኣመሓዳሪ ምዕራብ ዳርፉር ኻሚስ ኣባካር ንሓይሊ ወሃቢ ህፁፅ ደገፍ ምፅናት ዓሌት ብምፍፃም ምኽሳሱ ስዒቡ፡ ድሕሪ ዝተወሰኑ ሰዓታት ከም ዝተቐተለ ይዝከር። እቲ ኵናት ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ካብ ዝውላዕ ንነዘ ዝተቐተለ እንኮ ላዕለዋይ ሓላፊ እዩ። ሓይሊ ወሃቢ ህፁፅ ደገፍ ኣብቲ “ዓሌታዊ ጎንፂ” ኢሉ ዝገለፆ ናይ ዳርፉር ‘ጨፍጫፍ’ ከም ዘይተሳተፈ ይገልፅ።