ፈረንሳ፡ ንቤት ጸሎት ኣይሁዳውያን ከቃጽል ዝፈተነ ሰብ ብጥይት ፖሊስ ተቐቲሉ

ምንጪ ስእሊ, Benhamou Hillel/Rouen
ፖሊስ ፈረንሳ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ እታ ሃገር ኣብ እትርከብ ከተማ ራውን ዝርከብ ቤት ጸሎት ኣይሁዳውያን ከቃጽል ዝፈተነ ውልቀ ሰብ ከምዝቐተለ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ ኣፍሊጡ።
እቲ ካራን ሓጺንን ሒዙ ዝነበረ ውልቀሰብ፡ ናብ ፖሊስ ገጹ ኣብ ዝቐረበሉ ፖሊስ ብጥይት ሃሪሞም ከምዝቐተልዎ እቲ ዝወጽአ ጸብጻብ ይሕብር።
ከንቲባ ከተማ ሪውን ኒኮላስ ማየር ሮሰንጎናል እቲ ኣብ ልዕሊ ቤት ጸሎት ኣይሁዳውያን ዝተፈተነ መጥቃዕቲ ንሕብረተሰብ ኣይሁድ ጥራይ ዘይኮነ ንመላእ ነበራቲ እታ ከተማ ዘሰንበደ ከምዝዀነ ሓቢሩ።
እቲ ውልቀሰብ ነቲ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ሓዊ ምስ ኣእተወሉ፡ ብርቱዕ ትኪ ዝርኣዩ ሰባት ብኣቈጻጽራ እቲ ከባቢ ሰዓት ሸውዓተ ርብዒ ጐደል ንፖሊስ ከምዝሓበሩ ማዕከናት ዜና ፈረንሳ ኣቓሊሐን።
እቲ ቤት መቕደስ ኣብ ውሽጢ ብሰንኪ እቲ ባርዕ ከቢድ ዕነወት ከምዝወረዶን መጥፋእቲ ሓዊ እቲ ሓዊ ናብ ካልእ ከይልሓመ እንከሎ መጺኦም ከምዘጥፍእዎን ተሓቢሩ።
ፖሊስ ናብቲ ቦታ ምስ በጽሑ፡ እቲ ነቲ ተግባር ዝፈጸመ ካራን ሓጺንን ሒዙ ዝነበረ ውልቀሰብ ናብቶም ፖሊስ ገጹ ኣብ ዝቐረበሉ ተኲሶም ከምዝቐተልዎ ተገሊጹ።
ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ ጀራርድ ዳርማኒን ፖሊስ ንዝወሰድዎ ቅልጡፍ ስጕምቲ ብምንኣድ “ቅልጡፉን ተባዕን ስጕምቲ” ኢሉ።
ፈረንሳ ልክዕ ከም ካልኦት ሃገራት ምዕራብ ኣውሮጳ፡ ሓማስ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ኣብ ደቡባዊ እስራኤል መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ኣብታ ሃገር ጸረ-ሴማውነት ኣረኣእያ ይውስኽ ምህላዉ ይግለጽ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ኣብ ፓሪስ ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ናዚ ንፈረንሳ ኣብ ዝጎበጠሉ እዋን፡ ንኣይሁድ ንምድሓን ዝሓገዙ 3900 ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ንምዝካር ኢዶም ቀይሕ ሕብሪ ዝተለኸዩ ሰባት ናይ ዝኽሪ መደብ ኣካይዶም ነይሮም’ዮም።
ፈረንሳ ድሕሪ እስራኤልን ኣሜሪካን ኣብ ዓለም ዝበዝሑ ማሕበረሰብ ኣይሁድ ዝነብሩላ ሃገር'ያ።
ሓደ ካብቶም ኣብ ማሕበረሰብ ኣይሁዳውያን ፍሉጣት ሰባት ዝዀነ ኤሊ ኮርቺያ፡ ንፖሊስ ንዝሃቦ ቅልጡፍ ምላሽ ኣመስጊኑ።
ኣብታ ከተማ ቅድሚ ሕጂ’ውን ኣብ ናይ ኣምልኾ ቦታታት መጥቃዕቲ በጺሑ ነይሩ’ዩ።
ቅድሚ ሸሞንተ ዓመት ሓደ ካህን ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን እናመርሐ እንከሎ ብኻራ ተሃሪሙ ሞይቱ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







