ቓዛ፡ ‘ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት 150 ሽሕ ሰባት ካብ ከሃን ዮኒስ ሃዲሞም’ ተባሂሉ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ክልተ ትካላት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ቓዛ ካብ እትርከብ ከተማ ከሃን ዮኒስ ካብ ሰኑይ ኣትሒዙ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ ጥራይ ልዕሊ 150 ሽሕ ሰባት ሃዲሞም ከምዝወጽኡ ገሊጸን።
ከሃን ዮኒስ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ቓዛ እትርከብ ከተማ ኰይና፡ ሰራዊት እስራኤል ዕጡቓት ሓማስ ይርከብዋ’ዮም ብምባል ከጥቕዓ ምዃኑ ድሕሪ ምሕባሩ’ዮም ነበርታ ዝሃድሙ ዘለዉ።
ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ብሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነበርቲ እታ ከተማ ብቕልጡፍ ናብ ምብራቓዊ ክፋል እታ ከተማ ገጾም ክእለዩ ትእዛዝ ከም ዘመሓላለፈ ይዝከር።
ብዘይካ'ዚ ሰራዊት እስራኤል ነቲ ኣብ ኣብቲ ከባቢ ሰብኣዊ ረድኤን ንምትሕልላፍ ፈቒድዎ ዝነበረ ነጻ ዞባ፡ ሓማስ ካብኡ ኮይኖም’ዮም መጥቃዕቲታት ሮኬት ዝፍጽሙ ዘለዉ ብምባል፡ ስፍሓት መሬት ናይቲ ነጻ ዞባ ከምዘንኣሶ’ውን ገሊጹ ኣሎ።
ሰራዊት እስራኤል ኣብቲ ከባቢ መጥቃዕቲ ካብ ዝጅምር ብውሕዱ 80 ፍልስጤማውያን ተቐቲሎም ከምዘለዉ ሓማስ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ሓደ በዓል መዚ ናይቲ ኣብ ትሕቲ ሕቡራት ሃገራት ኰይኑ ንዅነታት ፍልስጤማውያን ሰደተኛታት ዝከታተል ዩኤንኣርዳብሊውኤ [ UNRWA] ዝበሃል ትካል ሎሚ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ካብ ከተማ ከሃን ዮኒስ ውጹ ዝብል ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ምስ ሰደደ፡ ካብ ሰኑይ ክሳብ ሕጂ ብውሕዱ 150 ሽሕ ሰባት ካብታ ከተማ ከምዝሃደሙ ገሊጹ።
እቲ ልዊስ ዋተሪጅ ዝተበሃለ በዓል መዚ እዚ ትካል “ሰራዊት እስራኤል ብዝሃቦ ናይ ውጹ መጠንቀቕታ 80 ሚእታዊት ካብ መሬት ቓዛ ሰብ ዘይነብሮ’ዩ ኰይኑ ዘሎ” ኢሉ።
ትማሊ ሰሉስ ታንክታት እስራኤል ናብ ውሽጢ ዞባ ባኒ ሱሐይላ ክኣትዋ ተራእየን’የን፤ ብዘይካ'ዚ ኣብ ከባቢ ኣል ቓራራ’ውን ሰራዊት እስራኤል ወተሃደራዊ ስርሒታት የካይዱ ከምዘለዉ ይፍለጥ።
ብዙሓት ነበርቲ ከተማ ከሃን ዮኒስ ናብ ምብራቓዊ ክፋል እታ ከተማ ክሃድሙ እንከለዉ ገለ ከኣ ናብ ሆስፒታል እታ ከተማ ብምኻድ ተዓቊቦም ኣለዉ።
ወዲ 37 ዓመት ራባህ ዓብዱልቐፋር ነባሪ ባኒ ሱሐይላ ኰይኑ ኣብ ሆስፒታል ናስር ተዓቊቡ ይርከብ።
ንሱ “7 ጥቅምቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ንመበል 12 ግዜ’የ ዝፈናቐል ዘለኹ” ድሕሪ ምባል “ኣብ ህይወትና እቲ ዝኸፍአ እዋን ኢና ነሕልፍ ዘለና፡ ደብዳብን ተዅስን ብፍጹም ኣየቋረጸን” ኢሉ።
ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ ምውህሃድ ዝሰርሕ ኦቻ ብወገኑ፡ ካብ ከተማ ከሃን ዮኒስ 150 ሽሕ ሰባት ከምዝሃደሙ ብምርግጋጽ፡ ኣብ ማእከል እቲ ኲናት ዝተቐርቐሩ ሰባት’ውን ከምዘለዉ ሓቢሩ።
ልዊስ ዋተሪጅ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕተት “ሰባት ናብ ደይር ኣል ባልሕን ናብ ምዕራባዊ ክፋል ከተማ ከሃን ዮኒስ ገጾም’ዮም ዝሃድሙ ዘለዉ እንተዀነ ክልቲኡ እዚ ቦታ ኣቐዲሙ ብዝነበረ ምፍንቓላት ልዕሊ ዓቕሙ ሰብ’ዩ ሒዙ ዘሎ፡ ኣብቲ ቦታ ኣዝዩ ውሱን መጽለሊ’ዩ ዘሎ፡ ንሱ’ውን በቶም ኣቐዲሞም ኣብኡ ዝጸንሑ ሰባት ተታሒዙ’ዩ” ኢሉ።
ዕጡቓት ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምፍናው ኣስታት 1200 ቀቲሎም 251 ሰባት ጅሆ ሒዞም ምስ ከዱ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ልዕሊ 39 ሽሕ ሰባት ከምዝተቐተሉ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ይሕብር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







