ን‘ድሕሪ-ኲናት ቓዛ’ መደብ እንተዘተወጢኑ ካብ ስልጣነይ ክወርድ'የ' ሚኒስተር እስራኤል

ሚኒስተር ወተሃደራዊ ካቢነ ቤኒ ጋንትዝ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሚኒስተር ወተሃደራዊ ካቢነ እስራኤል ቤኒ ጋንትዝ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ድሕሪ ምዝዛም እቲ ኲናት፡ ንቓዛ ዝኸውን ዝዀነ መደብ እንተዘይወጢኑ፡ ካብ ስልጣኑ ከምዝወርድ ኣፈራሪሑ።

ጋንትዝ፡ ግዝኣት ሓማስ ንኸብቅዕን ዓለምለኸ ምሕደራ ሲቪል ንኽምስረትን ዘጠቓልል ንሽዱሽተ "ስትራተጂካዊ ዕላማታት" ንምዕዋት ዘኽእል ውጥን ክሳዕ 8 ሰነ ክውጠን ገደብ ግዜ ኣቐሚጡ ኣሎ።

"ሃገራዊ ረብሓ ልዕሊ ውልቃዊ ረብሓ እንተ ኣቐሚጥክም፡ ከማና ዝኣመሰሉ መሓዙት መሻርኽቲ ክትረኽቡ ኢኹም። መንገዲ ኣኽረርቲ መሪጽኩም ንመላእ ህዝቢ ናብ ዓዘቕቲ እንተመሪሕኹም ግን ካብ ካቢነ ሚኒስተራት ክንወጽእ ክንግደድ ኢና" ኢሉ።

ቤንያሚን ናታንያሁ ግን፡ ርእይቶኡ "ስዕረት ንእስራኤል" ክብል ነጺግዎ።

ኣብታ ሰራዊት እስራኤል ኣብ ደቡባዊት ከተማ ራፋሕን መዓስከራት ስደተኛታትን ዝተዋህለለላ ሰሜናዊት ከተማ ጀባልያ፡ ከምኡ’ውን ቅድሚ ሕጂ ሰራዊት እስራኤል ተዋጋእቲ ሓማስ ከምዘየለ ኣብ ዝገለጸላ ከተማ ውግእ እናተኻየደ ይርከብ።

ጋላንት፡ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ብተደጋጋሚ ንኣዋርሕ ኣልዒሉ እኳ እንተነበረ፡ ዝዀነ መልሲ ግን ከምዘይረኸበ ገሊጹ።

ጋንትዝ ትማሊ ቀዳም ኣብ ቴሌቪዥን ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ኔታንያሁ "ኣብ መንጎ ጽዮናውነትን ሲኒክነት፡ ሓድነትን ምፍልላይን፡ ሓላፍነትን ሕጊ ኣልቦነትን፡ ዓወትን ሓደጋን ክትመርጽ ኣለካ" ኢሉ።

ካብቶም ሽዱሽተ ስትራተጂካዊ ዕላማታቱ፡ ንኹሎም ብሓማስ ዝተታሕዙ ጅሆታት ምምላስን ክሳብ 1 መስከረም ዝተመዛበሉ ፍልስጤማውያን ሲቪላት ናብ ሰሜናዊ ቓዛ ክምለሱን ዝጠልቡ ይርከብዎም።

ብተወሳኺ እስራኤል ምስ ስዑዲ ዓረብ ዘለዋ ዝምድና ናብ ንቡር ክትመልሶን "ምስ ምዕራባውያን ሃገራት ዘለዋ ዝምድና ከተዕቢን ኣንጻር ኢራንን መሻርኽታን ጥምረት ክትፈጥርን" ከምዘለዋ ገሊጹ።

ነታንያሁ ነቲ መደረ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ጠለባት ጋንትዝ ምምላእ "ንእስራኤል ስዕረትን፡ መብዛሕትኦም ጅሆታት ከይተፈትሑ ምግዳፍን ሓማስ ከይንካእ መንግስቲ ፍልስጤም ምምስራት" ማለት ከምዝዀነ’ዩ ገሊጹ።

ሰራዊት እስራኤል፡ ቅድሚ ሕጂ ካብ ሓማስ ነጻ ተባሂሎም ናብ ዝተኣወጁ ከም በዓል ጃባልያ ዝኣመሰሉ ከባቢታት ምምላሱ፡ ኣብቲ መንግስቲ ነቲ ጉጅለ ንምውጋድ ዝኽተሎ ዘሎ ስትራተጂ ጥርጣረታት ፈጢሩ እዩ።

ጋንትዝ፡ ንመጻኢ ኣማራጺ መንግስቲ መሰረት ዘንብርን ኣብ ጋዛ ንዝካየድ ሲቪላዊ ጉዳያት ዝከታተልን በዓል መዚ ኣመሪካ፡ ኤውሮጳ፡ ዓረብን ፍልስጤምን ክህሉ ሓሳብ ኣቕሪቡ።

ክሳብ እዚ ዝኸውን ግን እስራኤል "ናይ ጸጥታ ቁጽጽር" ደረጅኣ ክትሕሉ ከምእትኽእል ሓቢሩ።

ቅድሚ ሒደት መዓልታት ነታንያሁ ምስ ሚኒስተር ምክልኻል ሃገሩ ዘየቃደዎም ጉዳይ ቓዛ ከምዝተፈጠረ ተጽብጺቡ እዩ።

ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ዮኣቭ ጋላንት፡ መንግስቲ ድሕሪ ኲናት ምስ ጉዳይ ቓዛ ብዝተሓሓዝ ንዝለዓል ሕቶታት ክምልስ ከምዘይክእል ብምንቃፍ ቅሉዕ ቍጥዐኡ ኣስሚዑ ምንባሩ ይዝከር።

እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ካቢነ ኲናት እስራኤል ኣብ ዛዕባ ኣንፈት ወተሃደራዊ ወፍሪ እታ ሃገር ምፍልላይ ከምዘሎ ዘርኢ ምልክት’ዩ።

ዮኣቭ ጋላንት፡ እስራኤል ኣብ ቓዛ ሲቪላውን ወተሃደራውን ምሕደራ ክትሕዝ መደብ ከምዘይብላ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር በንያሚን ነታንያሁ ብግልጺ ክእውጅ ከምዘለዎ እዩ ኣተሓሳሲብዎ ዘሎ።

"ካብ ጥቅምቲ ጀሚረ ነዚ ጉዳይ ብቐጻሊ ኣብ ካቢነ ሚኒስተራት ከልዕሎ ጸኒሐ ዝዀነ መልሲ ግን ኣይረኸብኩን" ኢሉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር በንያሚን ነታንያሁ ብወገኑ "ንሓማስውያን ብፋታሓውያን ንምልዋጥ ድሉው ኣይኰንኩን" ክብል ንተነሓናሕቲ ፍልስጤማውያን ጕጅለታት ሓማስን ፋታሕን ብምጥቃስ ተሪር ምላሽ ሂቡ።