ቤት ፍርዲ ሕቡራት ሃገራት እስራኤል ኣብ ራፋሕ ተካይዶ መጥቃዕቲ ደው ከተብል ኣዚዙ

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሕቡራት ሃገራት እስራኤል ኣብ ራፋሕ ተካይዶ መጥቃዕቲ ደው ከተብል ኣዚዙ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፍትሒ ሕቡራት ሃገራት [International Court of Justice (ICJ)] እስራኤል ኣብ ልዕሊ ራፋሕ ተካይዶ ዘላ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ‘ብቕጽበት’ ደው ከተብል ኣዚዙ።

እዚ ቤት ፍርዲ እዚ ነቲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ እስራኤል ኣብ ቓዛ ‘ምጽናት ዓሌት’ ተካይድ ኣላ ኢላ ዘቕረበቶ ክሲ ብምድጋፍ’ዩ ነዚ ውሳነ ሂቡ።

ማእከላይ ዳኛ እቲ ቤት ፍርዲ ንዋፍ ሳላም፡ እቲ ቤት ፍርዲ ኣቐዲሙ እስራኤል እቲ ኣብ ራፋሕ ዘሎ ኩነታት ንኽመሓይሽ ስጉምትታት ክትወስድ ውሳነ ካብ ዘመሓላልፍ ክሳብ ሕጂ፡ ብወገን እስራኤል ዝተወሰደ እወታዊ ስጉምቲ ብዘይምህላዉ እቲ ኩነታት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናኸፈአ ይኽይድ ምህላዉ ኣብሪሁ።

እስራኤል ነቲ ኣቐዲሙ በቲ ቤት ፍርዲ ዝቐረበላ ክሲ ብትሪ ብምንጻግ፤ ብሕጂ ዝመጽእ ዝዀነ ነገር ነቲ ጀሚራቶ ዘላ ስርሒት ክሳብ ትውድእ ከም ዘይትቕበሎ ገሊጻ ምንባራ ዝዝከር’ዩ።

እቲ ቤት ፍርዲ ትማሊ ኣብ ዘመሓላለፎ ትእዛዝ “እስራኤል ነቲ ኣብ ራፋሕ ተካይዶ ዘላ ወተሃደራዊ ስርሒታት ብቅጽበት ደው ከተብሎ ኣለዋ” ብምባል እስራኤል ዝዀነ ኣብ ልዕሊ ፍሊስጤማውያን ኣካላዊ ዕንወት ዘኸትል ስጉምቲ ደው ከተብሎ ኣለዋ ኢሉ።

እቲ ቤት ፍርዲ ብተወሳኺ እስራኤል ናብ ቓዛ ዝኣቱ ረድኤትን ኣብቲ ቦታ ነቲ ዝቐርብ ዘሎ ክሲ ምጽናት ዓሌት ክምርምር ዝኣቱ ዝዀነ ኣካል ሕብራት ሃገራት ከይትኽልክል ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

እስራኤል እቲ ኣብ ልዕሊ ኣብ ቓዛ ዝርከቡ ፍሊስጤማውያን ትፍጽሞ ዘላ መጥቃዕትታት፡ ደቡብ ኣፍሪቃ 'ምጽናት ዓሌት' ተባሂሉ ክግለጽ ከም ዘለዎ’ያ ትጽውዕ።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፍትሒ ሕቡራት ሃገራት እቲ ኣብ ቓዛ ኣጋጢሙ ዘላ ሰብኣዊ ቕልውላው ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ’ውን እቲ ኩነታት “መቕዘፍቲ ኢልካ ክግለጽ ዝከኣል’ዩ” ኢሉ።

እስራኤል ድሕሪ ውሳነ እዚ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ንውሳነ እቲ ቤት ፍርዲ ብምንጻግ ከሉ እቲ ተካይዶ ዘላ ወተሃደራዊ ስርሒታት ንዓለምለኻዊ ሕጋጋት ዘማእከለን ብኡኡ ዝተመርሐን ከም ዝዀነ ገሊጻ።

ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት እስራኤል ዛቺ ሃነግቢ ምስ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ብምዃን ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ “እስራኤል ኣብ ራፋሕ ኣብ ልዕሊ ሰለማዊ ህዝቢ ፍልስጤም ዕንወት ዘኸተለ ወተሃደራዊ ስርሒት ኣየካየደትን ብሕጂ’ውን ኣይከተካይድን’ያ” ብምባል ቅድሚ ሕጂ ዘካየድዎ መጥቃዕትታት’ውን ንሰለማውያን ሰባት ዝዓለመ ከም ዘይኰነ ገሊጹ።

እንተዀነ እስራኤል፡ ኣብ ራፋሕን ካልእን ቦታታትን ተካይዶ ዘላ ወተሃደራዊ ስርሒታት ክትቅጽሎ ከም ዝዀነት በኒ ጋንትዝ ገሊጹ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣምባሳደር ፍሊስጤም ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሪያድ ሞንሱር ነቲ ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሕቡራት ሃገራት ዝተውሃበ ትእሳዝ ብምንኣድ፡ እስራኤል ብዓለምለኻዊ ሕግን ብውሳነ እቲ ቤት ፍርድን ክትምእዘዝ ጸዊዑ።

እቲ ኣምባሳደር “ንሕና ውሳነ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፍትሒ ሕቡራት ሃገራት ብዘይ ዝኾነ ነግ ፈረግ ክትግበር ኢና ትጽቢት ንገብር” ድሕሪ ምባል “ እዚ ግድነት’ዩ እስራኤል’ውን ኣካል ናይቲ ስምምዕ’ያ” ኢሉ።

እስራኤል ትማሊ 24 ግንቢት ኣብ ራፋሕ ዝፈጸመቶ ናይ ኣየር ደብዳብ ዝፈጠሮ ትኪ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, እስራኤል ትማሊ 24 ግንቢት ኣብ ራፋሕ ዝፈጸመቶ ናይ ኣየር ደብዳብ ዝፈጠሮ ትኪ

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፍትሒ ሕብራት ሃገራት፡ እስራኤል ኣብ ራፋሕ ተካይዶ ዘላ ወተሃደራዊ ስርሒታት ብቅጽበት ደው ከተብሎ ውሳነ ምስ ኣመሓላለፈ፡ ድሕሪ ደቃይቕ ወተሃደራውያን ነፈርቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኣብ ራፋሕ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ሻቦራ ደብዳብ ፈጺመን።

እቲ ደብዳብ ጻዕቂ ስለ ዝነበሮ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ናብቲ ቦታ ክኸዱ ከም ዘይክኣሉ ነበርቲ እቲ ከባቢ ንቢቢሲ ገሊጾም።

እስራኤል፡ ነቶም ተሪፎም ዘለዉ ኣባላት ሓማስ ንምድምሳስ ብዝብል ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን’ያ ኣብ ልዕሊ ራፋሕ ወተሃደራዊ ስርሒታት ጀሚራ።

ብዘይካ’ዚ እስራኤል እቶም ብሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ዝተጨወዩ ሰባት ኣብ ራፋሕ ኣለዉ ዝብል እምነት’ዩ ዘለዋ።

እስራኤል ኣብ ራፋሕ ወተሃደራዊ ስርሒታት ከተካይድ ካብ እትጅምር ልዕሊ 800 ሽሕ ሰባት ካብቲ ቦታ ከም ዝተፈናቐሉ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

ኣብቲ ቦታ ካብ ካልእ ክፋላት ቓዛ ዝተፈናቐሉ ኣስታት 1.5 ሚልዮን ሰባት ተዓቐዒቦም ከም ዘለዉ’ዩ ዝግለጽ።

እቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ብታሕሳስ “እስራኤል ኣብ ቓዛ ምጽናት ዓሌት ትፍጽም ኣላ” ዝብል ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፍትሒ ሕቡራት ሃገራት ዘቕረበቶ ክሲ ገና ኣብ መስርሕ ምምርማር ከም ዘሎ’ዩ እቲ ቤት ፍርዲ ገሊጹ ዘሎ።

ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምፍናው ኣስታት 1200 ሰባት ቀቲሊ 252 ሰባት ጅሆ ምስ ሓዘ’ያ እስራኤል ኣብ ቓዛ ወተሃደራዊ ስርሒታት ጀሚራ።

እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ብውሕዱ 35 ሽሕን 800 ፍሊስጤማውያን ከም ዝተቐተሉ ኣብ ቓዛ ዝርከብ ብሓመስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ይሕብር።