ኦሎምፒክ ፓሪስ 2024፡ እስራኤልን ሩስያን ካብቲ ውድድር ተኣጊደን ድየን?

ልዕሊ 15 ሚልዮን በጻሕቲ ዓዲ ንኦሎምፒክ ፓሪስ 2024 ናብ ፈረንሳ ክኣትዉ ትጽቢት ይግበር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ልዕሊ 15 ሚልዮን በጻሕቲ ዓዲ ንኦሎምፒክ ፓሪስ 2024 ናብ ፈረንሳ ክኣትዉ ትጽቢት ይግበር

ሽግ ኦሎምፒክ፡ ካብቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝጅምር ጸወታታት ፓሪስ 2024 ኣቐዲማ ኣብ ፈረንሳ በጺሓ ኣላ።

ኣዳለውቲ እቲ ውድድር፡ ድሕነት ተወዳደርቲን በጻሕትን ንምሕላው "ተራእዩ ዘይፈልጥ ስርሒት ጸጥታ" ኣብ ግብሪ ከምዝውዕል ገሊጾም ኣለዉ።

ጸወታታት ኦሎምፒክን ፓራኦሎምፒክን ፓሪስ ብዝተተሓዘሎም መደብ ከምዝካየዱ ተገሊጹ ኣሎ።

ግን ጉዳይ ሩስያን እስራኤልን ብኸመይ ክረኣይ እዩ?

ብዛዕባ ኦሎምፒክ ፓሪስ 2024 ኣገደስቲ ነጥብታት ኣብዚ ተዳህሲሶም ኣለዉ።

ጸወታታት ኦሎምፒክን ፓራኦሎምፒክን ፓሪስ መዓስ እዩ?

ጸወታታት ሓጋይ ኦሎምፒክ ካብ 26 ሓምለ ክሳዕ 11 ነሓሰ ክካየዱ እዮም።

ኣብዚ መዳይ 10,500 ኣትሌታት ኣብ 329 ውድድራት ክሳተፉ ትጽቢት ይግበር።

ጸወታታት ፓራኦሎምፒክ ድማ ካብ 28 ነሓሰ ክሳዕ 8 መስከረም ዝካየዱ ክዀኑ እንከለዉ፡ 4400 ኣትሌታት ኣብ 549 ውድድራት ክሳተፉ እዮም።

ብደረጃ ሃገር ኣብ ኦሎምፒክ 206 ሃገራት፡ ኣብ ፓራኦሎምፒክ ድማ 184 ሃገራት ክሳተፋ እየን።

ኣብዚ እዋን ልዕሊ 15 ሚልዮን በጻሕቲ ዓዲ ናብ ፈረንሳ ክኣትዉ ትጽቢት ይግበር።

ኣበይ እዩ ክካየድ?

ቀንዲ ውድድራት ኣትሌቲክስ ኣብ ሰሜናዊ ወሰን ከተማ ፓሪስ ኣብ ዝርከብ ስታድዩም ፈረንሳ ክካየድ እዮም።

ይኹን እምበር ኣብ ማእኸል ከተማ 15 ናይ ኦሎምፒክን 11 ፓራኦሎምፒክን ቦታታት ተዳልዩ ኣሎ።

ንኣብነት ፖንት ዲ ኢና፡ ውድድራት ብሽክለታ ከአንግድ ከሎ፡ መበገሲን መዛዘሚን ማራቶን ድማ ኣብ ሆቴል ደ ቪልን ለስ ኢንቫሊደስን ክኸውን እዩ።

ኣብ ማእከል ከተማ ፓሪስ ዝርከባ ናይ ጸወታ ቦታታት ካብ ህዝቢ ነጻ ክዀናን ሰፊሕ እገዳ ትራፊክ ከምዝንበር እውን ተገሊጹ ኣሎ።

ብርክት ዝበላ መደበራት ሜትሮን መደበራት ባቡርን እውን ንኸፊል ወይ ንምሉእ እቲ ውድድር ዝካየደሉ ግዜ ክዕጸዋ እየን።

ውድድራት ምሕንባስ ኣብ ማእከላይ ፓሪስ ኣብ ዝርከብ ሴን ክካየድ እኳ መደብ ተታሒዙሉ ኣሎ፤ እንተኾነ ግን ብርቱዕ ዝናብ ንጽሬት ማይ እቲ ሩባ እንተጸሊዩዎ ክደናጐ ወይ ክስረዝ ተኽእሎ ኣሎ።

ሓይልታት ጸጥታ ፈረንሳ ንኦሎምፒክ ተዳልዮም ድዮም?

ከም መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዝኣመሰሉ ስግኣታት ዘጨነቖ መንግስቲ ፈረንሳ፡ ኣብ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ኦሎምፒክ ዝሳተፉ ቁጽሪ ተዓዘብቲ ክንክይ ገይሩ ኣሎ።

ኣብዚ ፍጻመ፡ ሃገራውያን ጋንታታት ኣብ 6 ኪ.ሜ ዝንውሓቱ ሩባ ሴን ብጀላቡ ክሓልፋ ክረኣያ ትጽቢት ይግበር።

ኣብ መጀመርታ 600 ሽሕ ሰባት ኣብ ገምገም ኰይኖም ንኽዕዘቡ ብነጻ ትኬት ክዕደል ውጥን ተታሒዙ ነይሩ። ሕዚ ግን ን300 ሽሕ ዕዱማት ጥራይ እዩ ክወሃብ።

መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ኦሎምፒክ፡ ኣብ ሩባ ሴን ክካየድ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Paris 2024

መግለጺ ስእሊ, መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ኦሎምፒክ፡ ኣብ ሩባ ሴን ክካየድ እዩ

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን፡ እቲ ናይ ጸጥታ ሓደጋ ኣዝዩ ዘስግእ እንተመሲሉ፡ እቲ ስነ-ስርዓት ካብ ሩባ ሴን ጠቕሊሉ ክግዕዝ ከምዝኽእል ገሊጹ እዩ።

ኣብ ክንድኡ ድማ ምሉእ እቲ ውድድር ኣብ ትሮካዴሮ ጀርዲን ወይ ስታድዩም ፍራንስ ክካየድ ተኽእሎ ኣሎ።

መንግስቲ ፈረንሳ ኣስታት 20 ሽሕ ወተሃደራትን ልዕሊ 40 ሽሕ ኣባላት ፖሊስን ከዋፍር መደብ ኣለዋ።

ካብዚ ብተወሳኺ ካብ ካልኦት ሃገራት ዝመጹ ኣስታት 2000 ሰራዊትን ኣባላት ፖሊስን ደገፍ ክህቡ እዮም።

ኣገልግሎት ጸጥታ ኣብዚ ጸወታ ዝሳተፉ ስፖርተኛታት፣ ኣብ ጥቃ ናይ ጸወታ ቦታታት ዝነብሩ፣ ሰራሕተኛታት ሕክምናን ወለንተኛታትን ዝርከብዎም ሓደ ሚልዮን ሰባት ቅድመ-ምርመራ ክገብሩ ጸኒሖም እዮም።

ወተሃደራት ፈረንሳ ቅድሚ ኦሎምፒክ ፍሉይ ናይ ጸጥታ ስልጠና ወሲዶም ኣለዉ
መግለጺ ስእሊ, ወተሃደራት ፈረንሳ ቅድሚ ኦሎምፒክ ፍሉይ ናይ ጸጥታ ስልጠና ወሲዶም ኣለዉ

ቀዳማይ ሚኒስተር ፈረንሳ ጋብሪኤል ኣታል፡ ኣገልግሎት ስለያ ኣብ መጀመርታ 2024 ጥርጡራት እስላማውያን ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ዝፈጸምዎም ክልተ ውዲታት ከምዘቃልዐ ገሊጹ ነይሩ።

"እቲ ግብረሽበራዊ ስግኣት ህልው'ዩ፡ ሓያል'ዩ" ኢሉ።

ሰበስልጣን እታ ሃገር፡ ሃልሃልታ ኦሎምፒክ ናብታ ከተማ ኣብ ዝውሰደሉ እዋን፡ 6 ሽሕ ኣባላት ፖሊስ፡ ኣሃዱታት ከልብን ስናይፐራትን ኣብ ማርሴ ቁጽጽር ከካይዱ ምዃኖም ተገሊጹ’ዩ።

ሓላፊ ኣሰናዳኢት ኮሚተ ፓሪስ 2024 ቶኒ ኢስታንግዌት፡ እቲ "ተራእዩ ዘይፈልጥ" ስርሒት ጸጥታ ኣብ ግብሪ ምውዓሉ፡ ተሳተፍትን ተዓዘብትን ኣብቲ ጸወታታት "ተኣማንነት ክህልዎም ይኽእል’ዩ" ማለት ከምዝዀነ ኣጽኒዑ ኣሎ።

ሩስያ ካብ ፓሪስ 2024 ተኣጊዳ ድያ?

ሩስያ ትኹን ቤላሩስ ሃገራዊ ጋንታታተን ከሳትፋ ኣይተፈቐደለንን።

ናይዚ ምኽንያቱ ድማ ሩስያ ንዩክረይን ብምውራራ፡ ቤላሩስ ድማ ነቲ ወራር ብምድጋፋ እዩ።

ካብተን ሃገራት ዝመጹ ተወዳደርቲ ግን ከም ውልቀ ኣትሌታት ጥራይ ክሳተፉ ክፍቀደሎም እዩ።

እንተዀነ ግን ኣብ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ሰልፊ ኣየርእዩን፤ መዳልያ እንተተዓዊቶም እውን ሃገራዊ መዝሙሮም ኣይዝመርን፡ ሃገራዊ ባንዴራኦም እውን ኣይውልብለብን እያ።

ሕብረት ሶቭየት ከም መወዳድርቲ ኦሎምፒክ 1984 "ጸወታታት ምሕዝነት" ኣካይዳ ነይራ፡ ሩስያ ድማ ኣብ 2024 ተመሳሳሊ ክትገብር እያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሕብረት ሶቭየት ከም መወዳድርቲ ኦሎምፒክ 1984 "ጸወታታት ምሕዝነት" ኣካይዳ ነይራ፡ ሩስያ ድማ ኣብ 2024 ተመሳሳሊ ክትገብር እያ

ሩስያ ብኣተሓሕዛ ኣትሌታታ "ተቖጢዓ" ከምዘላ ብምግላጽ፡ ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብ ሞስኮን የካተሪንበርግን "ጸወታታት ምሕዝነት ዓለም" ከምተካይድ ኣፍሊጣ ኣላ።

ሕብረት ሶቭየት፡ ኣብ 1984 ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ካብ ዝተኻየደ ናይ ሓጋይ ኦሎምፒክ ድሕሪ ምእጋዳ ተመሳሳሊ መደብ ኣካይዳ ነይራ።

ፕረዚደንት ማክሮን፡ ሩስያ ኣወዳድባ ውድድር ፓሪስ ድኹም’ዩ ዝብሉን ካልኦት ነቲ ውድድር ዘናእሱን ፕሮፖጋንዳዊ ወፍሪ ከተካይድ ከምዝጸንሐት ምግላጹ ይዝከር።

እስራኤል ካብ ፓሪስ 2024 ተኣጊዳ ድያ?

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌይ ላቭሮቭ፡ ዓለምለኻዊ ኮሚተ ኦሎምፒክ፡ እስራኤል ብሰንኪ እቲ ኣብ ቃዛ ተካይዶ ዘላ ወተሃደራዊ ስርሒት ኣብ ፓሪስ 2024 ከይትሳተፍ ኣይኣገደን ክብል ነቒፉ’ዩ።

ፕረዚደንት ዓለምለኻዊ ኮሚተ ኦሎምፒክ ቶማስ ባክ ነቲ ነቐፌታ ብምንጻግ፡ እስራኤል ኣብ ፓሪስ 2024 ከምእትሳተፍ ኣረጋጊጹ ኣሎ።