ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን እገዳ ክትገብር ከም እትኽእል ኣአንፊታ

ብሊንከን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዓቀብቲ ሕጊ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ሓለፍቲ እስራኤል ትእዛዝ ማእሰርቲ ድሕሪ ምውጽኦም፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ እቲ ቤት ፍርዲ ክውሰድ ንዝኽእል እገዳ ምስ ሓገግቲ ብሓባር ክሰርሕ ከም ዝዀነ ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ሓቢሩ።

ንሱ፡ ኣንጻር እቲ “ብዓሚቝ ጌጋ ርእሲ ዘለዎ” ዝበሎ ውሳነ እቲ ቤት ፍርዲ ስጕምቲ ንምውሳድ “ውፉይ” ምዃኑ ተዛሪቡ።

ሪፐብሊካን ብወገኖም፡ ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣን ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን እገዳ ክግበር ጸቕጢ ይገብሩ ከም ዘለው ይፍለጥ።

ኣመሪካ ኣባል እቲ ቤት ፍርዲ ከም ዘይኰነት ይፍለጥ።

ይዅን’ምበር፡ ብሰንኪ ኲናት ዩክረይን ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ዝወጽአ ትእዛዝ ሓዊሱ ቅድሚ ሕጂ ዝወጽኡ ትእዛዛት ማእሰርቲ ደጊፋ ነይራ።

ዓቃቢ ሕጊ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ካሪም ከሃን፡ ብሰኑይ ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁን ሚኒስተር ምክልኻል ዮኣቭ ጋላንትን ትእዛዝ ማእሰርቲ ከም ዘውጽአ ይዝከር።

ከሃን ንሰለስተ ሰበስልጣን ሓማስ ዝዀኑ ኣብ ቓዛ መራሒ ሓማስ ያሕያ ሲንዋር፡ ኣዛዚ ወተሃደራዊ ክንፊ ብርጌዳት ቃሳም መሓመድ ደይፍን ሓላፊ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት እስማዒል ሃኒያን ትእዛዝ ማእሰርቲ ኣውጺኡ ኣሎ።

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ትእዛዝ ማእሰርቲ ምውጽኡ “ዘሕርቕ” እዩ ክብል እንከሎ፡ “ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓማስን ዝዀነ ዕርያ የለን” ኢሉ።

ኮንግረንስ አመሪካ ድሮ ኣብ ልዕሊ እቲ ቤት ፍርዲ ዝግበር ብውሑድ ክልተ ስጕምቲታት እገዳ ሓሳብ ኣቕሪቡ ኣሎ። እቲ ቤት ፍርዲ እስራኤል ኣብ ኣተሓሕዛ ኲናት ቓዛ እትገብሮ ዘላ መርመራ ይገብር ከም ዘሎ ይፍለጥ።

እዚ፡ እቲ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ብኣባል ሪፐብሊካን ቴክሳስ ቺፕ ሮይ ዝተበገሰ እማመ ዝጥርነፍ ዘሎ ይመስል።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን፡ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ “ሓለዋ እትገብረሎም ሰባትን መሻርኽታን” ዘቕረቦ ጉዳይ እንተዘይኣቋሪጹ፡ ጸረ-ሕጊ ዘይሕጋዊ ቤት ፍርዲ ተባሂሉ ዝፍለጥ ሕጊ እታ ሃገር፡ ኣብዚ ጉዳይ ዝሳተፉ ዘለው ሰበስልጣን እቲ ቤት ፍርዲ ናብ ኣመሪካ ንኸይኣትው ክኽልክል፡ ሕጂ ዘለዎም ቪዛ ኣመሪካ ክስረዝ፣ ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ካብ ዝዀነ ይዅን ናይ ንብረት ምልውዋጥ ከይገብሩ ክኽልኽሎም’ዩ።

ኣብዚ እዋን፡ ብውሑድ ኣብቲ ብሪፐብሊካን ዝምራሕ ባይቶ ብውሕዱ 37 ሓገግቲ ነቲ ሕጊ ብሓባር ይምውልዎ ኣለው።

ሓንቲ ካብኣቶም ዝዀነት ኣብ እስራኤል ምብጻሕ ብምግባር ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ነታንያሁን ስድራኣ ኣብ ቓዛ ጅሆ ተታሒዞም ዘለውን ኤሊስ ስቴፋኒክ እቲ ቤት ፍርዲ “ንናይ ህላወ መሰላ ትሕሉ ዘላ ሰላማዊት ሃገር ምስቶም ምጽናት ዓሌት ዝፍጽሙ ኣኽረርቲ ግብረሽበራውያን ጕጅለታት ማዕረ ይገብራ ኣሎ” ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።

ካልእ ነቲ እማመ ዝድግፍ ሪፐብሊካን ኣንዲ ባር፡ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ኣንጻር እስራኤል ንዝወስዶ ተወሳኺ ስጕምቲታት “ብምሉእ ሓይሊ እገዳ ኣመሪካ” ክዛዘም ኣለዎ ኢሉ። እንተዀነ፡ ኣባላት ባይቶ ዲሞክራት ነዚ ጻዕሪ ብምሉእነት ክድግፉዎ ድዮም ዝብል ንጹር ኣይኰነን።

መንእሰያት ገስገስቲ መረጽቲ ፕረዚደንት ጆ ባይደን መንግስቲ እስራኤል ኣብ ቓዛ ዝወስዶ ዘሎ ስርሒታት ክነቅፍ ጸቕጢ ክገብሩ እንከለው፡ ማእከላይን ሊበራላውን ክንፊ ናይቲ ሰልፊ ባይደን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ምስ ዝኽተሎ ዘሎ ፖሊሲ ንኣዋርሕ ክማጐቱ ጸኒሖም ኣለው።

ኣባል ዲሞክራት ግዝኣት ኦሃዮ ዝዀነ ግረግ ላንድስማን፡ “እቲ ውሳነ [ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ምውጻእ] እቲ ዘሎ ምትፍናንን ፍልልይን ዝያዳ ክጋደድ፡ ጸረ እስራኤል ዝዀነ ውዲታት ክሰፍሕ ጥራይ’ዩ ዝገብር። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ተኣማንነት እቲ ቤት ፍርዲ ክጸልዎ’ዩ” ኢሉ።

ገለ ጸጋማውያን ዲሞክራት ግን ንውሳነ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ደገፎም ይገልጹ።

ኣባል ኮንግረስ ሚነሶታ ኢልሃን ዑመር፡ እቲ ቤት ፍርዲ ዘቕረቦ ክስታት “ኣገዳስነት ዘለዎ” ብምዃኑ፡ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ሊብያን ካልኦት ኣጋጣሚታትን ከም ዝገበረቶ ስርሑ ክትድግፍ ኣለዋ ኢላ።

ንሳ ብሰኑይ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ “እቲ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ምውጽኡ ናይ መጀመርታ መስርሕ ፍርዲ ጥራይ'ዩ” ኢላ።

“ኣይሲሲ ግብራዊ ስርሓት ክሰርሕ ጸኒሑ’ዩ፤ ከምቲ ካብ ዘይሻራውን ዘይፖለቲካውን ፍርዳዊ ኣካል እንጽበዮ፡ ፍርዲ ክህብ፣ ናጻ ክሰድድን ክነጽግን ርኢናዮ ኢና” ትብል።

ክሳብ ሕጂ ዝዀነ ይዅን ጻዕሪታት እገዳ፡ ካብቲ ብመገዲ ሪፐብሊካን ዝምራሕ ባይቶ ወይ ዲሞክራት ዝቘጻጸርዎ ሰነት ኣቢሉ ንኽስጕም ዘድሊ ደገፍ ረኺቡ ድዩ ኣይረኸበን ዝብል ንጹር ኣይኰነን።