እስራኤል፡ ኣማኢቲ ፍልስጤማውያን ቀቲላ ኣርባዕተ ጅሆ ዝተትሓዙ ዜጋታታ ነጻ ኣውጺኣ

ሓደ ካብቶም ብስርሒት ሰራዊት እስራኤል ካብ ሓማስ ነጻ ዝወጸአ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

7 ጥቅምቲ ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ካብ ዝተወሰዱ፡ ኣርባዕተ ትማሊ ብዝተኻየደ ስርሒት ነጻ ወጺኦም ናብ ስድርኦም ከምዝተጸንበሩ እስራኤል ክትሕብር እንከላ፡ ሰብ መዚ ፍሊስጤም በቲ ስርሒት ሓያለ ሰላማውያን ሰባት ከምዝተቐተሉ ገሊጾም።

እቶም ብ7 ጥቅምቲ ካብ ናይ ሙዚቃ ፈስቲቫል ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ንሸሞንተ ኣዋርሕ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ሓማስ ዝጸንሑ ትማሊ ቀዳም በቲ ፍሉይ ስርሒት እስራኤል ነጻ ዝወጽኡን፡ ጓል 26 ዓመት ናኦ ኣርጋማኒ፡ ወዲ 22 ዓመት ኣልሞንግ ጃን፡ ወዲ 27 ዓመት ኣንድሬ ኮስሎቭ ከምኡ ከኣ ወዲ 41 ዓመት ሽሎሚ ዚቭ ከምዝኾኑ እስራኤል ሓቢራ።

ሰራዊት እስራኤል ብደብዳብ ነፈርቲ እናተሰነዩ ኣብ ከባቢ ኑሰራት ብዘካየድዎ ስርሒት’ዮም ነዞም ኣርባዕተ ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ዝነበሩ ነጻ ከውጽእዎም ክኢሎም።

እንተኾነ ሰብ መዚ ፍሊስጤም በቲ ስርሒት ሓያለ ሰባት ከምዝተቐተሉ ገሊጾም ኣለዉ።

ኣብ ቓዛ ዝርከባ ክልተ ሆስፒታለት ብሰንኪ እቲ እስራኤል ዘካየደቶ ስርሒት 70 ሰባት ከምዝተቐተሉ ኣረጋጊጽና ኣለና ክብላ እንከለዋ፡ ቤት ጽሕፈት ሚድያ ሓማስ ብወገኑ ቁጽሪ ምውታት ብውሕዱ 210 ከምዝኾነ ገሊጹ።

ውሃቢ ቃል ሰራዊት እስራኤል ዳንኤል ሃጋሪ ብወገኑ ቁጽሪ በቲ ደብዳብ ዝሞቱ ሰባት ትሕቲ ሚኢቲ’ዩ ኢሉ።

ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርግሐ ምስልታት ግን እቲ ደብዳብ ኣዝዩ ጽዕጹዕ ምንባሩን ሆስፒታላት ብምህሩማትን ምውታትን ኣዕለቕሊቐን እንከለዋ የርኢ፡ ካብ ሞንጎ እቶም ዝሞቱ ቆልዑ ከምዝነበሩ’ውን ኣብቲ ምስሊ ይርአ።

ውሃቢ ቃል ሰራዊት እስራኤል ዳንኤል ሃጋሪ እቲ ስርሒት ኣዝዩ ቅርጡውን ዕላምኡ ዝሃረመን ከምዝነበረ’ዩ ዝገልጽ።

ኣብቲ ስርሒት ሓደ ካብ ፍሉያት ሓይልታት እስራኤል ተሃሪሙ ናብ ሆስፒታል ምስ በጽሐ ከምዝሞተ’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ዳንኤል ሃጋሪ፡ ኣርባዕቲኦም እቶም ካብ ሓማስ ነጻ ዝወጽኡ ጥዕንኦም ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዝርከብን ኣብ ጥቃ ከተማ ተልኣቪቭ ኣብ ዝርከብ ማእከል ጥዕና ምስ ስድርኦም ክራኸቡ ከምዝተገበረን ገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ ነቲ ብሰራዊት እስራኤል ዝተኻየደ ስርሒት ብምንኣድ “ትብዓታውን ብልሓታውን” ስርሒት ብምባል ገሊጽዎ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብምስዓብ “ነቲ ስርሒት ክሳብ ንውድኦን፡ ነቶም ብህይወቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉን ሬሳ ናይቶም ዝሞቱን ኩሉም ናብ ገዝኦም ክሳብ ንመልሶም ስርሒታት ካብ ምክያድ ደው ኣይክንብልን ኢና” ኢሉ።

ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ዮቭ ጋላት ብወገኑ፡ ሰራዊት እስራኤል ነቶም ኣርባዕተ ነጻ ንምውጻእ ናብ ‘ብርቱዕ ሓዊ’ ከምዝኣተወ ብምግላጽ፡ “ኣነ ኣብ ሰራዊት እስራኤል ን47 ዓመታት’የ ሰሪሐ፡ እዚ ስርሒት ከኣ ሓደ ካብቶም ብዓይነይ ዝተዓዘብክዎ ጅግንነታዊ ስርሒታት’ዩ” ኢሉ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብቲ ስርሒት፡ ኣመሪካ ንእስራኤል ስለያዊ ሓበሬታ ብምስናቕ ከምዝተሓጋገዘት መሻርኽቲ ቢቢሲ ዝኾነት ማዕከን ዜና ሲቢኤስ ካብ ሰብ መዚ ኣመሪካ ብዝተረኸበ ሓበሬታ ከተረጋግጾ ክኢላ ኣላ።

ስድራ ናይቶም ነጻ ዝወጽኡ ኣብ ዝሃብዎ መግልጺ፡ እቲ ስርሒት ኣዝዩ ዝድነቅ ምንባሩ ብምግላጽ ንሰራዊት እስራኤል ኣመስጊኖም።

እቶም ስድራ ብምስዓብ “መንግስቲ እስራኤል ገና ነቶም ኣብ ትሕቲ ሓማስ ጅሆ ተታሖዞም ዘለዉ 120” ነጻ ናይ ምውጻእ ሓላፍነት ከምዘለዎ ኣዘኻኺሮም።

እቲ ስርሒት ኣብ ጥቃ መዓስከር ተመዛበልቲ ኑሰራት ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ኣብ ጥቃ ብዙሕ ሰብ ብጻዕቂ ዝነበሮ ስለዝተኻየደ ብዙሕ ሞት ከምዘኸተለ’ዩ ብወገን ፍሊስጤም ዝሕብር ዘሎ።

ሰብ መዚ ሓማስ በቲ እስራኤል ትማሊ ዘካየደቶ ስርሒት ብውሕዱ 400 ሰባት ከምዝቆሰሉ’ዮም ዝሕብሩ።

ፕረዚደንት ፍሊስጤም መሓሙድ ዓባስ፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ነቲ “ብእስራኤል ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ጽንተት” ብህጹጽ ክዝትየሉ ጸዊዑ።

ላዕለዋይ ወኪል ጉዳያት ወጻኢ ኣውሮጳዊ ሕብረት ዝኾነ ጆሴፍ ባሮል ብኤክስ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ'ውን “ካብ ቓዛ ዝመጽኣና ዘሎ ጸብጻብ ካልእ ጽንተት ሰለማውያን ሰባት ዘርኢ’ዩ” ድሕሪ ምባል “ነዚ ብኸቢድ ንኹንኖ፡ ብቅጽበት ከኣ ደው ክብል ኣለዎ” ኢሉ።

ዕጡቓት ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ለዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምፍናው ኣስታት 1200 ቀቲሎም 251 ሰባት ጅሆ ሒዞም ምስ ወሰዱ፡ እስራኤል ብዘካየደቶ ተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ቁጽሪ ኣብ ቓዛ ናይ ዝሞቱ ሰለማውያን ሰባት 36 ሽሕን 801 ከምዝበጽሐ ፀብፃባት ይሕብሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ኣብ ሞንጎ ሓማስን እስራኤል ብዝተገበረ ስምምዕ፡ ካብቶም ጅሆ ተታሒዞም ዝነበሩ፡ 105 ነጻ ክልቀቁ እንከለዉ፡ እስራኤል ብወገና ካብቶም ኣሲራቶም ዝነበሬት ፍሊስጤማውያን 240 ነጻ ከምዝሰደደት ይዝከር።