በንጃሚን ነታንያሁን ካልኦት መራሕትን ኣብ ቀይዲ ክኣትዉ ቤትፍርዲ ኣዚዙ

በንጃሚን ነታንያሁ፡ ዮኣቭ ጋላንት፡ መሓመድ ደዒፍ

ምንጪ ስእሊ, EPA / Reuters / Supplied

ዳያኑ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበናት (ICC) ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤልን ሚኒስተር ምክልኻል ነበርን ከምኡ’ውን ወተሃደራዊ ኣዛዚ ሓማስ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ኣውጺኡ።

እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ቅድመ-ብይን እስራኤል ዘቕረበቶ መከላኸሊ ክሲ፡ ማለት’ውን ኣብ ልዕሊ ስልጣን እቲ ቤት ፍርዲ ዘቕረበቶ ተቓውሞ ብምንፃግ፡ ንበንጃሚን ነታንያሁን ዮኣቭ ጋላንትን ክእሰሩ ትእዛዝ ከምዘውጽአ ኣፈሊጡ።

ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ሓማስ መሓመድ ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ቓዛ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣየር ከምዝተቐትለ ሰራዊት እስራኤል እንተገለጸ’ኳ፡ ንሱ’ውን ካብቶም እቲ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ማእሰርቲ ዘውፃኣሎም ሓደ ኰይኑ ኣሎ።

እቶም ሰለስተ ሰበስልጣን፡ ኣብ እዋን ኲናት እስራኤል-ፍልስጤም፡ ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ከምዝፈጸሙ ዘመላኽት እኹል ‘መረዳእታዊ መርትዖ’ ከምዘሎ እቲ ቤት ፍርዲ የመልክት።

ቅድም ክብል፡ ክልቲኦም ወገናት (መንግስቲ እስራኤልን ውድብ ሓማስን) ነቲ ክሲታት ገበናት ከምዝነፀግዎ ዝዝከር እዩ።

ዓቃቢ ሕጊ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበን ካሪም ከሃን፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጉንበት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር በንጃሚን ነታንያሁን ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ከምኡ'ውን ገለ መራሕቲ ሓማስ ማእሰርቲ ትእዛዝ ክወፅኦም ሓቲቱ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

ነታንያሁ ኣብ ዘስመዖ ተሪር ተቓውሞ፡ ዋና ዓቃቢ ሕጊ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ካሪም ካን፡ ሓደ ካብቶም "ናይዚ ዘመን ዓበይቲ ጸረ-ሴማውያን" ዝብል 'ውልቃዊ' መጥቃዕቲ ፈንዩ ነይሩ።

ንሱ፡ ነቲ ትእዛዝ ማእሰርቲ ክወጽእ ዝወሰዶ ውሳነ፡ "ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝነድድ ዘሎ ሓዊ ጸረ-ሴማውነት ነዳዲ ዝውስኽ'ዩ” ክብል'ዩ ዝነቅፍ።

ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ንውሳነ እቲ ቤት ፍርዲ፡ “ጸረ ኣይሁድ” ክብል ዝኰነኖ ዀይኑ ፤ ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ኣብ ፈረንሳይ ብናይ ሓሶት ክሲ ስለያ ኣብ ልዕሊ ሓደ መኮነን ሰራዊት ኣይሁድ ዝተፈጸመ ፍርዲ ኣመሳሲሉዎ ።

“ቀዳማይ ሚኒስተር ቢንያም ነታንያሁ ንጸቕጢ ኣይምብርከኽን፣ ኣይክዕንቀፍን፣ ኩሉ እቲ እስራኤል ኣብ መጀመርታ ወፍሪ [ኣብ ቃዛ] ዘቐመጠቶ ዕላማታት ኲናት ክሳብ ዝዕወት ንድሕሪት ኣይክምለስን እዩ።”

ካብ ሚኒስተር ምክልኻል ነበር ጋላንት፡ ዛጊድ ዝኾነ ግብረ መልሲ ኣይተሰምዐን ኣሎ።

ኣብ ወርሒ ግንቦት ግን፡ ነቲ ናይ ዓቃቢ ሕጊ ማእሰርቲ ትእዛዝ ዝቐረበ ሕቶ፡ ብትሪ ነጺግዎ ምንባሩ ይዝከር።

ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ተመጣጣኒ ብይን ምሃብ፡ ‘ንዕቕት ዝተመልኦ ውሳነ’ ብምባል፡ መሰል ርእሰ ምክልኻል ሃገሩ ክዓግቱ ከምዝፈተኑ ገሊጹ ነይሩ።

ሓማስ፡ ነቲ ንኔታንያሁን ጋላንትን ዝወሃብ ዘሎ ትእዛዝ ማእሰርቲ ብሓጎስ ከምዝተቐበሎ ዝዝከር እዩ።

"ኣገዳሲ ታሪኻዊ ቅድመ-ኩነት ዝፈጥር'ዩ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝተፈጸመ ሰፊሕ ታሪኻዊ በደል ክእረም ዝገብር እዩ" ኢሉ ነይሩ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ሃገራት፡ ነቲ ትእዛዛት ከተግብራን ነቲ “ኣብ ቓዛ ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ዝተፈጸመ ገበናት ምጽናት ዓሌት” ዝበሎ ደው ንምባል ጻውዒት ኣቕሪቡ።

እስራኤል፡ ኣብቲ ዞባ ምፅናት ዓሌት ከምዘይፈፀመት'ያ ትገልፅ።