ኣየርላንድ፡ ኖርወይን ስጳኛን ንፍልስጤም ከም ሃገር ኣፍልጦ ክህብኣ እየን

ባንዴራ ፍልስጤም

ምንጪ ስእሊ, EPA

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ሃገራት ኣየርላንድ፡ ኖርወይን ስጳኛን ንፍልስጤም ከም ሃገር ኣፍልጦ ክህባ ምዃነን ወግዓዊ ገይረን።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኖርወይ ጆናስ ጋህር ስቶር፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣየርላንድ ሳይመን ሃሪስ ከምኡ’ውን ቀዳማይ ሚኒስተር ስጳኛ ፔድሮ ሳንቸዝ፡ ንፍልስጤም ከም ሃገር ኣፍልጦ ክህቡዋ ምዃኖም ብወግዒ ኣፍሊጦም ኣለው።

ንምስረታ ሃገረ ፍልስጤም ዝድግፋ ሃገራት፡ እቲ መስርሕ ኣብ መንጐ እስራኤላውያንን ፍልስጤማውያንን ንዝግበር ዘሎ ዝርርብ ሰላም ንክስጕም ከም ዝሕግዝ ይኣምና።

እስራኤል ግን እዚ ውሳነ፡ ዘይምርግጋእ ንክውስኽ ዝገብር እዩ ብምባል ትቃወሞ።

ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ እስራኤል ብትዊተር ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ንፍልስጤም ከም ሃገር ኣፍልጦ ምሃብ “ናብ ዝያዳ ግብረ ራዕዲን ዞባዊ ዘይምርግጋእን ዝመርሕን ንክውንነት ሰላም ዝዓግትን’ዩ” ኢሉ።

ወሲኹ፡ “ኣብ ኢድ ሓማስ መሳርሒ ኣይትዅኑ። ቀጥታዊ ሰፊሕ ዞባዊ ልዝባት ብምክያድ ጥራይ’ዩ ለውጢ ክመጽእ ዝኽእል” ይብል።

ኣብ ቀረባ ናብ ሕቡራት ሃገራት ዝተጻሕፈ ደብዳበ ከም ዘመልክቶ፡ ክሳብ ሕጂ ኣስታት 140 ሃገራት ንፍልስጤም ኣፍልጦ ሂበናኣ ኣለዋ።

እዚአን፡ ኣብቲ ውድብ ዝርከባ 22 ጕጅለ ሃገራት ዓረብ፡ 57 ትካል ምትሕብባር ሃገራት እስላምን 120 ኣባላት ተራ ዘይብለን ኣባላትን ይርከብአን።

ኣመሪካን ብሪጣንያን ካብተን ብወግዒ ንፍልስጤም ኣፍልጦ ዘይሃባ ሃገራት’የን።

እስራኤል፡ ንፍልስጤም ከም ሃገር ኣፍልጦ ዘይትህብ ክትኸውን እንከላ፡ እቲ ሕጂ ዘሎ መንግስቲ ኣብ ቓዛን ምዕራባዊ ገማግምን ዝህሉ ምስረታ ፍልስጤም ብትሪ ይቃወም።

ከም ፍልስጤም ዝበለት ሃገር ንህላወ እስራኤል ስግኣት እያ ክብል ድማ ይምጕት።

ንነዊሕ ዓመታት፡ ኣብ ምዕራባዊ ገማግምን ቓዛን ሃገረ ፍልስጤም ንምምስራት ክግበሩ ዝጸንሑ ጻዕርታት፡ ብሰንኪ እቲ ምስ እስራኤል ዘጋጥም ዝነበረ ጐንጺታት ክሰናኸል ጸኒሑ።

ኣብ ምዕራባዊ ገማግምን ምብራቕ እየሩሳሌምን ዝነብሩ ፍልስጤማውያን፡ ካብ 1967 ዓ.ም (ኣ.ኤ) ጀሚሩ ኣብ ትሕቲ ጐበጣ እስራኤል ክነብሩ ጸኒሖም።

እስራኤል ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ኣብ ዝሃነጸቶም ‘ዘይሕጋዊ’ መንበሪ ኣባይቲ ድማ 500 ሽሕ ሰባት ይነብሩ። እስራኤል ግን ህንጸት እቶም ኣባይቲ ዘይሕጋዊ ኣይኰነን ብምባል ትነጽጐ።

ፍልስጤማውያን፡ ንነዊሕ ዓመታት መሰል ርእሰ ውሳነ ክረኽቡ ሓያሎ ጻዕሪታ’ኳ እንተገበሩ፡ ኣብ ጉዳያቶም ዝህልዎም ናይ ምቍጽጻር ስልጣን ኣዝዩ ድሩት ኰይኑ’ዩ መጺኡ።

ፖለቲካዊ መሪሕነት ፍልስጤም ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጐ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዘሎ ሰልፊ ፋታሕን ንወሽመጥ ቓዛ ዝቘጻጸሩ ዕጡቓት ሓማስን ኣዝዩ ዝተኸፋፈለ ከም ዝዀነ ይፍለጥ።

ሓማስ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ምስ እስራኤል ኣብ ኲናት ከም ዘሎ ይፍለጥ።

መራሕቲ ሰለስቲአን ሃገራት እንታይ ኢሎም?

ቀዳማይ ሚኒስትር ኖርወይ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ቀዳማይ ሚኒስትር ኖርወይ

ስቶር፡ እቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ሰላምን ምርግጋእን ንምዕዋት፡ ሕቶ ፍልስጤም ኣብ ምፍታሕ ዝተመርኰሰ ክኸውን ከም ዘለዎ “ዝያዳ ንጹር” ከም ዝገበረ ይዛረብ።

እቲ ዕላማ “ፖለቲካዊ ጥምረት ዘለዎ”ን ካብ በዓል መዚ ፍልስጤም ዝምንጩን ሃገር ንምዕዋት ምዃኑ ይዛረብ።

ስቶር፡ ኖርወይ ብፍታሕ ክልተ ሃገራት “ንረብሓ እስራኤል” እዩ ኢላ ከም እትኣምን ክገልጽ እንከሎ፡ ስጕምቲ ኖርወይ ብቕልጡፍ ተግባራዊ ክኸውን'ዩ ኢሉ።

ኦስሎ ክሳብ 28 ግንቦት ንፍልስጤም ከም ሃገር ኣፍልጦ ክትህብ እያ።

ስቶር፡ ንመንግስቲ ፍልስጤም ኣፍልጦ ምሃብ፡ ነቲ እንኮ ኣማራጺ እዩ ብምባል፡ በዚ፡ “ክልተ ሃገራት፡ ብሰላምን ጸጥታን ጐኒ ንጐኒ ክነብራ” እየን ኢሉ።

እዚ ስጕምቲ ካልኦት ሃገራት ኣሰር ኖርወይ “ክስዕባ ሓያል” መልእኽቲ ከም ዘመሓላልፍ’ውን ይገልጽ።

ድሕሪ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኖርወይ ዝሃቦ መግለጺ፡ ቢቢሲ ብጽሑፍ ዝረኸቦ መግለጺ ከም ዝሕብሮ፡ “ነባሪ ፍታሕ፡ ብኽልተ ሃገራት ጥራይ’ዩ ዝረጋገጽ” ይብል።

ህዝቢ ፍልስጤም “መሰረታዊ፡ ናጻ መሰል ርእሰ ውሳነ” ኣለዎ፤ እስራኤላውያንን ፍልስጤማውያንን ድማ “በብግዝኣቶም ብሰላም ናይ ምንባር መሰል” ኣለዎም ይብል እቲ መግለጺ።

ወሲኹ፡ “ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብዘይ ፍታሕ ክልተ ሃገራት ሰላም ኣይክህሉን እዩ። ሃገረ ፍልስጤም ዘይብሉ ፍታሕ ክልተ ሃገራት ከኣ የለን” ይብል።

“ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ናይ ፍልስጤም ሃገር ምዃን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰላም ንምርግጋጽ ቅድመ ኵነት'ዩ።”

ቀዳማይ ሚኒስትር ስጳኛ

ምንጪ ስእሊ, EVN

መግለጺ ስእሊ, ቀዳማይ ሚኒስትር ስጳኛ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቀዳማይ ሚኒስተር ስጳኛ ፔድሮ ሳንቸዝ ንኣባላት ባይቶ ዘስምዖ መደረ ጣቕዒት ኣባላት ባይቶ ከስንዮ እንከሎ፡ “ንፍልስጤም ብብዙሕ ምኽንያታት ኣፍልጦ ክንህባ ኢና፤ ነዚ ድማ ብሰለስተ ቃላት - ሰላም፡ ፍትሕን ቅኑዕነትን - ከነጠቓልሎ ንኽእል ኢና” ክብል ተዛሪቡ።

ወሲኹ፡ “እቲ ናይ ክልተ ሃገራት ፍታሕ ክኽበርን ሓድሕዳዊ ውሕስነት ድሕነት ክህሉን ክንገብር ኣለና። ክልቲኦም ወገናት ንሰላም ክዘራረቡ ኣገዳሲ እዩ። በዚ ምኽንያት ድማ ኢና ንፍልስጤም ኣፍልጦ እንህባ” ኢሉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣየርላንድ ብወገኑ፡ ክልተ ሃገራት ዝሓቖፈ ፍታሕ ንሰላም “እንኰ ተኣማንነት ዘለዎ መገዲ” እዩ ይብል።

ሳይሞን ሃሪስ፡ “ድሕሪ መስርሕ ኦስሎ 30 ዓመታት ድሕሪ ምጽናሕና፡ ምናልባት'ውን ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ ናብ ፍትሓዊ፡ ዘላቕን ኩለመዳያውን ፍታሕ ሰላም ንኸይድ ኣለና” ክብል ተዛሪቡ።

እቲ ውሳነ “ቅኑዕ ነገር” ኰይኑ እናሃለወ፡ “ንዘይተወሰነ እዋን” ክደናጐ ከም ዘይብሉ’ውን ሓቢሩ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል፡ እስራኤል ካትዝ ውሳነ እዘን ሃገራት ዘይቅኑዕ’ዩ ክብል ኰኒኑ።

“ውድብ ራዕዲ ሓማስ ድሕሪ ህልቂት ኣይሁድ ናዚ፡ እቲ ዝዓበየ ህልቂት ድሕሪ ምፍጻሙ፣ ዓለም ዝተዓዘበቶ ጽዩፍ ጾታዊ ገበናት ድሕሪ ምፍጻሙ፡ እዘን ሃገራት ንፍልስጤም ኣፍልጦ ብምሃብ ንሓማስን ኢራንን ክሽልማ መሪጸን።

“እዘን ሃገራት ዝውሰድኦ ዝንቡዕ ስጉምቲ፡ ንዝኽሪ ግዳያት 7/11 (ጥቅምቲ 2023) ዘይፍትሓዊ፣ ነቶም 128 ጅሆ ዝተትሓዙ ንምምላስ ዝግበር ጻዕሪ ዝጐሲ፡ ከምኡ'ውን ንጅሃዳውያን ሓማስን ኢራንን ዘተዓባብን’ዩ። እዚ ድማ ንሰላም ዝወሃብ ዕድል ዘዳኽምን መሰል ምክልኻል እስራኤል ኣብ ሕቶ ዘእቱን'ዩ” ክብል ነቒፉ።

መብዛሕትኡ ዓለም ድሮ ንፍልስጤም ከም ሃገር ኣፍልጦ ሂቡዋ ኣሎ።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ፡ ካብተን 193 ኣባላት ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፡ እተን 143 ፍልስጤም ናብ ሕቡራት ሃገራት ክትጽንበር ዝድግፉ ድምጺ ሂበን ነይረን።

ክሳብ ሎሚ ንግሆ ድማ፡ ትሽዓተ ሃገራት ኤውሮጳ ጥራይ ንምስረታ ፍልስጤም ክድግፋ እንከለዋ፡ መብዛሕትአን ኣብ ጸግዒ ሶቭየት ኣብ ዝነበራሉ ብ1988 ዝወሰድኦ ውሳነ’ዩ።

ኖርወይ፡ ኣየርላንድን ስጳኛን ናብዚ ምጽንባረን ሳሕቲ ዘጋጥምን ትርጉም ዘለዎን ከም ዝዀነ ይግለጽ።

ብዙሓት ሃገራት ዓረብ፡ ምዕራባውያን ሃገራት ንሃገረ ፍልስጤም ከም ኣካል ናይቲ ፖለቲካዊ መስርሕ ኣፍልጦ ምስ ዝህብዋ ጥራይ ድሕሪ ኲናት ቓዛ ዳግማይ ንምህናጽን ከም ዝሕግዛ ይገልጻ።

መብዛሕትአን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ግን ሕጂ’ውን ንፍልስጤም ኣፍልጦ ምሃብ እቲ ጐንጺ ንምፍታሕ ኣብ ነዊሕ እዋን ዝርአ ፍታሕ ክልተ ሃገራት ኰይኑ ክርአ ከም ዘለዎ ይኣምና።