‘ደጊም ብሰላም ኣይኣምንን’ - ብሓማስ ጅሆ ተታሒዛ ዝጸንሐት እስራኤላዊት ተቓላሲት ሰላም

ምንጪ ስእሊ, EPA
ጓል 75 ዓመት ኣዳ ሳጊ እስራኤላዊት ተቓላሲት ሰላም ከምኡ’ውን መምህር ቋንቋ ዓረብን እብራይስጥን እያ።
ንሳ፡ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ልዕሊ እስራኤል ድሕሪ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ጅሆ ተታሒዛ ኣብ ቓዛ ን53 መዓልቲታት ጸኒሓ።
እዛ ኣብ ወርሒ ሕዳር ሓራ ዝወጽአት እስራኤላዊት ተቓላሲት ሰላም፡ ኣብ መንጐ ፍልስጤማውያንን እስራኤላውያንን ሰላም ክፍጠር ይኽእል’ዩ ዝብል እምነት ነይርዋ።
እዚ ዝነበራ እምነት ግን ኣብተን ጅሆ ተታሒዛ ዘሕለፈተን መዓልቲታት ከም ዝሃሰሰ ንቢቢሲ ገሊጻ።
ኣዳ ሳጊ ኣብቲ ንፈለማ እዋን ንቢቢሲ ዘሃበቶ ቃል መጠይቕ፡ ብኸመይ ብዝኽፈሎም ሓለውቲ ኣብ ሓደ ኣፓርታማ ተታሒዛ ከም ዝጸንሐት፡ ቅድሚ ምፍታሓ ሓማስ ኣብ ሆስፒታል ከም ዘቐመጣ ከምኡ'ውን ሕጂ ዓለም ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ ጽልኢት ከም ዘሕደረትን ትዛረብ።
“ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ብሰላም እኣምን ነይረ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ዓረብኛ ክምህር ዝጀመርኩሉ ምኽንያት’ውን እዚ እዩ። ምናልባት ኣብ መንጐ ኣብ ኣብ እስራኤል ዝርከብ ህዝቢ ዓረብን ህዝቢ ኣይሁድን ሰላም ክፍጠር ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ነይሩኒ።"
ካብ ሕጂ ንደሓር ግን "ኣነ ብሰላም ኣይኣምንን እየ፤ በዚ ድማ ኣይሓዝንን" ትብል።
"ሓማስ [ሰላም] ከም ዘይደልይ ተረዲአ’የ።"
ሳጊ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ጥቓ ዶብ እስራኤልን ቃዛን ኣብ ዝርከብ ኒር ኦዝ ኪቡትዝ ተቐሚጣ።
ንሳ፡ እስራኤላውያን ቋንቋ ዓረብ ብምምሃር ምስ ጎረባብቶም ክረዳድኡ ብምግባር ንጻዕርታት ዕርቂ ክትሕግዝ ትፍትን ነይራ።
ኣብ ቀውዒ 2023 ናብ ለንደን ከይዳ ምስ ወዳ ኖኣም ክትራኸብን ዕለተ ልደታ ኣብኡ ከተብዕልን መደብ ነይርዋ።
እዚ ኵሉ ግን ድሕሪ'ቲ ሓማስ ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ተቐይሩ።
ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ 1200 ሰባት ከም ዝሞቱ ክግለጽ እንከሎ 251 እስራኤላውያን ድማ ጅሆ ሒዙ ናብ ቓዛ ከም ዝወሰደ እስራኤል ትገልጽ።
ኣዳ ሳጊ ሓንቲ ካብኣቶም እያ።
በቶም “ኣሸበርቲ ሓማስ” ኢላ እትገልጾም ጅሆ ተታሒዛ ናብ መበል 75 ዓመት ዕድሚኣ ዝኣተወት ኣዳ፡ ኣብ መወዳእታ ድሕሪ 53 መዓልታት ሓራ ወጺኣ።
ንሳ፡ ካልኦት 116 ጅሆ ዝተትሓዙ ሰባት ከም ዘለው ትገልጽ።
ካብዚኦም እቶም 41 ሞይቶም ብምባል መንግስቲ እስራኤል ምስ ሓማስ ኣብ ሓድሽ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲን ምፍታሕ ጅሆታትን ክሰማማዕ ተላብያ።
"እስራኤል ኣብቲ ውዕል ክትሰማማዕ ኣለዋ... ነዞም ኵሎም ብህይወት ዘለዉን ሞይቶምን ዘለዉ ጅሆ ናብ ሃገሮም ክትመልሶም ኣለዋ" ትብል።
ኣዳ፡ ንመጀመርታ ግዜ ናብ ቓዛ ኣብ ዝተወስደትሉ እዋን፡ ንሳን ገለ ካልኦት ጅሆ ዝተታሕዙን ኣብ ሓደ ናይ ስድራቤት ገዛ ምስ ቈልዑ ከም ዝተሓብኡን፡ ንጽባሒቱ ግን "ሓደገኛ" ስለ ዝነበረ ናብ ሓደ ኣብ ደቡባዊት ከተማ ካን ዩኒስ ከም ዝተወስዱን ትገልጽ።
ዋና እቲ ኣፓርታማ፡ በዓልቲ ቤቱን ደቁን ምስ ሓማቱ ክጸንሑ ከም ዝተላእኩ ከም ዝነገሮም ትገልጽ፤ ንሱ ነርስ ከም ዝነበረ’ውን ወሲኻ ትዛረብ።
ተመሃሮ ንኽሕልዎም ገንዘብ ይኽፈሎም ከም ዝነበረ ድማ ትዝክር። "ንሓደ መዓልቲ... 70 ሰከል (18.83 ዶላር) ክብሉ ሰሚዐዮም። ስራሕ ስለ ዘይብሎም ኣብ ቓዛ ብዙሕ ገንዘብ'ዩ። ምስ ሓማስ ዘይኰነ ስራሕ እንተሃልዩካ ድማ ንሓንቲ መዓልቲ ካብ 20 ሸከል ኣይበልጽን" ትብል።
ኣብ ወርሒ ሕዳር ንሓደ ሰሙን ዝጸንሐ ምቁራጽ ተኹሲ ስዒቡ 105 ጅሆታትን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ እስራኤልን ኣስታት 240 ፍልስጤማውያን እሱራትን ክፍትሑ እንከለዉ እያ ንሳውን ተፈቲሓ።
ኣዳ፡ ኣብ ሓሙሻይ መዓልቲ ናይቲ ስምምዕ ክሳብ ዝተፈትሓትሉ መዓልቲ ምስ ካልኦት ትሽዓተ እስራኤላውያንን ክልተ ታይላንዳውያንን ዘሕለፈቶ ዘስካሕክሕ ዘይርጉጽነት ትገልጽ።
"ምስ ነፍሲ ወከፍ ምኹሕኳሕ ማዕጾ ዝወስደካ ሰብ ዝመጽእ ዘሎ ኰይኑ ይስምዓካ" ትብል።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ውዕል ከም ዘሎን እተን ዕድሚአን ዝደፍአ ደቂ ኣንስትዮ ክፍትሓ ምዃነንን ምስ ሰምዑ፡ ሓንቲ ካብተን ኣብ መወዳእታ ምስኣ ነጻ ዝወጽኣ ደቂ ኣንስትዮ ዕድሚኣ ካብቲ ዝድለ ዝወሓደ ክኸውን’ዩ ኢላ ሰጊኣ ከም ዝነበረት ትዝክር።
"እቲ ሓላዊ ገዛ ግን፡ ‘ኣይፋልን። ብሓደ ኢኽን መጺእኽን፡ ብሓደ ድማ ክትከዳ ኢኽን’ ኢሉ" ክትብል ወሲኻ ትገልጽ።
ኣብ መበል 49 መዓልቲ - ዓርቢ - ኣዳ ሳጊ፡ "ንገዛኽን ክትከዳ ኢኽን" ከም ዝተባህላን ንምእማን ከም ዝተጸገመትን ተዛሪባ።
"ኣብ ግዜ ምሳሕ መግቢ ሂቦምና... ብመኪና ናብ ካን ዩኒስ ወሲዶምና [ክሳብ] ዶብ ራፋሕ [ኣብ ዶብ ግብጺ] ከይድና።"
ግን ገለ ጌጋ ተፈጺሙ ስለ ዝነበረ ናብ ካን ዩኒስ ክምለሳ ተገዲደን።
"ቈልዑ ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ይፍትሓ ከም ዘለዋ ተነጊሩና፤ ክፍታሕ’የ ዝብል ሓጎስ ይስምዓካ፡ [ድሕሪኡ] ግን ገለ ጌጋ የጋጥም" ትብል።
ናብታ ከተማ ምስ ኣተዉ፡ ናብ ሓደ ሆስፒታል ተወሲዶም፡ "ኣብዚ ክትሓድራ ኢኽን" ተባሂለን።
ኣዳ፡ "ሰባት ኣይንሳተፍን ይብሉ። ግን ይሳተፉ ኣለዉ... ንነፍሲ ወከፍና ድማ ገንዘብ ይረኽቡ" ክትብል ወሲኻ ገሊጻ።
ካብ ካልኦት ብርክት ዝበሉ ዝተፈትሑ ጅሆታት ዝተረኽበ ምስክርነት፡ ብድምር ዓሰርተ ጅሆ ዝተትሓዙ ሰባት ኣብ ሆስፒታል ናስር ከም ዝተቐመጡን ሓደ ካብኣቶም ኣብ ምርኮ ከም ዘሎን ይሕብር።
ዳይረክተር እቲ ሆስፒታል ዶክተር ኣተፍ ኣልሁት ብዛዕባ ክሲ ኣዳ ሳጊ ርእይቶ ክህብ ብቢቢሲ ምስ ተሓተተ፡ ዝዀነ ጅሆ ዝተታሕዘ ሰብ ኣብቲ ሆስፒታል ከም ዘይተቐመጠ ብምንጻግ እቲ ሆስፒታል ሰብኣዊ ኣገልግሎት ጥራይ ከም ዝህብ ገሊጹ።
ሰራዊት እስራኤል ቅድሚ ሕጂ ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ ልዕሊ ሆስፒታል ናስር ኣብ ዘካየዶ ዘመተ፡ ሰራዊቱ "ኣብቲ ሆስፒታል ዝነበሩ ኣስታት 200 ኣሸበርቲ" ከም ዝኣሰሩን፡ ንእስራኤላውያን ምሩኻት ዝተሓሰቡ ተተኮስቲ ከምኡ'ውን ኣብ ጥቕሚ ዘይወዓሉ መድሃኒታት ከም ዝረኸቡን ገሊጹ ነይሩ።
ሓማስ ግን፡ ተዋጋእቱ ኣብ ውሽጢ ናስርን ካልኦት ኣብ መላእ ቓዛ ኣብ ዝርከባ ሆስፒታላትን ይንቀሳቐሱ ኣለዉ ዝብል ክሲ እስራኤል ነጺጉ’ዩ።
ኣዳ ሳጊ ንሳን እቶም ካልኦት ካብቲ ብ7 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝደሓኑ ነበርቲ ኒር ኦዝን ሕጂ ኣብ ከተማ ኪርያት ጋት ኣብ ዝርከቡ ኣፓርታማታት ይነብሩ ከም ዘለዉ ገሊጻ።
መጽሓፍ ትጽሕፍን ምስ ምጉዳል ኣቓልቦን ልዕሊ ዓቐን ምንቅስቓስን (ADHD) ዘለዎም ህጻናት ትሰርሕን ኣላ።
“ንኻልኦት ሰባት ክሕግዝ ምኽኣለይ ጽቡቕ ስምዒት ፈጢሩለይ’ዩ” ድማ ትብል።
እቲ ዘጋጠማ መከራ ሓያል ስምዒታት ዘምጽኣላ’ኳ እንተዀነ፡ ብዛዕባኡ ክትዛረብ ግን ድሌት ኣለዋ።
"መንበርየይ ስኢነ። እቲ ክምለሶ ዝደሊ ኵሉ ቦታ - ናጽነተይ ስኢነ ። ቁሸትና - ኪቡትዝ - ዓንያ" ትብል።
“ነቢዐ። ኣነ ከምቲ ኵሉ ሰብ ዝብሎ ‘ብርትዕቲ ሰበይቲ’ ኣይኰንኩን። ሓደ ሓደ ግዜ ትበኪ’ሞ ቅልል ይብለካ። ኣደይ፡ ‘ምብካይ፡ ዓይኒ የጽርይ’ዩ’ ትብል ነይራ።”




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







