ትእዛዝ ማእሰርቲ፡ ንእስራኤልን ሓማስን እንታይ ማለት እዩ?

ቀዳማይ ሚኒሰተርን ሚኒሰተር ምክልኻልን እስራኤል

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ቀዳማይ ሚኒሰተርን ሚኒሰተር ምክልኻልን እስራኤል

ዓቃቢ ሕጊ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበን ካሪም ከሃን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር በንያሚን ነታንያሁን ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ከምኡ'ውን ሰለስተ ወተሃደራውን ፖለቲካውን መራሕቲ ሓማስ ማእሰርቲ ትእዛዝ ክወጽኦም ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት እዩ ሓቲቱ።

ቀዳማይ ሚስተር ነታንያሁ ሽዑ ኣብ ዘስመዖ ተሪር ተቓውሞ፡ ዋና ዓቃቢ ሕጊ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ካሪም ከሃን ሓደ ካብቶም "ናይዚ ዘመን ዓበይቲ ጸረ-ሴማውያን" ዝብል 'ውልቃዊ' መጥቃዕቲ ፈንዩሉ።

ከሪም ከሃን፡ ከምቶም ኣብ ናዚ ጀርመን ዝነበሩ ዳያኑ፡ ንኣይሁድ መሰረታዊ መሰላት ዝኸልኡን ነቲ ህልቂት ዘኽኣሉን እዮም ክብል ድማ ከሲሱ።

ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ምክልኻልን እስራኤል ትእዛዝ ማእሰርቲ ክወጽእ ዝወሰዶ ውሳነ፡ "ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝነድድ ዘሎ ሓዊ ጸረ-ሴማውነት ነዳዲ ዝውስኽ'ዩ” ይብል።

ሚስተር ነታንያሁ ኣብቲ ብቤት ጽሕፈቱ ዝተዘርግሐ ቪድዮ ብቋንቋ እንግሊዝኛ’ውን ሓዊሱ ዝተዛረበ ኰይኑ፡ከምኡ ዝገበረ መልእኽቱ ናብቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ክፋል ዓለም-ኣመሪካ ክበጽሕ ኣብ ዝደልየሉ እዋን እዩ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዘበገሶን፡ ብፖለቲካዊ መሪሕነት እስራኤል ዝተቓልሐን ቍጥዐ፡ ብጥንቃቐ ዝተመርጸ ሕጋዊ ቋንቋ ዝተመልአ ኰይኑ፡ ናብ ሚስተር ከሃን ዋና ዓቃቢ ሕጊ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበንን ኣማኻሪ ንጉስ ብሪጣንያ ዝቐንዐ እዩ።

እቶም ክስታት ብድምር ክርኣዩ እንከለዉ፡ ቃል ብቓል፡ መስመር ብመስመር፡ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ፍሉጣት መራሕቲ ሓማስ ከምኡ’ውን ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ምክልኻልን እስራኤልን [ሕጂ ካብ ስልጣኑ ተ'ኣሉ ዘሎ ጋላንትን] ዘነጻጸሩ እዮም።

ሕመረት ከሪም ከሃን ሕቶ ትእዛዝ ማእሰርቲ፡ ዓለምለኻዊ ሕጊን ሕጊታት ዕጥቃዊ ግጭትን ኣብ ልዕሊ ኵሎም ወገናት፡ መንነት እቲ ሰብ ብዘየገድስ፡ ንምትግባር ዝግበር ቆራጽነት ዘቐመጠ መግለጺ’ዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

"ዝዀነ ኣጋር ወተሃደር፡ ዝዀነ ኣዛዚ፡ ዝዀነ ሲቪላዊ መራሒ - ዝዀነ ሰብ - ንዝፈጸሞ ገበን ከይተቐጽዐ ክሓልፍ የብሉን። እቲ ሕጊ፡ ‘ብሕርያ’ ተግባራዊ ክኸውን ኣይክእልን እዩ ይብል። ከምኡ እንተዀይኑ ንውድቀቱ ኢና ነዋድድ ዘለና።"

ክሳብ ክንድዚ ዝኣክል ቍጥዐ ዘስዕብ ዘሎ ግን ኣብ እስራኤል ጥራይ ኣይኰነን።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “እስራኤልን ሓማስን ብማዕረ ክርኣዩ የብሎምን፡ ማዕረ ኣይኰኑን” ኢሉ ነይሩ።

ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን’ውን ልክዕ ከም ጆ ባይደን ነቲ ሕቶ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበን ብምኹናን “ብመትከል ንጹግ’ዩ፡ ኣዝዩ ዘሕፍርን፡ [ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበን] ነዚ ክገብር ሕጋዊ ስልጣን የብሉን” ኢሉ።

ሚስተር ከሃን ግን፡ ክልቲኦም ወገናት ተኸታታሊ ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ፈጺሞም እዮም ዝብል ርእይቶኡ ካብ ምቕማጥ ሓሊፉ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ወገናት ቀጥታዊ ምውድዳር ኣይገበረን።

ብተወሳኺ እዚ ኣብ ትሕቲ "ኣህጉራዊ ዕጥቃዊ ግጭት ኣብ መንጐ እስራኤልን ፍልስጤምን፡ ከምኡ'ውን ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓማስን ዝካየድ ዕጥቃዊ ግጭት" ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ።

እቲ ቤት ፍርዲ፡ ፍልስጤም ኣብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ተዓዛቢነት ደረጃ ስለዘለዋ ከም ሃገር እዩ ዝሕዛ፤ እዚ ማለት ድማ ኣብቲ ነቲ ዓለማዊ ቤት ፍርዲ ዝፈጠረ ‘ውዕል ሮማ’ [Roma statue] እናተበሃለ ዝጽዋዕ ሰነድ ክትፍርም ክኢላ ማለት እዩ።

ነታንያሁ፡ ንሱ ብህይወት እናሃለወ ፍልስጤማውያን ፈጺሞም ናጽነት ከምዘይረኽቡ እዩ ዝፈራርሕ።

ፕረዚደንት እስራኤል ይስሓቕ ሄርዞግ፡ "እዞም ንኣረሜናውያን ኣሸበርትን ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ንዝተመርጸ መንግስቲ እስራኤልን" ብማዕረ ዝርእዩን ናይ ሓሶት ምምስሳል ዝግበሩን" ክብል ነቲ ዓቃቢ ሕጊ ወቒሱ።

ጕጅለታት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ነዚ ዘይግቡእ ምምዕርራይ ኣጣቒዖም ክብል ድማ ከሲሱ።

ፍሉጥ ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት እስራኤል ብትሰልም፡ እቶም ትእዛዛት ማእሰርቲ "እስራኤል ናብ ሞራላዊ ዓዘቕቲ ምውራዳ ዘመልክት’ዩ" ኢሉ።

"ማሕበረሰብ ዓለም ንእስራኤል ድሕሪ ሕጂ ዓመጽ፡ ቅትለትን ዕንወትን ክትቅጽለሉ ኢዱን እግሩን ኣጣሚሩ ከምዘይሓልፋ ዘመላኽት እዩ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ዋና ኣኽባር ኣኽባር ሕጊ ከሪም ከሃን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዋና ኣኽባር ኣኽባር ሕጊ ከሪም ከሃን

ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ብኣመሪካ ዝምርሓ ሓያላን ሃገራት ምዕራብ፡ ዋላ’ውን ኣብ ደምበአን ዘይርከባ ካልኦት ሃገራት፡ እገዳ ኣብ ዝገብራሉ እዋን፡ ንጥሕሰት ኣህጉራዊ ሕጊ እስራኤል ግን ዓይነን ዓሚተን፡ ርእየን ከምዘይርእያ ክሓልፋ ጸኒሐን ዝብል መረረ ከስምዑ ጸኒሖም እዮም።

እቲ ሕጂ ብሚስተር ከሃንን ጕጅለኡን ዝውሰድ ዘሎ ስጕምትታት፡ ዝደንጐየን ክጸንሕ ዘይነበሮን ምዃኑ ይኣምኑ።

ሚስተር ከሃን፡ እቶም ሰለስተ ቀንዲ መራሕቲ ሓማስ ምጽናት ዓሌት፡ ጅሆ ምውሳድ፡ ምዕማጽን ስቅያትን ዘጠቓልል ገበናት ኲናት ከምዝፈጸሙ ይዛረብ።

እቶም ዝተጠቕሱ ሰባት፡ መራሒ ሓማስ ኣብ ቓዛ- ያሕያ ሲንዋር፣ ኣዛዚ ብርጌድ ወተሃደራዊ ክንፊ- ቃሳም መሓመድ ደይፍ፡ ከምኡ'ውን ሓላፊ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ሓማስ- እስማዒል ሃኒያ እዮም።

ያሕያ ሲንዋርን እስማዒል ሃኒያ ግን፡ ኣብዚ እዋን ብህይወት ስለዘየለዉ፡ ኣብቲ ኣብዚ እዋን ተኣዊጁ ዘሎ ትእዛዝ ማእሰርቲ እቱዋት ኣይኰኑን።

ከም ኣካል መርመራኦም፡ ካሪም ከሃንን ጕጅለኡን፡ ምስ ግዳያትን ካብቲ ብ7 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝደሓኑን ቃለ መሕትት ኣካይዶም።

ንሱ፡ ሓማስ ንመሰረታውያን ሰብኣዊ ክብርታት ከም ዝጠሓሰን፡ "ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ስድራቤት ዘሎ ፍቕሪ፡ ኣብ መንጐ ወላድን ውሉድን ዝነበረ ዓሚቝ ምትእስሳር ዝበተኸ፡ ጭካነን ስቅያትን" ብምፍጻም ይኸሶም።

እስራኤል፡ ብርግጽ ንነብሳ ናይ ምክልኻል መሰል ከምዘለዋ ሚስተር ከሃን ገሊጹ።

"ብዘይሕልና ዝተፈጸሙ ገበናት ግን፡ እስራኤል ዓለማዊ ሰብኣዊ ሕጊ ካብ ናይ ምኽባር ግዴታኣ ነጻ ኣይገበራን።"

እስራኤል ንመጥቃዕቲ ሓማስ 7 ጥቅምቲ ዝሃበቶ ምላሽ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ፕረዚደንት ባይደን ንእስራኤል ኣብ ቓዛ ብዙሓት ፍልስጤማውያን ሲቪላት ትቐትልን ብዙሕ ሲቪላዊ ትሕተ ቅርጺ ተዕኑነን ምህላዋ ስክፍታኡ ገሊጹላ።

ባይደንን ምምሕዳሩን፡ ምስ ሓደ ወትሩ ዝድግፎ ናይ ቀረባ መሓዛ ኣብ ዝገበሮ ጥንቁቕ መገዲ፡ እንታይ ማለቱ ምዃኑ ኣይንጽርን።

ከሪም ከሃን ግን ትርጕሙ ብንጹር ይገልጾ።

እስራኤል፡ ኣብ ቓዛ ንዝኸፈተቶ ኲናት ንምዕዋት ገበናዊ ኣገባባት ከም ዝመረጸት ይዛረብ - ኣብ ልዕሊ ሲቪላት "ኮነ ኢልካ ሞት፡ ጥሜት፡ ዓቢ ስቓይን ከቢድ መጕዳእትን" ከምዝተፈጸመ የብርህ።

ሕጂ እቲ ኣብቲ ዓለማዊ ቤት ፍርዲ ዝርከብ ፓነል ዳያኑ፡ ትእዛዝ ማእሰርቲ ኣዊጁ ኣሎ።በንጃሚን ነታንያሁን ካልኦት መራሕትን ኣብ ቀይዲ ክኣትዉ ቤትፍርዲ ኣዚዙ

በዚ መሰረት ፈረምቲ ሃገራት ውዕል ሮማ ዕድል እንተረኺበን ነቶም ጥርጡራት ‘ገበነኛታት’ ክኣስራኦም ክግደዳ እየን።

ሩስያ፡ ቻይናን ኣመሪካን ካብተን 124 ዝፈረማ ሃገራት ኣይኰናን፤ እስራኤል እውን ኣይፈረመትን።

እቲ ቤት ፍርዲ ግን ፍልስጤማውያን ፈረምቲ ስለዝዀኑ ኣብቲ ኲናት ገበናዊ ተግባራት ናይ ምኽሳስ ሕጋዊ ስልጣን ከምዘለዎም ወሲኑ።

እዚ ትእዛዝ ማእሰርቲ፡ እቲ ንነዊሕ እዋን ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ኰይኑ ዘገልገለ ነታንያሁ፡ ንርእሱ ኣብ ሓደጋ ከየኣቱ፡ንናይ ቀረባ መሓዙት ምዕራባውያን ክበጽሕ ኣየኽእሎን’ዩ ማለት’ዩ።

መራሒ ሓማስ ያህያ ሲንዋር

ምንጪ ስእሊ, LightRocket via Getty Image

መግለጺ ስእሊ, ወተሀደራዊ መራሒ መራሒ ሓማስ ያህያ ሲንዋር

ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ነበር ሪሺ ሱናክ፡ ተግባራት ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበናት፡ "ኣብቲ ውግእ ርግኣት ንምፍጣር፡ ጅሆ ዝተትሓዙ ነጻ ንምውጻእ ወይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምእታው ሓጋዚ ኣይኰነን" ኢሉ ምንባሩ ዝዝከር ኰይኑ፣ እቲ ትእዛዝ ማእሰርቲ እንተተኣዊጁ ግን፡ ብሪጣንያ ነቲ ማእሰርቲ ክትትግበር ከምእትግደድ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።

ነታንያሁን ጋላንትን ልክዕሊ ኵሉ ኣገዳሲት ዝዀነት ኣመሪካ እያ።

ዋይት ሃውስ፡ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበናት ‘ኣብቲ ግጭት ስልጣን የብሉን’ ዝብል እምነት ኣለዎ፤ እዚ መርገጺ’ዚ ነቲ ኣብ ውሽጢ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ጆ ባይደን ብሰንኪ’ቲ ኲናት ዝጸንሐ ምፍንጫል ከስፍሖ ይኽእል እዩ።

ገስገስቲ ድሮ ነቲ ስጕምቲ ብሓጐስ ተቐቢሎሞ ኣለዉ።

ኣብ መንጐ ዲሞክራታውያን ዝርከቡ ጽኑዓት መሓዙት እስራኤል፡ ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣን ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበን እገዳ ክንበር፡ ሪፓብሊካን ዘበገስዎ እማመ ክድግፉ ይኽእሉ እዮም።

ዮኣቭ ጋላንት እውን ብናጽነት ክጓዓዝ ኣይክእልን ማለት እዩ።

እስራኤል ንቓዛ ከም እተኽብባ ኣብ ዘፍለጠሉ እዋን ዝተጠቕመለን ቃላት ብነቐፍቲ ኣካይዳ እስራኤል ብተደጋጋሚ ይጥቀሳ ነይረን።

ድሕሪ ክልተ መዓልቲ መጥቃዕቲ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ሚስተር ጋላንት፡ "ኣብ ምድረበዳ ቓዛ ምሉእ ብምሉእ ከበባ ክግበር ኣዚዘ ኣለኹ። ኤሌክትሪክ ኣይክህሉን፡ መግቢ ኣይክህሉን፡ ነዳዲ ኣይክህሉን እዩ፣ ኵሉ ነገር ተዓጽዩ ኣሎ... ምስ እንስሳታት ደቂ ሰባት ንቃለስ ዘለና፡ ብኡ መሰረት ኢና ከነተኣናግዶም" ዝብል መግለጺ ሂቡ ነይሩ።

ሚስተር ከሃን ኣብ መግለጺኡ፡ "እስራኤል ኣብ ኵሉ ከባቢታት ቓዛ ንዝርከብ ሲቪላዊ ህዝቢ ኰነ ኢላን ብስርዓትን ንህላወ ደቂ ሰባት መተካእታ ዘይብሎም ነገራት ኣጥፊኣ" ክብል ጽሒፉ።

ጥሜት ቓዛ ከምዘሎ ይዛረብ።

እስራኤል ጥሜት ኣሎ ንዝብል ትነጽጐ፡ ሕጽረት መግቢ ብሰንኪ ከበባ ዘይኰነስ - ብሰንኪ ስርቂ ሓማስን ዘይብቑዓት ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራትን እዩ ትብል።

መራሕቲ ሓማስ ያሕያ ሲንዋርን መሓመድ ደይፍን ኣብ ውሽጢ ቓዛ ኣብ ገለ ቦታ ተሓቢኦም ከምዘለዉ ይግለጽ ነይሩ፤ ሲንዋር ግን ድሮ ብህይወት ዘይምህላዉ ተረጋጊጹ እዩ። ደይፍ ግን እስራኤል እያ ከም ዝተቐትለ ትኣምን 'እምበር ሓማስ ኣየረጋገጾን።

ትእዛዝ ማእሰርቲ ግን ነ ኣብ ልዕሊኦም ዘሎ ጸቕጢ ብዙሕ ኣይውስኸሉን እዩ።

እቲ ትእዛዝ ንቀዳማይ ምኒስተር ነታንያሁ ኣብ ምድብ ተኸሰስቲ መራሕቲ ዘእትዎ ኰይኑ፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ከምኡ’ውን ኮሎኔል ሙዓመር ጋዳፊ [መራሒ ሊብያ ነበር ] ’ውን ዘጠቓልል’ዩ።

እዚ ዜና፡ ነቲ ከም መራሒ ሓንቲ ብዲሞክራሲ እትሕበን ሃገር ዘሕጕሶ ኣይኰነን።