በንያሚን ነታንያሁ ንዝወጽኦ ትእዛዝ ማእሰርቲ ኰኒኑ

ቀዳማይ ሚኒስተር በንያሚን ነታንያሁ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ነታንያሁ ካብ ኣኽባሪ ሕጊ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበን ንምእሳሩ ንዝቐረበ ሕቶ ብትሪ ኰኒኑ።

ዋና ኣኽባሪ ሕጊ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበን፡ ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ነታንያሁን ኣብ ቓዛ ዝርከብ መራሒ ሓማስ ያሕያ ሲንዋርን ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ክወጽእ ምሕታቱ ተኸቲሉ’ዩ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነዚ መግለጺ ሂቡ።

ኣኽባሪ ሕጊ ካሪም ከሃን፡ ክልቲኦም ሰባት ብውሑዱ ካብ 7 ጥቅምቲ 2023 ጀሚሮም ብገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ገበናዊ ሓላፍነት ከም ዝተሰከሙ ዘእምን ርትዓዊ ምኽንያት ከም ዘሎ ብምግላጽ’ዩ ትእዛዝ ማእሰርቲ ሓቲቱ።

በንያሚን ነታንያሁ ኣብ መግለጺኡ ነታ ‘ዲሞክራስያዊት’ ኢሉ ዝገለጻ እስራኤል ምስቶም ‘ሰባት ብጅምላ’ ዝቐትሉ ማዕረ ምርኣያ ከም ዘቘጠዖ ኣብሪሁ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን’ውን ንሓሳብ ቀዳማይ ሚኒስተር በንያሚን ነታንያሁ ብምድጋፍ ሓማስን እስራኤል ማዕረ ክርእዮ ከም ዘይግባእ ገሊጹ።

ኣኽባሪ ሕጊ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበን ካሪም ከሃን መራሒ ሓማስ ያሕያ ሲንዋር’ውን ብገበን ኲናት ክሕተት ከም ዘለዎ’ዩ ገሊጹ ዘሎ።

እስራኤልን መሻርኽታ ዝዀነት ኣሜሪካን ኣባላት ናይቲ ኣብ 2002 ዝተመስረተ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበን ኣይኰናን።

ዕጡቓት ሓማስ ኣብ ጥቅምቲ 2023 ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምፍናው ኣስታት 1200 ሰባት ብምቅታል 252 ሰባት ጅሆ ሒዞም ድሕሪ ምኻዶም’ዩ እዚ ናይ ሕጂ ኲናት ክውላዕ ክኢሉ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እስራኤል ናይ ሕነ ምፍዳይን ነቶም ጅሆ ዝተተሓዙ ነጻ ንምውጻእን ኲናት ኣብ ዝኸፈተትሉ ክሳብ ሕጂ 35 ሽሕን 500 ፍሊስጤማውያን ከምዝተቐተሉ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ይሕብር።

ኣኽባሪ ሕጊ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበን ካሪም ከሃን ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ናታንያሁን መራሒ ሓማስ ያሕያ ሲንዋርን ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ክወጽኦም ድሕሪ ምሕታቱ፡ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ “እስራኤልን ሓማስን ብማዕረ ክርኣዩ የብሎምን፡ ማዕረ ኣይኰኑን” ኢሉ።

ጽሓፊ ጉዳያት ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን’ውን ልክዕ ከም ጆ ባይደን ነቲ ሕቶ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበን ብምኹናን “ብመትከል ንጹግ’ዩ፡ ኣዝዩ ዘሕፍርን፡ [ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበን] ነዚ ክገብር ሕጋዊ ስልጣን የብሉን” ኢሉ።

ኣንቶኒ ብሊንከን ብምስዓብ፡ ሕቶ ኣኽባሪ ሕጊ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበን፡ ነቲ ኣብ ባይታ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ንምግባር ንዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ዝዕንቅፍ ምዃኑ’ውን ኣብሪሁ።

ኣኽባሪ ሕጊ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበን ካሪም ከሃን ብጀካ በንያሚን ነታንያሁን መራሒ ሓማስ ያሕያ ሲንዋርን ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ዮቭ ጋላት፤ ፖለቲካዊ መራሒ ሓማስ እስማዒል ሃኒያን ወተሃደራዊ መራሒ ሓማስ መሓመድ ደይፍን’ውን ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ክወጽኦም ሓቲቱ ኣሎ።

እቲ ኣኽባሪ ሕጊ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር በንያሚን ነታንያሁን ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤልን ጥምየት ከም መሳርሒ ኲናት ብምጥቃም፡ ብቕትለት፡ ዕሙር ሰብ ኣብ ዝነብሮ መጥቓዕቲ ንኽፍጸም ትእዛዝ ብምሃብን ብጽንተት ሰባትን ዝርከቦም ገበናት ጥርጡራት ከም ዝዀኑን ክሕተቱ ከም ዘለዎምን’ዩ ዝገልጽ።

እቲ ኣኽባሪ ሕጊ፡ እቲ ገበን ብወገን ሓማስ 7 ጥቅምቲ ብእስራኤል ከኣ ካብ 8 ጥቅምቲ ከም ዝጀመረ’ዩ ዝገልጽ።

እስራኤል ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ብእትፍጽሞ ዘላ መጥቓዕቲ ኣሽሓት ፍሊስጤማውያን ካብ ቤት ንብረቶም ንኽፈናቐሉ ተገዶዶም’ዮም

ምንጪ ስእሊ, EPA-EFE/REX/Shutterstock

መግለጺ ስእሊ, እስራኤል ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ብእትፍጽሞ ዘላ መጥቓዕቲ ኣሽሓት ፍሊስጤማውያን ካብ ቤት ንብረቶም ንኽፈናቐሉ ተገዶዶም’ዮም

ንእስራኤል ንነዊሕ ዓመታት ዝመርሐ በንያሚን ነታንያሁ ነቲ ብዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበን ዝወጽአ ትእዛዝ ማእሰርቲ ብትሪ ብምዅናን “ዕሽነት ዝተሓወሶ ናይ ሓሶት ትእዛዝ” ብምባል ገሊጽዎ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብቋንቋ ሂብሩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሓማስን እስራኤልን ብሓደ መቓን ዝርኣይሉ ብፍጹም ባይታ ከም ዘየለ’ዩ ገሊጹ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ወሲኹ፡ ኣኽባሪ ሕጊ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበን “ብዘይ ንሕስያ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝነድድ ዘሎ ሓዊ ጸረ-ሴማውነት በንዚን’ዩ ዝኹዑ ዘሎ” ክብል'ውን ኰኒኑ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ካትዝ ብወገኑ፡ ኣኽባሪ ሕጊ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበን ካሪም ከሃን ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቶም ግዳያት መጥቃዕቲ 7 ጥቅምቲ “ዳግማይ መጥቃዕቲን ንዘልኣለም ዝዝክር ታሪኻዊ ውርደትን’ዩ” ብምባል ገሊጽዎ።

እንተዀነ ገለ ደገፍቲ እስራኤል ዝዀና ምዕራባውያን ሃገራት ንሕቶ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበን ብቐጥታ ክዅንናኦ ኣይተሰምዓን።

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ ብሰኑይ ኣማስያኡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብውሕሉል ቃላት ነቲ ቤት ፍርዲ ዘለዎ ደገፍ’ዩ ገሊጹ፤ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ብወገኑ፡ “ንናጽነትን ኣሰራርሓን [ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበን] ነኽብሮ ኢና” እኳ እንተበለ ሓማስን እስራኤልን ማዕረ ክርኣያ ከም ዘይብለን ግን ኣስፊሩ።

ሓማስ ብወገኖም እቲ ኣብ ልዕሊ ሓለፍቲ ሓማስ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ክወጽእ ብኣኽባሪ ሕጊ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበን ዝወጽአ ሕቶ ደው ክብል ሓቲቱ ኣሎ።

ሓማስ፡ “ሓማስ ነቲ ኣኽባሪ ሕጊ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበን ነቲ ግዳይ ምስቲ ረጋጺ [እስራኤል] ማዕረ ንምግባር ዝገበሮ ፈተነታት ብትሪ ይዅንኖ” ዝብል መግለጺ’ዩ ኣውጺኡ።

እቲ ጕጅለ ኣስዒቡ ኣብ ልዕሊ በንያሚን ነታንያሁን ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ጋላትን ‘ድሕሪ ሸውዓተ ኣዋርሕ’ ንኽእሰሩ ሕቶ ምቕራቡ ከምዝደንጎየ ብምግላጽ፡ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ፖለቲካውያንን ወተሃደራውያንን መራሕቲ እስራኤል ናይ ማእሰርቲ ሕቶ ዘይምቕራቡ ከምዘቘጥዖ ገሊጹ።

ኣኽባሪ ሕጊ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበን ካሪም ከሃን፡ መራሕቲ ሓማስ ብምጽናት፡ ብቕትለት፡ ሰላማውያን ሰባት ጅሆ ብምሓዝ፣ ብጾታዊ ዓመጽ፣ ጾታዊ ጐነጽን ብምስቓይን ከም ዝኽሰሱ’ዩ ገሊጹ ዘሎ።