እስራኤልን ሕዝቦላህን ናብ ኵለ-መዳያዊ ኲናት ይእትው ዶ ይዀኑ?

ኣብ መንጐ እስራኤልን ሕዝቦላህን፡ ምሉእ ኲናት እንተተወሊዑ፡ ‘ንምግማቱ ዘፀግም ኣዝዩ ኣዕናዊ መዓት’ ክኸውን'ዩ፡ ይብል ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ።
ነቲ ዳርጋ መዓልታዊ ብወገን ዶብ እስራኤል ኣብ ትሕቲ ተዅሲ ዝነብር ዴቪድ ካማሪ ግን ፍታሕ ምኾነ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ ሊባኖስ ዝተተኮሰ ሮኬት ሕዝቦላህ፡ ኣብ ዶባዊት ከተማ ኪርያት ሽሞና ኣብ ቅድሚ ጀርዲኑ ብምዕላቡ፡ ገዛኡ ኣብ ሓያሎ ቦታታት ተሰንጢቑን ነቒዑን ኣሎ።
"መዓልታዊ፡ ምሸት ምሸት፣ ድምጺ ቦምባታት መስማዕ- ዓቢ ጸገም’ዩ። ኣነ ድማ ኣብዚ እየ ተወሊደ። ሓንቲ ለይቲ ኣብዚ እንተሓዲርካ ትዓብድ።"
ዴቪድ ክሳብ ሕጂ ኣብቲ ብፍርስራስ ዝመልአ ገዛኡ ይነብር ኣሎ፡ ቁርጽራጽ እቲ ተተኳሲ ምስ ስብርባር ተለቪዥኑ ተሓዋዊሱ ኣሎ።
እቲ ሮኬት ኣብ ኣፍደገኡ ምስ ወቕዐ፡ ኣብ ቅድሚት መረባኡ ብዝተልዓለ ሓዊ ዝተቓጸለት መኪናኡ ኣብኡ ተፈናጪላ ኣላ።
ድሕሪ እቲ ብ7 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓማስ፡ ሕዝቦላህ ንፍልስጤም ንምድጋፍ ሮኬታት ከዘንብ ስለዝጀመሩ፡ ዝበዝሐ ህዝቢ ኪርያት ሽሞና [እስራኤላዊ] ካብቲ ቦታ ተሰዲዱ እዩ።
ዴቪድ ሓደ ካብቶም ውሑዳት ዛጊድ ኣብኡ ዝተረፉ እዩ።
"ኣብዚ ን71 ዓመታት ተቐሚጠ’የ። ኣይከይድን’የ። ኣባል ሰራዊት’የ ነይረ፡ ኣይፈርሕን’የ” ኢሉ።
መፍትሒኡኸ? "ምስ ሕዝቦላህ ኲናት፤ ንሕዝቦላህ ምጥፋእ" ይብል።
እስራኤል ኣንጻር ሕዝቦላህ ኣበርቲዓ ክትምልስ ጸኒሓ፡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ቀቲላ፡ኣብ ውሽጢ ሊባኖስ ገለ ዕላማታት ድማ ሃሪማ።
ሕዝቦላህ ኣብዚ ወርሒ፡ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይላትን ዶብ-ሰገር ሰዲዱ፡ ብኽልቲኡ ወገን ድማ ስግኣት ወሲኹ ኣሎ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን፡ እቲ ጕጅለ፡ ኣብ እስራኤል ከተማ ሃይፋ፡ ወተሃደራዊ ትካላትን ሲቪላዊ ትሕተ-ቅርጽን ዘርኢ ስእሊ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣውጺኡ ነይሩ።
ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ፡ ተረርቲ ዘረባታር ኣካል ናይቲ ሓድሕዳዊ ናይ ምክልኻል ስትራተጂ ኰይኑ እዩ ጸኒሑ ነይሩ።
ክልቲኦም ወገናት ንዅሉ መዳያዊ ኲናት ከምዘይደልዩዎ የመልክት።
እንተዀነ፡ እቲ ግጭት እናበርትዓ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ግን፡ ልዕሊ 60 ሽሕ እስራኤላውያን ድማ ካብቲ ኣብ ሰሜን ዝርከብ ኣባይቶም ተሰዲዶም ኣብ ዘለዉሉ እዋን፡ መራሕቲ እስራኤልን ዜጋታታን ንሕዝቦላህ ካብ ዶብ ንድሕሪት ንምድፋእ ወተሃደራዊ ኣማራጺታት ክድግፉ ድሉዋት ምዃኖም ዘርኢ ምልክታት ኣሎ።
ከንቲባ ከተማ ኪርያት ሽሞና ኣቪቻይ ስተርን፡ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ጥቓ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዝርከብ ጎደና ሮኬት ዝሃረመሉ ቦታ ንጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣርእዩዎ።
ከንቲባ ስተርን፡ "ኣብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ዜጋታታ መዓልታዊ ተዅሲ እትቕበል ሃገር ዘላ ኣይመስለንን" ኢሉ።
"ኣብዚ ኮፍ ኢልና ክንሕረድ፡ ከምቲ ኣብ ደቡብ [ቃዛ] ዝረአነዮ ግዳይ ክንከውን ቅቡል ኣይኰነን። እቲ ምርጫ፡ ሕጂ ኲናት ወይ ፀኒሑ ዝካየድ ኲናት ምዃኑ ኵሉ ሰብ ይርዳእ’ዩ።"
ኣብዚ ዘሎ ሓደገኛ ወጥሪ፡ ብዓቢኡ ምስቲ እስራኤል ልዕሊ 160 ኪ.ሜ ንደቡብ ኣብ ቓዛ እትገብሮ ዘላ ኲናት ዝተኣሳሰር እዩ።
ኣብኡ ተዅሲ ደው ምባል ኣብ ሰሜን’ውን ንዝፍጠር ወጥሪ ንምህዳእ ክሕግዝ ምኸኣለ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁ ግን ቅድሚ ኲናት ቓዛ ምዝዛሙ፡ ብሰንኪ እቲ ንሓማስ ንምጥፋእ ምስ መሻርኽቲ መንግስቲ ዝኣተዎ መብጽዓ፡ ንኽልቲኡ ግጭታት ይቕጽለሉ ኣሎ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ወሃቢ ቃል ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ከይተረፈ፡ እዚ ዕላማ ግብራዊ ክኸውን ከምዘይክእል ገሊጹ ነይሩ።
ሪር ኣድሚራል ዳንኤል ሃጋሪ ንቴሌቪዥን እስራኤል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ሓማስ ከነጥፍኦ ንኽእል ኢና ዝብል ሓሳብ ንህዝቢ ዘደናግር'ዩ" ኢሉ።
ብወገን ሊባኖስ ልዕሊ 90 ሽሕ ሰባት ካብቲ ቦታ ዝተሰደደሉ ዶብ፡ ኣብቶም ዝጸንሑ ሰባት ዘሎ ስምዒት ብተመሳሳሊ ጽንኩር እዩ።
ፋጢማ ቤልሃስ ካብ ዶብ እስራኤል 7 ኪ.ሜ ርሒቓ ኣብ ጥቓ ጅባል ኤል ቦትም ትነብር።
ኣብቲ ፈለማ እዋን፡ እስራኤል ነቲ ከባቢ ክተድብድብ እንከላ፡ ብፍርሒ ተዋጢራ ነይራ፡ ካብ ሽዑ ጀሚራ ግን ምስቲ ደብዳብ ዝተለማመደት ትመስል፡ ድሕሪ ሕጂ ክትወጽእ ከምዘይትሓስብ ትዛረብ።
"ናበይ ክኸይድ" ኢላ ትሓትት።
"[ካልኦት] ኣብ ካልእ ቦታ ኣዝማድ ኣለዎም። ግን ከመይ ጌረ ኣብ ልዕሊ ከምኡ ዝኣመሰለ ሰብ ክፀዓኖ እኽእል? ገንዘብ ድማ የብልናን።"
"ምናልባት ኣብ ገዛኻ ብኽብሪ ምማት ይሓይሽ። ንሕና እናተቓወምና ኢና ዓቢና። ከም ፍልስጤማውያን ካብ መሬትና ኣይንፈልስን ኢና።"
ሑሴን ኣባላን ኣብዚ ቀረባ እዋን ካብ ኪርያት ሽሞና ኣስታት 10 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ ዶብ ሊባኖስ እትርከብ ማይስ ኣል ጀባል ካብ እትበሃል ቀሸት-መረበቱ ተመዛቢሉ።
ኣብኡ ምንባር ዳርጋ ዘይከኣል ኮይኑ ከምዝነበረ፡ ርክባትን ኤሌክትሪክን ተቛሪጾም፡ ዳርጋ ዝሰርሑ ድኳናት ከምዘይነበሩ ይዛረብ።
እቶም ኣብኡ ዝተረፉ ውሑዳት ስድራቤታት ብቐንዱ ካብ ገዛኦምን ሕርሻኦምን ምውጻእ ዝኣበዩ ኣረጋውያን ምዃኖም ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ንሱ ግን ነቲ ሕዝቦላህ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ደጊፉ ደው ኢሉ።
"ኵሉ ኣብ ደቡብ [ሊባኖስ] ዘሎ ሰብ ንዓመታት ዝጸንሐ ምጥቃዕቲ ተጻዊሩ ሓሊፉ'ዩ፤ ሓዪሉ ድማ ወፂኡ ኣሎ” ኢሉ።
እዚ ናይ ዶብ ግጭት ኣብ ኽልቲኡ ገጽ ንዝርከቡ ሰባት ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ምግማት ኣይፀግምን ፤ ምሉእ ኲናት ድማ ነቲ ቅልውላው ናብ ዝለዓለ ደረጃ እዩ ሓፍ ክብሎ ዝኽእል።
ገለ ነበርቲ በይሩት ሳንጡ ዓሺጎምን ፓስፖርት የዳልዉን ኣለዉ።
ኵሉ መዳያዊ ግጭት እንተጋጢሙ፡ መራሒ ሕዝቦላህ ሓሰን ነስራላህ ኣብዚ ሰሙን፡ ኣብ እስራኤል ዝኾነ ቦታ ከምዘይተርፍ ኣጠንቂቑ ኣሎ።
ሕዝቦላህ ብኢራን ዝድገፍ ጽቡቕ ዕጥቂ ዘለዎ፡ ተሪር ስልጠና ዝወሰደ ሰራዊት እዩ።
እስራኤል ብወገና፡ ኣመሪካ ኣብ ጐድና ኣሰሊፋ፡ ዝተራቐቐ ወተሃደራዊ ሓይሊ ትውንን።
ምሉእ ኲናት ንኽልቲኡ ወገን ኣዕናዊ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







