ደገፍቲ ፍልስጤምን ደገፍቲ እስራኤልን ኣብ ለንደን ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ሰልፊ ኣካይዶም

ምንጪ ስእሊ, PA
ትማሊ ቀዳም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ደገፍቲ ፍልስጤም ኣብ ለንደን ኣብ ዘካየድዎ ሰልፊ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘለዎ ግጭት ደው ክብል ጻዊዖም።
ብማእከላይ ለንደን ኣቢሎም ሰልፊ ብምክያድ ኣብ ቓዛ ተኹሲ ደው ክብል ጻውዒታት ደጊሞም ኣረጋጊጾም።
እቲ ተቓውሞ፡ መበል 76 ዓመት ‘ናክባ’ ዘመልክት እዩ፤ እቲ ፍልስጤማውያን ‘ናክባ’ ኢሎም ዝጽውዕዎ፡ እስራኤል ኣብ 1948 ምምስራታ ስዒቡ ዘጋጠመ ጃምላዊ ምምዝባል ሰባት ዘኽብር እዩ።
ፖሊስ እታ ከተማ፡ ተኽእሎ ናዕቢ ንምንካይ ምስ ኣዳለውቲ ወፍሪ ምትሕግጋዝ ፍልስጤም (PSC) "ስሩዕ ዘተ" ከምዘካየደ ገሊጹ።
ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ኣብ ፒካዲሊ ሰርከስ፡ ‘ኢናፍ ኢዝ ኢናፍ’ ወይ ‘ይኣክል ማለት ይኣክል’ዩ’ ዝተበሃለ ብደገፍቲ እስራኤል ዝምራሕ ጉጅለ ጸረ-ሰልፊ ተቓውሞ ኣካይዱ’ዩ።
ኣብቲ ወፍሪ ምትሕግጋዝ ፍልስጤም ዘካየድዎ ሰልፊ 7 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉን፡ መኮንናት ኣብቲ "ኣጸያፊ ጽሑፋትን ጭርሖታትን፡ ዓመጽን ጾታዊ መጥቃዕትን" ዘጠቓልል ፍጻመ ጣልቃ ከምዝኣተዉን ፖሊስ ሓቢሩ ኣሎ።
"ኣጸያፊ ቋንቋ ዝተጻሕፎ ሳንዱቕ ሬሳ ሒዙ" ከምዝነበረ ዝተገልጸ ሓደ ውልቀሰብ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ’ውን ጠቒሱ።
ብተወሳኺ ካልእ ወዲ 22 ዓመት መንእሰይ፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ መኮነን መጥቃዕቲ ብምፍጻም ተጠርጢሩ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ኣሎ።
ኣብቲ ደገፍቲ እስራኤል ዘካየድዎ ጸረ-ሰልፊ፡ "ዓመጽ ብምልዕዓል" ዝተጠርጠረ ሓደ ወዲ 74 ዓመት ሰብኣይ እውን ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ከምዘሎ ፖሊስ ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, PA
እቲ ደገፍቲ ፍልስጤም ዘካየድዎ ሰልፊ፡ ድሕሪ’ቲ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ሓማስ ኣብ ለንደን ዝተኻየደ መበል 14 ፍጻመ እዩ። ሓማስ ዘካየዶ መጥቃዕቲ ስዒቡ 1200 ሰባት ተቐቲሎም ልዕሊ 240 ድማ ተጨውዮም’ዮም።
ነዚ ስዒቡ እስራኤል ኣብ ቓዛ መጥቃዕቲ ብምክያዳ ልዕሊ 35 ሽሕ ሰባት ከምዝተቐተሉ፡ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ይገልጽ።
ገሊኦም "ሕጂ ተኹሲ ይቋረጽ" ዝብል ጽሑፍ ዝሓዙ ሰልፈኛታት ክደርፉን ክጭድሩን ተሰሚዖም።
ሳንዲ ዝተባህለት ሓንቲ ኣብ ቓዛ ስድራቤት ዘለዋ ፍልስጤማዊት ሰልፈኛ፡ ንዝሓለፉ 10 መዓልታት ደሃይ ኣዝማዳ ከምዘይሰምዐት ገሊጻ።
"ኢንተርነት ስለዝተቋረጸ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ካብኡ ንዝነውሕ ግዜ - ሰሙናት - ይኸውን'ዩ" ክትብል ብዙሕ ግዜ ደሃይ ስድራ ዘይትረኽበሉ ግዜ ከምዘሎ ንቢቢሲ ተዛሪባ።
"ከም ኵሉ ኣብ ቓዛ ዘሎ ሰብ፡ ብስእነት ድሕነት፡ ተበጻሕነት መግቢ፡ ኢንተርነት፡ ሕክምናዊ ሓገዝን ናጽነት ምንቅስቓስን ይሳቐዩ ኣለዉ።"
ወፍሪ ምትሕግጋዝ ፍልስጤም፡ ሰልፈኛታት "ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ምጽናት ዓሌት ንምውጋድ ስጉምቲ ክውሰድ" ዳግማይ ይጽውዑ ከምዘለዉ ገሊጹ።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሕቡራት ሃገራት ዝዀነ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ፍትሒ፡ ኣብ ወርሒ እስራኤል ኣብ ቃዛ ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ምጽናት ዓሌት ፈጺማ ክትብል ደቡብ ኣፍሪቃ ዘቕረበቶ ጉዳይ ኣብ ምርማር ይርከብ።
እስራኤል ነቲ ክሲ ሓሶትን "ኣዝዩ ዝተዛብዐን" ኢላ ነጺጋቶ’ያ።
ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ፍትሒ፡ ኣብዚ ጉዳይ ምጽናት ዓሌት ንሓያሎ ዓመታት ውሳነ ክህብ ትጽቢት ከምዘየለ ይንገር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







