ብሪጣንያ፡ ኣብ ልዕሊ ቤንያሚን ኔታንያሁ ክወጽእ ዝተሓተተ ትእዛዝ ማእሰርቲ ካብ ምብዳህ ስሒባ

ምንጪ ስእሊ, EPA
መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁ ትእዛዝ ማእሰርቲ ንኸውጽእ ዝጠልብ ውጥን ክትብድህ ዝነበራ ድሌት ከምዘይትቕጽሎ ኣፍሊጣ።
ኣብ ወርሒ ግንቦት፡ ዋና ኣኽባሪ ሕጊ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን፡ ኔታንያሁ ኣብ ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ገበናዊ ሓላፍነት ተሰኪሙ እዩ ዝብል ርትዓዊ ምኽንያታት ከምዘሎ ገሊጹ ነይሩ።
እቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ዓቃባዊ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ናብቲ ቤት ፍርዲ ክቐርብ መደብ ከምዘለዎ ኣመልኪቱ ነይሩ። ይኹን’ምበር ቅድሚ እቲ ኣብታ ሃገር ዝተኻየደ መረጻ ነዚ ከምዘይገበረ ይፍለጥ።
ሕጂ፡ ወሃቢ ቃል እቲ ሓድሽ መንግስቲ፡ "ንቤት ፍርዲ ዝምልከት ጉዳይ'ዩ" ብምባል፡ ርእይቶ ከምዘይህብ’ዩ ገሊጹ።
ወሃቢ ቃል ቀዳማይ ሚኒስተር ሰር ኬር ስታርመር፡ "እተን ኣብያተ ፍርዲ ድሮ ብኽልቲኡ ወገን ብርክት ዝበሉ ርእይቶታት ከምዝረኸባ ተስተብህሉ ይመስለኒ፡ ስለዚ ናጻ ውሳኔታተን ንምሃብ ዘኽእለን ሞጎት ረኺበን ኣለዋ" ኢሉ።
ዋና ኣኽባሪ ሕጊ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን፡ ካብ ቤንያሚን ኔታንያሁ ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ሓማስ ያህያ ሲንዋርን መሓመድ ደይፍን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ዮኣቭ ጋላንት ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ክወጽእ እናሓተተ ይርከብ።
ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ እንተረኺቡ፡ ኔታንያሁን ጋላንትን ብሰበስልጣን ዓባይ ብሪጣንያ ንኸይእሰሩ፡ ኣብ መሬት እንግሊዝ እግሮም ከይኣትዉ ክሕተቱ ተኽእሎ ክህሉ ይኽእል እዩ።
እቲ ቤት ፍርዲ ድሮ ካብ ካልኦት ሃገራት ብዛዕባ እዚ ጉዳይ 70 ተመሳሳሊ ሕቶ ዝቐረበሉ ኰይኑ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ኣብዞም ሕቶታት እናሰርሐ ይርከብ።
ካብ ዩኒቨርሲቲ እብራይስጥ ኢየሩሳሌም ክኢላ ዓለምለኻዊ ሕጊ ፕሮፌሰር ዩቫል ሻኒ፡ ቤት ፍርዲ ንኹሉ ዝቐረቡ ሕቶታት ክርኢን ኣድላዪ እንተዀይኑ ድማ ኣኽባሪ ሕጊ መልሲ ንኽህብን ክሳዕ ቀውዒ ግዜ ክወስድ ከምዝኽእል ይግምት።
ውሳነ ዓባይ ብሪጣንያ ዝዀነ ለውጢ የምጽእ ድዩ ተባሂሉ ምስ ተሓተተ፡ “ብርግጽ ከም ዓባይ ብሪጣንያ ዝኣመሰለት ዓባይ ሃገር ኣብ መወዳእታ ንኸይትቕርብ ምውሳና፡ እቶም ዳያኑ ዘስተብህሉሉ ነገር እዩ" ክብል መሊሱ።
"እቲ ቤት ፍርዲ ግን ሕጂ'ውን እቲ ዝሓለፈ መንግስቲ [ዓባይ ብሪጣንያ] ከልዕሎም ዝደለየ ሕቶታት ብዝምልከት ሕጋዊ ትንተና ክገብር ኣለዎ።"
ወሲኹ ድማ እቲ ውሳነ፡ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ንቤንያሚን ኔታንያሁን ሚኒስተር ምክልኻሉ ዮኣቭ ጋላንትን ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ እንተሂቡ፡ ዓባይ ብሪጣንያ እንታይ ምላሽ ከምእትህብ ዘመልክት ምዃኑ ገሊጹ።
“መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ውሳነ ቤት ፍርዲ ድሕሪ ምቕባሉ... ክርሕቕ’ሞ ኣነ ኣይክትግብሮን ንምባል ኣጸጋሚ’ዩ ዝኸውን።”
እቲ ዘተሓሳስብ ቀንዲ ጉዳይ፡ ብመሰረት ኣብ 1993 ዝተገብሩ ስምምዓት ሰላም ኦስሎ፡ በዓል መዚ ፍልስጤም ኣብ ልዕሊ ዜጋታት እስራኤል ገበናዊ ስልጣን ክህልዎ ኣብ ዘይክእለሉ ኵነታት፡ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ኣብ ልዕሊ ዜጋታት እስራኤል ስልጣን ክህልዎ ይኽእል ድዩ ዝብል እዩ።
ኣብ 2021 ሓደ ካብ ሰለስተ ዳያኑ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን፡ እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ልዕሊ እስራኤላውያን ስልጣን ክጥቀም ከምዘይኽእል ክውስኑ እንከለዉ፡ ካልኦት ክልተ ድማ እዚ ድሒሩ ክውሰን ከምዝኽእል እዮም ወሲኖም።
ቅድሚ ውሳነ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብ እስራኤል ዝርከባ ማዕከናት ዜና ንሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ብምጥቃስ ዓባይ ብሪጣንያ ንኸይትቕርብ ምውሳና "ብመሰረቱ ጌጋ" ከምዝኸውን ገሊጸን ነይረን። "ፍትሕን ሓቅን ዝጥምዝዝ፡ ከምኡ'ውን ናይ ኵለን ዲሞክራስያውያን ሃገራት ግብረሽበራ ናይ ምቅላስ መሰል ዝጥሕስ'ዩ" ምባለን ይዝከር።
ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዓባይ ብሪጣንያ ዝዀነ ሳቻ ደሽሙክ፡ ነቲ ውጥን ዓባይ ብሪጣንያ ብሓጎስ ብምቕባል፡ እቲ ዝሓለፈ መንግስቲ ዝነበሮ ውጥን "ፍጹም ስሕተት" ምዃኑ ገሊጹ።
"ዓባይ ብሪጣንያ ነቲ ኣዝዩ ኣድላዪ ዝዀነ መርመራ ፍልስጤም ንምፍሻል ኣብ ክንዲ እትፍትን፡ ንዅሎም ገበነኛታት ገበናት ኲናትን ክመጽእ ዝኽእል ምጽናት ዓሌትን ኣብ ፍርዲ ንምቕራብ ዝግበር ጻዕርታት ክትድግፍ ይግባእ" ኢሉ።
ኣብ ቃዛ ዝተኻየደ ኲናት ንሰልፊ ዕዮ ፖለቲካዊ ምውስሳብ ዘለዎ ምዃኑ ተረጋጊጹ’ዩ፤ መርገጺኡ ድማ ንብዙሓት ደገፍቱ ብፍላይ ድማ ነቶም ኣብ ማሕበረሰብ ኣስላም ዝርከቡ ኣቖጢዕዎም እዩ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ መረጻ፡ ጽላሎት ሚኒስተር ጆናታን ኣሽዎርዝ፡ መንበር ሌስተር ሳውዝ ብሓያል ደጋፊ ጋዛ ዝድግፍ ሕጹይ ክስእኖ እንከሎ፡ ዌስ ስትሪቲንግን ጀስ ፊሊፕስን ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ኣካላት ሰልፊ ድማ ኣብዝሓ ድምጾም ክቑረጽ ርእዮም።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ንፍልስጤማውያን ስደተኛታት ዝምልከት ትካል ሕቡራት ሃገራት ኣንርዋ (Unrwa) ዝህቦ ምወላ ይቕጽል ከምዘሎ ኣፍሊጡ እዩ።
እስራኤል ኣብ ጥቅምቲ 2023 ብሓማስ ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 12 ሰራሕተኛታት ኣንርዋ ተሳቲፎም እዮም ድሕሪ ምባላ፡ ዓባይ ብሪጣንያ እትህቦ ዝነበረት ምወላ ኣቋሪጻ ነይራ።
ምስቲ መጥቃዕቲ ዝተኣሳሰር ክስታት ዝምልከት ውሽጣዊ መርመራ ሕቡራት ሃገራት ገና እናቐጸለ ይርከብ።
ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ዝተሓትመ ፍሉይ ገምጋም ሕቡራት ሃገራት ግን እስራኤል ኣማኢት ሰራሕተኛታት ኣንርዋ ኣባላት ጉጅለታት ግብረሽበራ እዮም ንዝበለቲ ክሲ ዝዀነ መርትዖ ከምዘየቕረበት እዩ ዘረጋግጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







