ካብቶም ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ሓደ እስራኤላውን ሓደ ኣሜሪካውን ብህይወት ምህላዎም ተረጋጊጹ

ምንጪ ስእሊ, HOSTAGE VIDEO
ብሓማስ ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ ካብቶም ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ሓደ ኣመሪካዊን ሓደ እስራኤላዊን ኣብ ቃዛ ብህይወት ከምዘለዉ ኣረጋጊጹ።
እቲ ቪድዮ መዓስ ከምዝተሳእለ ዝሕብር ምልክት እኳ እንተዘይሃለዎ እቲ ኣብቲ ቪድዮ ዘሎ እስራኤላዊ ዑማሪ ሚራን ግን ን202 መዓልታት ከምዝተኣስረ ይገልጽ።
ኣሜሪካዊ ኪት ሲጊል’ውን ኣብ መደረኡ ነቲ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ዝተኸበረ በዓል ኣይሁድ ጠቒሱ፣ እዚ ድማ እቲ ቪድዮ ኣብ ቀረባ እዋን ከምዝተቐድሐ ዘመልክት ኮይኑ።
ክልቲኦም፡ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ኣብ ዝፈጸመሉ ጅሆ ዝሓዞም’ዮም።
ነቲ ቪድዮ ስዒቡ፡ ስድራ እቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት፡ መንግስቲ እስራኤል ምስ ሓማስ ብምዝርራብ ነቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ነጻ ከውጽኦም ጸዊዖም።
ሓማስ ነቲ ስእሊ ናይቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ዘውጽኦ፡ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ሓድሽ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ይካየድ ከምዘሎ ኣብ ዝተገልጸሉ እዋን እዩ።
ንኽልቲኡ ወገናት ትሽምግል ዘላ ግብጺ፡ ኣዛተይቲ ናብ እስራኤል ከምዝሰደደት ይንገር።
እንተኾነ እቲ ሽምግልና ዕዉት ክኸውን እንተኾይኑ እስራኤል ኣብ ራፋሕ ተካይዶ ኣላ መሬታዊ ስርሒታት ደው ከተብል ሓማስ ከኣ ነቶም ጅሆ ሒዝዎም ዘሎ ነጻ ክፍንውም ኣለዎ።
ኣሜሪካዊ ሲጊል ምስ በዓልቲ ቤቱ ኣቪቫ’ዩ ጅሆ ተታሒዙ ነይሩ፡ እንተኾነ በዓልቲ ቤቱ ኣቪቫ ሓንቲ ካብቶም ኣቐዲሞም ኣብ ዝተገብረ ስምምዓት ናጻ ዝወጹ ጅሆታት እያ።
ኣቪቫ ድሕሪ ምፍታሓ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት፡ በዓል ቤታ ሲጂል ብህይወት ክተርፍ ድዩ ኣይክተርፍን ጥርጣረ ከምዘለዋ ገሊጻ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ድሕሪ ምዝርጋሕ እቲ ቪድዮ፡ ጓል ሲጂል ኢላን፡ "ሎሚ ኣብቲ ቪድዮ ኣቦይ ምርኣየይ፡ ኩላትና ነቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ንኽፍትሑ ክንላዘብ ክንፍትን ከምዘለና ኣዘኻኺሩኒ" ኢላ።
ኣቦ ኦማሪ ሚራን ዳኒ ሚራን እውን እቲ ቪድዮ ምስተዘርግሐ ኣብ ቴልኣቪቭ ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞ ተሳቲፉ እዩ።
ዳኒ ሚራን ወዱ ብህይወት ከምዘሎ ምፍላጥ ዓቢ እፎይታ ከምዝኾነን መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ኔታንያሁ ነቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ሓራ ንምውጻእ ዝሓሸ ክገብር ኣለዎ ኢሉ።
ቅድሚ ሓደ ሰሙን ሓማስ ንወዲ 23 ዓመት ሄርሽ ጎልድበርግ-ፖሊን ዝተባህለ እስራኤላዊ ኣሜሪካዊ ዘርኢ ስእሊ እውን ኣውጺኡ ነይሩ።
ኣብ ስእሊ፡ እቲ ወዲ 23 ዓመት ካብ ታሕተዋይ ጉምቦ ኢዱ ተቖሪጹ ከምዘሎ ዘርኢ’ዩ።
ሄርሽ ጎልድበርግ-ፖሊን ኢዱ ሓማስ ኣብቲ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልእሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ኣብ ዝፈጸመሉ’ዩ ተሃሪሙ።
ኣብዚ ቪድዮ፡ ወዲ 64 ዓመት ሲጅልን ወዲ 46 ዓመት ሚራንን፡ መንግስቲ እስራኤል ነቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ነጻ ንምውጻእ ምስ ሓማስ ክዘራረብ ክሓቱ ይረኣዩ።
ሚራን። “ብሓማስ ካብ ዝታሓዝ 202 መዓልታት ኮይኑ ኣሎ። ኣብዚ ዘሎ ኩነታት ኣዝዩ ከቢድ እዩ” ይብል።
ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ዝካየድ ዝነበረ ዘተ ብሰንኪ ዝተፈላለዩ ዕንቅፋታት ደው ኢሉ ኣሎ።
ኣቐዲማ እስራኤል ንሽዱሽተ ሰሙን ተኹሲ ደው ክብል ብምስምማዕ ካብቶም ብሓማስ ተታሒዞም ዘለዉ 40 ጅሆታት ነጻ ክፍነዉ ሓቲታ እንተኾነ ሓማስ ነዚ ነጺግዎ።
ሓማስ፡ እስራኤል ኣንጻሩ እትገብሮ ዘላ ኲናት ምሉእ ብምሉእ ኣቛሪጸ፡ ሰራዊት እስራኤል ካብ ቃዛ ምሉእ ብምሉእ ምስ ወጸአ፡ እቶም ተመዛበልቲ ናብ ዓድታቶም ምስ ተመልሱ፡ ንኹሎም ጅሆታት ከም ዝፈትሖም’ዩ ይገልጽ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ኔታንያሁ ዝመርሖ መንግስቲ ብወገኑ ንሓማስ ኣጥፊኡ ነቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ሓራ ከምዘውጽኦም ብተደጋጋሚ ክዛረብ ይስማዕ።
ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ዘካየዶ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ልዕሊ 1200 ሰባት ቀቲሉ 250 ሰባት ጨውዩ ናብ ቃዛ ከምዝወሰዶም ይዝከር።
ብኻልእ ወገን እስራኤል ኣብ ቃዛ መብዛሕትም ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ዝኾኑ ልዕሊ 34 ሽሕ ሰባት ቀቲላ ከምዘላ ብሓማስ ዝምሓደር ሚኒስተሪ ጥዕና ይሕብር
ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ሞንጎ ሓማስን እስራኤል ብዝተበጽሐ ስምምዕ፡ እስራኤል ንሓደ ሰሙን ቶኵሲ ደው ብምባላ ሓማስ ካብቶም ጅሆ ዝሓዞም መብዛሕትኦም ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝኾኑ 105 ሰባት ነጻ ከምዝፈነወ ይዝከር።
ካብቶም ምስ ሓማስ ተሪፎም ዘለዉ 133 ጅሆ ዝተተሓዙ ሰባት ኣስታት 30 ዝኾኑ ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይግመት።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







