ብኦቲዝምን ዳውን ሲንድሮምን ዝሳቐ መንእሰይ ብከልቢ ሰራዊት እስራኤል ተነኺሱ ክመውት ተገዲፉ - ኣደ

ምንጪ ስእሊ, Family handout
መጠንቀቕታ፡ እዚ ዛንታ ዘጨንቕ ዝርዝራት ዝሓዘ እዩ።
መሓመድ ብሃር ኵሉ ግዜ ድጋፍ ስድራኡ ይረክብ ነይሩ።
ኣብ ቤት ትምህርቲ ቈልዑ ክድንድንዎ እንከለዉ፡ ተምሃሮ ክሃርምዎ እንከለዉ፡ ዋላ ናብ ገዛኡ ምስተመልሰ ሓቚፎም የጽናንዕንዕዎ ነይሮም።
ኲናት እስራኤል-ቓዛ ምስ ተጀመረ'ውን ብድምጺ ቦምባታት ክሽበር እንከሎ፡ ‘ኣጆኻ ኵሉ ነገር ሰላም ክኸውን’ዩ’ ዝብሎ ሰብ ኣይስእንን።
መሓመድ ረጒድ ስለዝዀነ ንምንቅስቓስ ይጽገም እዩ። ኣብ መደገፊ ኢድ ዘለዎ መንበር ኮፍ ኢሉ እዩ መዓልታቱ ዘሕልፍ። ዝዀነ ነገር እንተደልዩ፡ ወዲ ሓፍቱ ወይ ወዲ ሓዉ ኣብ ቀረባኡ ኰይኖም ይሕግዝዎ።
መሓመድ ብሃር ዕድመኡ 24 ዓመት ኰይኑ ምስ ኵነታት ዳውንስ ሲንድሮምን ኦቲዝምን እዩ ዝነበር።
ጓል 70 ዓመት ኣደኡ ናቢላ ባር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ “ምግቢ ምብላዕ፡ ምስታይ፡ ክዳውንቱ ምቕያር ኣይክእልን’ዩ ነይሩ። ኣነ’የ ዳይፐር ዝቕይረሉ ነይረ። ኣነ’የ ዘብልዖ። ንበይኑ ዝዀነ ነገር ክገብር ኣይክእልን ነይሩ።”
ብ27 ሰነ እቲ ኲናት ናብ ከባቢ ስድራቤት ብሃር ተመሊሱ፤ እታ ንእሽቶ ዓለም መሓመድ ድማ ዝያዳ ተጨቢጣ።
ስድራቤቱ ምስ ካልኦት ነበርቲ እታ ካብ ማእከል ከተማ ቓዛ ንምብራቕ እትርከብ ሸጃያ፡ ብሰራዊት እስራኤል ካብቲ ቦታ ክወጹ ተኣዚዞም።
ስድራቤት ብሃር ግን ካብ መረበቶም ምዝንባል ሰልክይዎም ነይሩ።
ኣደኡ ናቢላ ብዝደኸመ ቃና፡ ናበይ ናበይ ከምዝተመዛበሉ ትገልጽ።
“ኣስታት 15 ግዜ ካብን ናብን ተመዛቢልና። ናብ ጅብሪል ንኸይድ፡ ደሓር ግን ኣብ ጅብሪል እውን ደብዳብ ቦምባታት የጋጥም። ናብ ሃይዳር ንኸይድ፡ ናብኡ እውን ደብዳብ ቦምባታት ይስዕበና። ናብ ሪማል ንኸይድ፡ ኣብ ሪማል እውን ደብዳብ ቦምባታት ይጅምር። ናብ ሻዋ ንኸይድ፡ ኣብ ሻዋ እውን ደብዳብ ይፍጸም።”

እቲ ኣብ ከባቢኦም ዝካየድ ግጭት እናሓየለ ከይዱ። ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ናይቲ ገዛ ይሕብኡ ነይሮም፤ ብፍላይ ተዅሲ ክሕይል እንከሎ ኣብ ሽቓቕ ከይተረፈ ይሕብኡ።
“ንሸውዓተ መዓልቲ ኣብ ከበባ ጸኒሕና። ታንክታትን ወተሃደራትን ኣብ ዙርያ’ቲ ገዛ ነይሮም... መሓመድ ኣብ ሶፋ’ዩ ዝሓድር ነይሩ...ብዘይካ ኣብኡ ኣብ ካልእ ዝዀነ ቦታ ኮፍ ምባል’ውን ኣይፈቱን’” ክትብል ትዝክር ናቢላ።
ንመሓመድ ኲናት ማለት ዓው ዝበለን ዓመጽ ዝመልኦን ድምጽታት እዩ፤ እቲ ኣየር ምስቲ ኣብ ጥቓኡ ዝፍንጀሩ ቅምቡላታት ይናወጽ። እዚ ኵሉ ክንገልጸሉ ኣይከኣልናን።”
“ይስንብድ፡ ‘ፈሪሐ፡ ፈሪሐ’ ይብል ነይሩ” ትብል።
“ዝዀነ ሰብ ክሃርሞ ዝደለየ ይመስሎ’ሞ ‘አታ፡ ኣታ’ ይብል። ኵሉ ግዜ ይፈርሕ፡ ይርዕድ ነይሩ። ኣብ ዙርያኡ ተኣኪብና ነጸናንዖ። ብዙሕ ኣይርድኦን። እቲ ኦቲዝም ኣዝዩ ኣጸጋሚ ገይርዎ።”

ምንጪ ስእሊ, Family handout
ብ3 ሓምለ፡ ሰራዊት እስራኤል ኣብ ጎደና ናዛዝ ንዝርከብ ገዛኦም ዘሚቶም።
ናቢላ፡ ሓደ ናይ ውግእ ከልቢ ዝሓዙ ሓያሎ ደርዘናት ወተሃደራት ከምዝነበሩ ትዛረብ፤ እንስሳታት ንዕጡቓት ሓማስን ዝተጻወዱ ነተጕትን ኣብ ምድላይ ይሕግዙ ነይሮም።
ኣብ መጀመርታ እቶም ወተሃደራትን “ኵሉ ነገር ሰቢሮም” እትብል ናቢላ ኣስዒቦም ድማ ከልቢ ናብቲ ክፍሊ ከምዝሰደዱ ትዝክር።
መሓመድ “ጉዱእ ኣካል’ዩ፤ ምሕረት ግበሩሉ ጉዱእ’ዩ። ‘ነቲ ከልቢ ካብኡ ኣርሕቕዎ’’ ኢለዮም” ትብል።
ናቢላ እቲ ከልቦ ንመሓመድ ከጥቕዕ ርእያቶ።
“ኣፍልቡ ድሕሪኡ ድማ ኢዱ ነኺስዎ። መሓመድ ኣይተዛረበን፡ ‘ሕደግ፡ ሕደግ፡ ሕደግ’ ጥራይ ይብል ነይሩ። እቲ ከልቢ ቅልጽሙ ምስ ነኸሶ ደምዩ። ናብኡ ክኸድ ደልየ ግን ኣይከኣልኩን። ዝዀነ ሰብ ናብኡ ክቐርብ ኣይከኣለን፡ ‘ይኣክል መዓረይ ይኣክል’ እናበለ ርእሲ’ቲ ከልቢ ይደርዝ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ኣእዳዉ ዛሕቲሎም፡ እናደመየ እንከሎ እቲ ከልቢ ይነኽሶ ነይሩ።”
ሽዑ እቶም ወተሃደራት ንመሓመድ ናብ ካልእ ክፍሊ ወሲዶምዎ፡ ካብቲ ከልቢ ኣርሒቖም ድማ ቁስሉ ክሕክሙ ፈቲኖም።
እቲ ብራዕዲ ዝተወሓጠ መሓመድ፡ ወትሩ ሓገዝ ንምርካብ ኣብ ስድራኡ ዝምርኮስ ዝነበረ መሓመድ፡ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ወተሃደራት ውግእ ኣትዩ።

ምንጪ ስእሊ, Family handout
“ወሲዶም፡ ኣብ ፍሉይ ክፍሊ ኣቐሚጦም ዓጽዮምዎ። እንታይ ከምዘጋጠሞ ክንርኢ ደሊና" ትብል ናቢላ።
"ጠበንጃኦም ናባና ገጽ ኣቕኒዖም ስቕ ክንብል ኣዚዞሙና። ንበይንና ኣብ ሓደ ክፍሊ ኣእትዮምና፡ መሓመድ ድማ ኣብ ካልእ ክፍሊ በይኑ ነይሩ። 'ወተሃደራዊ ሓኪም ኣምጺእና ክንሕክሞ ኢና' ኢሎምና።"
ብድሕሪኡ ሓደ ወተሃደራዊ ሓኪም መጺኡ ናብቲ መሓመድ ደቂሱሉ ዝነበረ ክፍሊ ኣትዩ።
ጓል 11 ዓመት ጓል ሓፍቲ መሓመድ ጃና ብሃር፡ እቶም ስድራቤት ነቶም ወተሃደራት ክሕግዝዎ ከምዝለመኑ ትገልጽ።
"መሓመድ ደሓን ከምዘይኰነ ነጊርናዮም፤ ግን ደሓን ኣሎ ብምባል ቀጺሎም" ትብል።
ድሕሪ ሓያሎ ሰዓታት እታ ስድራ ንመሓመድ ገዲፋ ክትከይድ ብጠበንጃ ተኣዚዛ። እታ ስድራቤት ብልመናን ኣውያትን ተመሊኣ።
ክልተ ኣሕዋቱ ብሰራዊት ተታሒዞም፡ ክሳዕ ሕጂ ኣይተፈትሑን። እቶም ዝተረፉ ስድራቤት ኣብ ሓደ ብቦምባ ዝተደብደበ ህንጻ መዕቆቢ ረኺቦም።
ድሕሪ ሓደ ሰሙን ድማ ናብቲ ገዛ ተመሊሶም፤ እቲ ዘጋጠሞም ትርኢት ንሓው መሓመድ ጅብሪል ክሳዕ ሕጂ ዘባህርር እዩ። ሞባይሉ ከፊቱ ቪድዮ ናይቲ ዘጋጠሞም ትርኢት ንካሜራማንና ኣርእይዎ።
ሬሳ መሓመድ ኣብ መሬት ተደፊኡ ይርአ። ኣብ ዙርያኡ ደም ኣሎ፡ ኣብ ቅልጽሙ ድማ ፋሻ ነይሩ። እዚ ምናልባት ኣብ ላዕለዋይ ክፋል ቅልጽሙ ዝነበረ ከቢድ መፍሰስቲ ደም ደው ንኽብል ዝተጠቐሙሉ ክኸውን ይኽእል። ጅብሪል ቁስሊ ንምሽፋን ዝውዕል ጎዝ የመልክት፣ ብዛዕባ እቲ ኣብቲ ፋሻ ዝደረቐ ደም’ውን ርእይቶ ይህብ።
“እቲ ምፍሳስ ደም ደው ከብሉ ይጽዕሩ ነይሮም። ድሕሪኡ ብዘይ ስፌት ይዅን ሓልዮት ገዲፎምዎ። መሰረታዊ ስጕምትታት ቀዳማይ ረድኤት ጥራይ ገይሮምሉ። ብርግጽ ከምቲ ትርእይዎ ዘለኹም ንመሓመድ ሓዲጐምዎ ስለዝኸዱ ድሮ ሞይቱ ነይሩ። ኣብ ገዛ ዘየለ መሲሉና ነይሩ። እዚ ዅሉ ግዜ ግን ደም እናፈሰሰ ኣብ ገዛ በይኑ ከም ዝተረፈ ተረጋጊጹ። ብርግጽ እቶም ወተሃደራት ገዲፎሞ እዮም ከይዶም።”

ብልክዕ ኣየናይ መጕዳእቲ ጠንቂ ሞት መሓመድ ከምዝዀነ ኣይተነጸረን።
ኣብ መንጐ ስድራኡ ንመወዳእታ ግዜ ዝረኣይዎ ግዜን፡ ሓዉ ተመሊሱ ነቲ ዝሞተ መንእሰይ ዝቐረጸሉን እዋን እንታይ ከምዘጋጠመ እውን ንጹር ኣይኰነን።
ስድራቤት ምስ ረኸብዎ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ኣብ መንጐ ገዛውቲ ኣብ ዝርከብ ጐደና ተቐቢሩ። ምኽንያቱ ነቲ ሬሳ ናብ መካነ መቓብር ምውሳድ ኣዝዩ ሓደገኛ’ዩ ነይሩ። መርመራ ሬሳን ምስክር ወረቐት ሞትን እውን ኣይነበረን።
ስድራቤቱ መርመራ ክግበር ይጠልቡ ኣለዉ፤ እቲ ግጭት ግን ይቕጽል ኣሎ። ኣብ ቀረባ እዋን ደው ክብል ተስፋ ምግባር’ውን ኣጸጋሚ እዩ።
ሰራዊት እስራኤል ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶታት ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ነቲ ጸብጻብ ይምርምሮ ከምዘሎ እዩ ገሊጹ።
ናቢላ ግን ዘይሃስስ ምስሊ ሬሳ ውላዳ ሒዛ ተሪፋ ኣላ።
“እዚ ፈጺመ ዘይርስዖ ትርኢት... እቲ ከልቢ ብቐጻሊ ክነኽሶ፡ ንሱ ክነብዕን ደሙ ድማ ካብ ኢዱ ክውሕዝን ይረኣየኒ... ኵሉ ግዜ ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ እዩ ዝረኣየኒ፡ ንሓንቲ ደቒቕ’ውን ትዅን ካብ ኣዒንተይ ጠፊኡ ኣይፈልጥን። ካብቶም ወተሃደራት ይዅን ካብቲ ከልቢ ከነድሕኖ ኣይከኣልናን።”




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







